SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ - podcast cover

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Last refreshed:
Follow this podcast in the Metacast mobile app to refresh it and see new episodes.
Download Metacast podcast app
Podcasts are better in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episodes

“እዚ ማዕርግ ዝያዳ ንኽሰርሕ ሓላፍነት ዘሰክመኒ እዩ።” ብፍሉይ ማዕርግ ዶክትረይት ዝትሸለመ ጸሓፍን ኣማኻሪ ጉዳያት ሓዳርን ዶ/ር ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን

ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን ካብቲ ንብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ንኮላይ ን36 መራሕቲ ሃገራት ብማዕርግ ዶክትረይት ዝሽልም United Graduate College and Seminary Intl. ብማዕርግ ዶክትረይት ተመሪቑ ኣሎ። ዶ/ር ክፍለዮሃንስ ተ/ብርሃን ኣብ 1978 ናብ ሜዳ ምስ ህዝባዊ ግምባር ክቃለስ ምስተሰለፈ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዉግኣት ኣርባዕተ ግዜ ቆሲሉ። ካብ 1991 ንደሓር ትምህርቱ ብምቕጻል ብፍላይ ብሞያ ሕጊ ተማሂሩ ክሳብ ዳኛ ኣውራጃ ኣስመራ ብምዃን ኣገልጊሉ። ኣብ 2006 ናብ ስደት ምስ ኣምርሐ፡ ብዘይካ ዝውሰዶም ዝተፈላለዩ ትምህርትታት፡ “ምምልላእ”፡ ምኽእኣል”፡ “ምልምማድ” ከምኡ’ውን “መኣዲ ዕርቅን ሰላምን” ዝብላ ኣርባዕተ ዓበይቲ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ እዩ። ኣብዚ እዋን ኣማኻሪ ስድራቤታትን ሓዳርን ከምኡ’ውን በዚ ሞያ ዘሰልጥን ዘሎ በዓል ሞያ እዩ። ነዚ ዝገበሮ ዓበይቲ ስራ...

Jul 15, 202519 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ሓምለ 2025)

** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ሎሚ [ሰሉስ 15 ሓምለ] ኣብ በይጂንግ ክራኸብ እዩ... ** ዩክሬን ነቲ ዶናልድ ትራምፕ “ቪላድሚር ፑቲን ኣብ ዉሽጢ 50 መዓልቲ ነቲ ኲናት ደው ከብሎ” ዝሃቦ መጠንቀቕታ ምላሽ ሂባትሉ... ** ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ኣየርላንዳዊ በን ሄሊ ብጫ ማልያ ለቢሱ።

Jul 15, 20255 min

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ሓምለ 2025)

ን ሎሚ 14 ሓምለ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ ፡ ከባቢ ፒልባራ ዝርከብ ጥንታዊ ናይ ከውሒ ኣሳእል ፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ ። ብዛዕባ’ዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ፡ እቲ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ናይ ኣኻውሕ ስእልታት ቅድሚ ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ወይ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረ ነገራት ንላዕሊ ዝጠንተወ እዩ ። ነዚ ዝምልከት ዜናዊ ጸብጻብ ኣለና። ል ኡኽና ዝሰደደልና ኤርትራ ፡ ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ፡ አስታት 300 ተማሃሮ ብዲግሪ ኣመሪቓ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ግብጽን፡ ናይ ስልኪ ርክብ ኣካይዶም፡ ተቓዋሚ ውድብ #ሳልሳይ_ወያነ ትግራይ ንመጠንቀቕታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኮኒኑ። ብደረጃ ትግራይ ኩሉ ዝሓቖፈ ዘተ ክካየድ ውን ተማሕጺኑ ። ኣብ መንጎ ትግራይን ፌደራልን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ጻዕርታት ይ...

