SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ - podcast cover

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Last refreshed:
Follow this podcast in the Metacast mobile app to refresh it and see new episodes.
Download Metacast podcast app
Podcasts are better in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episodes

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ለካቲት 2025)

ኣርእስታት ዜና፥ ኮሚሽነር ሻን ፓተን ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምውራዱ ፖሊስ ቪክቶሪያ ሓድሽ ሓላፊኡ ክምዝዝ እዩ ። መራሕቲ ኣፍሪቃ ብተወሳኺ ነቲ ምምሕዳር ትራምፕ ናብ ኣፍሪቃ ዝወሃብ ዝነበረ ረድኤት ምጉዳሉ ከውርዶ ዝኽእል ጽልዋን ክዛራረቡ እዮም ። መርሃዊ ቅዱስ ከቢድ መጉዳእቲ ኣጋጢምዎ፣ ጉዳፍ ጸጋይን ዮሚፍ ቀጀልቻን ዓወታት ኣመዝጊቦም፣

Feb 17, 202511 min

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ለካቲት 2025)

ን ሎሚ 17 ለካቲት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝምልከት ሕብረት አፍሪካ ኣብ ዘቕረቦ ሪፖርት ዘተ ተኻይዱ። ስምምዕ ፕሪቶርያ ንመፍትሒ ፀገማት ኣፍሪቃ ትምህርቲ ክኸውን ይግባእ" ኮሚሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት፣ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ባንኮሌ ኣዶዬ ጸዊዑ ። ንኣፍሪካውያን መስርሕ መከሓሓሲ ፍትሒ ክዝርጋሕ ፃውዒት ቀሪቡ ። ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ መሓሙድ ተዛትዩ ። ኤርትራዊት ሚካል ተስፋይ ተዓዋቲት ዓለምለኻዊ ውድድር ጽባቐ ኣፍሪቃ ኮይና፡። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡። ኣርእስታት ዜና፥ ኮሚሽነር ሻን ፓተን ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ...

Feb 17, 202549 min

መርሃዊ ቅዱስ ከቢድ መጉዳእቲ ኣጋጢምዎ፣ ጉዳፍ ጸጋይን ዮሚፍ ቀጀልቻን ዓወታት ኣመዝጊቦም፣

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (17/02/2025) * ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ጸጋይ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ውድድር 1500 ሜ ባዕላ ዘመዝገበቶ ክብረወሰን ብምምሕያሽ ካብ ኩሉ እዋን ካልኣይ ዝቐልጠፈ ግዜ ብምምዝጋብ ተዓዊታ፣ * ኣብ መንጎ ኣአንጋዲት ሃገር ኣልጀርያን ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራን ብርቱዕ ምቅንቓን ዝረኣየሉ ዘሎ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኣልጀርያ ሰንበት ሸሞንተ መድረኻቱ ብምጥንቓቕ ይቕጽል ኣሎ፡ * ኤርትራዊ ኣባል ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ በርጎስ ቢኤች መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ግራንድ ፕሪ ቺክሊስተ ደ ማርሰይ መውደቕቲ ኣጋጢምዎ ብኸቢድ ተጎዲኡ ክትብል ጋንትኡ ገሊጻ፡ * ኣብ መበል 25 ዙርያ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲ ሓድሽ ምስራዊ ተጻዋታያ ዑመር ማርሙሽ ሰለስተ ሽቶታት ኣመዝጊቡ ንኒውካስትል ዩናይትድ ናይ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ብገፊሕ ...

Feb 16, 202514 min

ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝምልከት ሕብረት አፍሪካ ኣብ ዘቕረቦ ሪፖርት ዘተ ተኻይዱ።

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝምልከት ሕብረት አፍሪካ ኣብ ዘቕረቦ ሪፖርት ዘተ ተኻይዱ። ስምምዕ ፕሪቶርያ ንመፍትሒ ፀገማት ኣፍሪቃ ትምህርቲ ክኸውን ይግባእ" ኮሚሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት፣ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ባንኮሌ ኣዶዬ ጸዊዑ ። ንኣፍሪካውያን መስርሕ መከሓሓሲ ፍትሒ ክዝርጋሕ ፃውዒት ቀሪቡ ። ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ መሓሙድ ተዛትዩ ። ኤርትራዊት ሚካል ተስፋይ ተዓዋቲት ዓለምለኻዊ ውድድር ጽባቐ ኣፍሪቃ ኮይና።

