ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ነሓሰ 2025) - podcast episode cover

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ነሓሰ 2025)

Aug 07, 202552 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ንሎሚ ሓሙስ 7 ነሓሰ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ጋዜጠኛ ኤስ ቢ ኤስ ኢጣልያ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ኣብ ኤርትራ በጺሑ ተመሊሱ ኣሎ። ኣብ ከተማታት ኣስመራን ባጽዕን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ዝመሰጦ፡ ዝተሰምዖን ምስ ሃገሩ ጥልያን ዘሎ ምትእስሳርን ፍልልይን ገሊጹልና ኣሎ። ሎሚ ከነቕርቦ ኢና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ** ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ብፀሊም ዕዳጋ ዝግበር ልውውጥ ሸርፊ ወጻኢ ክውረስ ዩ ክብል ኣጠንቂቑ። ** ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዓፋር ምስ ዘለዉ ዕጡቓት ዝርርብ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ። ** ኣብ ትግራይ ሓደ ቶን ወርቂ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምርካብ ከባቢ 140 ሄክታር መሬት ይፋሓር ከም ዘሎ መፅናዕቲ ኣመላኺቱ። ** ኣመሪካ ቪዛ ንዝሓቱ ዜጋታት ሃገራት 15 ሽሕ ዶላት ከምመትሓዚ ክትሓትት ምዃኑ ገሊጻ። ጽምዋ፡ ንመንእሰያት ዘጎድእ ዘሎ ጉዳይ ጥዕና ዝብል ሓደ ዜናዊ ጸብጻብ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ፖለቲከኛታትን ሰላማውያን ሰባትን ጃፓን ፡ ነቶም ቅድሚ 80 ዓመት ብ ደብዳብ ኣቶማዊ ቦምብ ኣመሪካ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ዝኽሪ ንምኽፋል ኣብ ሂሮሺማ ተኣኪቦም ። ረድኤት ዝጽበዩ ዝነበሩ ፡ ብውሕዱ 38 ፍልስጤማውያን ኣብ ጋዛ ተቐቲሎም ኣለዉ ። ሃገራዊ ውድድር ተኒስ ደቀባት ብረቡዕ [6 ነሓሰ] ኣብ ዳርዊን ጀሚሩ፣ ካብ መላእ ኣውስትራልያ ዝመጹ ልዕሊ 160 ኣብቲ ጸወታ ይሳተፉ ኣለዉ ።
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android