ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ (23/12/2024) * ኢትዮጵያ ኣንጻር ሱዳን ዘለዋ መጻረዪ ግጥም ንሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ኣብ ሊብያ ክኾነላ ሓቲታ፣ * ኣብ ግጥማት ዋንጫ ካራባኦ (ካራባኦ ካፕ) ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዝሓለፋ ጋንታት መጋጥምተን ፈሊጠን፣ ሊቨርፑል VS ቶተንሃም፣ ኣርሰናል VS ኒውካትስል ዩናይትድ፣ * ናይጀርያዊ ኣዴሞላ ሉክማንን ዛምብያዊት ባርባራ ባንዳን ብሉጻት ተጻወቲ ኣፍሪቃ ናይ'ዚ ዓመት ተሰይሞም፣ * ኣርጀንቲና ኣብ ተርታ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ፊፋ ቀዳመይቲ ኮይና ን2024 ወዲኣታ፣ ኢትዮጵያ መበል 146፣ ኤርትራ ኣይተሰርዐትን፣ *
Dec 23, 2024•11 min
* ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ ኣሜሪካ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንት ኮይኑ ኣብ ዝምረቐሉ ክትወጽእ ትሓስብ፣ ጳጳስ ፍራንሲስ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ኮኒኖም፣ * ጸብጻባት ልኡኽና፣ ኣውስትራልያ ኤምባሲኣ ኣብ ዩክረይን ደጊማ ክትከፍቶ ምዃና ኣፍሊጣ፣ ሩስያ ንሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣብ ሞስኮ ዝቐተለት ቦምብ ከምዘንቶጋ ዝኣመነ ወዲ ኡዝበኪስታን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወት ገሊጻ፣ መንገዲ ኣየር ኳንታስ፣ ብዘይሕጊ ካብ ስራሕ ንዝሰጎጎም ሰራሕተኛታት 120 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ድሕሪ ምስምምዑ ካብ ተሓታትነት ከምልጥ ከምዘይክእል ተነጊሩ፣ * ቃለመሕትት (2ይ ክፋል) ምስ ብርሃን እስማዒል ጃብር፣ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት መንግስቲ ግዝኣት ቪክቶርያ ነቶም ብዙሓት ካብ ኣባላት ማሕበረሰብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ካልኦትን ዝነብሩሎም ኣብ 1960ታት ዝተ...
Dec 23, 2024•57 min
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (23 ታሕሳስ 2024) * ሊቃነ ጳጵሳት ፍራንሲስ ንመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ኣብ ቓዛ ኮኒኖም፣ * ኣብ ሲድኒ ኣድማ ሰራሕተኛታት መጓዓዝያ ብምቕጻሉ ሕጽረት 200 ዝኾኑ መራሕቲ ኣውቶቡስ፣ ትራምን ባቡርን ከጋጥም ይኽእል፣ * ኣብ መዓልቲ ምምራቕ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ካብ ኣባልነት ውድብ ጥዕና ዓለም ክትወጽእ ትሓስብ፣
Dec 23, 2024•10 min
ንሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት: * ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢትዮጵያ ዘልዓለቶ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ቅኑዕን ዝድገፍን ምዃኑ ኣመልኪቱ፣ ውዕል ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ክትግበርን ፍትሕን ተሓታትነትን ክነግስን መንግስቱ ሓቲቱ፣ * ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፍወርቂ፡ ንፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣዘራሪቡ፣ * ቻይናዊ ኩባኒያ "SBM" ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ኢንዱስትሪ ዕደና ተጸንቢሩ፣ * ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዘሳለጦ ኣኼባ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ውሳነታት ኣሕሊፉ፣
