Australia is one of the world's most multicultural nations but our Parliament isn't. Does it matter? - ኣውስትራልያ ኣብ ዓለም ሓንቲ ካብ`ተን ብዝሐባህላዊያን ሃገራት`ያ፣ ባይቶኣ ግን ነዚ ኣየንጸባርቕን። ከምኡ ምዃኑ ጸገም ይፈጥር ድዩ፧
Jan 28, 2025•8 min
ንሎሚ ሰሉስ 28 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፡ ኣርእስታት ዜና፡ ** ኣብ ኮንጎ ከተማ ጎማ ብዝግበር ዘሎ ዉግእ ህዝቢ ኣብ ስግኣት ምውዳቑ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ስክፍታኡ ገሊጹ። ** ጥፍኣት ኦሽዊትዝ ሰፈር ሞት ናዚ ጀርመን መበል 80 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዘለዉ ፡ ካብቲ ትፍኣት ዝደሓኑ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሓደገኛ ጸረ ሴማውነትን ጽልእን ዝደሓኑ ፍርሖም ገሊጾም። ** ኣብ ትግራይ -ላዕለዎት ወታሃደራውያን ኣዘዝቲ ዘውጽእዎ ቅዋም ስዒቡ ናይ ድጋፍን ተቓውሞን ሰልፍታት ቀጺሉ።
Jan 28, 2025•7 min
Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: What do you do for a living? | I’m a student.| I want to start a business. |I work part-time. - ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ምዝራብ ክእለትና ንከነመሓይሽ እናደጋገምና ክንለማመድ ዝሕግዘና ፈነወ 'English on Repeat' ስምዑ። ኣብ'ዚ ክፋል፡ ንመነባብሮና እንታይ ኢና ንሰርሕ ዝብል ከነዕልለሉ ኢና። እቶም ንደጋግሞም ሓረጋት ድማ እዚኦም'ዮም፣ What do you do for a living? | I’m a student.| I want to start a business. |I work part-time.
Jan 27, 2025•5 min
ን ሎሚ 27 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ትማሊ 26 ጥሪ ዓመታዊ ዝኽበር መዓልቲ ኣውስትራሊያ ወይ ኣውስትራሊያ ደይ ተኸቢሩ ዊዒሉ፡ ኣብቲ መዓልቲ ኣብ ሕብረተሰቦም ፍሉይ ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣፍልቶን ሽልማትን ሓንቲ ካብ ኦም ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም ካብ ኲንስላንድ ናይ 2025 "Medal of the Order of Australia" ተሸላሚት ኮይና ኣላ። ናብዚ ዘብጽሐ ጉዕዞን ናብዚ ንምብጻሕ ዘጋጥማ ብድሆታትን ካብዘካፈለትና ሎሚ ቆንጪልና ከነቕርበልኩም ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ጽንብል ስርዓተ ሲመት 6ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሃዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ተፈጺሙ ። ፖለቲካ ትግራይ ናብ ፖለቲካዊ ባዶ ድምር ወሪዱ ትግራይ ናብ ዝኸፈአ ኩነተት ክትኣትው ምኽንያት ኮይኑ'ሎ: ክብል ፕረዚደንት ግዚያዊ ምም/ ትግራይ ጌታቸው ረዳ ተዛሪቡ ። ...
