SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ - podcast cover

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Last refreshed:
Follow this podcast in the Metacast mobile app to refresh it and see new episodes.
Download Metacast podcast app
Podcasts are better in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episodes

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ሰነ 2025)

ኣርእስታት ዜና፥ ዝቕባበ ወይ ኢንፍለሽን ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ወርሒ ካብ ዝጸንሐ ብምጉዳሉ ፡ መጠን ወለድ ዳግም ክጎድል ተስፋ ኣሕዲሩ ። ሕጹይ ተወዳዳሪ ዞህራን ማምዳኒ: ን ኣመሓዳሪ ኒው ዮርክ ዝነበረ ኣንድሪው ኩሞ ስዒሩ ከንቲባ ከተማ ኒው ዮርክ ንምዃን ሓደ ስጕሚ ተሪፍዎ። እንግሊዛዊት ጋንታ ሊቨርፑል መዝገብ ክብረወሰን ዕድጊ ተጻወታን ፕሪምየር ሊግን ብምስባር ንጀርመናዊ ኣከፋፋሊ ፍሎሪያን ቨርዝ ምስኣ ክጽንበር ከምዘፈረመቶ ገሊጻ፣

Jun 26, 202510 min

ብ ስድራን መቕርብን ዝድገፍ ዓወት፡ ተሞክሮ መንእሰይ ቃለኣብ ፍስሃ

ናይ ሎሚ ዕዱምና ቃለኣብ ፍስሃ ኮይኑ፡ ንሱ ኣብ ቀረባ ግዜ ብ ኢኮኖሚክስ ካብ ዩኒቨርሲቲ ምሩቕ እዩ: ኣብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ሂወቱን ኣብ ካልእ ንጥፈታቱን ንኽካፈል ኣብዚ ኣብ ሜልቦርን ስቱድዮና ኣዕሊሉና ኣሎ ። ቃለኣብ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ብድሆታትን ብዛዕባ እቲ እተማህሮ ትምህርትን ብዛዕባ እቲ ትኵርን ዕዉትን ክኸውን ዝሓገዞ ስትራተጅን ገሊጹልና ኣሎ ። ብዘይካዚ ፡ ነቶም ካብ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝዀኑ መንእሰያት ብቐጥታ ዝህቦም መልእኽቲ ዘለዎ ኮይኑ ፣ ትምህርቲ ብኸመይ ከም እትከታተልን ስራሕ ብኸመይ ከም እትረኽብን ኣብ ከባቢኦም ንዘሎ ኵሉ ዕድላት ብኸመይ ከም ክጥቀመሉን ከምዝኽእሉ ግብራዊ ምኽሪ ህቡ ኣሎ።

Jun 25, 202511 min

ኢትዮጵያ መንግስቲ ኤርትራ ንወራር ይዳሎ ምህላዉ ዝምልከት ክሲ ንማሕበረሰብ ኣቅሪባ።

ኣብ ትግራይ፡ ድሕሪ ኲናት ዝዓበየ ምዃኑ ዝተገልጸሉ ፋብሪካ ስራሕ ጀሚሩ። ኣብ ክልል ኣምሓራ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ዝነበሩ ኤርትራውያን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድጎማ ነዳዲ ምቁራጹ ሕጽረት ነዳዲ ንቁጠባዊ ምንቅስቓስ እታ ሃገር ይዕንቅፍ ኣሎ ተባሂሉ። ኣገልግሎት ባንኪ ኢትዮጵያ ንባንክታትን ኣውፈርትን ወፃኢ ብወግዒ ክፉት ምዃኑ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ኢትዮጵያ መንግስቲ ኤርትራ ንወራር ይዳሎ ምህላዉ ዝምልከት ክሲ ንማሕበረሰብ ኣቅሪባ።

