SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ - podcast cover

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Last refreshed:
Follow this podcast in the Metacast mobile app to refresh it and see new episodes.
Download Metacast podcast app
Podcasts are better in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episodes

"ንሃገረ ግሪን ላንድ ክዕድጋ'የ፡ ካናዳ መበል 51 ግዝ ኣት ኣመሪካ ትኹን።" ትራምፕ። (ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 08/01/2025)

ንሎሚ 7 ጥሪ 2025 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ አቕርበልኩም ዶናልድ ትራምፕ ፡ ንድሕንነት ኣመሪካ ከተገልግል ስለትኽእል ንሃገረ ግሪንላንድ ክዕድጋ ከም ዝደሊ ገሊጹ፡ ካናዳ ድማ ግዝኣት ኣመሪካ ክትከውን ጸዊዒ ። ኣብ ትቤት ግዝኣት ቻይና ብዘጋጠመ ዓቢ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብውሑዱ 126 ሞይቶም።

Jan 08, 20254 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ጥሪ 2025)

ንሎሚ 7 ጥሪ 2025 ዝተዳለዉ ኣርእስታት ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ: ጃስቲን ትሩዶ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትርነት ስልጣኑ ክወርድ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣብ ቪክቶርያ ኣብ ካውልፊልድ ዝርከብ ሜዳ መወዳደሪ ኣፍራስ (Racecourse) ፡ ብሓዊ ድሕሪ ምንዳዱ ብፖሊስ መርመራ ይካየደሉ ኣሎ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ ምብራቓዊ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ በዓል ልደት ኣኽቢሮም።

Jan 07, 20256 min

"ልደት፡ ምስ ኣምላኽና ብፍቕሩን ምሕረቱን ዕርቂ ዝረኸብናሉ ዕለት'ዩ።" ቀሺ ገብረብርሃን ፍስሃ

ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኣመሓዳሪ ቤተ ክርስትያን ማርያም/ሚካኤል ብርዝቤን ዝኾኑ ቀሺ ገብረብርሃን ፍስሃ ብዛዕባ እዚ ዝበዓል ዘሎ በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ ምእመናን ቤተ ክርስትያኖምን ብተወሳኺ ብምኽንያት እዚ በዓል ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ።

Jan 06, 202518 min

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ጥሪ 2025)

ን ሎሚ 6 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ በዚ ኣጋጣሚ ንኹላትኩም በዓል ልደት የሱስ ክርስቶስ ተኽብሩ ርሑስ በዓል ክኾነልኩም እናተመነኹ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ "ግዝያዊ ምምሕዳር ኣድኪምካ ትግራይ መንግስቲ ኣልቦ ምግባር ጥፍኣት እዩ።" ክብል ምክትል ፕሬዝደንት ሌ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ ሰለስተ ብሄራዊያን ውድባት ትግራይ ብሓባር ዝሰርሓሉ ኪዳን ዕላዊ ኣቚመን። ኣህጉራዊ ዋዕላ ንመጽናዕትታት ኤርትራ፡ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ዝረአ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብ ዝትንከፉ ክልላት 80 ሽሕ ነበርቲ ከውጽእ ምዃኑ መንግስቲ ኣፍሊጡ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡...

Jan 06, 202556 min

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ውዕሎም የሐድሱን ጋንታታት ይረኽቡን፣ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ይዕወቱ፣ ማንቸስተር ዩናይትድ ንሊቨርፑል ማዕረ ኣውጺኣታ፣

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (06/01/2025) * ሩቲ ኣጋን ዳዊት ወልዴን ኣብ ማራቶን ሺያመን ተዊቶም፣ * ገለ ኤርትራዊያን ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ምስ ዝጸንሕወን ጋንታታቶም ውዕሎም ከናውሑ’ንከለዉ ሓደ ተቐዳዳማይ ድማ ምስ ሓዳስ ጋንታ ተጸንቢሩ፣ * ዋና ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዘሎ መሳይ ተፈሪ ኪንዮ ጥሪ 2025 ኣብ ዘለዎ ክጸንሕ ውዕሉ ከናውሕ ድሌት ከምዘለዎ ገሊጹ፣ * መበል 20 ዙርያ ግጥማት ፕሪምየር ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝተኻየድሉ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ብሉጽ ኣጥቃዓይ ተባሂሉ ተገሊጹ፣ ኣውስትራልያዊ ኣሰልጣኒ ኣንጅ ፖስትኮግሉ ድሕሪ ግጥም ጋንትኡ ቶተንሃም ሆትስፐር ‘ከም’ዚ ገይረ ሓሪቐ ኣይፈልጥን’የ’ ይብል፣ ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ሚከል ኣርተታ ከኣ ‘ከም’ዚ ውሳነ ኣብ ህይወተይ ርእየ ኣይፈልጥን’የ’ ክብል ንዳኛ ወቒሱ፣