Jan 27, 2025•52 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (27/01/2025) * ወርቅነሽ እዴሳ ኣብ ማራቶን ቶክዮ ተዓዊታ፣ * ኣብ ኣስታና ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ 3000ሜ ኣትለቲክስ ዓለም ኢትዮጵያውያን መንእሰያት ብዓብላሊ ተዓዊተን፣ * ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ቅድድም ብሽግለታ ቀዳማይ ዝኾነ ኣብ ኣውስትራልያ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ቱር ዳውን ኣንደር ኤርትራውይን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ተሳቲፎም፣ * ኢትዮጵያዊ ኣከፋፋሊ ጋቶች ፓኖም ቀዳመይቲ ሽቶኡ ብምምዝጋብ ዒራቓዊት ጋንትኡ ማዕረ ክትወጽእ ሓጊዙ፣ * ኢትዮጵያ ዝመበቆላ ኣሜሪካዊት ናዮሚ ግርማ ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ ብሚልዮን ዶላር ዝተሸጠት ኮይና፣ ክብረወሰን ብዝኾነ ክፍሊት ምስ ጋንታ ቸልሲ ክትጽንበር ንነዊሕ ዘጽንሓ ውዕል ፈሪማ፣ * መበል 23 ዙርያ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝተኻየድሉ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ክልተ ሽቶታት ከመዝግብ`ንከ...
Jan 27, 2025•13 min
ጽንብል ስርዓተ ሲመት 6ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሃዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ተፈጺሙ ። ፖለቲካ ትግራይ ናብ ፖለቲካዊ ባዶ ድምር ወሪዱ ትግራይ ናብ ዝኸፈአ ኩነተት ክትኣትው ምኽንያት ኮይኑ'ሎ: ክብል ፕረዚደንት ግዚያዊ ምም/ ትግራይ ጌታቸው ረዳ ተዛሪቡ ። ኣብ ሓደጋ ወዲቚ ዘሎ ሃገራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ብሰላማዊ ዘተ ጥራይ ክፍታሕ ብርጋዴር ጀነራል ከበደ ሬጋሳ ጸዊዑ። ኤርትራ፡ ቀይዳቶም ዝጸንሐት ተወሰኽቲ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ለቂቓ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ።
Jan 26, 2025•8 min
ብዙሓት ኣውስትራሊያዊያን "ማማ ሳባ" ኢሎም'ዮም ዝጽውዕዋ። ንሳ ኣብ ማሕበረሰባን ብሓፈሻ ኣብ ኣፍሪቃዊያን ኣውስትራሊያዊያን ብዝገበረቶ ኣበርክቶ ብዙሕ ተፈላጥነት ኣጥርያን ብዙሕ ሽልማት ረኺባ እያ። ገለ ካብኡ፡ ኣብ 2020 ኮቪድ-19 ተኸሲትሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዘበርከተቶ ስራሕ ናይ 2022 "Local Hero" ተባሂላ። ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልዛቤጥ ካብቶም ዉሑዳት ዝተመርጹ ኣውስትራሊያዊያን ኮይና ን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልበኔዝ ኣሰንያ ክትከይድ ተመሪጻ ኣብ ለንደን ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ተሳቲፋ። ሎሚ ድማ ናይ 2025 "Medal of the Order of Australia" ተሸላሚት ኮይና ኣላ። ናብዚ ዘብጽሐ ጉዕዞን ናብዚ ንምብጻሕ ዘጋጥማ ብድሆታትን ኣካፊላትና ኣላ።
Jan 26, 2025•22 min
ንሎሚ ሓሙስ 23 ጥሪ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ዶናልድ ትራምፕ መበል 47 ፕረሲደንት ኮይኑ ንኻልኣይ እዋን ቃለ ማሕላ ፈጺሙ ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝዓለሙ ብዙሓት ፖሊሲታት ድሮ በቲ ዘለዎ ስልጣን ተጠቒሙ ፈሪሙሎም ኣሎ። ኣብ ኣመሪካን ካብ ኣመሪካን ወጻኢን ንመነባብሮን ጸጥታን ህዝቢ ዝጸልዉ ሕግታት ክትግበሩ ክጅምሩ እዮም። ነቶም ብፍላይ ኣብ ዞባናን ዓለምን ዝምልከቱ ጉዳያት ኣልዒልና ምስ ነበርቲን ዜጋታትን ኣመሪካ ዝኾኑ ኣቶ ሳሙኤል ቢዘንንን ክብረኣብ ይመስገንን ዝገበርናዮ ዝርርብ ኣሎ። ሎሚ ቀዳማይ ክፋሉ ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ጠቕላላ ዕዳ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብኽልተ ትሪልዮን ብር ከምዝወሰኸ ተገሊጹ። ሒጃብ ሃይማኖታዊ መሰልና'ምበር ሓለፋ ኣይኮነን" ዝብል መሪሕ ...
