ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (13 ጥሪ 2025) - podcast episode cover

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (13 ጥሪ 2025)

Jan 13, 202549 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ን ሎሚ 13 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ: ኣብ ሱሳታትን ፈለማ ሰብዓታትን ኣብ ኤርትራ ምዕቡል ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ከምዝነበረን ፍሉጣት ጋንታትን ተጻወትን ፈርዮም ነይሮም። ኣብቲ እዋን ምስ ዝነበራ ጋንታታትን ተጻወትን ብቐረባ ዝፈልጦም ዝነበረን ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ ሓምሳ ዓመታት ካብ ዝኽሩ ዘይሃሰሰ ፍጻመታት ነባሪ መልበርን ኢብራሂም ሓጅ ኣዕሊሉና ኣሎ። ንድሕሪት ተመሊስና ክንዝክሮ ኢና። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ሊበራል ኣውስትራሊያ ኣብ ምብራቕ መልበርን ብሰንበት [12 ጥሪ] ኣብ ዘካየዶ ዘይወግዓዊ ወፍሪ ምርጫ: ገለ ናይ ምርጫ መብጽዓታት ኣፍሊጡ ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ጀርመናውያን ፡ ነቲ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ኣልተርነቲቭ ፎር ጀርመን ዝገበሮ ዋዕላ ዝቃወም ሰልፊ ኣካይዶም። ሰራዊት ሱዳን፡ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ንእትርከብ ኣገዳሲት ከተማ ወድ መዳኒ ከም ዝሓዘ ገሊጹ። ኣብዚ ተጀሚሩ ዘሎ ዉድድራት ቴኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን፡ ሊባኖሳዊ ሓዲ ሓቢብ ንቻይናዊ ቦንቻ ከህች ብምስዓር ናብ ካልኣይ ዙር ኣውስትራሊያ ኦፐን ብምሕላፍ ታሪኽ ሰሪሑ።
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android