Jun 25, 20258 min

ካብ ሕጻንነታ ንመርዓ ናብ ብልጽቲ ዶክተር ሕክምና: ዕዉት ህይወት ዶ/ር መስቀላ ኪዱ

ዶክተር መስቀላ ኪዱ እያ ትበሃል። ኣብ ማህጸን ኣዲኣ ከላ፡ ወለዳ ምስዘይትፈልጦ ሰብ ኣሕጽዮማ። ምስተወልደት ኣብ ሻድሻይ ዓመታ ንዘመዳ ከተሰኒ ተባሂሉ ብዘይ ናውቲ ትምህርቲ ናብ ስኳላ ክትመላለስ ተገብረ። ብልሓን ድልየት ትምህርታን ዝረኣዩ መማህራን ናይ ዘመዳ፡ መምሃሪ ነገራት ኣቕረቡላ። ትምህርቲ ንኸይትመሃር ዝነበረ ሓጹር ድኽነት፡ ምስግዳድ ምምርዓው ኣብ ንእስነታን ካል እን ሰጊራ፡ ዓበይቲ ዓወታት ሓፊሳ ብናይ ሕክምና ዶክተር ጥራይ ዘይኮነስ ብብሉጽ ነጥቢን ዓበይቲ ስልማታትን ጨቢጣ ተመሪቓ። ብምኽንያት 8 መጋቢት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ታሪኽ ዶክተር መስቀላ ኣካል መደብና ኮይኑ ኣሎ።

Jun 25, 202512 min

መዲያን ዉክልናን ደቀባት

ውክልና ደቀባት ኣውስትራሊያዊያን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ታሪኽ ብምንሽውን ብምግላልን ዝተቐርጸ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ እዚ ግን ቀስ ብቐስ ይቕየር ኣሎ ። ከም ሃገራዊ ናይ ደቀባት ተሌቪዥን (NITV) ከምኡ "ውን ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝኣመሰሉ ደቀባት ፡ ነቲ ዝጸንሀ መሰናኽላት የፍርሱ ኣለዉ ፡ ድምጺ ቀዳሞት ህዝብታትት የሐይሉ ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለየ ባህላዊ መንነት ኣውስትራሊያ ዝያዳ ግንዛበ ኣብ ምሕዳር ይሰርሑ ኣለዉ ። ብዛዕባ እዚ ለውጥታት እዚ ምፍላጥ ፡ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ታሪኽ እታ ሃገር ፡ ብዛዕባ እቲ ናብ ማዕረ ዘምጽእ ጕዕዞ ፡ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ መሰረት ዘመናዊት ኣውስትራልያ ዝዀነ ሃብታም ባህልታት ጽቡቕ ፍልጠት ይህበና እዩ ። ብዛዕባ ደቀባት ህዝብታት ዘሎ ኣጠማምታ ምርዳእ ፡ ኣብ ምኽባር ምትእስሳርን ናይ ሓባር ምዃንን ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ ።

Jun 25, 20259 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ሰነ 2025)

**ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ: እስራኤልን ኢራንን ተዅሲ ደው ንምባል ከምዝተሰማምዓ ኣፍሊጡ ። **ፕሬዝዳንት ፈረንሳይ ማክሮን ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቓዕቲ ሕጋዊ ኣይኮነን ኢሉ ፤ ** ኣብ ደማስቆ ኣብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ፡ እንተ ወሓደ 25 ኣምለኽቲ ዝቐተለ ርእሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ።

Jun 24, 20254 min

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ሰነ 2025)

ን ሎሚ 23 ሰነ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ብ ዓምር ሳልሕ ሓጎስ (Aamer S. Hagos ) ዝተጻሕፈት መጽሓፍ “Echoes of Bravery: Martyr Mohmoud Ibrahim’ Enduring Legacy” ተዘርጊሓ ኣላ። ምስ ደራሲ ብዛዕባ መጽሓፉ ዝገበርናዮ ዕላል። እዚ ዓመት ኤስቢኤስ መበል 50 ዓመቱ ዘኽብረሉ’ዩ፡ ነዚ ንምብዓል ዛንታታት ስግረባህላዊ ዓወታትን ሕቡናት ሕብረባህላዊ ማሕበረሰባትን ነካፍል ኣለና። SBS ኣብ 1975 ከም ክልተ መደበራት ሬድዮ ማሕበረሰብ - 2EA ኣብ ሲድኒን 3EA ኣብ መልበርንን - ክጅመር'ንከሎ፡ ገለ ካብ'ቶም ነዊሕ ዝሰረቱ ማሕበረሰባት መጻእቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝኾኑ ቋንቋታት ግሪኽን ኢጣልያን'ዮም እቶም ቀዳሞት ንፈነወ ዝቐረቡ።ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶ...

