ንሎሚ ሓሙስ 31 ሓምለ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ካልኣይ ክፋል ዝርርብ ምስ ጸሓፍን ጋዜጠኛን ዘካሪያስ ገሪማ፡ ብዛዕባ ካብ ካልእ ቋንቋ ናብ ትግርኛ ዝግበር መስርሕ ምትርጓም ብሱሩዕ ዘይከይድ ምህላዉ ጸገማት ክረኣዩ ጸኒሖም ኣለዉ።ሎሚ ከነቕርቦ ኢና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኤርትራን ጣልያንን ዓበይቲ ውዕላት ከም ዝተፈራረማ ተገሊጹ መንግስቲ የመን፡ ኣሲሩዎም ዝጸንሐ ኤርትራውያን ወተሃደራት ከም ዝለቐቐ ተሰሚዑ። መበል 38 ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ሳዋ ክወርዱ ጀሚሮም። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ : ዳያኑ ዘመሓላለፍዎ መሃያ መማህራን ይከፈል ዝብል ውሳኔ ብሓዱሽ ኣዋጅ ደው ኣቢሉዎ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቶ ጌታቸው ረዳ "ሓይልታት ፌደራል ንሓለዋ ዜጋታት ዘለዎም ድልየትን ድልዊነትን መሰከፊ'ዩ: " ክብል ነቒፉ...
Jul 31, 2025•51 min
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ቓዛ ብመጥቃዕቲ እስራኤልን ተዅስን ብውሕዱ 46 ፍልስጤማውያን ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ ። ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ፡ በቲ ቴክኖሎጂ ናይ ብዙሓት ክታበታት ኮቪድ-19 ዝተማህዘሉ m-R-N-A ብምጥቃም ሓድሽ ክታበት ኤች-ኣይ-ቪን ፈቲኖም ። ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ሃንተር ቫሊ ሓደ ሰብኣይ ንኽምርዖ እናተጓዕዘ ብዘጋጠመ ሓደጋ ሚኒባስ ፡ ምስ ኣዕሩኽ መርዓዊ ከቢድ ጕድኣት ኣጋጢምዎም ።
Jul 31, 2025•11 min
ካልኣይ ክፋል ዝርርብ ምስ ጸሓፍን ጋዜጠኛን ዘካሪያስ ገሪማ፡ እዚ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ካብ ካልእ ቋንቋ ናብ ትግርኛ ዝግበር መስርሕ ምትርጓም ዝረኣዩ ጸገማትን ገለ ገለ መፍትሒን ኣብዝብል ዛዕባ ዘተኮረ እዩ።
Jul 30, 2025•18 min
ኤርትራን ጣልያንን ዓበይቲ ውዕላት ከም ዝተፈራረማ ተገሊጹ መንግስቲ የመን፡ ኣሲሩዎም ዝጸንሐ ኤርትራውያን ወተሃደራት ከም ዝለቐቐ ተሰሚዑ። መበል 38 ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ሳዋ ክወርዱ ጀሚሮም። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ : ዳያኑ ዘመሓላለፍዎ መሃያ መማህራን ይከፈል ዝብል ውሳኔ ብሓዱሽ ኣዋጅ ደው ኣቢሉዎ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቶ ጌታቸው ረዳ "ሓይልታት ፌደራል ንሓለዋ ዜጋታት ዘለዎም ድልየትን ድልዊነትን መሰከፊ'ዩ: " ክብል ነቒፉ።
Jul 30, 2025•8 min
** እስራኤል ነቲ መንግስቲ ንግሊዝ ንሃገረ ፍልስጢኤም ኣፍልጦ ክህብ ዝሃቦ ቅድምመ ኩነትን መቓን ግዜን ኮኒና። ** ሎሚ ዝወጸ ሓበሬታ ዋጋታት ሸቐጥ መጠን ወለድ ክጎድል ክገድድ’ዩ ክብሉ ኪኢላታት ቁጠባ ገሊጾም... ** ኣብ ግምቢ ማንሃታን ብጠበንጃ ኣርባዕተ ሰባት ዝቐተለ ሰብኣይ ፡ ነቲ እናኣንቈልቈለ ዝኸይድ ዝነበረ ሕማም ሓንጐሉ ተሓታቲ ሃገራዊ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ (National Football League) ምዃኑ ዝሕብር ወረቐት ሒዙ ከምዝነበረ ተገሊጹ።
Jul 30, 2025•4 min
