SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ - podcast cover

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Last refreshed:
Follow this podcast in the Metacast mobile app to refresh it and see new episodes.
Download Metacast podcast app
Podcasts are better in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episodes

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ነሓሰ 2025)

** ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ንኣውስትራሊያዊ መዘናኡ ን ኣይሁድ ዝጠለመ ክብል ከሲስዎ... ** ሓማስ ናይ 60 መዓልታት ስምምዕ ተዂሲ ድወ ምባል ተሰማሚዑ፡ እስራኤል ትግምግሞ ኣላ... ** ኣመሪካ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክትህብ ኣብ ዋሽንግቶን ጸቕጢ ይውስኽ፡ ሓደ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣመሪካ ሶማሊላንድ ከም ሃገር ተፈላጥነት ክትረክብ ጸዊዑ።

Aug 20, 20256 min

Understand Aboriginal land rights in Australia - መሰላት መሬት ኣቦርጂንን ቶረስ ስትሬት ኣይላንደራትን እንታይ እዮም፧

You may hear the protest chant, “what do we want? Land rights!” —but what does it really mean? Land is at the heart of Aboriginal and Torres Strait Islander identity, culture, and wellbeing. Known as “Country,” it includes land, waterways, skies, and all living things. In this episode of Australia Explained, we explore Indigenous land rights—what they involve, which land is covered, who can make claims, and the impact on First Nations communities. - "እንታይ ኢና እንደሊ ? መሰል ዋንነት መሬት!" ዝብል ናይ ተቓውሞ ጭርሖ...

Aug 19, 20258 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ነሓሰ 2025)

** ንሳልስቲ ብዛዕባ ቁጠባ ኣውስትራሊያ ዝዝቲ ዋዕላ ፈደራል መንግስቲ ኣብ ካንቤራ ጀሚሩ። ** ኣብ ዋይት ሃውስ ድሕሪ ዝተገብረ ኣኼባ ሰላም፡ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕን ናይ ዩክሬን ፕረሲደንት ቮልድሚር ዘለንስኪን ናይ መጻኢ ተስፋኦም ገሊጾም... ** ኣብ ጥቓ ኣዲስ ኣበባ ብ 'መንነቶም ዘይተፈልጡ' ዕጡቓት ሰለስተ ሰራሕተኛታት ባንክን 11 ሓይልታት ጸጥታን ሞይቶም ተፈሊጡ።

Aug 19, 20257 min

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ነሓሰ 2025)

ን ሎሚ 18 ነሓሰ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 ተዛዚሙ፡ ቢኒያም ግርማይ ካብ ፕረዚደንት ማሕበር ብሽግለታ ዓለም ናይ ዮዉሃና መልእኽቲ ተቐቢሉ፡ ከተማ ሽረ ማእኸል ንግዲ ወርቂ ትግራይ፣ ኤርትራን ሱዳንን ከም ዝኾነት ተሓቢሩ። ጋዜጠኛ ሪፖርተር ጋዜጣ ዮናስ ኣማረ ብ"ዘይተፈልጡን መሸፈኒ ዝገበሩ ኣካላት" ተጨውዩ ካርታ ኣፍሪቃ በቲ ልክዕ ዓቐን ናይታ ኣህጉር ክቕየር ተወሲኑ ። መንግስቲ ኣውስትራሊያ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጸገም ንዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ ሓደ ማዕከን ገንዘብ NDIS ፈጢሩ ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ስራሕ ንዝዋፈሩ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ይርከብ። ምስዚ ስራሕ ተተሓሒዙ ዝለዓል ጉዳያት ከብርሃልና ኣብ ፋይናንሲያዊ መዳይ እቲ ስራሕ ተዋፊሩ ነቶም ወሃብቲ ኣገልግሎት ...

Aug 18, 202552 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ነሓሰ 2025)

ኣርእስታት ዜና፥ ካብ ሓሙስ ኣትሒዙ ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይን ምዕልቕላቕ ውሕጅን ስዒቡ ብውሕዱ 344 ሰባት ሞይቶም ክብሉ ሰበ-ስልጣን ፓኪስታን ሓቢሮም ። ኣብ ሱዳን ዞባ ሰሜን ዳርፉር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ዝተመዛበሉ ስደተኛታት ፡ ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ፡ ብውሕዱ 31 ሰባት ተቐቲሎም ። መራሕቲ ኤውሮጳ ሎሚ [18 ነሓሰን] ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪይን ፕረዚደንት ዩ-ስ ዶናልድ ትራምፕን ዝግበር ኣገዳሲ ኣኼባ ኽካፈሉ ምዃኖም ገሊጾም።

