ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (24/03/2025) * ኣብ ኣትለቲክስ ዓለም ውድድራት ውሽጢ ኣዳራሽ ናንጂንግ 2025 ፍረወይኒ ሃይሉን ጉዳፍ ጸጋይን ብዘመዝገበኦም ዓወታት ኢትዮጵያ 2 መዳልያታት ወርቂ ዓቲራ፡ * ኤርትራዊ ኮኾብ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ድሕሪ ዜና ካልኣይ ውላዱ ንፈለማ ግዜ ናብ ቅድድም ተመሊሱ ኣብ ሚላኖ-ሳን ሬሞ ተወዳዲሩ፡ * ሃገራውያን ጋንታታት ኣፍሪቃ መበል 5ይን 6ይን ዙርያ መጻረዪ ግጥማት ካፍ ንዋንጫ ዓለም 2026 ኣብ'ዚ ሒዝናዮ ዘለና ክልተ ሰሙን የካይዳ'ለዋ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ግጥማ ኣንጻር ግብጺ፣ ኮኾብ ተጻዋታይ መሓመድ ሳላሕ ሓንቲ ሽቶ ኣመዝጊቡ ሓንቲ ሽቶ ትኸውን ዕድል ከኣ ፈጢሩ ኣብ ካዛብላንካ 2-0 ተሳዒራ፣
Mar 23, 2025•10 min
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኤርትራ “ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሕጂስ ሓላፍነቱ ክስከም ግቡእ እዩ” ዝብል ጻውዒት ኣቕሪባ። ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ ኣብጺሑ። ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብ መሬት ዘየለ ክሲ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይን ዕጡቓት ፋኖን ነጺጎምዎ።
Mar 23, 2025•7 min
The government's Welcome to Country spending has been heavily criticised but some believe the cultural protocol is being used as a "political football". - መንግስቲ ኣብ ደቀባታዊ ልምዳዊ ስነስርዓት ኣቀባብላ ኣጋይሽ ዝገብሮ ወጻኢታት ገንዘብ ብኸቢድ ተነቒፉ፡ ገሊኦም ግን እዚ ባህላዊ ወይ ልምዳዊ ስነስርዓት ከም 'ፖለቲካዊ ግጥም ኩዕሶ እግሪ' እዮ ዝምዝመዝ ዘሎ ይብሉ።
Mar 20, 2025•8 min
ንሎሚ ሓሙስ 20 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክግበር ጸዊዓ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ክህብ ዩ ተባሂሉ። ሚኒስትራት ጉዳያት ኢትዮጵያን ስዑድ ዓረብ ኣብ ክልቲኣዊን ዞባዊን ጉዳያትን ዘትዮም፡፡ ኣብ ትግራይ ካብቲ ሓዱሽ መለለዪ መንነት ወጻኢ ካልእ መለለዪ መንነት ክኽልከል ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ኣቦ መበር ጽላል ፖለቲካዊያን ሓይልታት ኤርትራ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ኣብ ኒውዚላንድን ኣውስትራሊያን ዑደት ኣብ ዝገበረሉ፡ ብዛዕባ ተሞክሮ ህይወቱን ህሉው ኩነታት ፖሎቲካን ኣብ ስቱድዮ ኤስ ቢ ኤስ መልበርን ኣካፊሉ ኣሎ። ንውላድኩም እቲ ብቑዕን ዝሰማማዕን ተሓጋጋዚ መምህር ከመይ ትመር...