ብዛዕባ ካብ ካልእ ቋንቋ ናብ ትግርኛ ዝግበር መስርሕ ምትርጓም ብሱሩዕ ዘይከይድ ምህላዉ ጸገማት ክረኣዩ ጸኒሖም ኣለዉ። እቲ ጽገም እንታይ ምዃኑን ኣፈታትሓኡን ዝምልከት ምስ ጸሓፍን ጋዜጠኛን ዘካርያስ ገሪማ ዝተገብረ ቀዳማይ ክፋል ቃለ መሕትት።
Jul 29, 2025•15 min
Many Australians love rolling up their sleeves and undertaking their own home improvements. But before you grab a hammer or paintbrush, it’s essential to understand the rules and risks so you can renovate safely and legally. - ኣውስትራሊያውያን እጅገኦም ሰብሲቦም ገዛኦም ምምሕያሽን ምሕዳስን ምግባር ይፈትዉ እዮም ። ሞደሻ ቅድሚ ምሓዝካ ግን ፡ ሕግታትን ሓደጋታትን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ ። ክሽነኻ ከተሐድስ ወይ ጽላል ኣብ ድሕሪ ገዛኻ ክትሰርሕ እንተ መዲብካ ፡ ብዘይ ገለ ጸገም ብሕጋዊ መገዲ ክትገብሮ ዝሕግዝ ሓበሬታ ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ ።
Jul 29, 2025•10 min
** ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ጃፓንን ሕብረት ኣውሮጳን ሓድሽ ናይ ቀረጽ ዉዕል ፈሪሞም.. ** ነቲ ኣብ ስድኒ ሃርበር ብሪጅ ዝተመደበ ሰላማዊ ሰልፊ ንምዕጋት ዝግበር ምንቅስቓስ ከምዝቃለስዎ ወደብቲ ኣፍሊጦም ። ** ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 40 ሰባት ተቐቲሎም።
Jul 29, 2025•5 min
ን ሎሚ 28 ሓምለ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ብዛዕባ ኣተረጓጉማ ቃላትን ሓሳባትን ካብ ካልእ ቋንቋ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ዝምልከት ምስ ጸሓፊ ዘካርያስ ገሪማ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ኣለና። ል ኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ሱዕዲ ዓረብን ናይ ስልኪ ርክብ ኣካይዶም፡ ኮሌጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን፡ ኦሮታ 391 ተማሃሮ ኣመሪቓ፡ ኣብ ደቡብ ትግራይ ዝነበረ ወጥሪ ብልዝብ ክሃድእ ከም ዝተገብረ ተገሊጹ። ኣብ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ትግራይ ሓደ ሰብ ብዕጡቓት ተቐቲሉ። ሓይልታት ጸጥታ ምስ ጋዜጠኛታት ከም ዝተጋጨዉ ውን ተሰሚዑ። ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ኣምሓራን ክሳብ ብገበን ጆኖሳይድ ክበጽሕ ዝኽእል ሓዱሽ ክሲ ቀሪቡሎም። 2ይ ጉባኤ ስርዓተ ምግቢ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ። 28 ዓመታት ...