Jan 23, 2025•53 min
ብሽክለታ ምዝዋር ኣብ ኣውስትራሊያ ልሙድ ዝኾነ ዓይነት መጓዓዚያ እዩ ፤ ንስፖርታዊ ፤ ንምዝንጋዕን ንመጓዓዝያን ሰባት ብሽክሌታ ምዝዋር የዘውትሩ። ከከም ኣብ ትነብረሉ ከባቢ ናይ ብሽክሌታ መንገዲ ፣ መስመራት ብሽክሌታን ትሕተ ቅርጺ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ "ውን ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ናይ ብሽክሌታ ጉጅለታት ምዝዋር ወይ ስፖርታዊ ውድድር ዘወሃህዱ ትካላት ዝኣመሰሉ ናይ ብሽክሌታ ይህልዉ ይኾኑ ። ንቆልዑን ዓበይትን ፡ ብሽክለታ ምዝዋር ክመሃሩ ባህታ ዝፈጥር እዮ ፡ ከመይ ጌርካ ብዘይ ጸገም ከም እትዝውር ምፍላጥ ከኣ ኣገዳሲ እዩ ።
Jan 22, 2025•12 min
ጠቕላላ ዕዳ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብኽልተ ትሪልዮን ብር ከምዝወሰኸ ተገሊጹ። ተወሳኺ፡ 248 ሚልዮን ዶላር ልቓሕ ውን ካብ ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ ክትረክብ እያ። ሒጃብ ሃይማኖታዊ መሰልና'ምበር ሓለፋ ኣይኮነን" ዝብል መሪሕ ጭርሖ ዝሓዙ ሰዓብቲ ሃይማኖት እስልምና ኣብ ከተማ መቐለ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ ብውሕዱ 20 ኢትዮጵያውያን ከምዝሞቱ ዓለምለኻዊ ወድብ ስደት ሓቢሩ።
Jan 22, 2025•7 min
ንሎሚ 22 ጥሪ 2025 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት ዜና ** ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ፐኒ ዎንግ ምስ ሓድሽ ምምሕዳር ትራምፕ ተራኺባ ዘትያ... ** ኣመሪካ ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ዉድብ ጥዕና ዓለም ንክትወጽእ ናይ ምውጻእ መስርሕ ከምዝጅምር ምግላጹ ዉድብ ጥዕና ሓዘኑ ገሊጹ። * ተመሃሮ ኣኽሱም ሕጃብ ከይገብራ ምኽልካለን ዝቃወም ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ተገይሩ።
Jan 22, 2025•6 min
Some celebrate Australia Day with patriotic pride, others mourn and protest. What’s the right way to mark January 26, and can you have pride in your country while also standing against injustice? - ገለ ሰባት ንመዓልቲ ኣውስትራልያ ብሓርበኛዊ ወይ ሃገራዊ ሓበን የብዕልዎ፣ ካልኦት ድማ ይሓዝኑን ተቓውሞታትን ኣድማታትን የካይዱን። እቲ ቅኑዕ ኣገባብ ንምኽባር ወይ ንምዝካር ጥሪ 26 ደኣ እንታይ'ዩ፣ ኣንጻር በደል ደው እናበልኩም ብሃገርኩም ክትሕበኑ ትኽእሉ ዲኹም፧ ነዚ ሕቶ ዝፍትሽ ትሕዝቶ ቀሪቡ`ሎ። ሰናይ ምክትታል!
