SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ - podcast cover

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Last refreshed:
Follow this podcast in the Metacast mobile app to refresh it and see new episodes.
Download Metacast podcast app
Podcasts are better in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episodes

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ታሕሳስ 2024)

ንሎሚ 3 ታሕሳስ 2024 ኣርእስታት ዝተዳለዉ ዜናታት፥ መንግስቲ ፈረንሳ ፡ ድሕሪ እዚ ሰሙን ክፈርስ እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሉ ተፈሊጡ፡ ኣብ ትግራይ ብቅትለት ማህሌት ተኽላይ ተኸሲሶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ካብ ዝጸንሑ እቲ ሓደ ንሞት ተፈሪዱ። ኣብ ጊኒ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ድሕሪ ዘጋጠመ ግጭት ፡ ብውሕዱ 56 ሰባት ተቐቲሎም ።

Dec 03, 20245 min

“ኣብዚ እዋን ክደርፍ እንተኾይነ ናይ ብኽያት ደርፊታት ጥራይ እየ ክደርፍ ዝኽእል” ዮሱፍ ስዒድ

ኣብ ሰብዓታት ብጊታሩ ኣሰንዩ ዝደርፎም ዝነበሩ ምኡዛት ዜማታት ክሳብ ሎሚ ሓይሎም ኣይደኸሙን። ዮሱፍ ከም ግመለይ ግመለይ፡ ንፋታሕ ንፋታሕ፡ ምሳኺን ካልኦትን ዝብላ ደርፊታቱ ንብዙሓት መን እሰያት ልቦም ንፍቕሪን ሃገራዊ ስምዒት ዘንድዳ ካብ ሓያሎ ቁንጣሮ ደርፊታቱ እየን። ስነጥበበኛ ዮሱፍ ብዘይካ ደርፍታቱ ሃለዋቱ’ውን ኣበይ ከምዘሎ ብዙሓት ከይፈለጥዎ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ እዚ ቃለ መሕት ካብቲ ኣቐዲሙ ምስ SBS ትግርኛ ዝገበሮ ደጊምና ናብ ሰማዕትና ነብሎ ዘለና። ስራሓት ዮሱፍ ዳግም ዝኽርኹም ንምሕዳስን፡ ንሱ ካበይ ናበይን ኣበይን ከምዘሎን ንምፍላጥን ነዚ ትሕዝቶ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ።

Dec 02, 202455 min

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ SBS ትግርኛ (2 ታሕሳስ 2024)

ንሎሚ ሰኑይ 2 ታሕሳስ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ካብ 2025 ንደሓር ዝስረሓሉ ውጥን መኸተ ከም ዘሎ ተዛሪቡ። ኢትዮጵያ ብሸመታ ኣጽዋር ኣብ 6ይ ደረጃ ከምትስራዕ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰፊሕ ግፋ ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ። ግራብ ኢብራሂም ኣብ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ካብ ዘቕርቦ ሓደ ኣርእስቲ እዩ፡ ቃለ መሕትት’ውን ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ኣብዚ መፋርቕ ሰሙን ምብራቓዊ ኣውስትራልያ ዝያዳ ምዕልቕላቕ ማይ ክህሉ ምዃኑ ኣጠንቂቑ: ሓይልታት ደባይ ተዋጋእቲ ሶርያ ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት መንግስቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽፋቶም ፡ ንመብዛሕትኡ ክፋል ከተማ ኣሌፖ ተቘጻጺ...