Dec 23, 2024•9 min
'Climate whiplash' ነዚ ንዓለምና ኣብ 2024 ዘጋጠማ በብግዚኡ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምድግጋምን ጻዕቅን ክቱራት ዝኾኑ ኣንጻራዊ ክስተታት ኩነታት ኣየር ንምግላጽ ዘገልግል ዘሎ ሓረግ`ዩ። ተመራመርቲ, ማእከላይ ገምጋም ዓለማዊ መጠን ሙቐት ኣብ መላእ`ዚ ዓመት ንግዚኡ ብ1.5 ዲግሪ ሰነቲግረይድ ልዕሊ`ቶም ቅድመ-ኢንዱስትርያዊ መጠናት ክሓልፍ ኣብ መስመር ይርከብ፣ እቲ ቀንዲ ደፋኢ ናይ`ዚ ኸኣ ወዲሰብ ዘጋደዶ ለውጢ ክሊማ`ዩ ይብሉ።
Dec 22, 2024•14 min
ዕለታዊ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (20 ታሕሳስ 2024) * ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኢድ ኔርዎም ዝተባህሉ ወተሃደራዊ ኣባላትን ሰበስልጣንን ካብ ናይ ስልጣን ሓላፍነታት ክኣልይዎም ኣምባሳደር ኣሜሪካ ጸዊዓ፣ * ልዑል ዝኾነ ወሰኽ ኣብ ዓሌትነትን ኣድልዎን፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣውስትራልያውያን ዩኒቨርሲቲታት፣ ከምዘሎ ሓደ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ፣ * ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ኣብ ቫኑዋቱ ብዘጋጠመ ኣዕናዊ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ዝተረፈ ዑናታት ንዝደሓኑ ሰባት ንምርካብ ዝገብርዎ ፈተነታት ይቕጽሉ፣ * ፌደራል መንግስቲ ኣውስትራልያ ካብ ትሑት ክሳብ ማእከላይ እቶት ዘለዎምን ናብ ኤሌክትሪክ መኪና ክሰጋገሩ ዝደልዩን ቅድመ ግንባር ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ዝሕግዝ ሓድሽ መደብ ኣውጺኡ፡
Dec 19, 2024•7 min
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (9 ጥሪ 2024) * ገለ ካብ ናይ ሎሚ ጸብጻባት ዜና - ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ሓያለ ኣምባሳደራት ወጻኢ ተዘራሪቡ፣ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝርከባ 451 ኣብያተ ትምህርቲ 8ይ ክፍሊ ቀዳማይ ዙር ፈተና ክህባ ጀሚረን፣ ብዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት መድረኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ የሳልጥ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ማያት ባሕሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምሕላው ዘዋፈሮ ሓይሊ ባሕሪ ንተወሳኺ 2 ዓመታት ከምዘናውሖ ኣፍሊጡ፣ * ኣውስትራልያ ንወሰኽ ቁጽሪ ጸረ-ሴማዊ መጥቃዕታት ምላሽ ኣብ ትህበሉ ዘላ እዋን፣ ጽልኢ እስላም ዘበገሶም ተግባራት'ውን ሰማይ ከይዶም ኣለዉ። ገለ ደቀንስትዮ ካብ ገዝአን ክወጻ ንፈርሕ ኣለና ይብላ፣ ንድሕነት ህጻናት ኣብ ቤት ትምህርታት'ውን ፍርሒ ፈጢሩ ይርከብ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ * ቃለመሕትት - ...