Jul 14, 202553 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ሓምለ 2025)

ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣብ ቻይና ዝገብሮ ዘሎ ምብጻሕ ብምቕጻል ሎሚ [14 ሓምለ] ኣብ ሻንጋይ ምስ ሰበስልጣን ቻይና ርክብ ክገብር እዩ፡ ጀርመናዊት ተጓዓዚት ካሮላይና ዊልጋ ንዓሰርተ ሓደ ለይቲ ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራሊያ ጣሻታት ጠፊኣ ድሕሪ ምቕናይ ተረኺባ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ርጉእ ኩነታት ከም ትርከብ ተፈሊጡ ። ኣብ ባይታ ቴኒስ ፡ ኣብ ዊምበልደን መፈጸምታ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዉድድራት ቴኒስ ጃኒክ [ያን-ኒክ] ሲንነር ነቲ ዓብዪ መቐናቕንቱ ካርሎስ ኣልካርታዝ ስዒርዎ ።

Jul 14, 202513 min

ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ነጥቡ ኣመሓይሹ፣ ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ ቻይና ሻምፒዮን ኮይኑ፣ ቸልሲ ሻምፒዮን ዋንጫ ዓለም ክለባት ኮይና፣

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (14/07/2025) * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ብመሪሕነት ታደይ ፖጋቻር 9ይ መድረኹ ብምክያድ ይቕጽል ኣሎ፣ ቢንያም ግርማይ ኣብ ምድብ ንነጥቢ ወይ ቀጠልያ ማልያ ሳልሳይ ኮይኑ ፍልልዩ ምስ ታደይ ኣጽቢቡ፣ * ሎሚ ዓመት ኤርትራዊ ገዲም ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ፈላማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ማልያ ንጉስ ዓቐበት ወይ ፖልካ ዶት ጀርዚ ዝለበሰ ብምዃን ታሪኽ ዝሰርሓሉ 10ይ ዓመቱ ይበዓል ኣሎ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ማግኒፊሰንት ቺንግሃይ ብዓወት ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ተዛዚሙ፣ * ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክለባት ቸልሲ ንፔኤስጂ ስዒራ ተዓዋቲት ኮይና፣

Jul 13, 20259 min

ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ ፡ ከባቢ ፒልባራ ዝርከብ ጥንታዊ ናይ ከውሒ ኣሳእል ፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ ።

ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ ፡ ከባቢ ፒልባራ ዝርከብ ጥንታዊ ናይ ከውሒ ኣሳእል ፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ ። ባህላውያን ወነንቲ እቲ ውሳነ ኣብዝግለጸሉ ስነ ስርዓት ንምስታፍ ናብ ፓሪስ ተጓዒዞም ፣ ኣብኡ ድማ ኣባል ሃገራት ን መልክኣ ምድሪ ባህላዊ ሙሩጁጋ ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ክኣቱ ብምሉእ ድምጺ ወሲነን ። እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ፡ እቲ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ናይ ኣኻውሕ ስእልታት ቅድሚ ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ወይ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረ ነገራት ንላዕሊ ዝጠንተወ እዩ ።

Jul 13, 20257 min

ኣመሪካ ንኢትዮጵያውያን እትህቦ ቪዛ ናብ ሰለስተ ወርሒ ኣሕጺራ ።

ኤርትራ ፡ ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ፡ አስታት 300 ተማሃሮ ብዲግሪ ኣመሪቓ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ግብጽን፡ ናይ ስልኪ ርክብ ኣካይዶም፡ ተቓዋሚ ውድብ #ሳልሳይ_ወያነ ትግራይ ንመጠንቀቕታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኮኒኑ። ብደረጃ ትግራይ ኩሉ ዝሓቖፈ ዘተ ክካየድ ውን ተማሕጺኑ ። ኣብ መንጎ ትግራይን ፌደራልን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ጻዕርታት ይግበር ከም ዘሎ ተገሊጹ። ኣመሪካ ንኢትዮጵያውያን እትህቦ ቪዛ ናብ ሰለስተ ወርሒ ኣሕጺራ

Jul 13, 20256 min

"ሰብኣይን ሰበይትን ማዕረ ኢኻ፣ እቲ ማዕርነትካ ግን ግቡእካ እናፈጸምካ'ዩ" - ዕላል ምስ ክኢላ ስነልቦና ዮሃንስ ፈርናንዲኖ ድራር (2ይ ክፋል)

ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር ኣብ ከተማ ኦታዋ፡ ካናዳ፡ ዝነብር ኤርትራዊ ካናዳዊ ኮይኑ ናይ ሓያሎ ዓመታት ተሞክሮ ዘለዎ ክኢላ ስነልቦና’ዩ። ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባውያን መድረኻት ብዙሕ ኣስተምህሮን ምኽርን ዝህብን ዝጽሕፍን’ዩ። ዝሓለፈ ዓመት 'መባእታዊ ትምህርቲ ጥዕና ኣእምሮ' ትብል መጽሓፍ ኣዳልዩ ንሕትመት ኣቕሪቡ። ኣብ ዙርያ ጥዕና ኣእምሮ፣ ጽልዋታት ስደትን ሓድሽ ናብራን፣ ህጻናትን መንእሰያትን፣ ወዘተ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዕላልና (https://www.sbs.com.au/language/tigrinya/ti/podcast-episode/sbs-tigrinya-interview-07072025/xu404i9ak) ዳህሲስናዮም ኣለና። ኣብ'ዚ ካልኣይ ክፋል ድማ ንዘቤታዊ ዓመጽ፣ ሓዳርን ርድኢት ማዕርነት ኣብ መጻምድትን፣ ፍትሕ፣ ምጥቃም ዘይሕጋውያን ነገራትን መስተን ኣብ መንእሰያት...

Jul 11, 202512 min

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ሓምለ 2025)

ቀጥታ ምሉእ ፈነወ ኤስቢኤስ ትግርኛ (ሓምለ 10, 2025) * ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ ጸብጻባት ልኡኽና፣ * ኤርትራ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ተቖጻጺራ ምህላዋ ፍሉይ ራፖርተር ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ፣ * ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጲያ ኣቶ ቢንያም በርሀ ምስ ሓለፍቲ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ርክብ ኣካይዱ፣ * ኣብ ኣሜሪካ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከቡ ዲያሰፖራ ተጋሩ ዓብይ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፣ * መራሒ ኢዜማ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ኣብ ዝመጽእ መረጻ ኢትዮጵያ ከም ዘይሳተፍ ኣፍሊጡ: ቃለመሕትት፣ * ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር ኣብ ከተማ ኦታዋ፡ ካናዳ፡ ዝነብር ኤርትራዊ ካናዳዊ ኮይኑ ናይ ሓያሎ ዓመታት ተሞክሮ ዘለዎ ክኢላ ስነልቦና’ዩ። ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባውያን መድረኻት ብዙሕ ኣስተምህሮን ምኽርን ዝህብን ዝጽሕፍ...

Jul 10, 202548 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ሓምለ 2025)

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (10 ሓምለ 2025) * ዕጡቓት ሓይልታት ሑዚ ናይ የመን ካልኣዮም ኣብ’ዚ ሰሙን ዝኾነ መጥቃዕቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓንቲ ንግዳዊት መርከብ ድሕሪ ምጥሓሎም 4 ኣባላታ ክሞቱ’ንከለዉ 15 ክሳብ ሕጂ ኣይተረኽቡን * ናይ ኣየርን መሬትን መጥቃዕታታ ኣብ ዝወሰኸትሉ እዋን ሩስያ ክብረወሰን ዝኾነ 728 ድሮናትን 13 ሚሳይላትን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተኲሳ * ፕሪምየር ግዝኣት ታዝመንያ ጀረሚ ሮክሊፍ ቅድሚ’ቲ ዝመጽእ ሰሙን ዝካየድ ግዝኣታዊ ምርጫ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ነበርቲ ንዝኮኑ ማሕበረሰባት ከይዱ ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ኣካይዱ

Jul 10, 20259 min

ኣብ ዝመጽእ መረጻ ኣይክሳተፍን'የ (ፕሮፌ. ብርሃኑ ነጋ)፣ ኤርትራ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ትቆጻጸር (ፍሉይ ራፖርተር ው. ሕ. ሃ.)፣

ጸብጻብ ዜናታት ልኡኽና (10/07/2025) * ኤርትራ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ተቖጻጺራ ምህላዋ ፍሉይ ራፖርተር ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ፣ * ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጲያ ኣቶ ቢንያም በርሀ ምስ ሓለፍቲ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ርክብ ኣካይዱ፣ * ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከቡ ዲያሰፖራ ተጋሩ ዓብይ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፣ * መራሒ ኢዜማ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ኣብ ዝመጽእ መረጻ ኢትዮጵያ ከም ዘይሳተፍ ኣፍሊጡ

Jul 09, 20257 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ሓምለ 2025)

