ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 መጋቢት 2025) - podcast episode cover

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 መጋቢት 2025)

Mar 20, 202552 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ንሎሚ ሓሙስ 20 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክግበር ጸዊዓ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ክህብ ዩ ተባሂሉ። ሚኒስትራት ጉዳያት ኢትዮጵያን ስዑድ ዓረብ ኣብ ክልቲኣዊን ዞባዊን ጉዳያትን ዘትዮም፡፡ ኣብ ትግራይ ካብቲ ሓዱሽ መለለዪ መንነት ወጻኢ ካልእ መለለዪ መንነት ክኽልከል ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ኣቦ መበር ጽላል ፖለቲካዊያን ሓይልታት ኤርትራ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ኣብ ኒውዚላንድን ኣውስትራሊያን ዑደት ኣብ ዝገበረሉ፡ ብዛዕባ ተሞክሮ ህይወቱን ህሉው ኩነታት ፖሎቲካን ኣብ ስቱድዮ ኤስ ቢ ኤስ መልበርን ኣካፊሉ ኣሎ። ንውላድኩም እቲ ብቑዕን ዝሰማማዕን ተሓጋጋዚ መምህር ከመይ ትመርጹ፡ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ካናዳ ካብ ኣውስትራሊያ 6.6 ቢልዮን ዶላር ዝዋግ ኡ ካብ ኣመሪካ ናይ መጠንቀቕታ ሓበሬታ ዘመሓላልፍ ራዳር ክትዕድግ ምዃና ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ኣፍሊጡ። እስራኤል ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 400 ፍልስጢኤማዊያን ኣብ ቓዛ ብምቕታል ስምምዕ ተዂሲ ደው ምባል ኣፍሪሳቶ። ሎሚ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ ሶኮሩ ኣንጻር ጋንታ ኢንዶነዥያ ትገብሮ ግጥም እንተሲዒራ ናብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ክትሓልፍ ዕድላ ከስፍሖ እዩ ።
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android