Jul 28, 2025•49 min
ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣባል ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ንፍልስጤምን እስራኤልን ፍታሕ ክልተ ሃገር ብዛዕባ ዝትግበረሉ መገዲ ንምምይያጥ ፡ ሎሚ ኣብ ኒው ዮርክ ይእከባ ኣለዋ ። ** ታይላንድን ካምቦዲያን ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ፡ ሎሚ ኣብ ማለዥያዝርርብ ከካይዳ ተሰማሚዐን ኣለዋ ። ** ኣብ ቅድድም ብሽግለታ፡ ታዴ ፖካቻር ፡ ንራብዓይ ግዜ ቻምፕዮን ቱር ደ ፍራንስ ብምዃን ኣብ ወለዶኡ ካብ ዘለዉ ሰባት ንላዕሊ ዓብላሊ ምዃኑ ኣመስኪሩ ።
Jul 28, 2025•10 min
ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ሱዕዲ ዓረብን ናይ ስልኪ ርክብ ኣካይዶም፡ ኮሌጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን፡ ኦሮታ 391 ተማሃሮ ኣመሪቓ፡ ኣብ ደቡብ ትግራይ ዝነበረ ወጥሪ ብልዝብ ክሃድእ ከም ዝተገብረ ተገሊጹ። ኣብ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ትግራይ ሓደ ሰብ ብዕጡቓት ተቐቲሉ። ሓይልታት ጸጥታ ምስ ጋዜጠኛታት ከም ዝተጋጨዉ ውን ተሰሚዑ። ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ኣምሓራን ክሳብ ብገበን ጆኖሳይድ ክበጽሕ ዝኽእል ሓዱሽ ክሲ ቀሪቡሎም።
Jul 28, 2025•9 min
ታደይ ዙር ፈረንሳ ኣብ 2020፡ 21፡ 24ን 25ን ብምዕዋት እቲ ኣዝዩ ዓብላሊ ተቐዳዳማይ ናይ'ዚ ወለዶ ምዃኑ ኣመስኪሩ። ሰንበት ዝተኻየደ መበል 21ን ናይ መወዳእታን መድረኽ ብምኽንያት ብርቱዕን ዘየቋርጽን ዝናብ ንተቐዳደምቲ ሓደገኛ ኩነታት ከይፍጠር ተባሂሉ ናይ ሓፈሻዊ ምድባት ነጥብታቱ ንኹሎም ማዕረ ክኸውን ተገይሩ። በዚ ምኽንያት ታደይ ገና ናይ'ቲ መዓልቲ ቅድድም ከይተጀመረ ሻምፒዮን ምዃኑ ኣፍሊጡ ኔሩ። እንተኾነ ግን ምስ'ቶም ካብ'ታ ዓባይ ጉጅለ ሞሊቖም ተፈልዮም ዝኸዱ ተቐዳደምቲ ብምዃን ኣብ'ተን ተሰሪዐን ዝነበራ ዓቐባት ብዙሕ ግዜ ራሕሪሕዎም ክኸይድ ፈተነታት ብምክያድ ነቲ መዛዘሚ መዓልቲ መቐረት ወሲኽሉ። እቲ ኣብ'ቲ መዓልቲ ዝተዓወተ ግን ንታደይ ኣብ'ታ ናይ መወዳእታ ዓቐብ ብሓያል ምፍንጣስ ሓዲግዎ ዝኸደ በልጅማዊ ቩት ፋናርት ካብ ጋንታ ቲም ቪስማ'ዩ። ታደይ ኣብ'ቲ መዓ...
Jul 27, 2025•2 min
Twenty-eight years after Diana, Princess of Wales drew the world's attention to the impacts of landmines on war-affected countries, an Australian innovation is revolutionising de-mining efforts. Australian company MRead have developed a device that can accurately detect explosives underground, promising safer, faster landmine clearance. - 28 ዓመታት ልዕልቲ ዳያና ናይ ዌይልስ ቆላሕታ ዓለም ናብ ጽልዋታት ፈንጂታት/ዝተቐብሩ ነተጒቲ ኣብ ብኲናት ዝተጸልዉ ሃገራት ክኸውን ድሕሪ ምግባራ፣ ሓደ ኣውስትራልያዊ ምህዞ/ፈጠራ ንጻዕርታት ምጽራግ-ነተጒቲ ብዓቢይ መጠን ቀይርዎ’ሎ። ኣውስትራልያዊ ኩባ...
