ስም ዓብዱ ሐጅ ክጥቀስከሎ፡ ብዙሓት ብፍላይ ድማ መስኮት ተለቪዢን ኤርትራ ዝከታተሉ ዝነበሩ ወይውን ንሓደ ኣምባሳደር ናይ ኤርትራ ዝነበረ ኣብዚ እዋን ግና ኣብ ኤርትራ ኣብ ማሕቡስ ዝርከብ ክዝክሩ ይኽእሉ። ሎሚ ግና ብዛዕባ ዓብዱ ሐጅ ዘይኮነስ ምስ ዉላዱ ዝኾነት መንእሰይ ዊኣምን ስርሓን ኢና ክንፋለጥ። ምስ ኣዲኣን ኣሕዋታን ኣብ መንበርን ትነብር ፋሺን ዲዛይነር በዓልቲ ብሩህ መጻኢ ዊኣም ዓብዱ ሐጅ፡ ቅድሚ በቲ ዓውዲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ምጅማራያ ብንእስነታ ነቲ ሞያ ጀሚራቶ፡ እቲ ትነጥፈሉ ዓውዲ ብኸመይ ጀሚራቶ፡ ዕድላቱን ግድላቱን፡ ህልዊን መጻኢን መደባታን ካልእን ኣዕሊላትና ኣላ፡ መንእሰይ ዊኣም ዓንዱ ሐጅ። (ብምኽንያት 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ዳግም ዝቐረበ መደብ)
Jun 11, 2025•11 min
** ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ናይ ኦስትሪያ ብጥይት ንተኳሲ ወሲኹ 11 ሰባት ተቐቲሎም ... ** ትራምፕ፡ ሎስ ኣንጅለስ ብናይ ወጻኢ ሓይሊ ስለ ተወረረት “ነታ ከተማ ነጻ ከነውጽኣ ኢና።” ኢሉ። ** ጋንታ ሶኮሩ ን ሱዕዲ ዓረብ ስዒራ ናብ ፊፋ 2026 ምሕላፋ ኣረጋጊጻ።
Jun 11, 2025•6 min
ትሕቲ ዕድመ ከላ ተመርዕያ ትሕቲ ዕድመ ከላ ድማ ቆልዓ ወሊዳ እያ ናብ ኣውስትራሊያ ተሰዲዳ። ንኹሉ ዘጋጥማ ማሕለኻታት ሰጊራ ግና፡ ንሓሙሻይ ርእሳ ስራሕ ዝፈጥር ናይ ስነ ጽባቐ ስራሕ ንግዲ ኣማዕቢላ። ዛጊት ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ዝመጹ ብዙሓት ዓማዊል ኣጥርያ ኣላ። እታ ኣብ እዋን ንእስነታ ዝወለደታ ዓባይ ጓላውን ኣብ ስራሕ ትሕግዛያ፡ ብስነ-ጽባቐን ኣርትን ትመሃር ኣላ። ናይ ርሑቕ ጠመተ ሓናን ምስ ጓላ ነቲ ቢዝነስ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንምብጻሕ ዘይሕለል ጻዕሪ እያ ትገብር ዘላ። ብምኽንያት ዝኽሪ ምጅማር 50 ዓመት SBS ዳግም ናብ ሰማዕቲ ኣቢልናዮ ኣለና።
Jun 10, 2025•20 min
** ኣብ ሎስ ኣንጀልስ ተላዒሉ ዘሎ ማዕበል ተቓዉሞ ደው ንምባል ኣማኢት ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ን ሃገራዊ ሓለዋ ክሓብሩ ትእዛዝ ተዋሂቡ። ** ኣባል ሰልፊ ለበርን ምክትል ፕሪሜር ኒው ሳውዝ ወልስ ፕሩ ፓር ብካንሰር ጡብ ሓሚማ... ** ረድኤትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሒዛ ካብ ኢጣልያ ናብ ቓዛ እትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ብወተሃደራት እስራኤል ከም ዝተታሕዘት ተፈሊጡ። ** ኣብ ማራቶን ኣስመራ 2025፡ ኣባል ክለብ ደንደን ደበሳይ ደሳለ ቀዳማይ ወጺኡ።
Jun 10, 2025•6 min
ስዒድ ዓብደላ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ብፍላይ ድማ ኣብ ደርፊ ትግረ ዓቢ እጃም ዘበርከተ እዩ፡ ሎሚ ብስደት ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነብር ዘሎ ወዲ ዓብደላ ኣብ ደርፊ ዝገበሮ ስራሓትን ኣብ ዘበን ስደቱ ዘለዎ ትልሚን ምስ ሬድዮ ኤስ.ቢ.ኤስ ኣዕሊሉ ኣሎ ምሉእ ትHዝቶ እቲ ዕላል ንምስማዕ ኣብዚ ተውቑ፡፣