Mar 20, 2025•52 min
ኣርእስታት ዜና፥ ካናዳ ካብ ኣውስትራሊያ 6.6 ቢልዮን ዶላር ዝዋግ ኡ ካብ ኣመሪካ ናይ መጠንቀቕታ ሓበሬታ ዘመሓላልፍ ራዳር ክትዕድግ ምዃና ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ኣፍሊጡ። እስራኤል ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 400 ፍልስጢኤማዊያን ኣብ ቓዛ ብምቕታል ስምምዕ ተዂሲ ደው ምባል ኣፍሪሳቶ። ሎሚ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ ሶኮሩ ኣንጻር ጋንታ ኢንዶነዥያ ትገብሮ ግጥም እንተሲዒራ ናብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ክትሓልፍ ዕድላ ከስፍሖ እዩ ።
Mar 20, 2025•11 min
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክግበር ጸዊዓ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ክህብ ዩ ተባሂሉ። ሚኒስትራት ጉዳያት ኢትዮጵያን ስዑድ ዓረብ ኣብ ክልቲኣዊን ዞባዊን ጉዳያትን ዘትዮም፡፡ ኣብ ትግራይ ካብቲ ሓዱሽ መለለዪ መንነት ወጻኢ ካልእ መለለዪ መንነት ክኽልከል ከም ዝኽእል ተገሊጹ።
Mar 19, 2025•5 min
Tutoring is a booming industry in Australia, with over 80,000 tutors nationwide. Migrant families often spend big on tutoring, seeing education as the key to success. However, choosing the right tutor is essential to ensure a positive experience and real benefits for your child. - ድሕሪ ስሩዕ ትምህርቲ ወይ ጎድኒ ጎድኑ ዝወሃብ ተወሳኺ ወይ ሓገዝ ትምህርቲ ወይ Tutoring ዓቢይን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎን ጽላት ኣብ ኣውስትራልያ'ዩ፡ ልዕሊ 80ሽሕ ኣብ'ዚ ዝተዋፈሩ ወይ ሓገዝቲ መምሃራን (tutors) ኣብ መላእ ሃገር ኣለዉ። ሓደስቲ መጻእቲ ስድራቤታት ብዙሕ ግዜ ኣብ'ዚ ብዙሕ ገንዘብ የፍስሱ። እንተኾነ ግን ብሓቂ ካብ'ዚ...
Mar 19, 2025•11 min
Against the backdrop of the Israel-Hamas war, incidents of Islamophobia in Australia have surged – whether verbal, physical or online. What's the lasting impact on victims, and what can be done? - ድሕሪ ኲናት እስራኤል-ሓማስ፣ ጽልኢ እስልምናን ኣስላምን ዘንቀዶም በደላትን ተግባራትን ብልዑል ናህሪ ቁጽሮም ወሲኹ - ናይ ቃላት ጸርፊ፣ ኣካላዊ ማህረምቲ ወይ ኦንላይን። ኣብ'ቶም ግዳያት ዝገድፎ በሰላ ግን እንታይ'ዩ፧ እንታይ ከ ክግበር ይከኣል፧
Mar 18, 2025•9 min
ንሎሚ 18 መጋቢት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት ዜና፡ ** ሰላም ኣብ ዩክረይን ካብዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሎሚ ዝቐረበ ከምዝኾነ ኣመሪካ ገሊጻ፡ ሎሚ ፕረሲደንት ትራምፕን ፑቲንን ብተለፎን ክዘራረቡ ኣብዝዳለዉሉ እዩ ነዚ ዝበሃል ዘሎ። ** ትረዠረር ጂም ቻለምስ እቲ ብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተወስደ ስጉምቲ ቀረጽ ኣብ ልዕሊ ሰደድ ኣውስትራሊያ ኣብ ቁጠባ ከቢድ ዕንወት ከውርድ ከምዝኽእል ኣሚቱ። ** ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ መጠን ቅትለት ናይ ፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ዝለዓለ ኮይኑ ተረኺቡ ፣ ዛጊት ኣብ 2025 ጥራይ 85 ሰባት ተቐቲሎም ።
Mar 18, 2025•6 min
ኣቦ መበር ጽላል ፖለቲካዊያን ሓይልታት ኤርትራ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ኣብ ኒውዚላንድን ኣውስትራሊያን ዑደት ኣብ ዝገበረሉ፡ ብዛዕባ ተሞክሮ ህይወቱን ህሉው ኩነታት ፖሎቲካን ኣብ ስቱድዮ ኤስ ቢ ኤስ መልበርን ኣካፊሉ ኣሎ።
Mar 18, 2025•31 min
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኣውስትራልያ ንፈለማ ግዜ ብዛዕባ ምሓዝ ጎዞሞ እገዳ ከቀላጥፍ ምሕጽንታ ቀሪቡ ። ሰበ-ስልጣን መሰዶኒያ ከም ዝገልጽዎ ፡ ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ኮካኒ [ኮሄ-ሹህ-ነዐ] ፡ ኣብ ሓደ ለይታዊ ትልሂት ብውሕዱ 59 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም ፡ ንሓያሎ ሰባት ኣሲሮም እዮም ። ናይ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ጋንታ ኒውካስል ድሕሪ 70 ዓመት ዋንጫ ዓቲራ።
Mar 17, 2025•11 min
ን ሎሚ 17 መጋቢት ጥሪ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብ ከተማ መልበርን ብ ባይቶ ጀበርቲ ኤርትራዊያን ኣውስትራሊያውያን ዝተዳለወ ናይ ኢፍጣር መደብ ብ 16 መጋቢት 2025 ተኻይዱ ነይሩ ብዛዕባቲ መደብ ኣቦ መንበር እቲ ባይቶ ኣቶ ሑሴን ዓብደልዋስዕ ዝሃቦ ርእይቶ ኣሎ ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ድሕሪ ወጥሪ ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳርን ኣብ ትግራይ ቅትለትን መውቃዕቲ ሰባትን ይፍጸም ከም ዘሎ ተገሊጹ። ኣብ ትግራይ ን300 ሽሕ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ምፍጣር ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ድሉዋት ከምዝኾኑ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሊጡ። ላዕለዎት ሰብ-መዚ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሚኒስተር ንግድን ስርሓት ኢጣሊያን ተራኺቦም፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንኤርትራን ሶማልያን ሓዊሱ ኣብ 41 ሃገራት እገዳ መገሻ ዘውጽእ ሰነድ ከምዘዳለወ ተገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ...