Jul 27, 2025•12 min
ኣርእስታት ዜና፥ ናይ ሰልፊ ግሪንስ ስሰነተር መህረን ፋሩቂ ፡ ኣብ ባይቶ ኣብ ልዕሊኣ ዝተወስደ ኩነኔ ብዝምልከት ንሰልፊ ለበርን ጥምረትን ፡ ኣብ ግጉይ ሸነኽ ናይ ታሪኽ ከም ዘለዉ ከሲሳ ። ኢማራት ኣብ ሱዳንን ከባቢኡን ትገብሮ ዘላ ከም ሃገር ዝውክል ዘይኮነ፡ ብድሕሪት ናይ ካልኦት ተልእኾ ከምዘለዎ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ገሊጹ። ኣብ ግጥማት ዩሮ 2025 ተጻዋቲት ኲዕሶ እግሪ እንግሊዝ ጀስ ካርተር ፡ ጋንታኣ ንኢጣልያ 2ብ1 ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ጀነቫ ድሕሪ ምስዓራ ፡ ብዛዕባ ብ ኦንላይን ዝወረዳ ዓሌታዊ ማህሰይቲ ስምዒታ ገሊጻ ።
Jul 24, 2025•8 min
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ዘተኰረ ካልኣይን መወዳእታን ክፋል ቃለ-መሕትት፡ ንማዕከናት ዜና ሃገሩ ሂቡ። ምፍራስ ናይቲ ኣብ ደቡብ ትግራይ ዝነበረ ምምሕዳር ተቓውሞ ገጢምዎ። ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ኣሜሪካን ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያን ተመያዪጦም።
Jul 24, 2025•12 min
ሓደ ፍሉጥ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት ፡ ሕማም ምርሳዕ ዲመንሺያ ከም ቊጠባዊ ቅልውላውን ከም ጕዳይ ጥዕናን ክጥመት ከምዝግብኦ ገሊጹ። ልዕሊ 400,000 ኣውስትራሊያዊያን ምስ ሕማም ምርሳዕ ይነብሩ ፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብ እርጋን ዝርከብ ህዝቢ በዚ ሕማም ዝጥቃዕ ድማ ኣብ 2050 ብዕጽፊ ክዓቢ እዩ ። እንተኾነ ተጣበቕቲ ሕማም ምርሳዕ ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ምርምር እኹል ምወላ ስለዘየለ ነዚ ንምፍዋስ ድሕሪት ተሪፉ እዩ ይብሉ ፡ እዚ ነቲ ኣብ ሂወት ለውጢ ዘምጽእ ናይ ምርሳዕ መስርሕ ናይ ምክልኻልን ናይ ምሕደራ ፕሮግራማት ጸልይዎ ይርከብ ።
Jul 23, 2025•9 min
** ዕዳ ተመሃሮ ዘጉድል ሕጊ ንምትእትታው ዝምልከት ቀዳማይ ኣጀንዳ መበል 48 ኣኼባ ፓርላማ ምዃኑ ተፈሊጡ... ** ምምሕዳር ትራምፕ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝመጽእ ዓመት ካብ ዩኔስኮ ኸውጽኣ እዩ ... ** ኣብ ደቡብ ትግራይ፡ ምልውዋጥ ኣመሓደርቲ ንምትግባር ኣካላት ጸጥታ ከምዝተላእኩ ፕረሲደንት ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ሓቢሩ።
Jul 23, 2025•5 min
Learn polite ways to request a job reference from managers or colleagues. - ካብ ማናጀራት ወይ መሳርሕቲ ብምቕሉል ኣገባብ ከመይ ኢልካ መወከሲ ወይ ምስክርነት ስራሕ ከም ትሓቱ ንመሃር፡
Jul 23, 2025•16 min
Education is a pathway to opportunity, but for too long, Indigenous students in Australia have faced barriers to success. While challenges remain, positive change is happening. In this episode we’ll hear from Indigenous education experts and students about what’s working, why cultural education matters and how Indigenous and Western knowledge can come together to benefit all students. - ትምህርቲ ናብ ዕድል ዝወስድ መንገዲ እዩ ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነብሩ ክብ ደቀባት ዝኾኑ ተመሃሮ ንኽዕወቱ ዕንቅፋት የጋጥሞም እዩ ። ብድሆታት እኳ እንተ ሃለወ ...