Jun 09, 2025•34 min
ን ሎሚ 09 ሰነ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ሎሚ 9 ሰነ ኤስ ቢ ኤስ ዝጀመረሉ መበል 50 ዓመት እዩ። በዚ ኣጋጣሚ እንቋዕ ኣብጽሓና ንብል። እቲ ኣብ 1975 ብዉሑዳት ቋንቋታት ዝጀመረ መደብ ኣብዚ እዋን ንከም ቋንቋታት ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ሶማልን ዲንካን ካልእ ቋንቋታት ኣፍሪቃ ወሲኹ ብልዕሊ 60 ቋንቋታት ዝተፈላለዩ መደባት ኣብ ምቕራብ ዝነጥፍ ዘሎ ህዝባዊ ሬድዮ እዩ። ነዚ ናይ መበል 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ምኽንያት ብምግባር፡ ቋንቋ ትግርኛ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ንማሕበረሰቦም ፖሊሲታት መንግስቲ ኣብ ምፍላጥ፡ ተመኩሮኦም ኣብ ምክፋልን ንሓደሽቲ መጻእቲ ኣብ ኣውስትራሊያ እግሮም ክተኽሉ በብእዋኑ ኣብ ኣድዮ ኤስ ቢ ኤስ እናቐረቡ ሓሳቦም ዘቕርቡን ነዚ ራድዮ ኣብ ምድንፋዕ ዓቢ ግደ ካብ ዝገበሩ መራሕቲ መልእኽቲ እንቋዕ ኣብጽሓና ኣቕሪቦም ኣለው። ንሳቶም ድማ ወ/...
Jun 09, 2025•49 min
ኣርእስታት ዜና፥ 830 ኣውስትራሊያውያን ከም ኣካል ጽምብል መዓልቲ ልደት ንጉስ ናይ ክብሪ ስልማታት ረኺቦም እዮም ። ፕረዚደንት ትራምፕ ፡ 2,000 ወተሃደራት ሃገራዊ ሓለዋ (National Guard) ነቲ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ተፈጢሩ ዘሎ ዕግርግር ደው ንኸብሉ ኽወፍሩ ስልጣን ሂብዎም ኣሎ ፣ ካርሎስ ኣልካርታዝ ኣብ ተኒስ ዉድድር ፍረንች ኦፐን ንጃኒክ ሲነር ብምስዓር ሻምፕዮን ኮይኑ ።
Jun 09, 2025•12 min
ብምኽንያት ዝኽሪ ምጅማር SBS መበል 50 ዓመት ምስ ፕሮ.በረኸት ሃብተስላሴ፡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ንድፊ ቅዋም ኤርትራ ኮይኑ ቅዋም ዝጸሓፈ ኣብርእሲ ምዃኑ ብዛዕባ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክኒኡን ብዛዕባ ኣፍሪቃን ዓለምን ዝምልከት ብዙሕ ጽሑፋትን መጻሕፍቲን ጽሒፉ ዘሕተመ እዩ። ብዛዕባ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ዘዕለልናዮ ደጊምና ኣቕሪብና ኣለና። “ህዝቢ ኤርትራ መስተንክር ታሪኽ ዝሰርሐ ህዝቢ ስለዝኾነ ክእለት ዘለኩም ብዛዕባኡ ክትጽሕፉ ኣለኩም።”
Jun 09, 2025•39 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (09/06/2025) * ቅድድም ብሽግለታ ክራይተርየም ዱ ዶውፊን ብዓወት ኣባል ጋንታ ዩኤኢ ቲም ኤሚረትስ - ኤክስኣርጂ ዝኾነ ስሎቨንያዊ ታደይ ፖጋቻር ኣብ ፈረንሳ ተጀሚሩ፣ ኤርትራውያን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ይሳተፉ’ለዉ፣ * ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ታዱ ተሾመ ማሩ ካብ ውድድር ወጻኢ ወዝቢ ንዝካየድ መርመራ ደም ኣትለቲክስ ዓለም ዘላቶ ቦታ ብዘይምሕባራ ጥሕሰት ፈጺማ ናይ 22 ኣዋርሕ እገዳ ተነቢሩላ፣ * እንግሊዛዊት ጋንታ ቶተንሃም ሆትስፐር ንኣውስትራልያዊ ኣሰልጣኒኣ ዝነበረ ኣንጅ ፖስትኮግሉ ክልተ ወቕትታት ምስኣ ድሕሪ ምጽንሑ ከም ዘባረረቶ ኣፍሊጣ, * ክሪስትያኖ ሮናልዶ ኣብ መበል 40 ዓመቱ ንሃገሩ ጽዋዕ ኣዕቲሩ፣