Dec 02, 202455 min

ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰፊሕ ግፋ ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ። (ጸብጻብ)

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ካብ 2025 ንደሓር ዝስረሓሉ ውጥን መኸተ ከም ዘሎ ተዛሪቡ። ኢትዮጵያ ብሸመታ ኣጽዋር ኣብ 6ይ ደረጃ ከምትስራዕ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰፊሕ ግፋ ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ። ኮምሽን መፅናዕቲ ጄኖሳይድ ትግራይ ኣብ ህዝቢ ። ቀፃሊ ጨፍጫፍን መግዛእትን ከም ዘየቋረጸ ገሊጹ።ሰሙናዊ መደብ ስፖርት፡ ካልእ ትሕዝቶን’ውን ክቐርብ’ዩ።

Dec 01, 202410 min

ሊቨርፑል ንሲቲ ስዒራ መሪሕነታ ኣብ ፕሪምየርሊግ ኣስፊሓ፣ መገርቱ አለሙ ኣብ ቫለንስያ፣ ሰሎሞን ኣማረ ኣብ ሻንግሃይ ተዓዊቶም፣

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (02/12/2024) * ኢትዮጵያዊት መገርቱ ኣለሙ ኣብ ቫለንስያ ኤርትራዊ ሳምሶን ኣማረ ኣብ ሻንግሃይ ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ማራቶን ተዓዊቶም፣ * ኣብ ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ትዕግስት ኣሰፋን ሲፋን ሓሰንን እናተደፋፋኣ ዝተላዕለት ስእሊ ብልጽቲ ናይ’ዚ ዓመት ተባሂላ ተሰሊማ፣ * ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ ወርሒ ዝካየድ ግጥማት ሴካፋ ት17 መንእሰያት መጋጥምታ ፈሊጣ፣ * ሊቨርፑል ንማንቸስተር ሲቲ 2-0 ድሕሪ ምስዓራ መሪሕነታ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ናብ 9 ደይቡ፣ ማንቸስተር ሲቲ ምንቁልቋላ ቀጺሉ ንራብዓይ ተኸታታትሊ ግዜ ተሳዒራ፣ * ሱዳን ብዂናትን ኣዕናዊ ሳዕቤናቱን ትሕመሰሉ ኣብ ዘላ እዋን ሃገራዊት ጋንትኣ ናብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ሞሮኮ 2025 ብምሕላፍ መጸናንዒት ህዝባ ኮይና፣

Dec 01, 202411 min

Are Australian workplaces safe for migrant women? - ኣውስትራልያውያን ቦታታት ስራሕ ድሕነት መጻእቲ ደቀንስትዮ የውሕሱ ድዮም፧

New research has highlighted the high rates of workplace sexual harassment and assault experienced by migrant women. Experts say there are many reasons why this type of abuse often goes unreported. - ልዑላት መጠናት ጾታዊ ዓመጻትን በደላትን ንሓደስቲ መጻእቲ ደቀንስትዮ የጋጥመን ክብል ሓደ ሓድሽ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ክኢላታት ከኣ እዚኦም ዓይነታት በደላት ከይተነግሩ ወይ ከይተጠርዑ ዝተርፉሉ ብዙሓት ምኽንያታት ኣለዉ ይብሉ።

Nov 29, 20249 min

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (28 ሕዳር 2024)

ንሎሚ ሓሙስ 28 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ዶ/ር ሳዕድያ ሓሰኒን ካብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም በዓልቲ ሞያ ኣንትሮፖሎጂ ኮይና፡ ብዛዕባ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ኣብ ስዊድንን ኣውስትራሊያን መጽናዕቲ ተካይድ ምህርቲ እያ። ኣብዚ እዋን ሕማም ለበዳ ኮቪድ ኣብ ስዊድን ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ከምኡ'ውን ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን መጽናዕታ ተካይድ ኣላ። ብዛዕባ ትገብሮም መጽናዕትታትን ብሓፈሻ ብዛዕባ ስርሓን ኣዕሊላትና ኣላ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣቦመንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ተመያዪጦም።ኢትዮጵያን ክኢላታት ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ኣብ ካልኣይ ዳግመ ግምት ናይቲ ዝተናውሐ ውዕሊ ልቓሕ ተሰማሚዖም። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ይር...