Jan 21, 2025•7 min
ዶናልድ ትራምፕ መበል 47 ፕረሲደንት ኮይኑ ንኻልኣይ እዋን ቃለ ማሕላ ፈጺሙ ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝዓለሙ ብዙሓት ፖሊሲታት ድሮ በቲ ዘለዎ ስልጣን ተጠቒሙ ፈሪሙሎም ኣሎ። ኣብ ኣመሪካን ካብ ኣመሪካን ወጻኢን ንመነባብሮን ጸጥታን ህዝቢ ዝጸልዉ ሕግታት ክትግበሩ ክጅምሩ እዮም። ነቶም ብፍላይ ኣብ ዞባናን ዓለምን ዝምልከቱ ጉዳያት ኣልዒልና ምስ ነበርቲን ዜጋታትን ኣመሪካ ዝኾኑ ኣቶ ሳሙኤል ቢዘንንን ክብረኣብ ይመስገንን ዝገበርናዮ ዝርርብ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
Jan 21, 2025•29 min
Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: I live nearby. | I’m new to the area.| How long have you lived here? | I like living here. - ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ምዝራብ ክእለትና ንከነመሓይሽ እናደጋገምና ክንለማመድ ዝሕግዘና ፈነወ 'English on Repeat' ስምዑ። ኣብ'ዚ ክፋል ምስ ጎረባብቲ ምፍላጥን ምዕላልን ክንለማመድ ኢና። እቶም ንደጋግሞም ሓረጋት እዚኦም'ዮም፣ I live nearby. | I’m new to the area.| How long have you lived here? | I like living here.
Jan 20, 2025•6 min
ን ሎሚ 20 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ : ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ በዓል ጥምቀት ብተኸተልቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብ መቐለ፣ አስመራን ኣዲስ ኣበባን ብድምቀት ተኸቢሩ። ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ኣባ ማትያስ ቀደማዊ ንመራሕቲ ትግራይ ገሲፆም። ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ምትእትታው ክቝጠብ ኣተሓሳሲቡ። መጠን GDP ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ካብ 207 ቢልዮን ዶላር ናብ 100 ቢልዮን ዶላር ከምዝወረደ ተገሊጹ። ኤርትራ ንህዝቢ ፍልስጤም ናይ ዮሃና መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ መራሒ ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ የሆል ማእሰርቱ ክሳብ ...
Jan 20, 2025•54 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (20/01/2025) * ማራቶን ሙምባይ 2025 ሰንበት ተኻይዱ ኤርትራውያን ኣትሌታት ቀዳማይን ካልኣይን ብምውጻእ ተዓዊቶም፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ወርሒ መስከረም ሩዋንዳ ኣብ ተአንግዶ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ ዓለም ንኤርትራ ወኪሉ ክሳተፍ ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ርግጸኛ ከምዘይኮነ ገሊጹ፣ * ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ) ብምኽንያት ብቑዕ ዘይኮነ ትሕተ ቅርጺ ብሓባር ኣብ ዘአንግዳ ሃገራት ኬንያ፣ ኡጋንዳን ታንዛንያን፣ ንግጥማት ሻምፒዮና ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ቻን) 2024 ናብ ካልእ እዋን ኣመሓላሊፍዎ፣ * ዕዳጋ ተጻወቲ ሓጋይ ኣብ ዝዓመረሉ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ ሸሞንተ ተኸታተልቲ ግጥማት ከመዝግቦም ዝጸንሐ ሽቶታት፣ ጋንትኡ ድሕሪ ዘጋጠማ ሃንደበታዊ ስዕረት ክብረወሰን ከይሰበረ ኣኽቲሙ፣ * ኣርሴናል ኣብ ሜድኣ ማዕረ ድሕሪ ምውጽኣ ሊቨርፑል ...