Jun 08, 2025•9 min
ሃገራዊ መድሕን ኮርፐረሽን ኤርትራ፡ኣስታት $6-ሚሊዮን ዶላር ከም'ዝኸሰበ ኣፍሊጡ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪክ በሪ ባሕሪ(ወደብ) ዝሰኣነትሉ መገዲ ዘየለ ግፍዒ ክብል ገሊጹዎ። ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ ንብልጽግና ነቒፉ ሎ። ኣብ ኣክሱም ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ብህጹጽ ክፍትሑ ማሕበር ጋዜጠኛታት ትግራይ ሓቲቱ። ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኖርወይ ንኢትዮጵያ ዝተመዛበሉ ዜጋታታ ብምርሳዕ ኣብ ዓለም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣቐሚጥዋ። "ይኣክል ሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ !! " ዝብል ቴማ ዘለዎ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ዪ። ዴሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ፈላማይ ኣኼባ ኣመራርሓ ዞባታት ተዛዚሙ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና።
Jun 08, 2025•8 min
ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዯጵያን ብናህሪ ክኸይድ ጀሚሩ ዝነበረ ናይ ሰላም ኩነታት ንብዙሓት ዘሐጎሶምን ዘገረሞምን፡ ዘሰክፎምን ኔሮም። ብዛዕባ'ዚ ኣብቲ እዋን ዋና ዳይረክተር ፐን ኤርትራ ኣብርሃም ተስፋል ኡልን ጋዜጠኛ ተመስገን ደበሳይን ትዕዝብቶም ምስ ረዲዮ ኤስ ቢ ኤስ ኣካፊሎም ነይሮም። ብምኽንያት ዝኽሪ 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ዳግም ቅሪቡ ኣሎ። ኣብዚ እዋን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት'ውን ንምንጽጻር ዝሓግዝ ርእይቶታት ዘለዎ እዩ።
Jun 06, 2025•31 min
ንሎሚ ሓሙስ 05 ግንቦት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መበል 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ምኽንያት ብምግባር፡ ቋንቋ ትግርኛ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ንማሕበረሰቦም ፖሊሲታት መንግስቲ ኣብ ምፍላጥ፡ ተመኩሮኦም ኣብ ምክፋልን ንሓደሽቲ መጻእቲ ኣብ ኣውስትራሊያ እግሮም ክተኽሉ በብእዋኑ ኣብ ኣድዮ ኤስ ቢ ኤስ እናቐረቡ ሓሳቦም ዘቕርቡን ነዚ ራድዮ ኣብ ምድንፋዕ ዓቢ ግደ ካብ ዝገበሩ መራሕቲ መልእኽቲ እንቋዕ ኣብጽሓና ኣቕሪቦም ኣለው። ንሳቶም ድማ ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም፡ ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድ፡ ኣቶ ኬነዲ ወልደማርያምን ኣቶ ልኡል ፍስሃየን እዮም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ትግራይ ዝተተኽለ ኬላታት ደው ንክብል ኣዚዙ። ሰራዊት ኤርትራ ካብ ወረዳታት ጉሎመኸዳን ኢ...