Feb 16, 20258 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቤስ ትግርኛ (13 ለካቲት 2025)

ንሎሚ ሓሙስ 13 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ኣርእስታት ዜና። ክልተ ኣውስትራሊያዊያን ንእስራኤላዊያን ሕሙማት ክቐትሉ ዝፈከርዎ፡ ነቲ "ዘሰክሕ" ዝተባህለሉ ጉዳይ ንምጽራይ ፖሊስ ን 24 ሰዓታት ኣብ ምስራሕ ይርከብ። ሓይሊ ባሕርን ነፈርትን ቻይና ኣብ ከባቢ ታይዋን ተዋፊሮም ፡ መንግስቲ ቻይና ግን ፡ ድሉው ንምዃንን ንልምምድን ከም ዝዀነ ገሊጹ ። ኣብ ቅድድም ብሽግለታ መስቓጥ ክላሲክ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ሳልሳይ ወጺኡ።

Feb 13, 20258 min

ኣብ 2024 ካብ 180 ሃገራት ተርታ ሃገራት ብልሽውና፡ ኤርትራ ካብ ቀዳሞት 13 ኢትዮጵያ ድማ ኣብ መበል 99 ተሰሪዐን። (ጸብጻብ)

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣርእስታት ፡ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ኣህጉር ጎንጽታት ክዓርፍ ጸዊዑ። ኢትዮጵያ ኣባል ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካ ብምዃን ተመሪፃ። ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ቀዳምነት ናይ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት እጃም ተመዛበልቲ ናብ ገዝኦም ምምላስ ክኸውን ናብ ትግራይ ዝበጽሑ ዲፕሎማሰኛታት ጸዊዖም። ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ነፍስ-ወከፍ ስድራ ንህወሓት መጠናኸሪ፣ ብዝብል 200 ብር ንኸዋፅኡ ይግደዱ ከምዘለዉ ተመዛበልቲ ገሊፆም።

Feb 12, 20257 min

ዕለታዊ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ለካቲት 2025)

ንሎሚ 12 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፡ ** ኣውስትራሊያ ካብቲ ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ ኣብ ልዕሊሓጺንን ኣለሙኒየምን ተወጢኑ ዘሎ ግብሪ ክትመሓር ሓደ ኣባል ኮንግረስ ይድግፍ... ** ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቓዛ ክዋጋእ ድሉው ክኸውን ቤንያሚን ናታንያሁ ኣዚዙ... ** ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ንላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር ካብ መዝነቶም ኣልዩ።

Feb 12, 20254 min

ልምዳዊ ምንዳድ፡ ሓዊ ተጠቒምካ ካብ ሓዊ ምክልኻልን ምልማዕ ገጠርን

ከም ኣውስትራሊያ ዝበለ ሓዊ ኣብ ዝበዝሖ ከባቢ ምንባር ፡ መብዛሕትና ንሓዊ ካብ ምፍርራሕ ሓሊፍና ካልእ ነገር ምርኣይ የጸግመና እዩ ። ይኹን እምበር: ሓዊ ንሚልዮናት ዓመታት ንኣህጉር ኣውስትራልያ ኣይተፈልያን: ኣብ ልዕሊ እቶም ዝበዝሑ ኢኮሎጅያውያን ማሕበረሰብ ዝዀኑ ኣትክልትን እንስሳታትን ድማ ሚዛኑ ኽሕሉ ወሳኒ ግደ ጸኒሕዎ ኣሎ ። ንኣሽሓት ዓመታት ፡ ቀዳሞት ህዝብታት ንሓዊ ከም ኣገዳሲ መሳርሒ ብምጥቃም ፡ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኣዕቊቦምን ኣመሓዲሮምን እዮም ። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ፡ ልዑል ዝመጠኑ ባህላዊ ቃጸሎ ይጽቀጥ ነይሩ እዩ ፣ ሎሚ ግና ባህላዊ ምንዳድ ሓዊ ከም መጥፍኢ ናይ ዱር ሓውን ጥዕና ናይዚ ሃገር ዝሕሉ ምዃኑ ጌርካ ክርአ ጀሚሩ እዩ ።