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ * ትሬዠረር ጂም ቻልመርስ ማእከላይ ወይ ሪዘርቭ ባንክ ኣውስትራልያ መጠን ወለድ ከምዘለዎ ክጸንሕ ዝወሰዶ ውሳነ ሚልዮናት ኣውስትራልያውያን ብተስፋ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ኣይኮነን ይብል፣ * ሓደ ካብ ዓበይቲ ወሃብቲ ኣገልግሎት መዋእለ ህጻናት ቻይልድኬይር ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ውሽጢ’ቶም ልዕሊ 400 ዝኾኑ ማእከላቱ መከታተሊ ካሜራ ሲሲቲቪ ከእቱ ምዃኑ ገሊጹ፣ * ፕረዚደንት ዩኤስ ዶናልድ ትራምፕ ናብ’ቲ ምዕልቕላቕ ኣጥቂዕዎ ዘሎ ከባቢታት ቴክሳስ ዓርቢ ምብጻሕ ክፍጽም’ዩ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ንራብዓይ መዓልቱ ኣብ ዝቐጸለሉ ታደይ ፖጋቻር ኣብ’ዚ ዓመት ናይ ፈለማዪ መድረኻዊ ዓወት ብምምዝጋብ ተዓዊቱ፣ ቢንያም ግርማይ ብሰላም ኣትዩ፣

Jul 09, 20257 min

How to start your home business in Australia - ኣብ ኣውስትራልያ ንግዲ ኣብ ገዛኹም ከመይ ገይርኩም ትጅምሩ፧

Did you know that people offering taxi services from home need to register for Goods and Services Tax (GST)—regardless of how much they earn? Or that a fitness instructor needs local council approval to see clients at home? In this episode, we unpack the basic rules you need to know when setting up a home-based business in Australia. - ካብ ገዛ ዝካየድ ንግዲ (home-based business) ከም ሓሳብ ንብዙሓት ሰሓቢ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ወጻኢታት ዝቕንስ፡ ክትተዓጻጸፍ ዕድል ዝህብን ንብዙሓት ዝዓይነቶም ሞያታት ዝጥዕም፡ ከምኡ'ውን ካብ ቤት ጽሕፈት ጥራይ ክካየድ ግድን ዘይኮነን'ዩ። ገለ...

Jul 08, 202512 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ሓምለ 2025)

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (08 ሓምለ 2025) * ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ነቶም ተወሳኺ ምቅላል ኣብ ለቓሕ ዕድጊ ኣባይቲ ወይ ሞርጌጅ ክጽበዩ ዝጸንሑ ተለቃሕቲ ኣብ ዘየሐጉስ ስጉምቱ መጠን ወለድ ከምዘለዎ ክጸንሕ ወሲኑ፣ * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዚን ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ሊይ ጀይ-ምዩንግን ፕረዚደንት ዩኤስ ዶናልድ ትራምፕ ታሪፋት ክውስኹ ድሕሪ ምውሳኑ ሃገራቶም ሕድገት ክግበረለን ዘተኦምን ሕቶኦምን ከምዘየቋርጹ ገሊጾም፣ * ኣብ ምድብ ነጥቢ መሪሕነት ሒዙ ዝጸንሐ ያስፐር ፊሊፕሰን ወዲቑ ኣብ ዘቋረጸሉ 3ይ መድረኽ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ብዓወት ቲም መርሊየር ተዛዚሙ፣ ቢንያም ግርማይ 6ይ ብምውጻእ ብሰላም ኣትዩ።

Jul 08, 20257 min

“ጽልኢን ሕሜትን ኣብ ልዕሊ ኣእምሮን ኣካልን ጸቕጢ ይፈጥሩ፣ ስለ’ዚ ፈቃራት ንኹን፣ ካብ ጽምዋ’ውን ንድሕን፣” ኣቶ ዮሃንስ ድራር

ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር ኣብ ከተማ ኦታዋ፡ ካናዳ፡ ዝነብር ኤርትራዊ ካናዳዊ እዩ። ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባውያን መድረኻት ብዙሕ ኣስተምህሮን ምኽርን ዝህብን ዝጽሕፍን ተሞክሮ ዘለዎ ክኢላ’ዩ። ዝሓለፈ ዓመት 'መባእታዊ ትምህርቲ ጥዕና ኣእምሮ' ትብል መጽሓፍ ኣዳልዩ ንሕትመት ዘቕረበ'ዩ። ኣብ ዙርያ ጥዕና ኣእምሮ ብሓፈሽኡን ልሙዳት ተርእዮታት ጸገማቱ ብፍላይ ከምኡ'ውን ኣብ ዙርያ'ታ ዝጸሓፋ መጽሓፍ ዕላል ከነካይድ ዕዱምና ገይርናዮ ኣለና። [ቀዳማይ ክፋል]

Jul 07, 202518 min

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ሓምለ 2025)

ንሎሚ ሶኑይ ሓምለ 7፣ 2025 ዘዳለናዮም መደባት ጸብጻባት ዜና ዓዲ: * ኮሚሽን ምትሕብባር ኤርትራ-ሩሲያ ክቐውም ሩስያ ብካብኔኣ ኣፅዲቓ፣ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዶብ ብፖሊስ ተታሒዞም፣ ፕረዚዳንት ክልል ትግራይ ታደሰ ወረደ ኣብ ዓፋር ምስ ዘሎ ዕጡቅ ሰላማዊ ክፍታሕ ከም ዝግበረሉ ገሊጹ፣ ህወሓት ንኲናት ዝኾነ ዓይነት ምድላው ከም ዘይገበረ ኣፍሊጡ፣ ኣብ ትግራይ ሃገራዊ ዘተ ንምጅማር ይስራሕ ኣሎ ክብል ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ሓቢሩ። * ፖሊስ ቪክቶርያ ንሓደ ሰራሕተኛ መዋእለ ህጻናት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወን ፈጺምዎም ምስ ዝተባህሉ ጾታዊ ገበናት ዝተኣሳሰሩ 70 ክስታት ኣቕሪቡ’ሎ ተባሂሉ ድሕሪ ምቅልሑ መንግስቲ ኣውስትራልያ ማእከላት መእለዪ ህጻናት መለክዒታት ድሕነት እንተዘየማሊኤን ዝምወልኦ ገንዘብ ንኽምንጥለን ዘኽእሎ ሓድሽ ሕጊ የናዲ’ሎ። ነዚ ዝም...

Jul 07, 202549 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ሓምለ 2025)

ቀንዲ ነጥብታት ዜና፡ * ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ተጠቀምቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ከተማ ሲድኒ ንክልተ መዓልታት ነጻ ኣገልግሎት ክረኽቡ ክኽእሉ’ዮም፣ * ሓደስቲ ጻዕርታት ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ኣብ ቓዛ ኣብ ዝካየድሉ ዘለዉ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ሎሚ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ክራኸብ’ዩ፣ * ኣሽሓት ቲበታውያን ኣመንቲ ቡድሂዝም መበል 90 ዓመት ልደት ናይ’ቶም ድሕሪ ሞት ደጊሞም ክውለዱ መደብ ዘለዎም ዳላይ ላማ ንምብዓል ናብ’ታ ኣብ ኣኽራናት ሂማላያን ናይ ህንዲ ትርከብ ከተማ ዳርምሻላ ክውሕዙ ጀሚሮም፣

Jul 07, 202510 min

ዙር ፈረንሳ ቀዳም ኣብ ዝተጀመረሉ ቢንያም ግርማይ ካልኣይ ኣትዩ፡ ኬንያውያን ደቀንስትዮ ክብረወሰናት ሓማሺሸን፣

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ (07/07/2025) * ኬንያውያን ኣትሌታት ክብረወሰናት ዓለም ኣብ ዘመሓየሻሉ ርክባት ኣልማዛዊ ሊግ ዋንዳ፣ ኣብ ዩጂን፣ ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ጸጋይ ዝድነቕ ሳልሰይቲ ወጺኣ፣ ክብረወሰና ግን ተመንጢላ ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ቀዳም ኣብ ዝተጀመረሉ መዓልቲ ቢንያም ግርማይ ካልኣይ ኣትዩ፡ ቅሳነት ወልደሚካኤል ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፖርቱጋል ደቀንስትዮ መበል 18 ወዲኣ፣ * ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክለባት ቸልሲ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ ኣንጻር ፍሉሚነንሰ ክትገጥም’ያ፣ ፔኤስጂን ሪያል ማድሪድን ድማ ኣብ’ቲ መሳጢ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ክራኸባ’የን፣

