ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 መጋቢት 2025) - podcast episode cover

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 መጋቢት 2025)

Mar 17, 202552 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ን ሎሚ 17 መጋቢት ጥሪ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብ ከተማ መልበርን ብ ባይቶ ጀበርቲ ኤርትራዊያን ኣውስትራሊያውያን ዝተዳለወ ናይ ኢፍጣር መደብ ብ 16 መጋቢት 2025 ተኻይዱ ነይሩ ብዛዕባቲ መደብ ኣቦ መንበር እቲ ባይቶ ኣቶ ሑሴን ዓብደልዋስዕ ዝሃቦ ርእይቶ ኣሎ ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ድሕሪ ወጥሪ ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳርን ኣብ ትግራይ ቅትለትን መውቃዕቲ ሰባትን ይፍጸም ከም ዘሎ ተገሊጹ። ኣብ ትግራይ ን300 ሽሕ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ምፍጣር ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ድሉዋት ከምዝኾኑ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሊጡ። ላዕለዎት ሰብ-መዚ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሚኒስተር ንግድን ስርሓት ኢጣሊያን ተራኺቦም፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንኤርትራን ሶማልያን ሓዊሱ ኣብ 41 ሃገራት እገዳ መገሻ ዘውጽእ ሰነድ ከምዘዳለወ ተገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ወተሃደራዊ ልኡኽ ሩስያ "ስምምዕ ሓይሊ ባሕሪ" ከምዝፈረመ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጣ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኣውስትራልያ ንፈለማ ግዜ ብዛዕባ ምሓዝ ጎዞሞ [ማህ-ሸቲ] እገዳ ከቀላጥፍ ምሕጽንታ ቀሪቡ ። ሰበ-ስልጣን መሰዶኒያ ከም ዝገልጽዎ ፡ ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ኮካኒ [ኮሄ-ሹህ-ነዐ] ፡ ኣብ ሓደ ለይታዊ ትልሂት ብውሕዱ 59 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም ፡ ንሓያሎ ሰባት ኣሲሮም እዮም ። ናይ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ጋንታ ኒውካስል ድሕሪ 70 ዓመት ዋንጫ ዓቲራ።
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android