Jun 05, 2025•50 min
ኣብ ሓደ መዓልቲ ሰብኣይን ሰበይቲን ናይ ፒኤች ዲ ትምህርቶም ዛዚሞም ምስዝተመረቑ ምስ ዶ/ር ካሕሱ ገብረክርስቶስን ዶ/ር ኣጸደ ፋንታሁንን ዝተገብረ ዕላል
Jun 05, 2025•31 min
ኣርእስታት ዜና፥ ናብ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዝኣቱ ሓጺን ንኹለን ሃገራት ብዕጽፊ ግብሪ ወይ ታሪፍ ተወሲኑ ን ኢንግላንድ ግን ብ ምምሓሩ ኣውስትራሊያ ተመሳሳሊ ምሕረት ክግበረላ ትትስፎ። ናብ መካ ዝግበር ሓጅ ወይ ንግደት ጀሚሩ ፡ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ዝዀኑ ኣስላም ድማ ሃይማኖታዊ ግቡኦም ንምፍጻም ካብ መላእ ዓለም ናብ ስዑዲ ዓረብ ይጓዓዙ ኣለዉ ። ኣውስትራልያዊት ኰዀብ ተጻዋቲት ተኒስ ባይታ ኤመርሰን ጆንስ ኣብ ዉድድር French Open ናብ ግጥም ርብዒ ፍጻመ በጺሓ ።
Jun 05, 2025•10 min
ስነ-ጥበባዊ ካሕሳይ በርሀ ንፌስቲቫል ኤርትራ 2018 ናብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝበጽሓሉ ኣዋን ኣብዚ ምስዘለዉ ኣድነቕቱን ምስ ብጻዩን ናይ ቀደም መሳርሕቱን ኣሌክስ ካሕሳይን ተራኺቡ ነይሩ። ካሕሳይን ኣሌክስን ናብ ስቱዲዮ ሬድዮ ኤስ.ቢ.ኤስ ብምባጻሕ ድማ ንድሕሪት ተመሊሶም ብዛዕባ ኣዱሊስ ባንድን ብዛዕባ ዘለዉዎ ኩነታትን ኣዕሊሎም ኣለዉ። ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ብምጥዋቕ ክስማዕ ይከኣል’ዩ።
Jun 05, 2025•43 min
In the central west of New South Wales, Dubbo is home to some of the largest Nepali and Indian communities in the state. - ኣብ’ዚ ዓመት፣ ኤስቢኤስ 50 ዓመት ይገብር ኣሎ፣ ነዚ ንምብዓል ዛንታታት ስግረ-ባህላውያን ዓወታትን ሕቡናት ብዝሐ ባህላውያን ማሕበረሰባትን ነቕርብን ነካፍልን ኣለና። ብዛዕባ ኣብ ከባቢታት ገጠር ዝርከባ ንኣሽቱ ከተማታት ዝጸንሐ ብሂል ወይ ኣረኣእያ’ሎ፣ ግሉላት ዝኾና፣ ኣብ ገለ እዋናት’ውን፣ ኣጋይሽ ብጽቡቕ ዘይቅበላ። እዚ ግን ሓቂ ድዩ፧ ኣብ ሃገረ ዊራድጁሪ፣ ማእከላይ ምዕራብ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ ትርከብ እዚኣ ንእሽቶ ከተማ ዕምብብቲ ብዝሐባህላዊት ማእከል ብምዃን ገለ ካብ’ቶም ዝበዝሑ ማሕበረሰባት ህንድን ኔፓልን ኣብ’ታ ግዝኣት ዝነብሩላ ኮይና’ላ።
Jun 04, 2025•9 min
ፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ትግራይ ዝተተኽለ ኬላታት ደው ንክብል ኣዚዙ። ሰራዊት ኤርትራ ካብ ወረዳታት ጉሎመኸዳን ኢሮብን ወፅዩ ዝብል ጌጋ ምዃኑ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ገሊጾም። ኣብዚ ቅንያት ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ቃላት ልውውጥ በርትዑ ይርከብ። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ደቂ ብሄረ ትግራይ ሓቀኛ ልዝብ ከካይዱ ጸዊዑ።
Jun 04, 2025•8 min
ነጻነት ፕረስን ዝተፈላለየ ዓይነት መራኸቢ ብዙሃን ኣገዳሲ መለለዪ ጥዑይ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እዩ ። ኣብዚ ከምዚ ሃዋሁ ብዘይምትእትታው ካብቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ዜጋታትን ጋዜጠኛታትን ሓሳቦም ብናጻ ናይ ምግላጽን ሓበሬታ ናይ ምርካብን ስልጣን ኣልዎም ። ዋላኳ ሕገ-መንግስቲ ንናጽነት ፕረስ ውሕስነት ዘይህብ እንተዀነ: ኣውስትራልያ ግን ካብተን ኣብ ዓለም ነጻ ፕረስ ፍሪደም ኢንደክስ ካብ ዝለዓላ 29 ሃገራት ሓንቲ እያ ። እሞኸ መዲያ ኣብ ዲሞክራሲ እንታይ ግደ እዩ ዘለዎ ? ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ንግዲ መራኸቢ ብዙሃንን ብህዝቢ ዝምወላ መዲያታት ፍልልያትን እንታይ እዩ?