Mar 17, 2025•52 min
ኣብ ከተማ መልበርን ብ ባይቶ ጀበርቲ ኤርትራዊያን ኣውስትራሊያውያን ዝተዳለወ ናይ ኢፍጣር መደብ ብ 16 መጋቢት 2025 ተኻይዱ ነይሩ ብዛዕባቲ መደብ ኣቦ መንበር እቲ ባይቶ ኣቶ ሑሴን ዓብደልዋስዕ ዝሃቦ ርእይቶ ኣሎ ከነቕርቦ ኢና።
Mar 17, 2025•8 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (17/03/2025) * ሻምፒዮን ኣትሌታት ጽገ ዱጉማን ፍረወይኒ ሃይሉን ኣብ ሻምፒዮናታት ውሽጢ ኣዳራሽ ኣትለቲክስ ዓለም ናንጂንግ 25 ንኢትዮጵያ ወኪለን ካብ ዝሳተፋ ኣትሌታት ምዃነን ተፈሊጡ፡ * ኤርትራውያን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን ዝተሳተፍሉ ቅድድም ብሽግለታ ቲረኖ ኣድሪያቲኮ ሰንበት ተዛዚሙ፡ * ሊቨርፑል ካብ ግጥማት ሻምፒዮንስ ሊግ ጋንታታት ኤውሮጳ ድሕሪ ምግላፋ ብኒውካስትል ዩናይትድ ኣብ ዋንጫ ካራቦኣ ካፕ ተሳዒራ፡ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ኣመዝጊቡ፣ ናይ ፈለማ ጽዋዑ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዓቲሩ ነቶም ዋንጫ ክረኽቡ ልዕሊ 50 ዓመት ዝተጸበዩ ደገፍቱ ድማ ኣሐጒሱ፣ * ኣብ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኖቲንግሃም ፎረስት ተዓዊታ ናይ ሳልሳይ ተርታ ቦትኣ ክተደልድል’ንከላ 2ይቲ ዘላ ኣርሰናል ንቸልሲ ስዒራ ፍልልያ ምስ ሊቨርፑል...