Aug 18, 202510 min

ኣብ ምስራሕ ስራሕ ኣገልግሎት ኤን ዲ ኣይ ኤስ (NDIS) ዘሎ ዕድላትን ብድሆታትን፥ መብርሂ ኣቶ ኣማን መብራህቱ

መንግስቲ ኣውስትራሊያ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጸገም ንዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ ሓደ ማዕከን ገንዘብ NDIS ፈጢሩ ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ስራሕ ንዝዋፈሩ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ይርከብ። ምስዚ ስራሕ ተተሓሒዙ ዝለዓል ጉዳያት ከብርሃልና ኣብ ፋይናንሲያዊ መዳይ እቲ ስራሕ ተዋፊሩ ነቶም ወሃብቲ ኣገልግሎት ክኢላዊ ምኽሪ ዝህብ ናይ ፋይናንስ ኪኢላ ኣማን መብራህቱ ብዛዕባኡ ገሊጹልና ኣሎ ።

Aug 18, 202516 min

ከተማ ሽረ ማእኸል ንግዲ ወርቂ ትግራይ፣ ኤርትራን ሱዳንን ከም ዝኾነት ተሓቢሩ።

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 ተዛዚሙ፡ ቢኒያም ግርማይ ካብ ፕረዚደንት ማሕበር ብሽግለታ ዓለም ናይ ዮዉሃና መልእኽቲ ተቐቢሉ፡ ከተማ ሽረ ማእኸል ንግዲ ወርቂ ትግራይ፣ ኤርትራን ሱዳንን ከም ዝኾነት ተሓቢሩ። ጋዜጠኛ ሪፖርተር ጋዜጣ ዮናስ ኣማረ ብ"ዘይተፈልጡን መሸፈኒ ዝገበሩ ኣካላት" ተጨውዩ ካርታ ኣፍሪቃ በቲ ልክዕ ዓቐን ናይታ ኣህጉር ክቕየር ተወሲኑ ።

Aug 18, 20256 min

ኣብ ርክብ ትራምፕን ፑቲንን ዝተዓወተ መን'ዩ፧

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ኣላስካ ኣብ ዝተራኸበሉ፣ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ንክብጻሕ ክዘራረብ ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ። ክልቲኦም ክራኸቡ'ንከለዉ ግን ፕረዚደንት ዩክረይን ቮልድሚር ዘለንስኪ ኣብኡ ኣይተረኽበን። ድሕሪኡ ምስ ትራምፕ ብቴሌፎን ነዊሕ ምስ ተዘራረቡ ግን ሶኑይ ብኣካል ክራኸቡ ተሰማሚዖም ኣለዉ። ኣብ'ዚ ኩሉ ርክባትን ህዝባዊ ርክባትን ግን መን'ዩ ዝያዳ ተረባሒ ኮይኑ፧

Aug 16, 20259 min

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ነሓሰ 2025)

ንሎሚ ሓሙስ 14 ነሓሰ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። እዚ ቕንያት ኣብ ትግራይን ኣብ ከበሳታት ኤርትራን ጎራዙት ዘዘውትራኦ ባህላዊ ጸወታት “ኣሸንዳ” ዘዘውትራሉ ቅነ እዩ። ነዚ ዘንጸባርቕ ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ቢንያም ግርማይ፡ ኣምባሳደር ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ። ኣምባሳደር ሜክሲኮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌጃንድሮ ኤስቲቪል መቐለ ኣትዩ ። ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ውንኣብ ኢትዮጵያ "ኢደወነናዊ ቅትለት"ን "ኢሰብኣዊ መቕጻዕትን" ይቕጽል ከምዘሎ ጸብጻብ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣመልኪቱ ። ምኽሪ ንሓደስቲ ወነንቲ ገዛ እንስሳ፡ ነዚ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ኣላስካ ዝካየድ ዋዕላ ትራምፕ-...