Jun 04, 2025•16 min
ንሎሚ 3 ሰነ 2025 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስተ ዜና፡ ** ኣባል ሰልፊ ግሪንስ ሰኔተር ዶሪንዳ ኮክስ ነቲ ሰልፊ ገዲፋ ናብ ሰልፊ ለበር ብምቕያራ ሰልፊ ግሪንስ ሓዘኑ ይገልጽ። ** ሰበ-ስልጣን ፈደራል ኣቕሑ ዝጸዓና ናይ ጽዕነት ማካይን ናብ ትግራይ ፡ ከይኣትዋ ከልከሉወን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ጕዕዞአን ከም ዝቐጸላ ተፈሊጡ። ** ኣብ ኣውስትራሊያ ዝተሓተ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ናይ 3.5 ሚኢታዊ ወሰኽ መሃያ ክግበረሎም Fair Work Commission ኣሚሙ።
Jun 03, 2025•5 min
መበል 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ንጽምብለሉ ዘለና እዋን ኢና ዘለና። እቲ ኣብ 1975 ብዉሑዳት ቋንቋታት ዝጀመረ መደብ ኣብዚ እዋን ንከም ቋንቋታት ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ሶማልን ዲንካን ካልእ ቋንቋታት ኣፍሪቃ ወሲኹ ብልዕሊ 60 ቋንቋታት ዝተፈላለዩ መደባት ኣብ ምቕራብ ዝነጥፍ ዘሎ ህዝባዊ ሬድዮ እዩ። ነዚ ናይ መበል 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ምኽንያት ብምግባር፡ ቋንቋ ትግርኛ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ንማሕበረሰቦም ፖሊሲታት መንግስቲ ኣብ ምፍላጥ፡ ተመኩሮኦም ኣብ ምክፋልን ንሓደሽቲ መጻእቲ ኣብ ኣውስትራሊያ እግሮም ክተኽሉ በብእዋኑ ኣብ ኣድዮ ኤስ ቢ ኤስ እናቐረቡ ሓሳቦም ዘቕርቡን ነዚ ራድዮ ኣብ ምድንፋዕ ዓቢ ግደ ካብ ዝገበሩ መራሕቲ መልእኽቲ እንቋዕ ኣብጽሓና ኣቕሪቦም ኣለው። ንሳቶም ድማ ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም፡ ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድ፡ ኣቶ ኬነዲ ወልደማርያምን ኣቶ ልኡል ፍ...
Jun 03, 2025•13 min
ን ሎሚ 02 ሰነ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዝጅምር 50 ዓመቱ የብዕል ኣሎ፡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዘቕረብናዮም ምልስ ኢልና ንርእዮም ካብ ዘለና መደባት ምስ ናይ ፈለማ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝኾነ ኣቶ ፍስሃየ ኣብርሃም ዝገበርናዮ ዕላል ከነቕርበልኩም ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ተኸልኪሉ ዝነበረ ሸቐጣ ሸቐጥ ብምዝርራብ ንምፍታሕ ከም ዝተወሰነ ተገሊጹ። ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ህንዲ ተራኺቡ ዘትዩ፡ ሓዱሽ ውዳበ ትግራይ 'ስምረት' ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ብሓይሊ ዝተታሕዙ ግዝኣታት ኣካል ትግራይ እምበር ዘካትዑ ከምዘይኮኑ ኣፍሊጡ። ዴምክራሲያዊ ስምረት ትግራይ ኣብ ውሽጢ ወርሕን ፈረቓን ኣብ ትግራይ መስራቲ ዋዕላ ከምዘካይድ ገሊጹ ኣሎ። ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላ...