Mar 16, 2025•13 min
ኣብ ትግራይ ን300 ሽሕ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ምፍጣር ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ድሉዋት ከምዝኾኑ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሊጡ። ላዕለዎት ሰብ-መዚ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሚኒስተር ንግድን ስርሓት ኢጣሊያን ተራኺቦም፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንኤርትራን ሶማልያን ሓዊሱ ኣብ 41 ሃገራት እገዳ መገሻ ዘውጽእ ሰነድ ከምዘዳለወ ተገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ወተሃደራዊ ልኡኽ ሩስያ "ስምምዕ ሓይሊ ባሕሪ" ከምዝፈረመ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጣ።
Mar 16, 2025•8 min
ኣርእስታት ዜና፥ ዶናልድ ትራምፕ ንናይ ኣውስትራሊያ ንዘቤታዊ ኢንዱስትሪ ሓጺን ንምድኻም ናይ ንግዲ ቀረጽ ይጥቀም ኣሎ ክብሉ ሰብ መዚ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣውስትራሊያ ገሊጾም ። ፕረዚደንት ፊሊፒንስ ነበር ሮድሪጎ ዱተርተ ፡ ብሰሉስ [11 / 03 /] ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ማኒላ ብሃንደበት ተታሒዙ ፡ ናብ ሄግ ተወሲዱ። ፖሊስ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ሲድኒ ካብ ዝርከብ መስጊድ ባንዴራ ብምስራቕ ተተሓሒዙ ንሓደ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮምዎ ኣለዉ ።
Mar 13, 2025•13 min
ንሎሚ ሓሙስ 13 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅድሚ ምጅማሩ ደው ክብል ክልተ ዓበይቲ ዲፕሎማሰኛታት ሓቲቶም። ኤርትራ ንመግለጺ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ነጺጋ። ፕረዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምሳደራት ዝተፈላለዩ ሃገራት ምዕራባውያን ዘትዮም ። ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ማእኸላይ መንግስቲ ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝቐረበ ጻውዒት ተቓዊሙ። ሰለስተ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ትግራይ ነቲ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ዝርከብ ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዝድግፉ ኣፍሊጦም። ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ብዙሕነት ቋንቋታት ቀዳሞት ህዝብታት ዝብል ኣርእስቲ ክቐርብ እዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና...
Mar 13, 2025•53 min
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅድሚ ምጅማሩ ደው ክብል ክልተ ዓበይቲ ዲፕሎማሰኛታት ሓቲቶም። ኤርትራ ንመግለጺ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ነጺጋ። ፕረዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምሳደራት ዝተፈላለዩ ሃገራት ምዕራባውያን ዘትዮም ። ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ማእኸላይ መንግስቲ ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝቐረበ ጻውዒት ተቓዊሙ። ሰለስተ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ትግራይ ነቲ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ዝርከብ ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዝድግፉ ኣፍሊጦም።
Mar 13, 2025•9 min
ሓደ ኣውስትራልያዊ ሰብኣይ ሰብ ሰርሖ ልቢ ተተኺልሉ ካብ ሆስፒታል ብምውጻእ ኣብ ዓለም ናይ መጀመርያ ሰብ ሰብ ዝሰርሖ ልቢ ዝተተኽለሉ ኮይኑ ኣሎ ። እቲ ሕሙም ፡ ኣብዚ ወርሒ ካብ ሓደ ለጋሲ ልቢ ቅድሚ ምርካቡ ፡ ንልዕሊ 100 መዓልቲ በታ መሳርሒት እዩ ክነብር ጸኒሑ ።
Mar 12, 2025•5 min