Jul 22, 2025•9 min
** እስራኤል ኣብ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ዉግእ ብቕጽበት ደው ከተብሎ ኣውስትራሊያ ትርከበን 25 ሃገራት ናይ ሓባር ስምምዕ ክፍርማ... ** ዩክሬንን ራሻን ኣብዚ ሰሙን ሓድሽ ስምምዕ ሰላም ክዘራረባ እየን ተባሂሉ... **ኣብ ደቡባዊ ክፋላት ኣውስትራልያ ንዚነብሩ ሰባት ብርቱዕን ጐዳእን ንፋስ ክህሉ ትጽቢት ክገብሩ ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ኣጠንቂቑ ።
Jul 22, 2025•4 min
At some stage you will probably need help from a Justice of the Peace. It may be to prove your identity, to make an insurance claim or to certify copies of your legal documents in your language. JPs are trained volunteers who play a crucial role in the community by helping maintain the integrity of our legal system. So what exactly does a JP do and where can we find one when we need their services? - ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ትነብርሉ ኣብ ገለ እዋን ንናይ ሰላም ፍትሒ ወይ ናይ Justice of the Peace (JPs)ሓገዝ የድልየካ ይኸውን ። ምናልባት...
Jul 21, 2025•9 min
ንሎሚ ሰኑይ 21 ሓምለ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብዕለት 12 ሓምለ 2025 ኣብ ከተማ ብርስበን ሓድሽ ህንጻ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያምን ቅዱስ ሚካኤልን ጳጳሳት፡ ዕዱማት ወከልቲ መንግስቲ ኣውስትራሊያን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውስትራሊያን ብርስቤንን ዝተኣከበ ህዝቢ ኣብ ዝተረኽብሉ ተመሪቑ። ነዚ ኣመልኪትና ብዛዕባ ምስርሕ ህንጻን ኩነታት እታ ቤተ ክርስትያንን ምስ ኣመሓዳሪ እቲ ቤተ ክርስትያን ቀሺ ገብረብርሃን ወልደ ገብሪኤልን ኣቦ ወምበር ኮሚቴ ህንጻ ዶ/ር ትካቦ ተስፋሚካኤልን መብርሂ።ኣብ ናይ ቃለ መሕትት ትሕዝቶና ክቐርብ እዩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ምስ ኤሪ ቲቪ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ዝምልከት ሓጺር ጸብጻብን ካልእ ትሕዝቶን ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ዓብላሊ መናብር ዘለዎ ሰልፊ ለበር ባይቶ ስርሑ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝጅምረ...