Feb 12, 202511 min

ዕላል ምስ ጸሓፊ ታሪኽ ህይወት ዑስማን ዓብደርሒም፡ ኮ/ል ካልድ ኣበራ።

ኣብዚ ቕሩብ ዓመታት ካብ ተጻሒፈን ዝተሓትማ ናይቲ ፍሉጥ ታሪኽ ህይወት ስነ ጥበባዊ ዑስማን ዓብዱልረሒም ይርከባ፡ ናይዛ "ዑስማን ዓብዱልረሒም፡ ታሪኽ ኮኾብ ዘመናዊ ሙዚቃ ኤርትራ" ትብል 25 ምዕራፋት ኣስታት 350 ገጻት ዝሓዘት መጽሓፍ ዝጸሓፈ ኮ/ል ካልድ ኣበራ እዩ። ካልድ ቅድሚ ሕጂ'ውን "ሚራመር" ዘርእስታ ናይቲ ፍሉጥ ግብጻዊ ጸሓፋይ ነጂብ ማሕፉዝ ተርጒሙ ኣሕቲሙ እዩ። ብዛዕባ እዛ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፋ መጽሓፍ ዕላል ኣካይድና ኣለና።

Feb 11, 202530 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ለካቲት 2025)

ንሎሚ 11 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፡ ** ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዋሽንግተን ይራኸቡ... *** ኒው ዚላንድ ፡ ወርቃዊ ትኬት ዝብሃል ኣገባብ ከም እትኣቱ ድሕሪ ምግላጻ ፡ ብዛዕባ ንሃብታማት ስደተኛታት ዝወሃብ ቪዛ ዝምልከት ክትዕ ጀሚሩ። ** ሚኒስትሪ ወጻኢ ሱዳን ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፡ ነቲ ድሕሪ ዝግበር ዘሎ ኲናት እታ ሃገር ዝህሉ መስርሕ ፖሎቲካ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክድግፍ ጸዊዑ ...

Feb 11, 20256 min

MiniPod: Ep5 Filling in forms| Starting Out | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 5ይ ክፋል፡ ምምላእ ቅጥዒታት | ምጅማር | | English on Repeat (Easy)

Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: Is this the right form?| Can you help me fill in this form?| What does this mean? | Do I have to fill in every part? - ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ምዝራብ ክእለትና ንከነመሓይሽ እናደጋገምና ክንለማመድ ዝሕግዘና ፈነወ 'English on Repeat' ስምዑ። ኣብ'ዚ ትሕዝቶ ንምምላእ ቅጥዕታት ክንምልከት ኢና፣ እዚኦም ሓረጋት ከኣ እቶም ንደጋግሞም'ዮም። Is this the right form?| Can you help me fill in this form?| What does this mean? | Do I have to fill in every part?

Feb 10, 20256 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ለካቲት 2025)

ን ሎሚ 10 ለካቲት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ዕደና ክቡራት መዓድናት ሙሉእ ብሙሉእ ደው ክብል ጊዝያዊ ምምሕዳር ወሲኑ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ጽንብል መበል 35 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ኣኽሊል ዕምባባ ኣንቢሩ፡ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ክርስቲና ጆርጅያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተተግበሩ ቁጠባዊ ሪፎርም ንኢዳ። ድሕሪ ምቍራጽ ሓገዝ ኣመሪካ፡ ጽላት ጥዕና ኢትዮጵያ ዓቢ ክፍተት ኣጋጢምዎ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ግብጺ ፡ "ኣብ ጕዳይ ፍልስጤም ሓድሽ ዝዀነን ሓደገኛን ምዕባለታት" ንዚበለቶ ምንቅስቓስ ንምፍሻል ፡ ኣብ 27 ለካቲት ህጹጽ ኣኼባ ሃገራት ዓረብ ከም እተአንግድ ኣፍሊጣ ። መራሒ ቃልሲ ኣንጻር ኣፓርታይድን ናይ ፈለማ ፕረዚደንት ናሚብያ ፡ ኣብ 95 ዓመት ዕድሚ...

