ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ጥሪ 2025) - podcast episode cover

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ጥሪ 2025)

Jan 27, 202552 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ን ሎሚ 27 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ትማሊ 26 ጥሪ ዓመታዊ ዝኽበር መዓልቲ ኣውስትራሊያ ወይ ኣውስትራሊያ ደይ ተኸቢሩ ዊዒሉ፡ ኣብቲ መዓልቲ ኣብ ሕብረተሰቦም ፍሉይ ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣፍልቶን ሽልማትን ሓንቲ ካብ ኦም ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም ካብ ኲንስላንድ ናይ 2025 "Medal of the Order of Australia" ተሸላሚት ኮይና ኣላ። ናብዚ ዘብጽሐ ጉዕዞን ናብዚ ንምብጻሕ ዘጋጥማ ብድሆታትን ካብዘካፈለትና ሎሚ ቆንጪልና ከነቕርበልኩም ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ጽንብል ስርዓተ ሲመት 6ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሃዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ተፈጺሙ ። ፖለቲካ ትግራይ ናብ ፖለቲካዊ ባዶ ድምር ወሪዱ ትግራይ ናብ ዝኸፈአ ኩነተት ክትኣትው ምኽንያት ኮይኑ'ሎ: ክብል ፕረዚደንት ግዚያዊ ምም/ ትግራይ ጌታቸው ረዳ ተዛሪቡ ። ኣብ ሓደጋ ወዲቚ ዘሎ ሃገራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ብሰላማዊ ዘተ ጥራይ ክፍታሕ ብርጋዴር ጀነራል ከበደ ሬጋሳ ጸዊዑ። ኤርትራ፡ ቀይዳቶም ዝጸንሐት ተወሰኽቲ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ለቂቓ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ናይ ኣመሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጋዛ ዝነብሩ ፍልስጤማውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክግዕዙ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ ። ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ጥዕናን መሳለጥያታትን ዝወርድ መጥቃዕቲ ደው ክብል ሓላፊ ውዱብ ጥዕና ዓለም ጸዊዑ ። ያኒክ ሲንነር ነቲ ናይ ኣውስትራልያዊ ኦፐን ሻምፕዮኑኡ ብምዕቃብ፡ ኣብ ልዕሊ እለክሳንደር ዘቨርቭ ስዒሩ ናይ 2025 ሻምፕዮን ኣውስትራሊያ ኦፐን ኮይኑ ።
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android