Jan 05, 202512 min

"ግዝያዊ ምምሕዳር ኣድኪምካ ትግራይ መንግስቲ ኣልቦ ምግባር ጥፍኣት እዩ።"ምክትል ፕሬዝደንት ሌ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ

ሰለስተ ብሄራዊያን ውድባት ትግራይ ብሓባር ዝሰርሓሉ ኪዳን ዕላዊ ኣቚመን። ኣህጉራዊ ዋዕላ ንመጽናዕትታት ኤርትራ፡ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ዝረአ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብ ዝትንከፉ ክልላት 80 ሽሕ ነበርቲ ከውጽእ ምዃኑ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

Jan 05, 20258 min

ምስ ምምጻእ ሓድሽ ዓመት ካብ ዝተለወጡ ሕግታትን ፖሊሲታትን

ሓድሽ ዓመት 2025 ኣብ ዝኣተወተትሉ ኣውስትራልያውያን ሓድሽ ዓመት ጥራይ ዘይኮኑ ዝቕበሉ ንህይወቶም ብዝተፈላለዩ መጠኑ ዝጸልዉ ሓደስቲ ሕግታት'ውን ክዕዘቡ'ዮም። ገለ ካብ'ቶም ካብ ባሕቲ ጥሪ ጀሚሮም ተግባራዊ ዝኾኑ ቀንዲ ለውጥታት ካብ'ዚ ቀጺልና ከነቕርቦም ኢና።

Jan 03, 20256 min

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (2 ጥሪ 2025)

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (2 ጥሪ 2025) * ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ ፍጻመ ቅትለት ኒው ኦርሊይንስ፣ ስለያ ኣውስትራልያን ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ጆን ሃዋርድን፣ ቓዛን ቀይዲ ኣልቦ ዝተባህለት እስራኤልን * ጸብጻባት ልኡኽና ስድራቤት ኤርትራውያን እሱራት መዓሰከር ዳባት ገንዘብ ክኸፍሉ ይሕተቱ ምህላዎም ገሊጾም፣ ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ ኢትዮጵያ ህወሓት ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ሓቲቱ፣ ኣብ ከባቢ ኣዋሽ ፈንታሌ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዝቐጸለ ተሓቢሩ፣ ኣብ ክልል ሲዳማ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ብውሑድ 71 ሰባት ሞይቶም * ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ጸኒሑ፣ እዚ ነቕ ዘይበለ ሰላዪ ኬጂቢ ነበር ኣመራርሕኡ ከመይ ሓሊፉ፧ ኣተሓሕዝኡ ከመይ ኣሎ፧ * ገምጋም 2024: ብመዳይ ስፖርት ዓለምን ኣውስትራልያን ከመይ ሓሊፈን፧

Jan 02, 202548 min

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (2 ጥሪ 2025)

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (2 ጥሪ 2025) * ብዙሓት ክፋላት ዓባይ ብሪጣንያ ብርቱዕ ዝናብ ዝፈጠሮ ምዕልቕላቕን ብርቱዕ ንፋስን ኣጥቂዕዎም፣ * ናይ ጽዕነት መኪና ናብ ሓድሽ ዓመት ዘብዕሉ ዝነበሩ እኩባት ሰባት ኣጋጭዩ 10 ሰባት ዝቐተለ ሓደ ሰብ ኣብ ኒው ኦርሊይንስ ብፖሊስ ተቐቲሉ፣ * ሱፐር ማርኬት ዉልዎርዝስ ንመዓልቲ ኣውስትራልያ ዘንጸባርቑ ነገራት ንዕዳጋ ከቕርብ ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ * ሆስፒታላት ቓዛ ኣብ ዝዓነውሉ ተማእዛዝነት እስራኤል ብሕግታት ዓለም የተሓታትት፣

Jan 02, 202510 min

ህወሓት ጉባኤ ከካይድ ተሓቲቱ፣ ስድራቤት ኤርትራውያን እሱራት መዓሰከር ዳባት ገንዘብ ይሕተቱ (ጸብጻባት)