Jun 02, 2025•55 min
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣውስትራሊያ ብዝተፈጥረ ባህርያዊ ሓደጋታት ዛጊት ናይ 2.2 ቢልዮን ዶላር ቁጠባዊ ጥፍ ኣት ከምዘስዓበ ተገሚቱ። ረድኤት ክረኽቡ ኣብ ዝጓየዩ ዝነበሩ ፍልስጢኤማውያን ብዝተተኮሰሎም ብውሕዱ 31 ፍልስጤማውያን ን ልዕሊ 170 ቆሲሎምን፡ ሰራዊት እስራኤል ክምርምሮ እየ ኢሉ። ብሪጣናዊ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ሳይሞን ያተስ ተዓዋቲ ጂሮ ዲ ኢጣልያ ኮይኑ።
Jun 02, 2025•12 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (02/06/2025) * ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ዓወት ዘመዝገበ ሚልኪያስ ማእከለ ወሲኽካ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ደሚቖም ዝተራእይሉ መበል 37 ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኢራን ዝሓለፈ ሰሙን ተኻይዱ፣ * ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብ ሃገሩ ታሪኻዊ ዑደት ዝፈጸሙ ኤቶን ኦኮቻን ዝርከብዎም ገዳይም ህቡባት ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኣብ ቤተመንግስቱ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ፣ * ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናብ ተወዳዳሪ ግጥማት ምምላሳ፣ ብምኽንያት መበል 34 ዓመት በዓል ነጻነት ዝተዳለዉ ምሕዝነታዊ ግጥማት ኤርትራ 1-0 ተሳዒራ ተዛዚሞም፣ * ፓሪስ ሳን ዠርማን (ፒኤስጂ) ንኢንተርሚላን ዘሕፍር ስዕረት ኣሰኪማ ንፈለማ ግዚኣ ሻምፒዮን ኤውሮጳ ኮይና፣
Jun 01, 2025•9 min
ናብ ትግራይ ከይኣቱ ተኸልኪሉ ዝነበረ ሸቐጣ ሸቐጥ ብምዝርራብ ንምፍታሕ ከም ዝተወሰነ ተገሊጹ። ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ህንዲ ተራኺቡ ዘትዩ፡ ሓዱሽ ውዳበ ትግራይ 'ስምረት' ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ብሓይሊ ዝተታሕዙ ግዝኣታት ኣካል ትግራይ እምበር ዘካትዑ ከምዘይኮኑ ኣፍሊጡ። ዴምክራሲያዊ ስምረት ትግራይ ኣብ ውሽጢ ወርሕን ፈረቓን ኣብ ትግራይ መስራቲ ዋዕላ ከምዘካይድ ገሊጹ ኣሎ። ህወሓት ተመዛቢሉን ተሰዲዱን ዘሎ ህዝቢ ክምልስ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ኣሰማማዕቲ ኣካላትን ደጊሙ ጸዊዑ። ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ዝተብሃለ ተሓላቒ ትካል ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክኸስስ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡ CPJ ዝርከቦም ልዕሊ 31 ተጣበቅቲ ሰባኣዊ መሰላትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክኹነን ጻውዒት ኣቅሪቦም። ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሕማም በዲዶ ህበ...