Dec 19, 2024•48 min
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (19 ታሕሳስ 2024) * ኣውስትራልያ ኤምባሲኣ ኣብ ዩክረይን ደጊማ ክትከፍቶ ምዃና ኣፍሊጣ፣ * ሩስያ ንሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣብ ሞስኮ ዝቐተለት ቦምብ ከምዘንቶጋ ዝኣመነ ወዲ ኡዝበኪስታን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወት ገሊጻ፣ * መንገዲ ኣየር ኳንታስ፣ ብዘይሕጊ ካብ ስራሕ ንዝሰጎጎም ሰራሕተኛታት 120 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ድሕሪ ምስምምዑ ካብ ተሓታትነት ከምልጥ ከምዘይክእል ተነጊሩ፣
Dec 19, 2024•10 min
ጸብጻባት ዜና (19/12/2024) * ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ሓያለ ኣምባሳደራት ወጻኢ ተዘራሪቡ፣ * ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝርከባ 451 ኣብያተ ትምህርቲ 8ይ ክፍሊ ቀዳማይ ዙር ፈተና ተጀሚሩ፣ * ብዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት መድረኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ የሳልጥ ኣሎ፣ * ሕብረት ኤውሮጳ፡ ማያት ባሕሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምሕላው ዘዋፈሮ ሓይሊ ባሕሪ ንተወሳኺ ክልተ ዓመታት ከምዘናውሖ ኣፍሊጡ፣ * ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ወረዳ ቡግና ዝተኸሰተ ደርቅን ሕጽረት መግብን ህጻናት ሓዊሱ ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት ከም ዝተጐድኡ ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣፍሊጡ፣
Dec 18, 2024•5 min
ክቡራት ሰማዕትና ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት መንግስቲ ግዝኣት ቪክቶርያ ነቶም ብዙሓት ካብ ኣባላት ማሕበረሰብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ካልኦትን ዝነብሩሎም ኣብ 1960ታት ዝተሃንጹ ህዝባውያን ወይ መንግስታውያን ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት ከፍርሶም መደብ ሒዙ ክሰርሓሉ ጸነሑ'ዩ። ዝበዝሑ እቶም ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት ዕድሚኦም ወይ ድልዱላት ኮይኖም ዝጸንሕሉ ዕድመ 50 ዓመት ስለዝሓለፈ፣ ንመጸገኒኦም ጥራይ ኣብ ዝመጹ 20 ዓመታት ልዕሊ 2.3 ቢልዮን ዶላር ከምዘድሊ፣ ዘመናዊ ኮዳት ህንጻታት፡ ብሃገር ደረጃ ዝስርሓሎም መለክዒታት መጠን ሃልኪ ጸዓት ድሕሪ ደጊም ኣየማልኡን፣ ንዝበዝሑ ነበርቲ ብቐሊሉ ክኣትዉሎምን ክወጹሎም ዝኽእሉ ምቾት ኣይፈጥሩን ወዘተ ዝብሉ ምኽንያታት መንግስቲ የቕርብ። እቲ እንኮ ቅቡል ወይ ዘላቒ መፍትሒ ኣፍሪስካ ምህናጾም'ዩ ክብል ከኣ ጸኒዑ'ሎ። ነበርቲን ተጣበቕትን ና...
Dec 17, 2024•22 min
If you are homeless or at risk of becoming homeless it can be difficult knowing who to ask for a safe place to go. You don’t have to feel isolated, and there is no shame in asking for help. There are services that can point you to crisis accommodation and support, wherever you are. - ግዳም ሓደር እንተኾይንኩም ወይ ከምኡ ከጋጥመኩን ኣብ ሓደጋ እንተሃሊይኹም ናብ ሓደ ደሓን ዝኾነ ቦታ ክትከዱ ንመን ትሓቱ ምፍላጥ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ዝተገለልኩም ኮይኑ ክስመዓኩም የብሉን፡ ሓገዝ ምሕታት ከኣ ዘሕፍር የብሉን። ኣብ ኣውስትራልያ ኣገልግሎታት ደገፍ ንዓኹም ኣብ ግዜ ቅልውላው ወይ ጸገም መጽለሊ ክትረኽቡ ዝሕግዝኹም ኣለ...