Aug 14, 202549 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ነሓሰ 2025)

ኣርእስታት ዜና፥ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ኣላስካ ዝካየድ ዋዕላ ትራምፕ-ፑቲን ፡ ኣብ በርሊን ምስ መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ ተራኺቡ ተዘራሪቡ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣውስትራልያ ዝወሰደቶ ቕዋም ብዛዕባ ኣፍልጦ መንግስቲ ፍልስጤም ፡ ንሰላም ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ምድንፋዕ ኣበርክቶ ከም ዝገብር ገሊጹ ። ኣስታት 100 ስደተኛታት ዝጸዓነት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ዓዲ ጣልያን ትጓዓዝ ዝነበረት ጃላባ ሎሚ ኣብ ከባቢ ላምፓዱሳ ምስ በጸሐት ብምግምጣላ ብውሕዱ 26 ሰባት ከም ዝሞቱን ኣስታት ደርዘን ዝዀኑ ከም ዝጠፍኡን ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያን ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ገሊጾም ክብል ኣጃንስ ፍራንስ ጸብጺቡ።

Aug 14, 202511 min

"ኣብ ኢትዮጵያ "ኢደወነናዊ ቅትለት"ን "ኢሰብኣዊ መቕጻዕትን" ይቕጽል ኣሎ።" ጸብጻብ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣመልኪቱ

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ቢንያም ግርማይ፡ ኣምባሳደር ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ። ኣምባሳደር ሜክሲኮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌጃንድሮ ኤስቲቪል መቐለ ኣትዩ። ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ውንኣብ ኢትዮጵያ "ኢደወነናዊ ቅትለት"ን "ኢሰብኣዊ መቕጻዕትን" ይቕጽል ከምዘሎ ጸብጻብ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣመልኪቱ ።

Aug 13, 20258 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ነሓሰ 2025)

** ማዕከን ገንዘብ ከምቲ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ወግዓዊ መጠን ወለድ ብ 0.25 ሚእታዊ ኣጉድልዎ ።... ** ኣውስትራሊያ ትርከበን 23 ሃገራትን ረዲኤት ናብ ቓዛ ብዘገደብ ክ ኣቱን ቅልውላው ጥምየት ቓዛ ከብቅዕን ንእስራኤአል ሓቲተን። ** ኣብ ሱዳን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 40 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።.

Aug 13, 20256 min

A beginner’s guide to owning a pet in Australia - ምኽሪ ንሓደስቲ ወነንቲ ገዛ እንስሳ

Bringing a pet into your home can fill it with joy and companionship – but it also comes with important responsibilities. In Australia, new pet owners need to be aware of legal requirements, along with essential tips for training and caring for their animals. - ናይ ገዛ እንስሳ ወይ ፐት ንብዙሓት ፍቑር ክፍሊ ናይ ህይወቶም እዩ ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዳርጋ ክልተ ካብ ሰለስተ ስድራቤታት ናይ ገዛ እንስሳ ዝውንኑ እዮም። ቅድሚ ሕጂ ወኒንኩም ዘይትፈልጡ እንተ ዄንኩም ግና ፡ ብዛዕባ ትውንኖም እንስሳታት ገለ ኣገዳሲ ዝርዝራት ዕሽሽ ክትብሎ ቀሊል እዩ። ኣብዚ መደብ ካብ ሕጋዊ ግዴታታት ክሳብ መዓልታዊ ክንክን ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሎ ነፍስ...

Aug 12, 20259 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ነሓሰ 2025)

ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራሊያ ንመንግስቲ ፍልስጢኤም ኣፍልጦ ከምዝህብ ምስ ኣወጀ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ንጉዳይ ድሕነቶም ክሓስብሉ ሓቲቶም። ** ሓደ ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ ምስ መሳርሕቱ ኣብ ቓዛ ብወተሃደራት እስራኤል ምስተቐትለ ኣብ ምዕራብ ባንክ ዓቢ ስላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ** ዶናልድ ትራምፕ ንዋሽንግተን ዲሲ 'ሓራ ንምውጻእ' ሃገራዊ ሓለዋ ከምዘዋፍር ኣፍሊጡ።..

Aug 12, 20255 min

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ነሓሰ 2025)

ን ሎሚ 11 ነሓሰ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝነበሩ 15 ኤርትራውያን ድሒኖም። ሓፈሻዊ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ዕዉት ጎሮሮ ሓራጅ ብ መዓንጣ ናይ ምትካእ መጥባሕቲ አሳሊጡ። ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 ብወግዒ ተኸፊቱ፡ ህወሓት ብዛዕባ እቲ ምስ ኤርትራ ዘሎ ርክባት ብዝምልከት ንፈለማ ዕላዊ ርእይቶ ሂቡ። ቤትምኽሪ ሰልፊ ብልጽግና "ዝተናውሐ ኲናት ዝተኾለፎም ጸላእቲ" ኢሉ ዝገልጾም ሓይልታት ብምቕስቃስ ግጭት ከሲሱ። ጋዜጠኛ ኤስ ቢ ኤስ ኢጣልያ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ኣብ ኤርትራ በጺሑ ተመሊሱ ኣሎ። ኣብ ከተማታት ኣስመራን ባጽዕን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ዝመሰጦ፡ ዝተሰምዖን ምስ ሃገሩ ጥልያን ዘሎ ምትእስሳርን ፍልልይን ገሊጹልና ኣሎ። ምስ ጋዜጠኛ ዳርዮ ዝገበርናዮ...