ጸብጻባት ዜና ልኡኽና (2 ጥሪ2025) * ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዙርያ ዘላቒ መፍትሒ ተመዛበልቲ ኣድሂቡ ምስ ሰለስተ ትካላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተዛትዩ፣ * ስድራቤት ኤርትራውያን እሱራት መዓሰከር ዳባት ገንዘብ ክኸፍሉ ይሕተቱ፣ * ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ ኢትዮጵያ ህወሓት ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ሓቲቱ፣ * ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ከባቢ ኣዋሽ ፈንታሌ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቀጺሉ፣ * ኣብ ክልል ሲዳማ ዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ብውሑድ 71 ሰባት ቀቲሉ እዚኦም

Jan 02, 20256 min

Revellers welcome 2025 in Australia and around the world - 2025 እንቋዕ ደሓን መጻእኪ! ኣውስትራልያውያንን ዓለምን ንሓዳስ ዓመት ብሓጎስ ይቕበልዋ

The start of 2025 has been celebrated around the world with dazzling fireworks displays and rituals. Australia was among the first countries to welcome the New Year. - ምእታው 2025 ኣብ መላእ ዓለም ብድሙቓት ምርኢታት ርችታትን ባህላውን ሃይማኖታውን ጽምብላትን ተባዒሉ። ኣውስትራልያ ሓንቲ ካብ`ተን ቀዳሞት ንሓድሽ ዓመት ብሓጎስ ዝተቐበለኦ ሃገራት`ያ።

Jan 01, 20259 min

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (31 ታሕሳስ 2024)

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (31 ታሕሳስ 2024)፣ * ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ንምርኢት ርችታት ፍርቂ ለይቲ ሓድሽ ዓመት ኣብ ሲድኒ ክእከብ ትጽቢት ይግበር፣ * ሓድሽ ዓመት ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኣውስትራልያውያን ለውጥታት ፖሊሲን ወሰኽ መንግስታዊ ክፍሊታት ሒዝሎም ክመጽእ`ዩ፣ * ዋሽንግተን ንፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጂሚ ካርተር ብኽብሪ ከተፋንዎ ትዳሎ፡ ንሰብኣዊ ኣብርክቶታቱ ክብሪ ዝህቡ ኣብ መላእ ዓለም ይቕጽሉ፡ ዝዓበየላ ከተማ ድማ ብሞቱ ሓዘና ትቕጽል፣

Dec 31, 20247 min

ቭላድሚር ፑቲን፣ ን25 ዓመታት ልጓም ስልጣን ሩስያ ዘጽንዐ ሰላዪ

ቭላድሚር ፑቲን ልጓም ስልጣን ኣብ ሩስያ ረጊጡ ካብ ዝሕዞ 25 ዓመታት ኣቑጺሩ'ሎ። ዕድመ ስልጣኑ ብኲናት፡ ተቓውሞታት፡ ኣድማታት፡ ቅዋማዊ ለውጥታትን ናዕብታት ከይተረፈን ዝተራእየሉ ብምዃን ይልለ፡ እንተኾነ ግን እዚ ሰላዪ ኬጂቢ (KGB) ዝነበረ ፑቲን ኣብ ስልጣኑ ዘይንቕነቕ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

Dec 31, 202411 min

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (30 ታሕሳስ 2024)

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (30 ታሕሳስ 2024) *ሞት ፕረዚደንት ጂሚ ካርተር፣ ቅነ ሓዘን ነቶም ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝወደቐት ነፋሪት ዝሞቱ ሰባት ተኣዊጁ፣ ጸብጻብ ልኡኽና፤ * ብዛዕባ ዕደና ወርቂ ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ከለዉ ብዕጡቓት ተጨውዮም ዝተብሃሉ ጋዜጠኛታት ቴሌቭዥን ትግራይ ከም ዝተለቐቑ ተገሊጹ፣ * ኣብ ክልል ሲዳማ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 71 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም፣ * ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞትዎስን ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን መሓመድን ናብ ጁቡቲ ኣትዮም፣ * ኣብ ክልል ዓፋር እምባ ኣዋሽ ፈንታሌ ትማሊ ጥራሕ 7 ጊዜ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመን እቲ ዝለዓለ 5.0 ምዃኑን ተገሊጹ፣ * ሓደ ኦስካር ጀንኪንስ ዝተባህለ ኣውስትራልያዊ ወዲ 32 ዓመት መምህር ስነህይወት ብወተሃደራት ሩስያ ኣብ ዩክረይን እናተሓተተ ዝመስል ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መድረኻት...