Dec 17, 2024•13 min
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ * ካብ ዝኾነ ካልእ ዓለም ንላዕሊ (ብመንጽር ካፒታ) ቓዛ ዝበዝሑ ኣካሎም ዝተቆርጹ ህጻናት ኣለውዋ (ወኪል ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጢማውያን ስደተኛታት )፡ * ሓደ ተመሃራይን ሓደ መምህርን ኣብ ግዝኣት ዊስኮንሲን ድሕሪ ዝተፈጸመ ተኹሲ ካብ'ቶም ሰለስተ ዝተቐትሉ ኮይኖም፣ * ክኢላታት ኩነታት ኣየር ማዕበል ሙቐት ኣብ ዝመጹ መዓልታት ዓቢይ ክፋል ምብራቓዊ ኣውስትራልያ ክሽፍን ምዃኑ የጠንቅቑ፣ * ግዝኣታውያን መንግስታት ኣውስትራልያ ኣብ ኣፍደገ ሃይማኖታዊ ትካላትን ቤተ ጸሎትን ዝካየዱ ተቓውሞታት ንምቁጽጻር ምትዕርራይ ሕጊ ክገብራ ይሓስባ
Dec 17, 2024•7 min
As Australia responds to an increase in anti-Semitic attacks, reports of Islamophobia have skyrocketed too. Some women say they're afraid to leave home, and there are fears for the safety of children in school. - ኣውስትራልያ ንምውሳኽ ጸረ-ሴማዊ መጥቃዕታት ምላሽ ኣብ ትህበሉ ዘላ እዋን፣ ፍጻመታት/ተግባራት ጽልኢ እስላም'ውን ሰማይ ከይዶም ኣለዉ። ገለ ደቀንስትዮ ካብ ገዝአን ክወጻ ንፈርሕ ኣለና ይብላ፣ ንድሕነት ህጻናት ኣብ ቤት ትምህርታት'ውን ፍርሒ ተፈጢሮም ኣለዉ።
Dec 16, 2024•10 min
ቀጥታ ፈነወ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስቢኤስ ትግርኛ (16 ሕዳር 2024) * ጸብጻብ ዜናታት - ዞባዊን ዓለማውን * ጸረ ሴማውነት (Antisemitism) ሓድሽ እንተዘይኮነ’ኳ ክኢላታት ኣብ'ዚ እዋን ንርእዮም ዘለና ጸረ-ኣይሁድውያን ተግባራትን መጥቃዕታትን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣውስትራልያ ኣጋጢሞም ኣይፈልጡን ይብሉ። ስለ'ዚ እንታይ ደኣ'ዩ ተቐይሩ፧ * ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣውስትራሊያ ዝሓለፈ ወርሒ ዓሌታዊ ኣድልዎ ንምጥፋእ ዝዓለመ፡ ሃገራዊ መርሓ ጸረ ዓሌትነት ኣውጺኡ ነይሩ። እዚ ብኹሉ መዳይ ኣብ ኩሉ ጽላት ሕብረተሰብን ደረጃታት መንግስቲን ንዓሌታዊ ኣድልዋ ንምጥፋእ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ስጉምቲ ከምዝኾነ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። እዚ ናይ ፈለማ ሃገራዊ መርሓ ምስ’ንኽተል ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣብ ኣውስትራሊያ ከንጥፍኦ ንኽእል ኢና ብምባል ተመራመርቲ ኣብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ዝኾኑ ፕሮፌሰር ፈትሒ ማንሱሪ...