Jun 01, 2025•9 min
እቲ ንትምህርቲ ብስደት ኣብ 1979 ናብ ኣውስትራሊያ ዝኣተወ: ንፍሉጣት ኣውስትራሊያዊያን ፕሮፌሶር ፍረድ ሆሎውስን ቶማስ ከንሊ ምስ ኤርትራ ዘተኣሳሰረ: ኣብ 1989 ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግምባር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣውስትራሊያ ወግዓዊ ምብጻሕ ክገብር ዘጣጠሐ፡ ሓላፊ ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ ኮይኑ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ህዝቢን መንግስቲን ኣውስትራሊያ ክሳብ 32 ሚሊዮን ዶላር ኣኪቡ ናብ ሜዳ ዝሰደደ ብዙሓት ኤርትራዊያን ብማህደረ ትምህርቲ ናብ ኣውስትራሊያ ኣትዮም ብ ፒ ኤች ዲ፡ ማስተርስን ዲግሪን ንኽመሃሩ ዝሓገዘ ናይ ፈለማ ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝኾነ ፍሰሃየ ኣብርሃም ጋሻ ኤስ ቢ ኤስ እዩ። ድሕረ ባይታኡን ንሱ ዝሰርሖም ዕዮታት ንምስማዕ ኣብ መስምዒ ድምጺ ጠውቑ።
Jun 01, 2025•44 min
ንሎሚ ሓሙስ 29 ግንቦት መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝርከበሉ ሓዱሽ ኣፍልጦ ዝረኸበ ውዳበ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክትገበር ጸዊዑ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብቲ ሒዞምዎ ዝጸንሑ ከባቢታት ትግራይ ከምዘይወጹ ተሓቢሩ። ኣብ ትግራይ፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ዝኽሰስ ኮሎነል ተወልደ ገብረተንሳይ ምላሽ ሂቡ። ስነስርዓት ቀብሪ ኤርትራዊ ምኒስተር ወልደሚካኤል ኣብርሃ ተፈጺሙ፡ ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዝጅምር መበል 50 ዓመቱ ኣብዘኽብረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ፈለማታት ምጅማር ብቛንቋ ትግርኛ ኣብ ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዝቐረቡ ሓሓሊፍና ንድሕሪት ተመሊስና ከነቕርቦም ኢና፡ ንሎሚ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ንልዕሊ 28 ዓመት ዝተቐመጠት ወይዘሮ ናዲያ ኣብ ማእከል መልበርን፣ ኣብ ፉትስክረይ ኣብ ዝበሃ...
May 29, 2025•49 min
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ምዕራብ ቪክቶርያ ዝርከብ ዓቢ ጽርግያ ፡ ሓሙሽተ ማካይን ተጋጭየን ፡ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም ፡ ክልተ ድማ ኣብ ሆስፒታል ኣትዮም ኣለዉ ። እቲ ኣብ ጋዛ ብ U-S ዝድገፍ ናይ ረዲኤት ሞደል ፡ ተወሳኺ ዕንወት ዝፈጥር እዩ ክብልሓላፊ ትካል ዉሕሃ ንፍልስጤማውያ ስደተኛታት ፡ ወይ UNRWA ኣጠንቂቑ። ኣብ ግጥም State of Origin ጋንታ ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ልዕሊ ናይ ኲንስላንድ ጋንታ ማሮንስ 18 ብ6 ዓወት ናይ መጀመርታ ዓወት ኣመዝጊባ ።
May 29, 2025•11 min
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝርከበሉ ሓዱሽ ኣፍልጦ ዝረኸበ ውዳበ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክትገበር ጸዊዑ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብቲ ሒዞምዎ ዝጸንሑ ከባቢታት ትግራይ ከምዘይወጹ ተሓቢሩ። ኣብ ትግራይ፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ዝኽሰስ ኮሎነል ተወልደ ገብረተንሳይ ምላሽ ሂቡ። ስነስርዓት ቀብሪ ኤርትራዊ ምኒስተር ወልደሚካኤል ኣብርሃ ተፈጺሙ፡
May 28, 2025•9 min
Alfred is an Indonesian migrant, and Clinton is an Aboriginal man from Western Australia. Their friendship changed the way Alfred understood his identity as a migrant Australian. - ኣልፍሬድ ካብ ኢንዶነዥያ ዝመጸ ኣውስትራልያዊ ክኸውን ከሎ፡ ክሊንተን ድማ ካብ ግዝኣት ወስተርን ኣውስትራልያ ዝመጸ ኣቦርጅናል እዩ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝተፈጥረ ዕርክነት ንኣልፍሬድ ከም ሓደ ካብ ደገ ዝመጸ ኣውስትራልያዊ መንነቱ ዝርድኣሉ ዝነበረ ኣገባብ ቀይሮዎ።
May 28, 2025•9 min
ኣብዚ ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ምኽንያት ብምግባር ምስ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህግ ዝነበረን ምስቶም ኣብ ኤርትራ ጉጅለ 15 ዝበሃሉ ለውጢ ዝጠለቡን ኣቶ መስፍን ሓጎስ፣ ከምኡ’ውን ምስ ኣብ መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዓቢ ተራ ዘለዎ ኣቶ ወልደየሱስ ዓማርን ካብ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ቀንጪብና ደጊምና ናባኹም ኣቢልናዮ ኣለና።
May 28, 2025•38 min