Aug 11, 202549 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ነሓሰ 2025)

ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኒው ዚላንድ ክሪስቶፈር ንምርኻብ ናብ ኒው ዚላንድ ዝገበሮ ምብጻሕ ፈጺሙ ። ፕረዚደንት ትራምፕ ሶማሊላንድ ተፈላጥነት ንምርካብ ዘቕረበቶ ሕቶ ፡ ቀጻሊ ምይይጥይግበረሉ ከምዘሎ ዝሕብር ምልክት ሂቡ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከተማ ጋዛ ብህጹጽ ከም ዝውዳእ ዝገለጾ ሓድሽ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ፡ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከም እተዘራረበ ገሊጹ ።

Aug 11, 202515 min

ህወሓት ብዛዕባ እቲ ምስ ኤርትራ ዘሎ ርክባት ብዝምልከት ንፈለማ ዕላዊ ርእይቶ ሂቡ።

ኣብ ፈረንሳ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝነበሩ 15 ኤርትራውያን ድሒኖም። ሓፈሻዊ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ዕዉት ጎሮሮ ሓራጅ ብ መዓንጣ ናይ ምትካእ መጥባሕቲ አሳሊጡ። ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 ብወግዒ ተኸፊቱ፡ ህወሓት ብዛዕባ እቲ ምስ ኤርትራ ዘሎ ርክባት ብዝምልከት ንፈለማ ዕላዊ ርእይቶ ሂቡ። ቤትምኽሪ ሰልፊ ብልጽግና "ዝተናውሐ ኲናት ዝተኾለፎም ጸላእቲ" ኢሉ ዝገልጾም ሓይልታት ብምቕስቃስ ግጭት ከሲሱ።

Aug 10, 20259 min

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ነሓሰ 2025)

ንሎሚ ሓሙስ 7 ነሓሰ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ጋዜጠኛ ኤስ ቢ ኤስ ኢጣልያ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ኣብ ኤርትራ በጺሑ ተመሊሱ ኣሎ። ኣብ ከተማታት ኣስመራን ባጽዕን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ዝመሰጦ፡ ዝተሰምዖን ምስ ሃገሩ ጥልያን ዘሎ ምትእስሳርን ፍልልይን ገሊጹልና ኣሎ። ሎሚ ከነቕርቦ ኢና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ** ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ብፀሊም ዕዳጋ ዝግበር ልውውጥ ሸርፊ ወጻኢ ክውረስ ዩ ክብል ኣጠንቂቑ። ** ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዓፋር ምስ ዘለዉ ዕጡቓት ዝርርብ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ። ** ኣብ ትግራይ ሓደ ቶን ወርቂ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምርካብ ከባቢ 140 ሄክታር መሬት ይፋሓር ከም ዘሎ መፅናዕቲ ኣመላኺቱ። ** ኣመሪካ ቪዛ ንዝሓቱ ዜጋታት ሃገራት 15 ሽሕ ዶላት ከምመትሓዚ ክትሓትት ም...

Aug 07, 202552 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ነሓሰ 2025)

ኣርእስታት ዜና፥ ፖለቲከኛታትን ሰላማውያን ሰባትን ጃፓን ፡ ነቶም ቅድሚ 80 ዓመት ብ ደብዳብ ኣቶማዊ ቦምብ ኣመሪካ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ዝኽሪ ንምኽፋል ኣብ ሂሮሺማ ተኣኪቦም ። ረድኤት ዝጽበዩ ዝነበሩ ፡ ብውሕዱ 38 ፍልስጤማውያን ኣብ ጋዛ ተቐቲሎም ኣለዉ ። ሃገራዊ ውድድር ተኒስ ደቀባት ብረቡዕ [6 ነሓሰ] ኣብ ዳርዊን ጀሚሩ፣ ካብ መላእ ኣውስትራልያ ዝመጹ ልዕሊ 160 ኣብቲ ጸወታ ይሳተፉ ኣለዉ ።