Jul 07, 20259 min

ህወሓት ዝኾነ ዓይነት ምድላው ንኲናት ኣይገበርኩን፣ እኳ ደኣ ፈደራል መንግስቲ'ዩ ኣንጻረይ ዕጡቓት ዘሰልጥን ክብል ይኸስስ (ጸብጻባት)

ንሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት * ኮሚሽን ምትሕብባር ኤርትራ-ሩሲያ ክቐውም ሩስያ ብካብኔኣ ኣፅዲቓ፣ * ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዶብ ብፖሊስ ተታሒዞም፣ * ፕረዚዳንት ክልል ትግራይ ታደሰ ወረደ ኣብ ዓፋር ምስ ዘሎ ዕጡቅ ሰላማዊ ክፍታሕ ከም ዝግበረሉ ገሊጹ፣ * ህወሓት ንኲናት ዝኾነ ዓይነት ምድላው ከም ዘይገበረ ኣፍሊጡ፣ * ኣብ ትግራይ ሃገራዊ ዘተ ንምጅማር ይስራሕ ኣሎ ክብል ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ሓቢሩ ዝብሉ ’ዮም።

Jul 07, 20259 min

Tributes pour in for Diogo Jota: 'He was what we'd all like to be' - ሃንደበታዊ ሞት ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል ዲየጎ ዦታን ሓዉን ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ስንባደን ሓዘንን ፈጢሩ፣

Tributes are pouring in for Liverpool's forward star, Diogo Jota, who died in a car crash in Spain with his brother. The 28-year-old Portuguese player's death has left the football world in a state of shock. He got married just ten days before his death, and shortly before that, he helped his Liverpool club win the Premier League. - ኮኾብ ኣጥቃዓይ ጋንታ ሊቨርፑል ፖርቱጋላዊ ዲየጎ ዦታ ምስ ሓው፣ ኣብ ስፐይን፣ ሓደጋ መኪና ኣጋጢምዎም ድሕሪ ምማቶም ናይ ሓዘን መልእኽታት ይውሕዙ'ለዉ። ሞት'ዚ ወዲ 28 ዓመት ዲየጎ ንኩዕሶ እግሪ ዓለም ኣብ ስንባደ ከምዝኣቱ ገይሩዎ'ሎ። ቅድሚ 10 መዓልታት'ዩ...

Jul 05, 20258 min

Child sex charges prompt urgent safety review in Victoria - ድሕነት ህጻናት ዘይሕልዋ መዋእለ ህጻናት መንግስቲ ምወላ ገንዘበን ከቋርጾ ይብል

The federal government says it will be seeking new powers to strip childcare centres of funding if they don't meet safety standards. It follows revelations Victorian police have arrested a childcare worker and laid 70 charges relating to alleged sex offences. Victoria is also bringing in a number of its own reforms, and fast-tracking the already planned federal ban on mobile phones in centres. - ፈደራል መንግስቲ ኣውስትራልያ ማእከላት መእለዪ ወይ መውዓሊ ህጻናት መለክዒታት ድሕነት እንተዘየማሊኤን ዝምወልኦ ገንዘብ ንኽምንጥለን ዘኽእሎ ሓድሽ ሕጊ የናዲ ኣ...

Jul 04, 20257 min

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ሓምል 2025)

ን ሎሚ 3 ሓምለ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ል ኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ስፔሻላይዝድ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ፈላማይ ዕዉት ክፋል ንቕለ-ኩላሊት ከምዘካየደ ኣፍሊጡ። ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኤርትራ ወተሃደራዊ ስራሓት ዳግም ትሃንጽን ንጎረባብታ ትህወኽን ኣላ ንዝብል ክሲ ምላሽ ሂቡ። ውድብ መግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ ዝነበረ ቤትጽሕፈቱ ከምዝዓጸወ ኣፍሊጡ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ "መንነት መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ" ይፍጸም ከምዘሎ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ ወቕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዕሊ 5 ሺሕ ሰባት ከም ዝኣሰረ ኣሚኑ። ኣብ ሶማልያ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ሒዛ ዝነበረት ናይ ኡጋንዳ ሄሊኮፕተር ኣብ ሞቓድሾ ተሓምሺሻ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ብዛዕባ ምስ ህጻናት ዝሰርሑ ንምጽራይ ዝግበር እዋናዊ መስርሕ ክለሳ ይግበር ኣሎ ፡ ** ሓማስ ነቲ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪ...

