ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 መጋቢት 2025) - podcast episode cover

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 መጋቢት 2025)

Mar 10, 202546 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ን ሎሚ 10 መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ኣብ ርያድ ተመያዪጦም ። ኣብ ትግራይ ብኣዘዝቲ ግንባር ዝግበር ዘሎ ምንቕስቓስ ብኣግኡ ደው ክብል ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ሓቲቱ። ኣብ ትግራይ መስርሕ (DDR) ኣብዚ ሰሙን ዳግም ከምዝጅመር ሃገራዊ ኮምሽን ተሃድሶ ኣፍሊጡ ። ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝጸዓና ጃላቡ ተገልቢጠን ሃለዋት 180 ሰባት ጠፊኡ ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ብትሮፒካል ሳይክሎን ኣልፍረድ ድሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣስታት 350,000 ኣባይትን ንግድን ብዘይ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከም ዝሓደሩ ተፈሊጡ ። ኣብ ምዕራብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝተገብረ ምርጫ ሰልፊ ለበር ንሳልሳይ ተኸታታሊ ብዓቢ ጸብለልታ ተዓዊቱ ። ኢራን ፡ ሩስያን ቻይናን ዓመታዊ ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኢራን እትርከብ ወደብ ቻባሃር ፡ ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ከካይዳ እየን ።
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android