Jun 23, 202551 min

Dream Big: Kaleab’s Guide to University and Beyond

Interview with Kaleb Fesseha – A Story of Resilience and Purpose In this engaging conversation, we sit down with Kaleb Fesseha, a recent Economics graduate, who visited our Melbourne studio to share his journey through university life and beyond. Kaleb opens up about the challenges he encountered, the lessons he learned, and the strategies that helped him stay focused and succeed. He also speaks directly to young people from African refugee backgrounds, offering practical advice on how to pursue...

Jun 23, 202519 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ሰነ 2025)

ኣርእስታት ዜና፥ ** ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ኢራን ሰላም ክትገብር ጸዊዑ ፡ እዚ ምስዘይፍጸም ተወሳኺ መጥቃዕቲ ክወርዳ እዩ ኢሉ ። ** ወሃብ ቃል ምክልኻል ግሪንስ ኣውስትራሊያ ዴቪድ ሾብሪጅ ፡ እቲ ብ ኣመርካ ኣብ ልዕሊ ኢራናውያን ኑክሌሳዊ ቦታታት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ፡ ሓደገኛን ዘይሕጋውን ኣሰካፊ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ ። ** ኣውስትራልያዊት ተጻዋቲት ኲዕሶ እግሪ ሜሪ ፎውለር ኣብ ማሕበር ፕሮፌሽናል ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ንዝወሃብ ሽልማት ክልተ ምድባት ተሓጽያ ኣላ ፥

Jun 23, 202511 min

ነቲ ካብ ዓለም ዝዓበየ ቅልውላው ሱዳን ክዝክር ሱዳናውያን ኣውስትራሊያዊያን ይጽውዑ፡

ካብቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው ሱዳን ፈቐድኡ ተዘርዮም ዘለዉን ናብ ኣውስትራሊያ ዘምለጡ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ብዛዕባ ዝወርድ ዘሎ መከራ ኣፍልጦ ንምዕባይ ታሪኾም የካፍሉ ኣለው ። ኣብ ሱዳን ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ፡ ጥሜት ፡ ዓሌታውን ጾታውን ጎንጺ ኣስዒቡ ፡ ልዕሊ 14 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መነባብሮኦም ብሓይሊ ተማሕዮም ይርከቡ ። ገበርቲ ሰናያዊ ጉጅለታትን ኣባላት ዳያስፖራ ሱዳንን ካብ ኣውስትራሊያ ሓገዝ ይልምኑ ኣለው ።

Jun 22, 20258 min

ሊቨርፑል ብዝኽበረ ዋጋ ንፍሎሪያን ቨርትስ ኣምጺኣቶ፣ ብዛዕባ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ከ እንታይ ይውረ፧

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (23/06/2025) * ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተጀመረ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክለባት ፊፋ ካልኣይ ዙርያ ግጥማቱ ብምክያድ ይቕጽል ኣሎ፣ ኣዝዩ ልዑል ሙቐትን በርቂ ዝተሓወሶ ነጎድጓዳዊ ዝናብን ንተጻወትን ተዓዘብትን ኣብ ጽላልን ሽፋንን ክዕቆቡ ኣብ ዝገበርሉ ኮኾብ ዓለምና ሊዮነል መሲ ጋንትኡ ኢንተር ማያሚ ክትዕወት ሓጊዙ፣ * እንግሊዛዊት ጋንታ ሊቨርፑል መዝገብ ክብረወሰን ዕድጊ ተጻወታን ፕሪምየር ሊግን ብምስባር ንጀርመናዊ ኣከፋፋሊ ፍሎሪያን ቨርዝ ምስኣ ክጽንበር ከምዘፈረመቶ ገሊጻ፣ በዚ ትኸዶ ዘላ እንተቐጺላ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ እቲ ዝቕጽል ዒላምኣ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብሉ ወረታት ይናፈሱ፣