Jul 03, 202552 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ሓምለ 2025)

ኣርእስታት ዜና፥ ** ብዛዕባ ምስ ህጻናት ዝሰርሑ ንምጽራይ ዝግበር እዋናዊ መስርሕ ክለሳ ይግበር ኣሎ ፡ ** ሓማስ ነቲ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ 'ናይ መወዳእታ "ዝበሎ ዝቐረበ እማመ ምቍራጽ ተዅሲ ቓዛ ይምርምሮ ከም ዘሎ ገለጸ ። ** ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክለባት ቸልሲ ናብ ዝቕጽል ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ክትሓልፍ’ንከላ ሊዮነል መሲን ጋንትኡ ኢንተር ማያሚን ግን ብፒኤስጂ ተሳዒሮም ተገሊፎም፣

Jul 03, 20258 min

ኤርትራ ወተሃደራዊ ስራሓት ዳግም ትሃንጽን ንጎረባብታ ትህወኽን ኣላ ንዝብል ክሲ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ምላሽ ሂቡ።

ስፔሻላይዝድ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ፈላማይ ዕዉት ክፋል ንቕለ-ኩላሊት ከምዘካየደ ኣፍሊጡ። ኤርትራ ወተሃደራዊ ስራሓት ዳግም ትሃንጽን ንጎረባብታ ትህወኽን ኣላ ንዝብል ክሲ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ምላሽ ሂቡ። ውድብ መግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ ዝነበረ ቤትጽሕፈቱ ከምዝዓጸወ ኣፍሊጡ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ "መንነት መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ" ይፍጸም ከምዘሎ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ ወቕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዕሊ 5 ሺሕ ሰባት ከም ዝኣሰረ ኣሚኑ። ኣብ ሶማልያ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ሒዛ ዝነበረት ናይ ኡጋንዳ ሄሊኮፕተር ኣብ ሞቓድሾ ተሓምሺሻ።

Jul 03, 202511 min

How is alcohol regulated and consumed in Australia? - ኣልኮላዊ መስተን ኣገባቡን ኣብ ኣውስትራልያ እንታይ ይመስል፧

In Australia, alcohol is often portrayed as part of social life—especially at BBQs, sporting events, and public holidays. Customs like BYO, where you bring your own drinks to gatherings, and 'shouting' rounds at the pub are part of the culture. However, because of the health risks associated with alcohol, there are regulations in place. It’s also important to understand the laws around the legal drinking age, where you can buy or consume alcohol, and how these rules vary across states and territ...

Jul 02, 202513 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ሓምለ 2025)

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ * ቀዳማይ ሓቂ ዝነግር ምርመራ ኣብ ኣውስትራልያ፣ ደቀባት ህዝብታት ግዝኣት ቪክቶርያ ግዳያት ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ጽንተተ ዓሌትን ኔሮም ክብል ደምዲሙ፣ * ላዕለዋይ ባይቶ ወይ ሰነት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ እቲ ሕድገታት ኣብ ግብሪ ዝገብርን ወጻኢታት ዝቕንስን ‘ቢግ ቢዩቲፉል ቢል’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ እማመ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣጽዲቑ፣ * ሰራዊት እስራኤል ኣብ’ቶም ኣካታዕቲ ኮይኖም ዘለዉ መዐደሊ ነቑጣታት ረዲኤት ኣብ ቓዛ፣ ሰላማውያን ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ኣሚኑ፣ * ኣውስትራልያዊ ኮኾብ ባይታ ቴኒስ ኣሌክስ ደ ሚኖር ናይ ዊምልደን ጎስጓሱ ብዓወት ጀሚርዎ።

Jul 01, 20257 min

ሓጽርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ሓምለ 2025)