Jan 19, 2025•12 min
በዓል ጥምቀት ብተኸተልቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብ መቐለ፣ አስመራን ኣዲስ ኣበባን ብድምቀት ተኸቢሩ። ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ኣባ ማትያስ ቀደማዊ ንመራሕቲ ትግራይ ገሲፆም። ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ምትእትታው ክቝጠብ ኣተሓሳሲቡ። መጠን GDP ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ካብ 207 ቢልዮን ዶላር ናብ 100 ቢልዮን ዶላር ከምዝወረደ ተገሊጹ። ኤርትራ ንህዝቢ ፍልስጤም ናይ ዮሃና መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ።
Jan 19, 2025•11 min
Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: I speak a little English. | I’m not used to the Australian accent. | I’m still learning English. | Sorry, I don’t understand. - ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ምዝራብ ክእለትና ንከነመሓይሽ እናደጋገምና ክንለማመድ ዝሕግዘና ፈነወ 'English on Repeat' ስምዑ። ኣብ'ዚ ክፋል፡ ምዝራብ ቋንቋ እንግሊዝ ንጅምረሉ ኩነታት ክንመሃር ኢና። I speak a little English. | I’m not used to the Australian accent. | I’m still learning English. | Sorry, I don’t understand.
Jan 16, 2025•7 min
ንሎሚ ሓሙስ 16 ጥሪ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣብ መቐለ ዝቐነየ ሰልፊ ተመዛበልቲ ቀዳማይ ምዕራፉ ከም ዝተዛዘመ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ቻይና ከምትድግፎ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ቸን ሃይ ከም ዝተዛረበ ተሓቢሩ። ኣብ ካናዳ፣ ብሰንኪ ናዕቢ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ናብ ፍርዲ ቀሪቦም። ኣብ ኣውስትራሊያ 26 ጥሪ ሃገራዊ መዓልቲ እዩ ፤ እታ ዕለት ግን ኣሰሓሓቢት እያ ። ብዙሓት ናብ ኣውስትራሊያ ሓደሽቲ ዝኾኑ ስደተኛታት ነታ ሓድሽ ዓዶም ኣብዚ ዕለት ከብዕልዋ ይደልዩ እዮም ፡ እንተኾነ ብድሕሪ እዛ መዓልቲ ዘሎ ሙሉእ ታሪኽ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ ። ንገለ ተቐማጦ ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ኣቦርጂንን ፡ 26 ጥሪ ኣብ ታሪኽ ህይወቶም ዘሕዝን ፍጻመ ከም እተፈጸመ ፡ ናይ ሞትን ...
Jan 16, 2025•53 min
ኣብ መቐለ ዝቐነየ ሰልፊ ተመዛበልቲ ቀዳማይ ምዕራፉ ከም ዝተዛዘመ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ቻይና ከምትድግፎ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ቸን ሃይ ከም ዝተዛረበ ተሓቢሩ። ኣብ ካናዳ፣ ብሰንኪ ናዕቢ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ናብ ፍርዲ ቀሪቦም።
Jan 15, 2025•6 min
