ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ነሓሰ 2025) - podcast episode cover

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ነሓሰ 2025)

Aug 11, 202549 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ን ሎሚ 11 ነሓሰ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝነበሩ 15 ኤርትራውያን ድሒኖም። ሓፈሻዊ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ዕዉት ጎሮሮ ሓራጅ ብ መዓንጣ ናይ ምትካእ መጥባሕቲ አሳሊጡ። ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 ብወግዒ ተኸፊቱ፡ ህወሓት ብዛዕባ እቲ ምስ ኤርትራ ዘሎ ርክባት ብዝምልከት ንፈለማ ዕላዊ ርእይቶ ሂቡ። ቤትምኽሪ ሰልፊ ብልጽግና "ዝተናውሐ ኲናት ዝተኾለፎም ጸላእቲ" ኢሉ ዝገልጾም ሓይልታት ብምቕስቃስ ግጭት ከሲሱ። ጋዜጠኛ ኤስ ቢ ኤስ ኢጣልያ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ኣብ ኤርትራ በጺሑ ተመሊሱ ኣሎ። ኣብ ከተማታት ኣስመራን ባጽዕን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ዝመሰጦ፡ ዝተሰምዖን ምስ ሃገሩ ጥልያን ዘሎ ምትእስሳርን ፍልልይን ገሊጹልና ኣሎ። ምስ ጋዜጠኛ ዳርዮ ዝገበርናዮ ዕላል ብሓሙስ ዝጀመርናዮ ሎሚ ክንዛዝሞ ኢና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኒው ዚላንድ ክሪስቶፈር ንምርኻብ ናብ ኒው ዚላንድ ዝገበሮ ምብጻሕ ፈጺሙ ። ፕረዚደንት ትራምፕ ሶማሊላንድ ተፈላጥነት ንምርካብ ዘቕረበቶ ሕቶ ፡ ቀጻሊ ምይይጥይግበረሉ ከምዘሎ ዝሕብር ምልክት ሂቡ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከተማ ጋዛ ብህጹጽ ከም ዝውዳእ ዝገለጾ ሓድሽ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ፡ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከም እተዘራረበ ገሊጹ ።
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android