** ጽምዋ ከም ዓለማዊ ጸገም ጥዕና ክፍለጥ ጻዊዒት ቀሪቡ... ** ኣብ ሰሜናዊ ኒው ሳውዝ ዌልስ ብሰንኪ ከጋጥም ትጽቢት ዝግበረሉ ሓያል ምዕልቕላቕ ማይ ፡ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ኣባላት ህጹጽ ረድኤት ፡ ሄሊኮፕተራትን ክኢላታት ማካይንን ኣብ ተጠንቀቕ ኣለዉ ። ** ኣውስትራሊያዊ ጆርዳን ቶምሶን ኣብ ዉድድር ቴኒስ ዊምብልደን ናብ ካልኣይ ዙር ሓሊፉ።

Jul 01, 20255 min

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ሓምለ 2025)

ን ሎሚ 30 ሰነ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ትግራይ ብጉዳይ ግዝኣት፣ ተመዛበልቲ ህወሓትን ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ከም ዝዛተ ኣፍሊጡ። ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ ኣብ 39 ሃገራት ሕሱም ድኽነት ብቕልጡፍ ይውስኽ ከምዘሎ ገሊጹ። ድሕሪ ምእጋድ ኢትዮጵያ ካብ ኣጎኣ 18 ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ካብታ ሃገር ወጺአን ተባሂሉ። ኣብ ዛላምበሳ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሞትን መቑሰልትን ከም ዘጋጠመ ተሓቢሩ። ኣብ ምዕራብ ጎንደር ብውሕዱ 16 መራሕቲ መካይን ኣብ ሓደ መዓልቲ ተቐቲሎም። ዕላል ብዛዕባ ማሰን መልቀስን ምስ ኣርቲስት ኣስገዶም ተወልደ፡፣ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ** ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፐኒ ዎንግ ምስ ማርኮ ሩቢዮ ንምዝርራብ ናብ ዋሽንግተን ኣምሪሓ.. ** ሓለቓ...

Jul 01, 202550 min

ናሆም ዘርኣይን ሞናሊዛ ኣርኣያን ኣብ ኤርትራ ተክለ ኣለማዮን ሃፍቱ ረዳን ኣብ ኢትዮጵያ ሻምፒዮናታት ቅድድም ብሽግለታ ኮይኖም፡ ሲፋን ሓሰን ናብ ሲድኒ ክትመጽእ'ያ፣

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (30/06/2025) * ሻምፒዮን ኦሎምፒክስ ኢትዮጵያዊት ነዘርላንዳዊት ሲፋን ሓሰን ነሓሰ 31 ኣብ ዝካየድ ማራቶን ሲድኒ ክትሳተፍ ምዃና ተረጋጊጹ፣ * ሃገራውያን ሻምፒዮናታት ቅድድም ብሽግለታ 2025 ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ኣብ ዝካየድሉ ዘለዉ እዋን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን'ውን ተኻይዶም፡ ናሆም ዘርኣይን ሞናሊዛ ኣርኣያን ሻምፒዮናታት ኤርትራ ክኾኑ’ንከለዉ ተክለ ኣለማዮን ሃፍቱ ረዳን ሻምፒዮናታት ኢትዮጵያ ኮይኖም፣ * ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክለባት ቸልሲ ናብ ዝቕጽል ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ክትሓልፍ’ንከላ ሊዮነል መሲን ጋንትኡ ኢንተር ማያሚን ግን ብፒኤስጂ ተሳዒሮም ተገሊፎም፣

Jun 29, 20259 min

ድሕሪ ምእጋድ ኢትዮጵያ ካብ ኣጎኣ 18 ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ካብታ ሃገር ወጺአን ተባሂሉ።

ፕረዚደንት ትግራይ ብጉዳይ ግዝኣት፣ ተመዛበልቲ ህወሓትን ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ከም ዝዛተ ኣፍሊጡ። ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ ኣብ 39 ሃገራት ሕሱም ድኽነት ብቕልጡፍ ይውስኽ ከምዘሎ ገሊጹ። ድሕሪ ምእጋድ ኢትዮጵያ ካብ ኣጎኣ 18 ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ካብታ ሃገር ወጺአን ተባሂሉ። ኣብ ዛላምበሳ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሞትን መቑሰልትን ከም ዘጋጠመ ተሓቢሩ። ኣብ ምዕራብ ጎንደር ብውሕዱ 16 መራሕቲ መካይን ኣብ ሓደ መዓልቲ ተቐቲሎም።

Jun 29, 20259 min
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android