Dec 16, 2024•52 min
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (16 ሕዳር 2024) * ሰብመዚ ኣውስትራልያ ሎሚ ሶኑይ (16 ታሕሳስ 2024) ኣብ ሰፊሕ ክፋል’ዛ ሃገር ጽዑቕ ማዕበል ሙቐት ዝሓዘ ኩነታት ክህሉ ትጽቢት ብምግባር ኣብ ምሽብሻብ ይርከቡ፣ * ሓድሽ ምምሕዳር ሶማሊላንድ በቲ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣንካራ፣ ቱርኪየ፣ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ከምዘይስከፍ ገሊጹ፣
Dec 16, 2024•12 min
ጸብጻባት ዜና (16 ታሕሳስ2024) * ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፍወርቂ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ኣብ ዓሰብ ርክብ ኣካይዱ፣ * ሃፍቲ ትግራይ ብምጉሓልን ብምብራስን ትግራይ ንምድኻም ዝግበር ዘሎ ምንቅስቃስ ደው ክብል ሰለስተ ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ፀዊዐን፣ * ማሕበር ተጋሩ ኣውሮፓ ሓቛፋይን ምእኹልን ቤት ምኽሪ ትግራይ ክስየም ሓቲቱ፣ * ወኪል ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ምጥራዝ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ካብ ኢትዮጵያ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ፣ * ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ዑደት ክገብር’ዩ፣ * መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን 425 ሽሕ ዶላር ንኽቕፃዕ ተወሲኑ፣ * ግብፂ ብጉዳይ ህዳሰ ግድብ ዘለዋ ውጥጥ ኣብ ዘበነ ስልጣን ዶናልድ ትራምፕ ፍታሕ ክትረኽበሉ ቅድመ ምድላዋ ትውግን ከምዘላ ተገሊፁ፣
Dec 15, 2024•10 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (16/12/2024) * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ናሆም ዘርኣይ ምስ ሓንቲ ጃፓናዊት ጋንታ ከምዝተጸንበረ ተፈሊጡ፣ * ንኣዋርሕ ዝኣክል ንብዙሓት ሰንፈላል ገይሩ ዝጸንሐ ዜና ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም 2034 ፊፋ ስዑዲ ዓረብ ከተአንግድ ምዃና ድሕሪ ምግላጹ መዕለቢ ረኺቡ፣ * ኣብ ማራቶን ሆኖሉሉ ዝተዓወተ ኤርትራዊ የማነ ሃብተስላሰ ወረቐቱ ተወዲእሉ ንኣሜሪካ ክወዳደር ሕልሙ ምዃኑ ገሊጹ፣ * ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ተኣምራዊ ብቕዓቱን ሽቶታት ምምዝጋቡን ይቕጽል፣ * ኣብ ቅልውላው ተሸሚማ ዘላ ሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ማንቸስተር ደርቢ ተሳዒራ፣
Dec 15, 2024•11 min
ንሎሚ ሓሙስ 12 ታሕሳስ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣውስትራሊያ ዝሓለፈ ወርሒ ዓሌታዊ ኣድልዋ ንምጥፋእ ዝዓለመ፡ ሃገራዊ መርሓ ጸረ ዓሌትነት ኣውጺኡ ነይሩ። እዚ ብኹሉ መዳይ ንዓሌታዊ ኣድልዋ ንምጥፋእ ኣብ ኩሉ ጽላት ሕብረተሰብን ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት መንግስቲ ኣድልዎ ብዓሌት ንምጥፋእ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ስጉምቲ ንምጥፋእ ዓሌታዊ ኣድልዎ ከምዝኾነ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ነዚ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣድልዎ ብዓሌት ኣብ ኣውስትራሊያ ከንጥፍኦ ንኽእልዶ? በቲ ወጺኡ ዘሎ ናይ ፈለማ ሃገራዊ መደብ ይከኣል እዩ። ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ተመራመርቲ ዝኾኑ ፕሮፌሰር Fethi Mansouri ከምኡውን ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ ኣብ ዘ ኮንቨርዘሽን ብ 28 ሕዳር 2024 ጽሒፎም ኣለዉ። ነዚ ጽሑፍ መሰረት ጌርና ብዛዕባ እዚ መደብ ካ...
