ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ሓምለ 2025) - podcast episode cover

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ሓምለ 2025)

Jul 21, 202548 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ንሎሚ ሰኑይ 21 ሓምለ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብዕለት 12 ሓምለ 2025 ኣብ ከተማ ብርስበን ሓድሽ ህንጻ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያምን ቅዱስ ሚካኤልን ጳጳሳት፡ ዕዱማት ወከልቲ መንግስቲ ኣውስትራሊያን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውስትራሊያን ብርስቤንን ዝተኣከበ ህዝቢ ኣብ ዝተረኽብሉ ተመሪቑ። ነዚ ኣመልኪትና ብዛዕባ ምስርሕ ህንጻን ኩነታት እታ ቤተ ክርስትያንን ምስ ኣመሓዳሪ እቲ ቤተ ክርስትያን ቀሺ ገብረብርሃን ወልደ ገብሪኤልን ኣቦ ወምበር ኮሚቴ ህንጻ ዶ/ር ትካቦ ተስፋሚካኤልን መብርሂ።ኣብ ናይ ቃለ መሕትት ትሕዝቶና ክቐርብ እዩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ምስ ኤሪ ቲቪ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ዝምልከት ሓጺር ጸብጻብን ካልእ ትሕዝቶን ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ዓብላሊ መናብር ዘለዎ ሰልፊ ለበር ባይቶ ስርሑ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝጅምረሉ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ካብ መውዓሊ ህጻናት ጀሚሩ ክሳብ ናይ ተማሃሮ ዕዳ ምዕራይ ስጉምቲ ክወስድ ትጽቢት ይግበር ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኢትዮጵያ ንዂናት ብእዉጅ ትዳሎ ከም ዘላ ገሊጹ። ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ስሎቨንያዊ ታደይ ፖጋቻር ክልተ ተወሰኽቲ መድረኻዊ ዓወታት ኣመዝጊቡ መሪሕነቱ ድሕሪ ምድልዳሉ ካልኣይ ሰሙኑ ኣጠናቒቑ፣
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android