Jul 21, 2025•48 min
ኣርእስታት ዜና፥ ዓብላሊ መናብር ዘለዎ ሰልፊ ለበር ባይቶ ስርሑ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝጅምረሉ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ካብ መውዓሊ ህጻናት ጀሚሩ ክሳብ ናይ ተማሃሮ ዕዳ ምዕራይ ስጉምቲ ክወስድ ትጽቢት ይግበር ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኢትዮጵያ ንዂናት ብእዉጅ ትዳሎ ከም ዘላ ገሊጹ። ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ስሎቨንያዊ ታደይ ፖጋቻር ክልተ ተወሰኽቲ መድረኻዊ ዓወታት ኣመዝጊቡ መሪሕነቱ ድሕሪ ምድልዳሉ ካልኣይ ሰሙኑ ኣጠናቒቑ፣
Jul 21, 2025•10 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (21/07/2025) * ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ ለንደን ውድድራት ኣልማዛዊ ሊግ ኣብ ውድድር ሓደ ማይል መሪሕ ዝኾነ ግዜ ብምምዝጋብ ክትዕወት’ንከላ መዲና አይሳ ኣብ ውድድር 5000 ሜ ተዓዊታ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ስሎቨንያዊ ታደይ ፖጋቻር ክልተ ተወሰኽቲ መድረኻዊ ዓወታት ኣመዝጊቡ መሪሕነቱ ድሕሪ ምድልዳሉ ካልኣይ ሰሙኑ ኣጠናቒቑ፣ ቢንያም ግርማይ ኣብ ምድብ ንነጥቢ ወይ ቀጠልያ ማልያ ራብዓይ ኮይኑ ተሳትፎኡ ይቕጽል ኣሎ፣ * ወናኒት ክብረወሰን ዓለም ውድድር ማራቶን ኬንያዊት ሩት ቸፕንገቲች ብምኽንያት ምውሳድ ብቕዓት ዘደንፍዑ ንጥረነገራት ወይ ዶፒንግ ብኣትለቲክስ ዓለም እገዳ ተነቢሩላ፣ * ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ካብ ዝመጽእ ወቕቲ ኩዕሶ እግሪ ብሄራዊ/ብሄረሰባዊ ኣስማትን ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ኣርማታትን ዘለወን ጋንታታት ኣይክሳተፋ...
Jul 20, 2025•9 min
ብዕለት 12 ሓምለ 2025 ኣብ ከተማ ብርስበን ሓድሽ ህንጻ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያምን ቅዱስ ሚካኤልን ጳጳሳት፡ ዕዱማት ወከልቲ መንግስቲ ኣውስትራሊያን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውስትራሊያን ብርስቤንን ዝተኣከበ ህዝቢ ኣብ ዝተረኽብሉ ተመሪቑ። ነዚ ኣመልኪትና ብዛዕባ ምስርሕ ህንጻን ኩነታት እታ ቤተ ክርስትያንን ምስ ኣመሓዳሪ እቲ ቤተ ክርስትያን ቀሺ ገብረብርሃን ወልደ ገብሪኤልን ኣቦ ወምበር ኮሚቴ ህንጻ ዶ/ር ትካቦ ተስፋሚካኤልን መብርሂ።
Jul 18, 2025•34 min
ንሎሚ ሓሙስ 17 ሓምለ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ካብቲ ንብዙሓት ፍሉጣት ሰባት እንኮላይ ን36 መራሕቲ ሃገራት ብማዕርግ ዶክትረይት ዝሽልም ኣህጉራዊ ትካል ብማዕርግ ዶክትረይት ተመሪቑ ። ዶ/ር ክፍለዮሃንስ ተ/ብርሃን ኣብ 1978 ናብ ሜዳ ምስ ህዝባዊ ግምባር ክቃለስ ምስተሰለፈ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዉግኣት ኣርባዕተ ግዜ ቆሲሉ። ካብ 1991 ንደሓር ትምህርቱ ብምቕጻል ብፍላይ ብሞያ ሕጊ ተማሂሩ ክሳብ ዳኛ ኣውራጃ ኣስመራ ብምዃን ኣገልጊሉ። ኣብ 2006 ናብ ስደት ምስ ኣምርሐ፡ ብዘይካ ዝውሰዶም ዝተፈላለዩ ትምህርትታት፡ “ምምልላእ”፡ ምኽእኣል”፡ “ምልምማድ” ከምኡ’ውን “መኣዲ ዕርቅን ሰላምን” ዝብላ ኣርባዕተ ዓበይቲ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ እዩ። ኣብዚ እዋን ኣማኻሪ ስድራቤታትን ሓዳርን ከምኡ’ውን በዚ ሞያ ዘሰልጥን ዘሎ በዓል ሞያ እዩ። ናብዚ ዘብጽሐ ጉዕዞ ...