Jun 22, 20259 min

This slur was used to abuse Concetta's father. For her, it's a proud identity - SBS Examines: እዚ ቃል ንኣቡኣ (ንኮንሰታ) ጸርፊ ዝነበረ ንዕኣ ግን ዘኹርዕ መንነት ኮይኑ

The term was used as an insult towards Greek and Italian migrants who arrived after the Second World War. But the generations that follow have reclaimed 'wog', redefining their cultural identity. - 'ዎግ' (Wog) ዝብል ቃል ነቶም ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ካብ ግሪኽን ኢጣልያን ናብ ኣውስትራልያ ዝመጹ ሰባት መጻረፊ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ድሕሪኦም ዝመጹ ወለዶታት ግን ባህላዊ መንነቶም ዝተፈልየ ትርጉም ብምሃብ ነቲ ቃል ወኒኖሞ ወይ ናቶም ገይሮሞ።

Jun 21, 20259 min

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ሰነ 2025)

ንሎሚ ሓሙስ 19 ሰነ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ፈ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ብ ዓምር ሳልሕ ሓጎስ (Aamer S. Hagos ) ዝተጻሕፈት መጽሓፍ “Echoes of Bravery: Martyr Mohmoud Ibrahim’ Enduring Legacy” ተዘርጊሓ ኣላ። ምስ ደራሲ ብዛዕባ መጽሓፉ ዝገበርናዮ ዕላል። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሕብረተሰብ ትግራይን ኤርትራን ኣብ ዶባት ክራኸብ ጀሚሩ። ኣብ ትግራይ "ዝተረጋገዐ መንግስቲ ክህልዋ ኣይከኣለን።" ክብል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ገሊጹ። ይኣክል ሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ" ዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ምክያድ ጀሚሩ። ኤርትራ ኩሎም ናይ ሕልና እሱራት ክፈትሕን መሰላት ዜጋታታ ከተኽበርን ተሓቲታ። ኢትዮጵያ ንመርመርቲ ካብ ቅትለት ወጻኢ ብዝኾነ ገበናዊ ተግባር ...

Jun 19, 202550 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ሰነ 2025)

ኣርእስታት ዜና፥ ዶናልድ ትራምፕ ፡ኣመሪካ ንኑክሌሳዊ ቦታታት ኢራን ኣብ ምውቃዕ ብቐጥታ ክትሳተፍ መደብ እንተ’ልዩ ፡ ርእይቶኡ እንተዘይሃበ’ኳ ብንጥፈት ይሓስበሉ ከም ዘሎ ሓቢሩ ። ባይቶ U-K ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ክኸውን ገይሩ። ጋንታ ኲንስላንድ ኣብ ጸወታ ስቴት ኦፍ ኦርጅን 26 ን 24 ብዝኾነ ዓወት ስዒራ።

Jun 19, 202512 min

ኤርትራ ኩሎም ናይ ሕልና እሱራት ክፈትሕን መሰላት ዜጋታታ ከተኽበርን ተሓቲታ።

ሕብረተሰብ ትግራይን ኤርትራን ኣብ ዶባት ክራኸብ ጀሚሩ። ኣብ ትግራይ "ዝተረጋገዐ መንግስቲ ክህልዋ ኣይከኣለን።" ክብል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ገሊጹ። ይኣክል ሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ" ዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ምክያድ ጀሚሩ። ኤርትራ ኩሎም ናይ ሕልና እሱራት ክፈትሕን መሰላት ዜጋታታ ከተኽበርን ተሓቲታ። ኢትዮጵያ ንመርመርቲ ካብ ቅትለት ወጻኢ ብዝኾነ ገበናዊ ተግባር ዘየኽስስ ኣዋጅ ኣጽዲቓ።