ንሎሚ 15 ጥሪ 2025 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ** ኣውስትራሊያ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ጸረ-ሴማውነት ፍታሕ ንምንዳይ ናይ መምሕድዳር ግዝኣታትን ናይ ፌደራል መራሕቲ ምስ ናይ ፖሊስ ሹማምንቲ ብስሩዕ ክእከቡ እዮም። ** ኣብ ቓዛ ተዂሲ ደው ንምባል ዝግበር ዘሎ ዝርርብ ኣብ መወዳታኡ ክበጽሕ ከምዝቐረበ ቐጠር ኣፍሊጣ ... ** ኣውስትራሊያዊ ተጻዋታይ ቴኒስ ኣሌክስ ደ ሚኖር ኣብ ተኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን ፡ ንሆላንዳዊ ቦቲክ ቫን ደ ዛንቹልፕ ብምስዓር ጉዕዞ ዓወቱ ጀሚሩ።
Jan 15, 2025•6 min
ኣብ ኣውስትራሊያ 26 ጥሪ ሃገራዊ መዓልቲ እዩ ፤ እታ ዕለት ግን ኣሰሓሓቢት እያ ። ብዙሓት ናብ ኣውስትራሊያ ሓደሽቲ ዝኾኑ ስደተኛታት ነታ ሓድሽ ዓዶም ኣብዚ ዕለት ከብዕልዋ ይደልዩ እዮም ፡ እንተኾነ ብድሕሪ እዛ መዓልቲ ዘሎ ሙሉእ ታሪኽ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ ። ንገለ ተቐማጦ ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ኣቦርጂንን ፡ 26 ጥሪ ኣብ ታሪኽ ህይወቶም ዘሕዝን ፍጻመ ከም እተፈጸመ ፡ ናይ ሞትን ህየትን ፡ ወራርን ሓዘንን መዓልቲ ገይሮም ይሓስብዋ ።
Jan 15, 2025•9 min
In the midst of one of the hottest Australian summers on record, experts say heat inequality is deepening social division. - ኣውስትራልያውያን ኣብ'ዚ እዋን ኣብ ማእከል ሓደ ካብ'ቶም ኣብ መዝገብ ዝወዓዩ ወቕትታት ክረምቲ (ሳመር) እዮም ዘለዉ። ክኢላታት ድማ ናይ ሙቐት ዘይማዕርነት (heat inequality) ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ምክፍፋል መሊሱ የጋድዶ'ሎ ይብሉ።
Jan 14, 2025•7 min
ንሎሚ 14 ጥሪ 2025 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት: ዝሰናበት ዘሎ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ተዂሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክብጻሕ ከም ዝከኣል ብሩህ ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ ። ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ እተሓድገ መዐደኒ ወርቂ ን ኣዋርሕ ኣብ ጉድጓድ ተደብዮም ዝጸንሑ ፡ ብውሕዱ 100 ዘይሕጋውያን ዓደንቲ ሞይቶም ተረኺቦም ። ኒክ ኪርጊዮስ ኣብ ዉድድራት ቴኒስ ኣውስትራልያ ኦፐን ተሳቲፉ ብ ስኮትላንዳዊ ጃኮብ ፈርንለይ ተሳዒሩ ካብ ግራንድ ስላም ተገሊፉ።
Jan 14, 2025•6 min
ን ሎሚ 13 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ: ኣብ ሱሳታትን ፈለማ ሰብዓታትን ኣብ ኤርትራ ምዕቡል ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ከምዝነበረን ፍሉጣት ጋንታትን ተጻወትን ፈርዮም ነይሮም። ኣብቲ እዋን ምስ ዝነበራ ጋንታታትን ተጻወትን ብቐረባ ዝፈልጦም ዝነበረን ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ ሓምሳ ዓመታት ካብ ዝኽሩ ዘይሃሰሰ ፍጻመታት ነባሪ መልበርን ኢብራሂም ሓጅ ኣዕሊሉና ኣሎ። ንድሕሪት ተመሊስና ክንዝክሮ ኢና። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ሊበራል ኣውስትራሊያ ኣብ ምብራቕ መልበርን ብሰንበት [12 ጥሪ] ኣብ ዘካየዶ ዘይወግዓዊ ወፍሪ ምርጫ: ገለ ናይ ምርጫ መብጽዓታት ኣፍሊጡ ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ጀርመናውያን ፡ ነቲ ኣብ ...