Dec 30, 202450 min

2024 ኣብ ትፋነወሉ ቢንያም ግርማይን ዓወታቱን ተጠቀስቲ ኮይኖም፣ ሊቨርፑል ንወስትሃም ደምሲሳ 2024 ብመሪሕነት ዓጽያቶ (ስሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ)

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ (30/12/2024) * ዓመተ 2024 ኣብ ዝተጠናቐቐሉ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ታሪኽ ስፖርት ስሞም ካብ ዘጸውዑ ኣፍሪቃውያን ብሓበን ነዛ ዓመት ዝዝክርዋ ክኸውን`ዩ ክብል ቢቢሲ ጸብጺቡ፣ * ግጥማት ጽባሕ በዓል ልደት/ቦክሲንግ ደይ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ዝሓለፈ ሰሙን ተኻይዶም ቅልውላው ማንቸስተር ዩናይትድ መመሊሱ ገዲዱ፣ * ሊቨርፑል መሪሕነታ ዓቂባ፣ * ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ምምዝጋቡ ይቕጽሎ፣ * ሰንበት ኣብ ቅልውላው ተሸሚማ ዘላ ሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ንፈለማ ግዜ ተዓዊታ፣ * ኣብ`ዚ ዓመት ኣገራሚ ውጽኢታት ተመዝግብ ዘላ ኖቲንግሃም ፎረስት ናብ ካልኣይ ተርታ ደይባ፣ ሊቨርፑል ድማ ዓመተ 2024 ብ8 ነጥቢ ፍልልይ ቀዳመይቲ ኮይና ዛዚማቶ፣

Dec 30, 202411 min

ፕረዚደንት ጂሚ ካርተር ኣብ መበል 100 ዓመቱ ዓሪፉ (ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (30 ታሕሳስ 2024))

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (30 ታሕሳስ 2024) * ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጂሚ ካርተር ኣብ መበል 100 ዓመቱ ዓሪፉ፣ * ጽንኩር ኩነታት ኣየር ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብደረጃ ዓለም 3.2 ትሪልዮን ዶላር ክሳራ ኣኸቲሉ፣ * ደቡብ ኮርያ ነቶም ዝሞቱ ሰባት ክብሪ ንምሃብ ናይ ሸውዓተ መዓልታት ሓዘን ኣዊጃ፣ * ባይቶ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዕብይ ዝበለ ጸረግብረሽበራዊ ስርሒት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝትክእ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምርግጋእን ደገፍን ሶማልያ ክዋፈር ፈቓድ ሂቡ፣

Dec 30, 202410 min

ብዕጡቓት ተጨውዮም ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ቴሌቪዥን ትግራይ ተለቒቖም (ጸብጻባት ልኡኽና (30 ታሕሳስ 2024))

ጸብጻባት ልኡኽና (30 ታሕሳስ 2024) * ብዛዕባ ዕደና ወርቂ ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ከለዉ ብዕጡቓት ተጨውዮም ዝተብሃሉ ጋዜጠኛታት ቴሌቭዥን ትግራይ ከም ዝተለቐቑ ተገሊጹ፣ * ኣብ ክልል ሲዳማ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 71 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም፣ * ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞትዎስን ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን መሓመድን ናብ ጁቡቲ ኣትዮም፣ * ኣብ ክልል ዓፋር እምባ ኣዋሽ ፈንታሌ ትማሊ ጥራሕ 7 ጊዜ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመን እቲ ዝለዓለ 5.0 ምዃኑን ተገሊጹ፣

Dec 30, 20246 min

ገምጋም 2024: ዓብለልቲ ዜናታትን ፍጻመታትን ዓለም

ኲናት ኣብ ቓዛ ዓለምለኻዊ ኣርእስታት ዜና ኣብ'ዚ ዓመት ዓብሊልዎ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰላት ቮልከር ተርክ ነዚ ዘሕዝን መዝገብ ታሪኽ ኣብ ዓለም ቆላሕታ ክረክብ ገይሩ፡ ዓሰርተ ኣዋርሕ ድሕሪ ፍጻመታት ጥቅምቲ 7 ቁጽሪ ዝሞቱ ፍልስጤማውያን 40ሽሕ በጺሑ። እዚ ዓመት ብተወሳኺ ኣብ ፖለቲካ ኣሜሪካ ምጥውዋያት ዝመልኦ ኔሩ።

Dec 28, 202414 min

ገዳይም ማሕበራት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ተኣጊደን (ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ 27 ታሕሳስ 2024)