Jun 18, 202513 min

ኣሰራርሓ መድሕን (ኢንሹራንስ) ገዛን ትሕዝቶን ኣብ ኣውስትራሊያ

ንገዛኻ ወይ ንንብረትካ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኣጋጣሚታት ክትሓስቦ ባህ ዘብል እኳ እንተ ዘይኰነ ፡ ክበጽሕ ዘይክእል ኩነታት ግን ኣይኰነን ። ከም ዕልቕልቕ ማይ ፡ ህቦብላን ባርዕ ጣሻን ዝኣመሰለ ኵነታት ኣየር ፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኣውስትራልያ ስሩዕ ኣካል ህይወት እዩ ። ዋላ "ውን ተኻሪኻ ትነብር እንተኾንካ ፣ ከም ናይ ማይ መጉዳእቲ ወይ ስርቂ ብዝኣመሰሉ ነገራት ክትጽሎ ትኽእል ኢኻ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ ፡ ክኢላታትና ነቲ ኣብ ናይ ቤትን ኣብ ትሕዝቶን ዝግበር መድሕን ዝምልከት ኣገዳሲ ነጥብታት ተንቲኖም ኣለዉ፣ ክትጥንቀቐሉ ዝግባእ ነገራትን እቲ ንመድሕን ዝኽፈል እናዛየደ ኣብዝኸደሉ ዘሎ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ'ውን ምኽሪ ኣለዎም።

Jun 18, 202510 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ሰነ 2025)

**ኣውስትራሊያ ኣብ ልዕሊ ምስ ራሻ ምትሕሓዝ ዘለወን 60 መራኽብ ንፈለማ እዋን ማዕቀብ ገይራ። ** ዶናል ትራምፕ፡ ኣመሪካ ኣብቲ ኢራንን እስራኤል ዘካይዳኦ ዘለዋ ዉግእ “ዓቕላ ትውድእ ኣላ” ክብል ገሊጹ። ** ኣብ ኬንያ ብርቱዕ ህዝባዊ ተቓውሞታት ተኻይዱ።

Jun 18, 20256 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሰነ 2025)

** ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ሓድሽ ዝተመርጸ ደቡብ ኮርያዊ ፕረሲደንት ተራኺቡ ተዘራሪቡ፡ ምስ ፕ/ ዶናልድ ትራምፕ ተመዲቡ ዝነበረ ርክብ ግና ተሰሪዙ። **ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ንላዕለዋይ መራሒ ኢራን ምቕታል ነቲ ግጭት መደምደምታ ዝገብር እዩ ኢሉ... ** መንገዲ ዓዲግራት-ደውሃን-ኢሮብ ዳግም ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ተፈሊጡ።

Jun 17, 20256 min

ኣመሪካ ኣብ ኲናት እስራኤል-ኢራን ክት ኣቱ ድያ፧ እስራኤል ንምንታይ ኣብዚ እዋን ንኢራን ተጥቅዓ'ላ ዝቕጽል ስጉምቲ'ኸ እንታይ እዩ፧

ነዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተኸሲቱ ዘሎ ኣዚዩ ሓደገኛ ምዕባለ ዝምልከት ዝቐረበ ትንታነ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝዓበየ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዋ ፡ ነቲ ውግእ ከተዕርጎን ንምቕጻልን ክትዳሎ ከም ከምዝጸንሐት ክኢላታት ይሕብሩ ።

Jun 16, 202512 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ሰነ 2025)

ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ሕንዲ ኡታራካንድ ፡ ንንግደት ሂንዱ ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ሄልኮፕተር ወዲቓ ብምሕምሻሻ ኣብ ዉሽጣ ዝነበሩ ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣመሪካውያን ንመሪሕነት ዶናልድ ትራምፕ ብምቅዋም ናብ ጐደናታት ኣፍሲሶም ። ኣውስትራልያ ናብ ዋንጫ ዓለም ፊፋ ሓሊፋ፣ ዋንጫ ዓለም ክለባት ፊፋ ኣብ ትሕቲ ኣሰካፊ ኩነታት ኣብ ኣሜሪካ ተጀሚሩ፣