ንሎሚ 12 መጋቢት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት፡ ** ፕሬዝዳንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ምስ ሩሲያ ን30 መዓልታት ዝጸንሕ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል መደብ ከምዝቕበሎ ገሊጹ።... ** ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ብዝወሰድዎ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረዶም ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣፍሊጡ ... ** ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ጎኒ እቲ ድሮ ኣብ ሜዳ ኦልድ ትራፎርድ ዝርከብ ዝዓበየ ስታድዩም ኩዕሶ እግሪ ብሪጣንያ ክትሃንጽ መደብ ከም ዘለዋ ኣፍሊጣ ።
Mar 12, 2025•6 min
ናብ ኣውስትራሊያ ዝመጸ ዝኾነ ሓድሽ ሰብ ንናትኻ ቛንቛ ምዕቃብ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ክርዳእ ይኽእል ። ቛንቛ ምስ ባህልኻ ዝተኣሳሰረ እዩ ከምኡ "ውን ኣውስትራሊያውያን ድቀባት ዝጥቀምሉ ቛንቛታት ዝተፈልየ ኣይኮነን ፤ እዚ ምስ መሬትን ምስ ኣቦሓጎታታቶም ፍልጠት የራኽቦም ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ልዕሊ 100 ናይ ቀዳምት ህዝብታት ቋንቋታት ይዝረብ ኣሎ ። ገሊኡ ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ሰባት ጥራይ እዮም ዝዝረብዎ: መብዛሕትኦም ከኣ ንዘለኣለም ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ዘንጸላልዎም ኣለዉ ። ብዙሓት ግና ተሓዲሶም ኣለዉ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና ብዛዕባ ብዙሕነት ን ቛንቛታት ቀዳሞት ህዝብታት ኣውስትራሊያ ክንድህስስ ኢና ።
Mar 12, 2025•10 min
ንሎሚ 11 መጋቢት 2025 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ አርእስታት፡ ** ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ልዕሊ 800 ሰላማውያን ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም ፡ ኣውስትራሊያ ደገፍ ክትገብር ማሕበረሰብ ሶርያዊያን-ኣውስትራልያውያን ጸዊዑ። ** ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዘውጽ ኦ መግለጺ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ዓቃብ ሰላም ናብ ዩክረይን እንተሰዲዱ "ከቢድ ሳዕቤን" ክህሉ' ዩ "ክብል ኣጠንቂቑ ። ** ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንገለ "ዕግርግር" ኣብ ምፍጣር ኢድ ኣለዎም ዝበሎም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ኣጊዱ።
Mar 11, 2025•6 min
ን ሎሚ 10 መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ኣብ ርያድ ተመያዪጦም ። ኣብ ትግራይ ብኣዘዝቲ ግንባር ዝግበር ዘሎ ምንቕስቓስ ብኣግኡ ደው ክብል ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ሓቲቱ። ኣብ ትግራይ መስርሕ (DDR) ኣብዚ ሰሙን ዳግም ከምዝጅመር ሃገራዊ ኮምሽን ተሃድሶ ኣፍሊጡ ። ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝጸዓና ጃላቡ ተገልቢጠን ሃለዋት 180 ሰባት ጠፊኡ ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ብትሮፒካል ሳይክሎን ኣልፍረድ ድሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣስታት 350,000 ኣባይትን ንግድን ብዘይ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከም ዝሓደሩ ተፈሊጡ ። ኣብ ምዕራብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝተገብረ ምርጫ ሰልፊ ለበር ንሳ...
Mar 10, 2025•46 min
ኣርእስታት ዜና፥ ብትሮፒካል ሳይክሎን ኣልፍረድ ድሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣስታት 350,000 ኣባይትን ንግድን ብዘይ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከም ዝሓደሩ ተፈሊጡ ። ኣብ ምዕራብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝተገብረ ምርጫ ሰልፊ ለበር ንሳልሳይ ተኸታታሊ ብዓቢ ጸብለልታ ተዓዊቱ ። ኢራን ፡ ሩስያን ቻይናን ዓመታዊ ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኢራን እትርከብ ወደብ ቻባሃር ፡ ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ከካይዳ እየን ።
Mar 10, 2025•12 min
