ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ነሓሰ 2025) - podcast episode cover

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ነሓሰ 2025)

Aug 18, 202552 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ን ሎሚ 18 ነሓሰ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 ተዛዚሙ፡ ቢኒያም ግርማይ ካብ ፕረዚደንት ማሕበር ብሽግለታ ዓለም ናይ ዮዉሃና መልእኽቲ ተቐቢሉ፡ ከተማ ሽረ ማእኸል ንግዲ ወርቂ ትግራይ፣ ኤርትራን ሱዳንን ከም ዝኾነት ተሓቢሩ። ጋዜጠኛ ሪፖርተር ጋዜጣ ዮናስ ኣማረ ብ"ዘይተፈልጡን መሸፈኒ ዝገበሩ ኣካላት" ተጨውዩ ካርታ ኣፍሪቃ በቲ ልክዕ ዓቐን ናይታ ኣህጉር ክቕየር ተወሲኑ ። መንግስቲ ኣውስትራሊያ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጸገም ንዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ ሓደ ማዕከን ገንዘብ NDIS ፈጢሩ ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ስራሕ ንዝዋፈሩ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ይርከብ። ምስዚ ስራሕ ተተሓሒዙ ዝለዓል ጉዳያት ከብርሃልና ኣብ ፋይናንሲያዊ መዳይ እቲ ስራሕ ተዋፊሩ ነቶም ወሃብቲ ኣገልግሎት ክኢላዊ ምኽሪ ዝህብ ናይ ፋይናንስ ኪኢላ ኣማን መብራህቱ ብዛዕባኡ ገሊጹልና ኣሎ ። ኣርእስታት ዜና፥ ካብ ሓሙስ ኣትሒዙ ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይን ምዕልቕላቕ ውሕጅን ስዒቡ ብውሕዱ 344 ሰባት ሞይቶም ክብሉ ሰበ-ስልጣን ፓኪስታን ሓቢሮም ። ኣብ ሱዳን ዞባ ሰሜን ዳርፉር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ዝተመዛበሉ ስደተኛታት ፡ ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ፡ ብውሕዱ 31 ሰባት ተቐቲሎም ። መራሕቲ ኤውሮጳ ሎሚ [18 ነሓሰን] ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪይን ፕረዚደንት ዩ-ስ ዶናልድ ትራምፕን ዝግበር ኣገዳሲ ኣኼባ ኽካፈሉ ምዃኖም ገሊጾም።
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android