Feb 10, 20258 min

ፍረወይኒ ሃይሉ ብሉጽ ግዜ ኣመዝጊባ ትዕወት፣ ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዙር ኣልጀርያ ተሳትፎኣ ጀሚራ፣

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (10/02/2025) * ኢትዮጵያዊት ፍረወይኒ ሃይሉ ንሳልሳይ ግዚኣ ኣብ ውድድር 3000 ሜ ተሳቲፋ ሓደ ካብ’ቶም ካብ ኩሉ እዋናት ዝቐልጠፉ ግዜታት ብምምዝጋብ ተዓዊታ፣ * ኣልጀርያ ኣብ ዘአንገደቶ ቅድድም ብሽግለታ ግራንድ ፕሪ ሳኪያት ሲዲ ዩሱፍ ሚልኪያስ ማእከለ ድሕሪ ምዕዋቱ ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዙር ኣልጀርያ ተሳትፎኣ ጀሚራ፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ መስቓጥ ክላሲክ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ዝድነቕ ሳልሳይ ወጺኡ፣ * ኣብ ግጥማት ዋንጫ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ ወይ ኤፍኤ ካፕ መሪሕነት ፕሪምየር ሊግ ሒዛ ትርከብ ሊቨርፑል ኣብ ቀዳማይ ዲቪዥን ሻምፒዮንሺፕ ትጻወት ጋንታ ኣርጋይል ፕሊመዝ ድሕሪ ዘሰከመታ ዘይትጽቢታዊ ስዕረት ኣርባዕተ ጽዋዓት ኣብ’ዚ ወቕቲ ክትዕወት ዝነበራ ተኽእሎ ቅሂሙ፣

Feb 10, 20259 min

ድሕሪ ምቍራጽ ሓገዝ ኣመሪካ፡ ጽላት ጥዕና ኢትዮጵያ ዓቢ ክፍተት ኣጋጢምዎ። (ጸብጻብ)

ዕደና ክቡራት መዓድናት ሙሉእ ብሙሉእ ደው ክብል ጊዝያዊ ምምሕዳር ወሲኑ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ጽንብል መበል 35 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ኣኽሊል ዕምባባ ኣንቢሩ፡ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ክርስቲና ጆርጅያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተተግበሩ ቁጠባዊ ሪፎርም ንኢዳ። ድሕሪ ምቍራጽ ሓገዝ ኣመሪካ፡ ጽላት ጥዕና ኢትዮጵያ ዓቢ ክፍተት ኣጋጢምዎ።

Feb 09, 20256 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ((06 ለካቲት 2025)

ንሎሚ ሓሙስ 6 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ዜናታት። ኣርእስታት ዜና፥ ነቲ ዶናልድ ትራምፕ ዘቕረቦ ሓሳብ፡ ቓዛ ብ ኣመሪካ ክውነንን ነበርቲ ቓዛ ድማ ናብ ካልእ ክግዕዙን ብሰፊሑ ኣብ መላእ ዓለም ኣዘራራቢ ዛዕባ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ይጣበቐሉ ኣሎ። ኣብ ሽወደን ልዕሊ 10 ሰባት ዝቐተለን ብዙሓት ዘቑሰለን ሰብ ፡ ስራሕ ዘይብሉ ሪካርድ ኣንደርሰን ከምዝበሃልን ፖሊስ ገሊጹ፡ሬሳኡ ኣብቲ ቦታ ከም እተረኽበ'ውን ኣረጋገጹ ኣሎ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣብ ጎማ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ብቕልጡፍ ክኽፈት ጸዊዑ ። ኣብ ኣመሪካ ብዘይሕጋዊ መገዲ ክነብሩ ዝጸንሑ ዝተባህሉ ልዕሊ 100 ህንዳውያን ስደተኛታት ብወተሃደራዊት ነፋሪት ናብ ሃገሮም ተጠሪዞም። ናይ ቀደም ተጻዋታይ A-F-L ዌስት ኮስት ኣዳም ሃንተር ኣብ መበል 43 ዓመት ዕድመኡ ዓሪፉ ።

