ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (23 ጥሪ 2025) - podcast episode cover

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (23 ጥሪ 2025)

Jan 23, 202553 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ንሎሚ ሓሙስ 23 ጥሪ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ዶናልድ ትራምፕ መበል 47 ፕረሲደንት ኮይኑ ንኻልኣይ እዋን ቃለ ማሕላ ፈጺሙ ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝዓለሙ ብዙሓት ፖሊሲታት ድሮ በቲ ዘለዎ ስልጣን ተጠቒሙ ፈሪሙሎም ኣሎ። ኣብ ኣመሪካን ካብ ኣመሪካን ወጻኢን ንመነባብሮን ጸጥታን ህዝቢ ዝጸልዉ ሕግታት ክትግበሩ ክጅምሩ እዮም። ነቶም ብፍላይ ኣብ ዞባናን ዓለምን ዝምልከቱ ጉዳያት ኣልዒልና ምስ ነበርቲን ዜጋታትን ኣመሪካ ዝኾኑ ኣቶ ሳሙኤል ቢዘንንን ክብረኣብ ይመስገንን ዝገበርናዮ ዝርርብ ኣሎ። ሎሚ ቀዳማይ ክፋሉ ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ጠቕላላ ዕዳ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብኽልተ ትሪልዮን ብር ከምዝወሰኸ ተገሊጹ። ሒጃብ ሃይማኖታዊ መሰልና'ምበር ሓለፋ ኣይኮነን" ዝብል መሪሕ ጭርሖ ዝሓዙ ሰዓብቲ ሃይማኖት እስልምና ኣብ ከተማ መቐለ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ። ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ ብውሕዱ 20 ኢትዮጵያውያን ከምዝሞቱ ዓለምለኻዊ ወድብ ስደት ሓቢሩ። ኣዘርባዥያን፣ ኣብ ኤርትራ ዝተታሕዛ ሰለስተ መራኽባ ክፍነዋ፣ ብመንገዲ ሞስኮን ኣንካራን ዘተ ይቕጽል ምህላዉ ኣፍሊጣ። ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ማዕቀብ ክገብር ተኽእሎ ከም ዘሎ ገሊጹ ። እስራኤል ኣብቲ ተጎቢጡ ዘሎ ምዕራብ ባንክ ዓብዪ ወተሃደራዊ ስርሒት ተካይድ ኣላ: ኣውስትራሊያዊ ተጻዋታይ ቴኒስ ኣሌክስ ደ ሚኖር ንፈለማ ኣብ ናይ ኣውስትራልያ ኦፐን ርብዒ ፍጻሜ ጸወታኡ ኣንጻር ያኒክ ሲነር ገጢሙ ተሳዒሩ ።
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android