Aug 07, 202512 min

"ተስፋ እገብር ሓደ መዓልቲ ኩነታት ተመሓይሹ ተኣኻኺብና ምስ ኤርትራውያን ኣዕሩኸይ ዳግማይ ናብ ኤርትራ ክንበርር።" ጋዜጠኛ SBS ዳርዮ

ጋዜጠኛ ኤስ ቢ ኤስ ኢጣልያ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ኣብ ኤርትራ በጺሑ ተመሊሱ ኣሎ። ኣብ ከተማታት ኣስመራን ባጽዕን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ዝመሰጦ፡ ዝተሰምዖን ምስ ሃገሩ ጥልያን ዘሎ ምትእስሳርን ፍልልይን ገሊጹልና ኣሎ።

Aug 06, 202523 min

ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዶባት ትግራይን ኤርትራን ንዘሎ ህዝቢ "ብሓይሊ ኢና ፈላሊናዮ ፀኒሕና" ኢሉ።

ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ብፀሊም ዕዳጋ ዝግበር ልውውጥ ሸርፊ ወጻኢ ክውረስ ዩ ክብል ኣጠንቂቑ። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዓፋር ምስ ዘለዉ ዕጡቓት ዝርርብ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ። እቲ ጀነራል ኣብ ዶባት ትግራይን ኤርትራን ንዘሎ ህዝቢ ድማ "ብሓይሊ ኢና ፈላሊናዮ ፀኒሕና" ኢሉ። ኣብ ትግራይ ሓደ ቶን ወርቂ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምርካብ ከባቢ 140 ሄክታር መሬት ይፋሓር ከም ዘሎ መፅናዕቲ ኣመላኺቱ። ኣመሪካ ቪዛ ንዝሓቱ ዜጋታት ሃገራት 15 ሽሕ ዶላት ከምመትሓዚ ክትሓትት ምዃኑ ገሊጻ። ብሑቲ ተወቒዐን ዝጠሓላ መራኽብ ኣብ ማያት ኤርትራ ስግኣት ፈጢረን ተባሂሉ ።

Aug 06, 202511 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ነሓሰ 2025)

** ብ ኣሻሓት ዝቑጸሩ መምሃራን ኲንስላንድ ንወሰኽ ደሞዝን ምምሕያሽ ኩነታትን ሰላማዊ ተቓዉሞ ይገብሩ ኣለዉ። ** ርዋንዳ ነቶም ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝስጎጉ ስደተኛታት ክትወስድ ዝተሰማምዐት ሳልሰይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ። ** ጃፓን ካብቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሂሮሺማ ኣቶማዊ ቦምብ ካብ እትድርቢ 80 ዓመት ትዝክር ኣላ።

Aug 06, 20255 min

Is Australian tap water safe to drink?  - ኣብ ኣውስትራሊያ ንዝስተ ማይ ዝቐርብ ጥዑይ ድዩ፧

Access to safe drinking water is essential, and Australia’s often harsh environment means that our drinking water supplies are especially precious. With differences in the availability and quality of drinking water across the country, how do we know if it’s safe to drink? In this episode we get water experts to answer this question and more. - ጽሩይ ዝስተ ማይ ምርካብ ኣገዳሲ እዩ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ሕማቕ ሃዋህው ከኣ ፡ ቀረብ ዝስተ ማይና ኣዝዩ ክቡር እዩ ። ዝስተ ማይና ንጥዕናውን ድሕንነታውን ስርዓታት ዘማልእ ንክኸውን ክንክን ይግበረሉ እዩ ። ይኹን "ምበር ኣብ ሙሉእ ኣውስ...

Aug 05, 20259 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ነሓሰ 2025)

** ቀዳማይ ሚንስተር ኣንተኒ ኣልበኒዝን ፕረሲደንት ርእሰ ምምሕዳር ፍልስጤኤምን ብተሌፎን ተዘራሪቦም። ** ሰሙን ኣፍልጦ ጽምዋ ምኽንያት ብምግባር ብዛዕባ ሕልኽላኻት ስምብራት ኣእምሮን ኣብ ልዕሊ ጽምዋ ዘሕድሮ ጽልዋን ዝምልክት ሰፊሕ ኣፍልጦ ክወሃብ ኪኢላታት ጸዊዖም። ** መንግስቲ ኬንያ ንዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ሓተትቲ ዑቕባ ምቅባልን ምምዝጋብን ደው ከምዘበሎ ኣፍሊጡ ።