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (27 ታሕሳስ 2024) * ክልተ ባሕረኛታት ኣብ ውድድር ምጅላብ ካብ ሲድኒ ናብ ሆባርት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ኩነታት ኣየር ኣብ ባሕሪ መይቶም፣ * ዝሑል ኩነታት ኣየር ነቶም ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኖም ዘለዉ ባርዓት ጣሻ ዝቆጻጸሩ ዘለዉ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ኩነታት ኣቃሊልሎም፣ * ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ነበር ማንሞሃን ሲንግ ኣብ መበል 92 ዓመቱ ዓሪፉ፣ * ኣብ ኢትዮጵያ ንልዕሊ 33 ዓመታት ኣብ ምጉስጓስን ምጥባቕን ሰብኣዊ መሰላት ቀንዲ ተዋሳኢ ዝኾነ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመጉ) ስርሑ ደው ከብል ተኣዚዙ፣

Dec 26, 20247 min

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (26 ታሕሳስ 2024)

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (26 ታሕሳስ 2024) * ደቡባዊ ምብራቕ ኣውስትራልያ ማዕበላት ሓያል ሙቐት ክመጾ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን ሓደገኛ ኩነታት ባርዕ ሓዊ ንብዙሓት ግዝኣታት ከጋጥመን’ዩ፣ * ኣሽሓት ተሳፈርቲ መንገዲ ኣየር ኣሜሪካን ኤየርላይንስ ብምኽንያት ቴክኒካዊ ጸገም ኣብ ድሮ መዓልቲ ልደት በረራታቶም ተሰናኺሉ፣ * ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሼኽ ማሕሙድን ተመያዪጦም፣ ቢቢሲ ሶማሊያ ኣብ ኣዋጅ ኣንካራ ኣመልኪቱ ንዝዘርግሖ ሓበሬታ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ነጺግዎ፣

Dec 26, 202411 min

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (26 ታሕሳስ 2024)

ጸብጻባት ዜና * ፕረዚደንታት ኤርትራን ሶማልን ተመያዪጦም፣ *ቢቢሲ ሶማሊያ ኣብ ኣዋጅ ኣንካራ ኣመልኪቱ ንዝዘርግሖ ሓበሬታ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ነጺግዎ፣ * ቤትፅሕፈት ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣብ ዝሓለፈ በጀት-ዓመት ልዕሊ 212 ሚልዮን ቅርሺ ከም ዝሓገዘ ኣፍሊጡ፣ * ኢትዮጵያ ንክሲ ሶማልያ መሰረት ዘይብሉ ብምባል ነጺጋቶ፣ ምስ ጅቡቲ ሓይሊታት ፀረ-ሰላም ንምግታእ ሓበራዊ ሓይሊ ዕማም ብምጥያሽ ንምስራሕ ተሰማሚዓ፣ * በዓል ልደት፣ ብርሃናት ብልጭልጭ ዝብልሉን ክቡራት ልምድታት ዝኽበረሉን ወቕቲ፣ ብደረጃ ዓለም ይኽበር ኣሎ። ካብ ቁሪን በረድን ዝዓብለሎም ዕዳጋታት ኤውሮጳ ክሳብ ጸሓያዊ ገማግም ባሕሪ ኣውስትራልያ፣ ዶባት ሰጊሩ፣ እምነትን ስድራቤትን ፌስታን ብሓባር ኣሊሙ ዝጠምር ጽምብል’ዩ። እንተኾነ ግን ሕጂ’ውን መንፈስ በዓል ልደት በቶም ዝቕጽሉ ዘለዉ ግጭታት ኣብ ቓዛን ዩክረይንን ...

Dec 26, 202451 min

ገምጋም 2024: ፖለቲካ

ጸገማት ክብሪ መነባብሮ ንፖለቲካ ኣውስትራልያ ኣብ'ዚ ዓመት ዝዓብለሎ ዛዕባ ኔሩ። እንተኾነ ግን ፖለቲከኛታት ኣብ ውሽጢ'ዞም ዝቕጽሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንምርጫ ኣብ ዝዳለውሉ፡ ገለ ካብ'ቶም ናብ ምርጫ ዝቐርቡ ቀንዲ ጉዳያት ኣብ መላእ'ዚ ንዛዝሞ ዘለና ዓመት ተቐላቒሎም'ዮም። ን2024 ብመንጽር ፖለቲካ ከመይ ሓሊፋ ክንግምግማ ኢና።