ሰሙናዊ መደብ ኤስቢኤስ ትግርኛ (10032025) * ማራቶን ናጎያ ሰንበት ተኻይዱ ኬንያውያን ኣትሌታት ብዓብላሊ ተዓዊቶም፡ * ቅድድም ብሽግለታ ፓሪስ-ኒስ ሰንበት ተጀሚሩ፡ ኣብ ቅድድም ስትራደ ቢያንከ ድማ ናትናኤል ተስፋጽዮን ተሳቲፉ፣ * ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ቀዳመ ሰንበት መበል 28 ዙርያ ግጥማቱ ኣካይዱ ኣርሰናል ንሳልሳይ ተኸታታሊ ግዚኣ ሰንከልከል ብምባል ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ማዕረ ክትወጽእ'ንከላ ብገፊሕ ነጥብታት ፍልልይ ኣብ ዝለዓለ ተርታ ትርከብ ሊቨርፑል ድማ ብቐሊሉ ተዓዊታ ሻምፒዮን ክተከውን እናቐረበት ትመጽእ ኣላ፣
Mar 09, 2025•10 min
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ኣብ ርያድ ተመያዪጦም ። ኣብ ትግራይ ብኣዘዝቲ ግንባር ዝግበር ዘሎ ምንቕስቓስ ብኣግኡ ደው ክብል ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ሓቲቱ። ኣብ ትግራይ መስርሕ (DDR) ኣብዚ ሰሙን ዳግም ከምዝጅመር ሃገራዊ ኮምሽን ተሃድሶ ኣፍሊጡ ። ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝጸዓና ጃላቡ ተገልቢጠን ሃለዋት 180 ሰባት ጠፊኡ ።
Mar 09, 2025•6 min
ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ዝተኸስተ ባህርያዊ ሓደጋ ብርቱዕ ህቦቡላን ዝናብን ሳይክሎን ኣልፍረድ ኣብ ኲንስላንድን ሰሜን ኒውሳውዝወልስን ኣብ ንብረትን ገዛውትን ዕንወት ኣውሪዱ፡ ብ ኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ኣባይቲ ብዘይ ኤለክትሪክን መስመር ኢንተርነትን ተሪፉ ይርከብ። ኣብ ብርስቤን ዝነብሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ኤርትራዊያን ኲንስላንድ ኣብ ወለንታዊ ስራሕ ብምውፋር ንማሕበረሰብ እቲ ግዝኣት ካብዚ ዝወረደ ሓደጋ ኣብ ምሕጋዝ ተዋፊሮም ይሰርሑ ኣለዉ። ነዚ ብዝምልከት ኣቦ ወምበር ማሕበረሰብ ኤርትራዊያን ኲንስላንድ ዝኾነ ኢንጂኔር ዘርኡ በዂረጽዮን ኣዘራሪብናዮ ዝሃበና መብርሂ ኣብዚ ቐሪቡ ኣሎ።
Mar 09, 2025•12 min
ንሎሚ ሓሙስ 06 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ዕዉት መጥባሕቲ ዓይኒ ኣብ ሆስፒታል ናቕፋ ከም ዝተኻየደ ተገሊጹ። ትካል መዕቆብን መድሕንን ጉዱኣት ኣካል ኵናት ትግራይ 54 በዓል 3 እግሪ ናይ ኤለክትሪክ ሞተራት ንሓርበኛታት ጉድኣት ኲናት ተጋደልቲ ብሓገዝ ኣበርኪቱ። ወከልቲ ሰራዊት ትግራይ ናብ ቤት ምኽሪ ክኣትው ጊዚያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ዳግማይ ፀዊዑ። ኣብ ክልል ኣምሓራ - ንሰደድ ሰሊጥ ዝጸዓና መካይን ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ህይወት ሰባት ጠፊኡ ግዳይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝኾነ ፋብሪካ ሽኮር ከሰም ትካሉ ይዓጹ፡ ኣሽሓት ሰራሕተኛታት የፋኑ ከምዘሎ ተገሊጹ። ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ኣብ ኣፍ ሞት ዝጸንሑ ስደተኛታት ረዳኢት መርከብ ረኺቦም። ኣውስትራሊያዊያን ኣብዚ ዓመት ናይ ፈደራል ወከልቶም ...
Mar 06, 2025•50 min
ኣርእስታት ዜና፥ ትሮፒካል ሳይክሎን ኣልፍረድ ዓርቢ ናብ መሬት ክበጽሕ ትጽቢት ከምዝግበር ቢሮ ሜትሮሎጂ ኣፍሊጡ ። ፕሬዝዳንት ፈረንሳይ እታ ኣህጉር ካብ ናይ ሩስያ ስግኣት ንምክልኻል ፈረንሳይ ኒኩሌራዊ መከላኸሊ ክትጥቀም ዝብል ሓሳብ ምስ መሻርኽቲ ሃገራት ኣውሮፓ ከምዝዘራረብ ገሊጹ ። ናይ ኣውስትራሊያ ግኑን ተጻዋቲ ክሪኬት ስቲቭ ስሚዝ ምጽዋት ደው ከምዘበለ ኣፍሊጡ።
Mar 06, 2025•14 min
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ዕዉት መጥባሕቲ ዓይኒ ኣብ ሆስፒታል ናቕፋ ከም ዝተኻየደ ተገሊጹ። ትካል መዕቆብን መድሕንን ጉዱኣት ኣካል ኵናት ትግራይ 54 በዓል 3 እግሪ ናይ ኤለክትሪክ ሞተራት ንሓርበኛታት ጉድኣት ኲናት ተጋደልቲ ብሓገዝ ኣበርኪቱ። ወከልቲ ሰራዊት ትግራይ ናብ ቤት ምኽሪ ክኣትው ጊዚያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ዳግማይ ፀዊዑ። ኣብ ክልል ኣምሓራ - ንሰደድ ሰሊጥ ዝጸዓና መካይን ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ህይወት ሰባት ጠፊኡ ግዳይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝኾነ ፋብሪካ ሽኮር ከሰም ትካሉ ይዓጹ፡ ኣሽሓት ሰራሕተኛታት የፋኑ ከምዘሎ ተገሊጹ።
Mar 06, 2025•9 min