Dec 12, 2024•52 min
ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ምዃኑ ዝተነግረሉ ፋብሪካ ቴራናይት ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ተተኺሉ ፍርያት ምሃብ ምጅማሩ ተገሊጹ። ወግዓዊ ጽንብል ምሻም መበል 6ይ ፓትሪያሪክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ንዕለት 26 ጥሪ 2025 ክፍጸም ምዃኑ ተገሊጹ፡ ክልተ ናይ ስነ-ቀመም ኤርትራዉያን ኢንጅነራት፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ቶታል ኤነርጂ ዘካየዶ ናይ ምህዞን ሰንዓን ዉድድር ዕዉታት ኮይነን፡ መራሕቲ ሶማልን ኢትዮጵያን ብመገዲ ቱርኪ ስሉሳዊ ዘተ ንምክያድ ናብ ከተማ ኣንካራ ኣምሪሖም። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣስታት 30 ሲቪላት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ ኣብ መንጎ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድን ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ሶማልን ግጭት ኣጋጢሙ።
Dec 11, 2024•8 min
Antisemitism is nothing new. But experts say the kinds of anti-Jewish incidents and attacks we're seeing now have never happened before in Australia. - ጸረ ሴማውነት (Antisemitism) ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ክኢላታት፡ ዓይነት'ቶም ኣብ'ዚ እዋን ንርእዮም ዘለና ጸረ-ኣይሁድውያን ዝኾኑ ተግባራትን መጥቃዕታትን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣውስትራልያ ፈጺሞም ኣጋጢሞም ኣይፈልጡን'ዮም ይብሉ።
Dec 11, 2024•9 min
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣውስትራሊያ ዝሓለፈ ወርሒ ዓሌታዊ ኣድልዋ ንምጥፋእ ዝዓለመ፡ ሃገራዊ መርሓ ጸረ ዓሌትነት ኣውጺኡ ነይሩ። እዚ ብኹሉ መዳይ ንዓሌታዊ ኣድልዋ ንምጥፋእ ኣብ ኩሉ ጽላት ሕብረተሰብን ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት መንግስቲ ኣድልዎ ብዓሌት ንምጥፋእ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ስጉምቲ ንምጥፋእ ዓሌታዊ ኣድልዎ ከምዝኾነ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ነዚ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣድልዎ ብዓሌት ኣብ ኣውስትራሊያ ከንጥፍኦ ንኽእልዶ? በቲ ወጺኡ ዘሎ ናይ ፈለማ ሃገራዊ መደብ ይከኣል እዩ። ብእንግልዝኛ Can we end racism in Australia? Yes, according to the first-ever national plan ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ተመራመርቲ ዝኾኑ ፕሮፌሰር Fethi Mansouri ከም ኡውን ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ ኣብ ዘ ኮንቨርዘሽን ብ 28 ሕዳር 2024 ጽሒፎም ...
Dec 10, 2024•24 min
ኣርእስታት ዜና፡ አቡነ ባስልዮስ 6ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኰይኖም ተመሪጾም። ኣይሁዳውያን ናብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ጸረ- ሴማዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከም ዝኽእል ዝገልጽ ናይ ጕዕዞ መጠንቀቕታ ከም ዘውጽአ ተሓቢሩ ። ቱርኪ ነቶም ሒዛቶም ዘላ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሶርያውያን ስደተኛታት ውሑስን ወለንታውን ምምላስ ዶባ ኸፊታ።
Dec 09, 2024•6 min
ን ሎሚ 9 ታሕሳስ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሎሚ ኣብ ዝኽበር ዓለምለኸ መዓልቲ ጆኖሳይድ ፣ህልቂት ትግራይ ኣብ ቤት ምኽሪ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝዝከር ተገሊጹ። ሕጹይ ተወዳዳሪ ኣቦወምበርነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኬንያዊ ራይላ ኦዲንጋ፡ ደገፍ ንምርካብን ንምምኽካርን ኣስመራ በጺሑ፡ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ዝተሰምዐ ተኹሲ ብዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ። ሶማልያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጣልቃ ምትእትታው ይገብር ኣሎ ክትብል ከሲሳ። ብዛዕባዚ ኤርትራን ግብጽን ዝርርብ ከም ዘካየዳ ውን ተሰሚዑ ኣሎ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ሚ/ሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ፡ ውድቀት ባሻር ኣል-ኣሳድ ፡ ነቶም ብሰንኪ ውግእ ሓድሕድ ካብ መነባብርኦም እተመዛበሉ ሚልዮናት ስደተ...
