ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ጥሪ 2025) - podcast episode cover

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ጥሪ 2025)

Jan 09, 202551 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ንሎሚ ሓሙስ 9 ጥሪ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣመሓዳሪ ቤተ ክርስትያን ማርያም/ሚካኤል ብርዝቤን ዝኾኑ ቀሺ ገብረብርሃን ፍስሃ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ሰሙን ዝተባዕለ ዘሎ በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ ምእመናን ቤተ ክርስትያኖምን ብተወሳኺ ብምኽንያት እዚ በዓል ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘንፀላለወ ኩለመዳያዊ ቅልውላው ብመሰረቱ ንምፍታሕ ሓያል ርብርብ ከም ዝግበር ገሊጹ። ኤርትራ ዋንነተን ናይ ኣዘርባጃን ምኳነን ዝተገልጻ ሰለስተ መራኽብ ከም ዝሓዘት ተገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ዕላዊ ኮይኑ። ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጀኖሳይድ ምፍፃሙ መንግስቲ ኣሜሪካ ዕላዊ ጌሩ። ኣውስትራሊያ ኣብ ዓለም ካብተን ዝለዓለ መጠን ናይ ቆርበት ካንሰር ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ። ሜላኖማ ሓዊስካ መብዛሕትኦም መንሽሮታት ቆርበት ዝፍጠሩ ፡ ዋህዮታት ቆርበት ምክልኻል ከይተገብረሎም ናብ ኣልትራቫዮለት ወይ UV, ወይ ናብ ጨረርታ ጸሓይ ምስዝቃልዑ እዩ። ነዚ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራሊያ ኣንተኒ ኣልበኔዝ፡ ዘካይዶ ዘሎ ዘይወግዓዊ ጎስጓስ ምርጫ ቀጺልዎ። ኢንዶነዢያ ምሉእ ብምሉእ ኣባል ጉጅለ ብሪክስ ክትከውን ብወግዒ ተቐቢላቶ ፡ ሰበስልጣን ጥዕና ፍልስጤም ፡ኣብ ጋዛ ብ እስራኤል ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ፡ ክልተ ህጻናትን ሓንቲ ሰበይትን ዝርከብዎም ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊጾም ።
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android