Jan 13, 2025•49 min
ኣብ ሱሳታትን ፈለማ ሰብዓታትን ኣብ ኤርትራ ምዕቡል ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ከምዝነበረን ፍሉጣት ጋንታትን ተጻወትን ፈርዮም ነይሮም። ኣብቲ እዋን ምስ ዝነበራ ጋንታታትን ተጻወትን ብቐረባ ዝፈልጦም ዝነበረን ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ ሓምሳ ዓመታት ካብ ዝኽሩ ዘይሃሰሰ ፍጻመታት ዝምልከት ነባሪ መልበርን ኢብራሂም ሓጅ ኣዕሊሉና ኣሎ። ንድሕሪት ተመሊስና ክንዝክሮ ኢና።
Jan 13, 2025•20 min
ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ተኸሲቱ ዘሎ ብርቱዕ ነበልባል ሓዊ ፡ ህይወት 13 ሰባት ቀዚፉ ኣሎ ፣ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብቲ ቦታ ኺግዕዙ ተገዲዶም እዮም ። ኣባይቲ ፡ ትካላት ንግዲ ፡ ከምኡ እውን ፍሉይ ከባቢታት ኣብ ሓደጋ ብምውዳቑ ህጹጽ ረድኤት ንምፍጻም ነቲ ሓዊ ኣብ ዘጥፍኣሉ እዋን ፡ ኣብ መላእ ጐረባብቲ ከባቢታት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ ።
Jan 12, 2025•11 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (13/01/2025) * ማራቶን ዱባይ ኢትዮጵያውያን ይዕብልልዎ፣ * ኣብ’ዚ ዓመት ፈላማይ ብዙር ዓለም ዝስራዕ ቅድድም ብሽግለታ ኣውስትራልያ 'ሳንቶስ ቱር ዳውን ኣንደር' ዛጊት ክልተ ኤርትራውያን ተሳተፍቲ ከምዝኾኑ ተረጋጊጹ፣ * ዚምባብወ ካብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ ት17 ከምዘንሰሓበት ድሕሪ ምፍላጣ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ናብ ዝቕጽል ዙር ሓሊፈን፣ * ቀዳማይ እግሪ ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ካርሊንግ ካፕ ተኻይዶም ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሓንቲ ሽቶ ትኸውን ኩዕሶ ኣቐቢሉን ካልእ ከኣ ባዕሉ ኣመዝጊቡን ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድ ንኣርሰናል ኣብ ሜድኣ 2-0 ክትስዕራ ሓጊዙ፣ * ኣብ ኤፍኤካፕ ኣርሰናልን ብረንትፈርድን ተገሊፈን፣ * ክልተ ኣሰልጠንቲ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ምብራሮም ኣብ ወቕቲ 2024/25 ዝተሰጒ ኣ...
Jan 12, 2025•11 min
ንሎሚ ሓሙስ 9 ጥሪ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣመሓዳሪ ቤተ ክርስትያን ማርያም/ሚካኤል ብርዝቤን ዝኾኑ ቀሺ ገብረብርሃን ፍስሃ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ሰሙን ዝተባዕለ ዘሎ በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ ምእመናን ቤተ ክርስትያኖምን ብተወሳኺ ብምኽንያት እዚ በዓል ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘንፀላለወ ኩለመዳያዊ ቅልውላው ብመሰረቱ ንምፍታሕ ሓያል ርብርብ ከም ዝግበር ገሊጹ። ኤርትራ ዋንነተን ናይ ኣዘርባጃን ምኳነን ዝተገልጻ ሰለስተ መራኽብ ከም ዝሓዘት ተገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ዕላዊ ኮይኑ። ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን ዓሌት መሰረት ዝ...
Jan 09, 2025•51 min
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘንፀላለወ ኩለመዳያዊ ቅልውላው ብመሰረቱ ንምፍታሕ ሓያል ርብርብ ከም ዝግበር ገሊጹ። ኤርትራ ዋንነተን ናይ ኣዘርባጃን ምኳነን ዝተገልጻ ሰለስተ መራኽብ ከም ዝሓዘት ተገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ዕላዊ ኮይኑ። ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጀኖሳይድ ምፍፃሙ መንግስቲ ኣሜሪካ ዕላዊ ጌሩ።
Jan 08, 2025•8 min