Aug 05, 20255 min

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 ነሓሰ 2025)

ን ሎሚ 4 ነሓሰ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብዚ ሰሙን ብዙሓት ማሕበረ ሰብ ኤርትራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ ብዕረፍቲ ዶ/ር መሓመድ ዑስማን ቑስሙላህ ኣብ ዓቢ ሓዘን ቀንዮም ኣለዉ። ዶ/ር መሓመድ ቁስሙላህ ብሞያኡ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ እጃም ድሕሪ ምብርካት ናብ ኣውስትራሊያ ኣብ 1989 ተሰዲዱ ንልዕሊ 35 ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ ብቐዳም 2 ነሓሰ ብርክት ዝበሉ መቓልስቱን ኣባላት ማሕበረ ሰብ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ መልበርን ስነ ስርዓት ቀብሩ ተፈጺሙ። ዶ/ር መሓመድ ዝፍለጠሉ ዓበይቲ ኣበርክቶን ብሓፈሻ ድማ ንልዕዕሊ 90 ዓመት ኣብዛ ምድሪ ክነብር ብድሕሪኡ ዝገደፎ ሓድጊ ብዝምልከት ኣቶ ቶፊቕ ቑስምላህ ገሊጹልና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ልዝብ ንምክያድ እወንታዊ ምላሽ ከምዝሃበ ተሓቢሩ። ፕረዚደንት ኢሰይያ...

Aug 04, 202549 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 ነሓሰ 2025)

ን ፍልስጤማውያን ናይ ጋዛ ንምድጋፍ ኣብ ስድኒ ሃርበር ብሪጅ እተገብረ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ታሪኻዊ ሰልፊ ምዃኑ ተገሊጹ ። ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ሓንቲ ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ ብውሑዱ 68 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ከምዝሞቱ ትካል ፍልሰተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ። ሰንበት ኣብ ስፐይን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራዊ ኣባል ጋንታ በርጎስ በርፐለት ቢኤች መርሃዊ ቅዱስ መበል 45 ኣትዩ።

Aug 04, 202511 min

"ካብ ጀርመናዊት ዝወለድክዎ ወደይ 'ነጋሲ' ኢለ ዝሰመኽዎ ሓበሻነቱ ንኸይጠፍእ ኢለ'የ።" ዶ/ር መሓመድ ዑስማን ቁስሙላህ ዓሪፉ።

ኣብዚ ሰሙን ብዙሓት ማሕበረ ሰብ ኤርትራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ ብዕረፍቲ ዶ/ር መሓመድ ዑስማን ቑስሙላህ ኣብ ዓቢ ሓዘን ቀንዮም ኣለዉ። ዶ/ር መሓመድ ቁስሙላህ ብሞያኡ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ እጃም ድሕሪ ምብርካት ናብ ኣውስትራሊያ ኣብ 1989 ተሰዲዱ ንልዕሊ 35 ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ ብቐዳም 2 ነሓሰ ብርክት ዝበሉ መቓልስቱን ኣባላት ማሕበረ ሰብ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ መልበርን ስነ ስርዓት ቀብሩ ተፈጺሙ። ዶ/ር መሓመድ ዝፍለጠሉ ዓበይቲ ኣበርክቶን ብሓፈሻ ድማ ንልዕዕሊ 90 ዓመት ኣብዛ ምድሪ ክነብር ብድሕሪኡ ዝገደፎ ሓድጊ ብዝምልከት ኣቶ ቶፊቕ ቑስምላህ ገሊጹልና ኣሎ።

Aug 04, 202521 min

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ልዝብ ንምክያድ እወንታዊ ምላሽ ከምዝሃበ ተሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ልዝብ ንምክያድ እወንታዊ ምላሽ ከምዝሃበ ተሓቢሩ። ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ፡ ንልኡኽ ምብራቕ ሱዳን ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ፡ እቲ ፕረዚደንት ካብ መዘናኡ ዶናልድ ትራምፕ ደብዳበ ከምዝሰደሉ ክዝረብ ቀንዩ ዩ። ትግራይ፡ ኣብ ሓንቲ ጣብያ 22 ሰባት ብደርቂ ሞይቶም ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ ዓዲ ናብ ኢትዮጵያ ገንዘብ ዘመሓላልፋ ኣርባዕተ ወኪላት ኣጊዱ ኢትዮጵያዉያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ጀልባ ተገልቢጣ 54 ሰባት ከምዝሞቱ ተሰሚዑ።

Aug 03, 20257 min
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android