Jun 16, 202514 min

ኣውስትራልያ ናብ ዋንጫ ዓለም ፊፋ ሓሊፋ፣ ዋንጫ ዓለም ክለባት ፊፋ ኣብ ትሕቲ ኣሰካፊ ኩነታት ኣብ ኣሜሪካ ተጀሚሩ፣

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (09/06/2025) * ኤርትራውያን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን ዝተሳተፍሉ ቅድድም ብሽግለታ ክራይተርየም ዱ ዶውፊን ብዓወት ስሎቨንያዊ ታደይ ፖጋቻር ተዛዚሙ፣ * ህቡብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪን ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ዝነበረ ሙሉጌታ ከበደ ካብ’ዚ ዓለም ብሞት ከምዝተፈልየ ጋንትኡ ነበር ቅዱስ ጊዮርጊስ ገሊጻ፣ * ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ ወይ ሶከሩስ ዝሓለፈ ሰሙን ንሻድሻይ ተኸታታሊ ግዜኣ ናብ ዋንጫ ዓለም ፊፋ ምሕላፋ ኣረጋጊጻ፣ * ፊፋ ብፍሉይ ኣሰራርዓ ዘዳለዎ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም ክለባት ኣብ ትሕቲ ኣሰካፊ ኩነታት ኣተሓሕዛ ስደተኛታትን መጻእትን ኣብ ኣሜሪካ ሰንበት ተጀሚሩ፣

Jun 15, 20259 min

ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምምሕያሽ ዝተገብረ ጻዕርታት ከም ዝፈሸለ ገሊጹ።

ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምምሕያሽ ዝተገብረ ጻዕርታት ከም ዝፈሸለ ገሊጹ። ሚንስተር ዜና ብወገኑ ኤርትራ ባሕራዊ ግዝኣታን ዘይግሰስ ልኡላዊ መሰላትን ንሓራጅ ከተቕርቦ ድልውቲ ኣይኮነትን ዝብል ምላሽ ሂቡ። ብተዛማዲ ሓበሬታ ሓይሊ ባሕሪ #ኢትዮጵያ "ስርሒታዊ ዓቕሚ" ንምዕባይ ስልጠና ንጡፋት ጀላቡ የካይድ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ናይ ትግራይ ሓዊስካ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝተመዛበሉ ሰባት ናብ ዓድታቶም ክምለሱ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ፀዊዑ። ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምርግጋፅ ከምዝስራሕ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ሌ/ጀነራል ፍሰሃ ኪዳኑ ተዛሪቡ ምምሕዳር ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ 36 ሃገራት ኣብ ዝርዝር እገዳ መገሻታቱ ክውስኽ መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ።

Jun 15, 202510 min

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ሰነ 2025)

ንሎሚ ሓሙስ 12 ሰነ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ምስ ኣዲኣን ኣሕዋታን ኣብ መንበርን ትነብር ፋሺን ዲዛይነር በዓልቲ ብሩህ መጻኢ ዊኣም ዓብዱ ሐጅ፡ ቅድሚ በቲ ዓውዲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ምጅማራያ ብንእስነታ ነቲ ሞያ ጀሚራቶ፡ እቲ ትነጥፈሉ ዓውዲ ብኸመይ ጀሚራቶ፡ ዕድላቱን ግድላቱን፡ ህልዊን መጻኢን መደባታን ካልእን ኣዕሊላትና ኔራ። (ብምኽንያት 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ዳግም ሎሚ ከነቕርቦ ኢና፡። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ተምሃሮ ሃገራዊን ብሄራዊ ፈተና ምውሳድ ጀሚሮም። ኣብ መቐለ ናብ ዓድና ምለሱና ዝበሉ ሰልፈኛታት መቐለ ሓጹር ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ጥሒሶም ኣትዮም። ናይ ኢትዮጵያ ረቂቕ በጀት 2018 ዓ.ም 1 ነጥቢ 93 ትሪሊየን ብር ኮይኑ ቀሪቡ። ካብዚ ናይ ትግራይ 18.9 ...