Feb 06, 202511 min

ለበዋ ኣብይ "ህዝቢ ትግራይ ከም ደላዪ ኲናት ዘምስል ዘቕረቦ ተቐባልነት የብሉን፡”ሓላፊት ቤትፅሕፈት ህወሓት ወ/ሮ ፈትለወርቅ።

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣርእስታት፡ ፍሉይ ልኡኽ ስዊዘርላንድ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዩኤስኤይድ ዝድገፋ ሲቪል ማሕበራት ንብረትን ገንዘብን ከየመሓላልፋ ተኸልኪለን። ኬንያ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሰራዊት ኦነግ "ወተሃደራዊ ስርሒት" ጀሚራ.።

Feb 05, 20258 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ለካቲት 2025)

ንሎሚ ረቡዕ 05 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት: ** ኣብ ምዕራባዊ ቪክቶርያ ፡ በርቂ ንዘበገሶ ባርዕ ዱር ንምምካት፡ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ልዑል ተጠንቀቕ ይርከቡ... ** ፖሊስ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ናይ ስዊድን ልዕሊ 10 ሰባት ዝቐተለ ድራኸ ይምርምር ... ** ስትራዲቫሪዩስ ቫዮሊን ኣብ ኒው ዮርክ ብ ኣስታት 18 ሚልዮን ዶላር ክትሽየጥ እያ ...

Feb 05, 20254 min

ደሞዝ ዝክፈሎ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ንመንን ብኸመይን'ዩ ዝርከብ፧

ኣብ ኣውስትራሊያ ሓደሓደ ወለዲ ካብ መንግስቲን ኣስራሕቶምን ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ክፍሊት ኽውሃቦም ይኽእል ። እንተኾነ ንኹሉ ሰብ ዝምልከት መሰል ኣይኮነን ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ትሕዝቶ ፤ ንዝወልዱ ወለዲ ዝወሃብ ደሞዝ ዝክፈሎ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ እንታይ ከምዝረኽቡ ፤ ንመን ከምዝፍቀደሎም ፤ ብኸመይ ከምዝሕተት ክርእይ ኢና ።

Feb 05, 202510 min

ጸባ ገመል ዝደልዩ ኣውስትራሊያውያን እናበዝሑ ይኸዱ ኣለዉ፡ ንሓደ ሊትሮ $18 ዶላር ገዚእካ ግን የዋጽእ ዶ፧

ጸባ ገመል ምስ ጸባ ላም ብዝመሳሰል መገዲ ፡ ንኣሽሓት ዓመታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃውያንን ማሕበረሰብ ከም መግቢ ኰይኑ የገልግል ኣሎ ። ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ብዛዕባ እቲ ካብ ባህላዊ ጸባን ውጽኢት ጸባን ዝወጽእ ኣማራጺታት ፡ እቲ ዝበለጸ ተደላይ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓድሽ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ ኣሎ

Feb 04, 20258 min

ቃለ መሕትት ምስ ዶ/ር ሕሉፍ ኣበራ ብዛዕባ እቶም ዓበይቲ ሕማማት ማለት ሕማማት ሽኮር፡ ደም ብዝሒ፡ ካንሰርን ካልኦት ሕማማትን።

ዶክተር ሕሉፍ ኣበራ ኣብ መልበርን ኣብ ሆፐር ክሮሲንግ ዝርከብ ሰንትራል ክሊኒክ ሓፈሻዊ ሓኪም እዩ። ዓበይቲ ሕማማት ከም ሕማማት ሽኮር፡ ደም ብዝሒ፡ ካንሰርን ካልኦትን ትምህርታዊ መብርሂ ሂቡና ኣሎ። ኣብዚ ትሕዝቶ ሕማም ሽኮር እንታይ እዩ፧ መንቀሊኡ፧ ኣከናኽናኡን ምስኡ ዝተተሓሓዘ ሓበሬታን ገሊጹ ኣሎ።

Feb 04, 202510 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 ለካቲት 2025)

ንሎሚ 04 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት: ** ሓንቲ ጎርዞ ብሻርክ ተነኺሳ ሞይታ... ** ኣብ ዋሺንግተን ድሕሪ ዝወረደ ግጭት ሂሊኮፕተርን ነፋሪትን መንነት ናይ 55 ምውታት ተለልዩ... ** ኣብ ኡጋንዳ ለበዳ ኢቦላ ተኸሲቱ ናይ ፈተነ ክታበት ይወሃብ ኣሎ።