Dec 09, 2024•58 min
ፕረዚደንት ሶርያ ባሻር ኣል-ኣሳድ ፡ ብሰንበት ካብ ደማስቆ ካብ ዝሃደመሉ እዋን ኣትሒዙ ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኰነ ክንዮ ሶርያ ኣብ መወዳእታ እቲ ጨቋኒ ግዝኣት ብምብቃዑ ፡ ሶርያውያን ብሓጎስ ይጽምብሉ ኣለዉ። ኣብ መላእ እታ ሃገር ፡ ሰባት ንሓወልትታት ሃፈዝ ኣል-ኣሳድ ፡ ኣቦ ባሻር ኣል-ኣሳድ ፡ ከምኡውን መስራቲ እቲ ዝወረሶ ስርዓት መንግስቲ ኣፍሪሶምዎ ኣለዉ ።
Dec 09, 2024•9 min
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሎሚ ኣብ ዝኽበር ዓለምለኸ መዓልቲ ጆኖሳይድ ፣ህልቂት ትግራይ ኣብ ቤት ምኽሪ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝዝከር ተገሊጹ። ሕጹይ ተወዳዳሪ ኣቦወምበርነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኬንያዊ ራይላ ኦዲንጋ፡ ደገፍ ንምርካብን ንምምኽካርን ኣስመራ በጺሑ፡ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ዝተሰምዐ ተኹሲ ብዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ። ሶማልያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጣልቃ ምትእትታው ይገብር ኣሎ ክትብል ከሲሳ። ብዛዕባዚ ኤርትራን ግብጽን ዝርርብ ከም ዘካየዳ ውን ተሰሚዑ ኣሎ።
Dec 08, 2024•6 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (09/12/2024) * ኢትዮጵያ ዝመበቆላ ነዘርላንዳዊት ሲፋን ሓሰን ብልጽቲ ኣትሌት ናይ'ዚ ዓመት ተባሂላ ክትስየም'ንከላ ኢትዮጵያዊት ሰምቦ ኣለማየሁ ብልጽቲ መንእሰይ ዓለም ተሰይማ፣ * ኢትዮጵያ ኣብ'ዚ ወርሒ ኡጋንዳ ካብ ተአንግዶ ዞባዊ ግጥማት ሻምፒዮና ት17 መንእሰያት ከተንሳሕብ ምዃና ፈደረሽና ንሴካፋ ኣፍሊጡ፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ግጥም ሊቨርፑል-ኤቨርተን ብምኽንያት ህቦብላ ከይተኻየደ ተሪፉ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶታት ብምምዝጋብን ንኡድ ክእለት ብምርኣይን ደሚቑ፣
Dec 08, 2024•9 min
ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ መቐለ ብሰንኪ ውጥጥ ሰበስልጣን ተዓሺጉ ተባሂሉ። ኢምባሲ ኢጣልያ ምስ ማሕበር ዳንተ ዓሊጊየሪ ብምትሕብባር ኣብ ኣስመራ ናይ ጣልያን ትምህርቲ ክህብ ጀሚሩ። ኤርትራ ኣብ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምምካት ምድረበዳነት ትሳተፍ ኣላ። መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ምስ ምንቅስቃስ ናጽነት ኦሮሞ ዝተበጽሐ ስምምዕ ስዒቡ ኣባላት’ቲ ምንቅስቃስ ናብ መንግስቲ ይምለሱ ምህላዎም ገሊጹ። ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ባንኪ ሕሳብ ንምኽፋት "ፋይዳ" ዝተባህለ ዲጂታላዊ መለለዪ መንነት ከቕርቡ ከምዘገድድ ኣፍሊጡ።