Jul 17, 2025•54 min
ኣርእስታት ዜና፥ እቲ ብ ዓመጽ ቈልዑ ዝተኸሰ ሰብ ኣብ ሓያሎ ማእከላት መውዓሊ ህጻናት ይሰርሕ ከምዝነበረ ድሕሪ ምፍላጡ: ኣብ መውዓሊ ህጻናት ዝሰርሑ ዝምልከት ሃገራዊ መዝገብ ክህሉ ጻዊዒት ቀሪቡ። እስራኤል ኣብ ዋና ከተማ ሶርያ ኣብ ደማስቆ መጥቃዕቲ ኣየር ፈጺማ፡ ሩሲያ ድማ ኣብ ሓደ ማእከል ዕዳጋ ዩክሬይን ኣጥቂዓ። ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ታደይ ፖጋቻር ካብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ኣርባዕተ ኪሎሜተር ምስተረፎ ብምውዳቑ ካብ ኖርወይ ጆናስ ኣብርሃሰን ናይታ መዓልቲ ተዓዋቲ ኮይኑ።
Jul 17, 2025•11 min
ኣብ መቐለ ብቀሊል ሓደጋ ነፋሪት ዝተጎድኡ 2 ሰባት ተሓኪሞም ተፋንዮም። ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተልኣኹ ኣሸማገልቲ ኣብ መቐለ ዝርርብ ኣካይዶም። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ጉዳይ ተመዛበልቲ ብዓይኒ ሰብኣውነት ክፍጸም ሓቲቱ። ተምሃሮ ኣባላት 37 ዙሪያ ሳዋ፡ 12.2% ንዲግሪ 7.59% ንዲፕሎማ መሕለፊ ነጥቢ ረኺቦም። ትካል ገንዘብ ዓለም IMF ንኣንፈት ቁጠባዊ ፅገና ኢትዮጵያ ኣጠንቂቑ።
Jul 16, 2025•7 min
ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ትነብርሉ ኣብ ገለ እዋን ንናይ ሰላም ፍትሒ ወይ ናይ Justice of the Peace (JPs)ሓገዝ የድልየካ ይኸውን ። ምናልባት ካብ መድሕን/ኢንሹራንስ ካሕሳ ኣብ ትሓተሉ ፡ ክትምርዖ ወይ ክትፋታሕ ፡ ወይ ከኣ ሕጋዊ ሰነዳትካ ብቛንቛኻ ኸተረጋግጽ ትኽእል ኣብ ትደልየሉ ካብዚ ኣገልግሎት ትሓትት ኢኻ። ኣብ JPs ዝዋስኡ፡ ዝሰልጠኑ ወለንተኛታት ኮይኖም ነቲ ስርዓተ ሕጊ ኣውስትራሊኣ ኣገዳሲ ናይ ወረቐት ጉዳያት ን ሰባት ዝሕግዙ እዮም ። ኣብ መላእ እዛ ሃገር ኣብ ዝርከብ ማሕበረ ሰብ ከኣ ዓብዪ ግደ ኣለዎም ። ኣብዚ ትሕዝቶ እዚ ፡ ጂ.ፒ. ኣብ ኣውስትራሊያ ዝገብሮን ፡ ኣገልግሎቶም ኣብ ዘድልየኻ እዋን ከመይ ጌርካ ከም እትረኽቦን ከነብርሆ ኢና ።
Jul 16, 2025•9 min
** ኣውስትራሊያን ቻይናን ንግዲ ፍሩታን ካልእ ስምምዓትን ብምግባር ንግዳዊ ዝምድናአን ከጠናኽራ ተወዓዒለን። ** ንሓደ ፒተር ፋልኮንዮ ዝተባህለ ብሪጣንያዊ ተጓዓዛይ ባክፓከር ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ኣውስትራልያ ዝቐተለ ብራድሊ ጆን ሙርዶክ ኣብ መበል 67 ዓመት ዕድሚኡ ብሕማም መንሽሮ ጐሮሮ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ።... ** ኣብ ኢትዮጵያ-ዝመሰረቱ ፡ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝቃለስ ጉጅለ ዓፋር ኣብ ሰመራ ጉባኤ ብምክያድ ቓልሲ ከምዘጎሃህር ኣፍሊጡ።
Jul 16, 2025•7 min