Jun 12, 202547 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ሰነ 2025)

ኣርእስታት ዜና፥ ፖሊስ ሎስ ኣንጀለስ፡ ((LAPD)) ፡ ኣብታ ከተማ ሰዓት እቶ እቶ ድሕሪ ምትግባሩ ኣባላት ፖሊስ ጃምላዊ ማእሰርቲ ከም ዘካየዱ ይገልጽ ። ኣባል ፓርላማ ካብ ሰልፊ ለበር ኤድ ሑሲክ ኣብ ልዕሊ ክልተ እስራኤላውያን ሚኒስተራት እገዳ ከምዝተበየነሎም ብምምጓስ ፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተወሳኺ ስጉምቲ ኽወስድ ሓቲቱ ። እንግሊዛዊት ጋንታ ቶተንሃም ሆትስፐር ንኣውስትራልያዊ ኣሰልጣኒኣ ዝነበረ ኣንጅ ፖስትኮግሉ ክልተ ወቕትታት ምስኣ ድሕሪ ምጽንሑ ከም ዘባረረቶ ኣፍሊጣ

Jun 12, 202510 min

"ኩባዊያን: ኣብ ኢትዮጵያን ኣፍሪቃን ዝኸፈልዎ መስዋእቲ ብመጻሕፍቲ ተጻሒፉ ክዝከር ዝግብኦ ኣይተዘከረን" ፍቕረ ረታ (ራያ)

ፊደል ካስትሮን ኩባውያንን ኣብ ኢትዮጵያን ኣፍሪቃን ከምኡውን ኣብ ኩባ ዝሓደግዎ ኣሉታዉን እወታዊን ጽልዋታት ብዛዕባ ዝምልከት ምስ ምሁር ሳይንስ ፖለቲካ ኣቶ ፍቕረ ረታ ዝተገብረ ቃለ ምሕትት። እዚ ብምኽንያት ዝኽሪ ልደት 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ዳግማይ ዝቐረበ እዩ።

Jun 11, 202517 min

How do Australia's new laws help prevent and respond to hate speech? - SBS Examines: ሓደስቲ ሕግታት ኣውስትራልያ ዘረባ ጽልኢ ኣብ ምክልኻልን መልሲ ኣብ ምሃብን ከመይ ይሕግዙ፧

According to the United Nations, governments around the world are struggling to counter hate speech. - ብመሰረት ሓበሬታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ መንግስታት ዘረባ ጽልኢ ኣብ ምምካት ይጽገማ ኣለዋ።

Jun 11, 20257 min

ናይ ኢትዮጵያ ረቂቕ በጀት 2018 ዓ.ም 1 ነጥቢ 93 ትሪሊየን ብር ኮይኑ ቀሪቡ። ካብዚ ናይ ትግራይ 18.9 ቢልዮን ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራን ትግራይን ተምሃሮ ሃገራዊን ብሄራዊ ፈተና ምውሳድ ጀሚሮም። ኣብ መቐለ ናብ ዓድና ምለሱና ዝበሉ ሰልፈኛታት መቐለ ሓጹር ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ጥሒሶም ኣትዮም። ናይ ኢትዮጵያ ረቂቕ በጀት 2018 ዓ.ም 1 ነጥቢ 93 ትሪሊየን ብር ኮይኑ ቀሪቡ። ካብዚ ናይ ትግራይ 18.9 ቢልዮን ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ። ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ትርከበን 12 ሃገራት ዘንበሮ እገዳ መገሻ ኣብ ስራሕ ውዒሉ። ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኣሰረ ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ወልደየስ ናይ ዋሕስ መሰሉ ክሕሎ ቤትፍርዲ ወሲኑ፡

Jun 11, 202510 min
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android