Feb 04, 20256 min

MiniPod: Ep4 Talking about visas | Starting Out | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 4ይ ክፋል፡ ዕላል ብዛዕባ ቪዛታት | ምጅማር | English on Repeat (Easy)

Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: I came to work in Australia.| I have a student visa.| What visa do you have? | I want to become a permanent resident. - ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ምዝራብ ክእለትና ንከነመሓይሽ እናደጋገምና ክንለማመድ ዝሕግዘና ፈነወ 'English on Repeat' ስምዑ። እቶም ንደጋግሞም ሓረጋት እዚኦም'ዮም፣ I came to work in Australia.| I have a student visa.| What visa do you have? | I want to become a permanent resident.

Feb 03, 20256 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ለካቲት 2025)

ኣርእስታት ዜና፥ ፌደራላዊ ፓርላማ ሰሉስ [4 ለካቲት] ኣብ ዝእከበሉ ፣ ሰልፊ ግሪንስ "ብመትከል" ነቲ ሰልፊ ለበር ዘቕርቦ ሕጊ ናይ ጽል ኢ ዘረባ ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ ። ሰራዊት ሱዳን ፡ ኣብ ግዝኣት ኣል ያዚራ ዝርከባ ኣገደስቲ ከተማታት ከም ዝተቖጻጸረን ገሊጹ። ቪክቶርያ ካብ ሰኑይ ኣትሒዙ ንሰለስተ መዓልታት ብማዕበላዊ ንፋስ ሙቐት ኣብ ትህረመሉ እኹል ዕቑር ጸዓት ከምዘሎ ናይ ኣውስትራሊያ ተቖጻጻሪ ጸዓት ኣረጋጊጹ ።

Feb 03, 202513 min

ቅነ ቢንያም ግርማይ ኣብ ስፐይን፣ ሄኖክ ምሉእብርሃንን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ድማ ኣብ ኣውስትራልያ፣ ዓወት እጅጋየሁ ታየ ኣብ ራስ ኣልኼማ (ሰሙናዊ መደብ ስፖርት)

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (03/02/2025) * እጅጋየሁ ታየ ኣብ ፍርቂ ማራቶን ራስ ኣልኼማ ተዓዊታ፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ትሮፊዮ ሰስ ሳሊነስ ተሳቲፉ ራብዓይ ወጺኡ፣ ሄኖክ ምሉእብርሃንን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ድማ ኣብ ጂሎንግ (ኣውስትራልያ) ተቐዳዲሞም፣ * ሞሮኮ ኣብ ተአንግዶ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣፍኮን 2025 ተሳተፍቲ ሃገራት ዝሓለፈ ሰሙን ምድባተን ፈሊጠን፣ * ናይ መወዳእታ ዙርያ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ሮቡዕ ተኻይዶም ኣብ ኣፈፈት ውድቀት ዝነበራ ማድሪድን ስቲን ወሲኽካ ዝበዝሓ ዓበይቲ ጋንታታት ዓለምና ናብ ዝቕጽል ዙር ምሕላፈን ኣረጋጊጸን፣ * መበል 24 ዙርያ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ተኻይዶም ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድን ክሰዓሩ’ንከለዉ ሊቨርፑልን ኣርሰናል...

Feb 02, 202514 min

ትራምፕ፡ ኣብ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝተፈፀመ ኣፍሊጡ።

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣካታዒ ኮይኑ ዝጸንሐ ቤት ምኽሪ ኣማኻሪ ካውንስል ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብወግዒ ተመስሪቱ። ፓርቲ ብልፅግና ይካይዶ ኣብ ዘሎ ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ንመራሕቱ ዳግም ንክመርሑዎ መሪፁዎም። ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ገይሩ። ሓይልታት ጸጥታ ጅቡቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ኢትዮጵያ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብዝተፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ሸሞንተ ኣባላት ጉጅለ ዓመጽትን ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰላማውያን ሰባትን ከምዝቐተሉ ተገሊጹ። ትራምፕ፡ ኣብ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝተፈፀመ ኣፍሊጡ።