Dec 05, 2024•8 min
ንሎሚ ሓሙስ 5 ታሕሳስ 2024/ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ መቐለ ብሰንኪ ውጥጥ ሰበስልጣን ተዓሺጉ ተባሂሉ። ኢምባሲ ኢጣልያ ምስ ማሕበር ዳንተ ዓሊጊየሪ ብምትሕብባር ኣብ ኣስመራ ናይ ጣልያን ትምህርቲ ክህብ ጀሚሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ቀይድዎም ዝጸንሐ ኣማኢት ኤርትራያን ናብ ኤርትራ ይሰጎም ከምዘሎ ተሓቢሩ። ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ባንኪ ሕሳብ ንምኽፋት "ፋይዳ" ዝተባህለ ዲጂታላዊ መለለዪ መንነት ከቕርቡ ከምዘገድድ ኣፍሊጡ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ሉኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣለና። ፍልጠት ደቀባት ብዛዕባ ኩነታት ኣየርን ወቕትን ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ፖሊሲታት ኢሚግሬሽን ፣ ናህሪ ዋጋን ምዕባይ ወጥሪ ዓለማዊ ንግዲ ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ ቁጠ...
Dec 05, 2024•55 min
ብዛዕባ'ቶም ኣርባዕተ ወቕቲ ፡ ማለት ክረምቲ ፡ ቀውዒ ፡ ሓጋይን ጽድያን ትፈልጡ ትኾኑ ኢኹም ፣ ቀዳሞት ህዝብታት ግና ካብዚኦም ዝበዝሑ ወቕትታት ከምዘለዎም ግና ኣይትፈልጡን ትኾኑ። ከከም ከባቢኡ ኣብ ዓዓመት ፡ ንገለ ካብ ዓሌታት ደቀባት ኽሳዕ ሽዱሽተ ፍሉያት ወቕትታት ኣለዉዎም ። ብዛዕባ ኵነታት ኣየርን ወቕትታቱን ምርዳእ ኣገዳሲ መዳይ ኣቦርጂናውያንን ነበርቲ ደሴት ቶረስን ባህላዊ ፍልጠት ኮይኑ ንልዕሊ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዓመታት ዝማዕበለ እዩ ። ኩነታት ኣየር ነቲ ናይ እንስሳታትን ኣትክልትን ዑደታት ሂወት ዝቕይር እዩ ፡ ነዚ ምውሳባት እዚ ምርዳእ ኣብ ህላውነት ደቂ ሰባት ወሳኒ እዩ ፡ ብፍላይ ኣብ ኣውስትራሊያ ገለ ሕሉፍ ወቕትታትን ኣሸጋሪ ኣቀማምጣን ጠለባት ወሳኒ እዩ ። ኣብዚ ትሕዝቶ እዚ ፡ ፍልጠት ቀዳሞት ህዝብታት ብዝዕባ ኵነታት ኣየርን ወቕትታትን ብኸመይ ንድሕነት ኣገዳ...
Dec 04, 2024•11 min
ንሎሚ 4 ታሕሳስ 2024 ኣርእስታት ዝተዳለዉ ዜናታት፥ ኣብታ ሃገርን ዓለምን ቁጠዐ ዘልዓለ፡ ፕረሲደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ ዮአል ዝኣወጆ ሕጊ ማርሻል ድሕሪ ቕሩብ ሰዓታት ኣልዒልዎ። ፕረዚደንትጆ ባይደን ንወዱ ናይ ፈደራል ምሕረት ድሕሪ ምግባሩ ፡ ሓደ ናይ ፈደራል ዳኛ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሃንተር ባይደን ዝቐረበ ክሲ ሰሪዝዎ ። ሁይማን ራይትስ ዎች መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰለስተ ዘይመንግስታዊ ትካላት ተጣበቕቲ መሰላት ብምእጋዱ ነቒፍዎ።
Dec 03, 2024•6 min