Dec 26, 202411 min

መራሕቲ ኤርትራን ሶማልያን ተራኺቦም፣ ኤርትራ ጸብጻብ ቢቢሲ ጌጋ'ዩ ትብል (ጸብጻባት ልኡኽና)

ጸብጻባት ዜና: * ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሼኽ ማሕሙድን ተመያዪጦም፣ * ቢቢሲ ሶማሊያ ኣብ ኣዋጅ ኣንካራ ኣመልኪቱ ንዝዘርግሖ ሓበሬታ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ነጺግዎ፣ * ቤትፅሕፈት ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ልዕሊ 212 ሚልዮን ቅርሺ ከም ዝሓገዘ ኣፍሊጡ፣ * ኢትዮጵያ ንክሲ ሶማልያ መሰረት ዘይብሉ ብምባል ነጺጋቶ፣ * ኢትዮጵያን ጅቡቲን ሓይሊታት ፀረ-ሰላም ንምግታእ ሓበራዊ ሓይሊ ዕማም ብምጥያሽ ንምስራሕ ተሰማሚዐን፣

Dec 25, 20249 min

በዓል ልደት ኣብ መላእ ዓለም ብዝተፈላለየ ኣገባባት ተባዒሉ

በዓል ልደት፣ ብርሃናት ብልጭልጭ ዝብልሉን ክቡራት ልምድታት ዝኽበረሉን ወቕቲ፣ ብዓለም ደረጃ ይኽበር ኣሎ። ካብ ቁሪን በረድን ዝዓብለሎም ዕዳጋታት ኤውሮጳ ናብ ጸሓያዊ ገማግም ባሕሪ ኣውስትራልያ፣ ዶባት ሰጊሩ፣ እምነት፣ ስድራቤትን ፌስታን ብሓባር ኣሊሙ ዝጠምር ጽምብል ወይ በዓል’ዩ። እንተኾነ ግን ሕጂ’ውን መንፈስ በዓል ልደት በቶም ዝቕጽሉ ዘለዉ ግጭታት ኣብ ቓዛን ዩክረይንን ተዓብሊሉ ይርከብ።

Dec 25, 20247 min

ኣብ ኣውስትራሊያ ባህሊ ኣበዓዕላ ልደት (Christmas) ከመይ ይመስል? (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

ኣውስትራሊያዊያን ንገለ ገለ ኣውሮጳዊ ባህላዊ ኣበዓዕላታት ልደት (ክሪስማስ) ይኽተሉ እዮም። ናይ ገዛእ ርእሶም ባህሊ'ውን ኣማዕቢሎም እዮም። እቲ ጽቡቕ ነገር ኣብ ኣውስትራሊያ በዓል ልደት ወይ ክሪስማስ ንምብዓል ብዙሕ መገዲታት ምህላዎም እዩ። እዚ መደብ ንገለ ኣገባባት ኣበዓዕላ ክሪስማስ ኣብ ኣውስትራሊያ ክርእይ እዩ።

Dec 25, 20246 min

ሩስያውያን ሓደ ኣውስትራልያዊ ኣብ ዩክረይን ማሪኽና ኢሎም ኣብ ቪድዮ ኣውጺኦሞ

ሓደ ኣውስትራልያዊ ብወተሃደራት ሩስያ ኣብ ዩክረይን እናተሓተተ ዝመስል ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መድረኻት ድሕሪ ምዝርግሑ ፈደራል መንግስቲ ኣውስትራልያ ቅልጡፍ መርመራታት ብዛዕባ'ታ ቪድዮ የካይድ ኣሎ። እቲ ኦስካር ጀንኪንስ ኢሉ ንነብሱ ዘላለየ ወዲ 32 ዓመት መምህር ስነህይወት ወይ ባዮሎጂ ካብ ኣውስትራልያ'ዩ።

Dec 24, 20246 min

መራሕቲ ኣውስትራልያ መልእኽታት በዓል ልደት ኣመሓላሊፎም (ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ 24 ታሕሳስ 2024)

* ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያን መራሒ ተቓዋሚን መልእኽታት በዓል ልደቶም ኣብጺሖም፡ * ፕረዚደንት ጆ ባይደን 37 ንሞት ዝተፈርዱ እሱራት ብዕድመ ልክዕ ቀይርሎም፡ * መደበር ቴሌቪዥንን ስፖርትን ፎክስተል ተሸይጡ፣ * ሶማልያ ወሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራተይ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ክትብል ከሲሳ፣

Dec 24, 20248 min
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android