Feb 02, 20257 min

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ጥሪ 2025)

ንሎሚ ሓሙስ 30 ጥሪ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣዲስ ኣበባ ንፈለማ እዋን ህዝባዊ ዋዕላ ተቓዋሚ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ብርጌድ ንሓመዱ ኣአንጊዳ። ኣዘዝቲ' ሓይልታት ትግራይ ነቲ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣፍልጦ ዝተነፍገ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ደጊፎም ምምጽኦም ኣብ ትግራይ ቅልውላው ኣጋዲዱ። ኣብ 104.4 FM መቐለ ዘጋጠመ ፀገም ብምርድዳእ ከምዝተፈትሐ መምርሒ ፓሊስ ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝረኣ ጃምላዊ ማእሰርቲ ከምዝቃወምን ዝዅንን ኣምንስቲ ኣፍሊጡ። ኣብ ኣውስትራሊያ 26 ጥሪ ሃገራዊ መዓልቲ እዩ ፤ ኣብዛ ዕለት ነቶም ኣብ ማሕበረሰባት ኣበርክቶ ዝገብሩ ኣፍልጦን ስልማትን ይሃብ እዩ ። ኣብዚ ናይ 2025 ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም መዳል ኦፍ ዘ ኣውስትራሊያ...

Jan 30, 202550 min

ብ ኣፍልጦ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ዋዕላ ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልእ ጸብጻብ ልኡኽና።

ኣዲስ ኣበባ ንፈለማ እዋን ህዝባዊ ዋዕላ ተቓዋሚ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ብርጌድ ንሓመዱ ኣአንጊዳ። ኣዘዝቲ' ሓይልታት ትግራይ ነቲ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣፍልጦ ዝተነፍገ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ደጊፎም ምምጽኦም ኣብ ትግራይ ቅልውላው ኣጋዲዱ። ኣብ 104.4 FM መቐለ ዘጋጠመ ፀገም ብምርድዳእ ከምዝተፈትሐ መምርሒ ፓሊስ ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝረኣ ጃምላዊ ማእሰርቲ ከምዝቃወምን ዝዅንን ኣምንስቲ ኣፍሊጡ።

Jan 29, 20257 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ጥሪ 2025)

ን ሎሚ ረቡዕ 29 ጥሪ 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት፡ ** ኣብ ኲንስላንድ ብፖሊስ ዝተተኮሰሉ ሰብ ኣብ ኩነታት ሞትን ህይወትን ከምዘሎ ተፈሊጡ... ** ሴቭ ዘ ችልድረን ኣስታት 1 ነጥቢ 5 ሚልዮን ዝዀኑ ቈልዑ ኣብ ኮንጎ ከተማ ጎማ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ምዃኖም ከምዘሰክፎ ገሊጹ ። ** ወናኒ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ሌስተር ሲቲ ዝነበረ ቪቻይ ስሪቫዳሃናፕራባን ካልኦት ኣርባዕተ ሰባትን ብ ሄሊኮፕተር ዝሞቱሉ ጉዳይ ሓደጋ ከምዝነበረ ፍርዲ ተዋሂቡ ።

Jan 29, 20255 min

ሕጊ መሰል ዋንነት (copyright)ኣብ እትጥቀምሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብኸመይ ይሰርሕ፧

ብዘይፍቓዶም ናይ ካልእ ሰብ ቪድዮ ወይ ሙዚቃ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣካፊልኩም ትፈልጥዶ ? እዚ ብምግባር ሕጊ መሰል ዋንነት እትጥሕስሉ ኣጋጣሚታት ክህሉ ይኽእ እዩ ። ሕጊ መሰል ዋንነት ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክንጥቀመሉ እንኽእልን እንካፈሎን ነገራት ይድርት እዩ ። ነቲ ሕጊ መሰል መሰል ዋንነት ብኸመይ ከም እተተግብሮ ምርዳእ ፡ ሕማቕ ኵነታትን ከቢድ ሳዕቤናትን ንኸየጋጥመካ ዝሕግዘካ እዩ ።

Jan 29, 202511 min
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android