Nov 28, 202454 min

"ግዝያዊ ምምሕዳር መንእሰያት ኣሰልጢኑ ህወሓት ንምፍራስ ይሰርሕ ኣሎ።"ጉባኤ ዘካየደ ህወሓት: "ዕልዋ መንግስቲ ይገብር ኣሎ" ፕ/ ግምት።

ኣቦመንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ተመያዪጦም። ሚኒስተር ወጻኢ ሱዳን ብወገኑ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘተ ኣካይዱ "ዕልዋ መንግስቲ ይገብር ኣሎ" ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ። "ግዝያዊ ምምሕዳር መንእሰያት ኣሰልጢኑ ህወሓት ንምፍራስ ይሰርሕ ኣሎ።" ጉባኤ ዘካየደ ህወሓት ኢትዮጵያን ክኢላታት ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ኣብ ካልኣይ ዳግመ ግምት ናይቲ ዝተናውሐ ውዕሊ ልቓሕ ተሰማሚዖም።

Nov 27, 20249 min

ምርዳእ ብዛዕባ ኣብያተ መድሃኒት ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ ከም ዝሰርሕ፥ (ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ)

ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ፋርማሲታት ሓኪም ዝኣዘዝዎም መድሃኒታትን ናይ ጥዕና ክንክን ምኽሪ የበርክቱ ፤ ንሕብረተሰብ ድማ ብዛዕባ ውሑስ ኣጠቓቕማ መድሃኒትን ምክልኻል ሕማምን ይምህሩ ። እንተሓሚምካን ሓኪምኻ መድሃኒት እንተኣዚዙልካን ፡ ዝቕጽል ስጉምቲ ሓኪም ዝ ኣዘዘልካ መድሃኒት ንምርካብ፡ ናብ ኣብ ከባቢኻ ናብዘሎ ቤት-መድሓኒት ምኻድ እዩ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ኣሰራርሓ ፋርማሲ ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ ከምዝሰርሕ ብምርኣይ፡ ናብ ፋርማሲ ክትከይድ ከለኻ እንታይ ክትጽበ ከምትኽእል ክግለጽ እዩ ።

Nov 27, 202412 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ሕዳር 2024)

ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ተገይሩ። ኣቦመንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ኣስመራ ኣትዩ፡ ምስ ፕ/ት ኢሳይያስ ተዘራሪቡ። ቪክቶርያውያን ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ ጽባሕ ዝጸንሕ ብርቱዕ ዝናም ዘለዎ ለይቲ ፡ ክርእዩ እዮም ።

Nov 26, 20245 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ሕዳር 2024)

ንሎሚ 26 ሕዳር 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ: ** እስራኤልን ሊባኖስትን ስምምዕ ተዂሲ ንኽገብራ ቀሪበን ... ** ሓደ ኣኽባር ሕጊ ኣመሪካ ንክልተ ክስታት ዶናልድ ትራምፕ ኣልዒልዎ ... ** ኣብ ሰሜን ግሪኽ ኣብ እትርከብ ደሴት ሳሞስ: ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ፡ ሽዱሽተ ቘልዑ ዝርከብዎም ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም ።

Nov 26, 20245 min

"ሎሚ፡ ሰብ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝነብረሉ ስግረ-ዶብ ነባሪ ኮይኑ ኣሎ።" ዶ/ር ሳዕድያ ሓሰኒን

ዶ/ር ሳዕድያ ሓሰኒን ካብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም በዓልቲ ሞያ ኣንትሮፖሎጂ ኮይና፡ ብዛዕባ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ኣብ ስዊድንን ኣውስትራሊያን መጽናዕቲ ተካይድ ምህርቲ እያ። ኣብዚ እዋን ሕማም ለበዳ ኮቪድ ኣብ ስዊድን ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ከምኡ'ውን ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን መጽናዕታ ተካይድ ኣላ። ብዛዕባ ትገብሮም መጽናዕትታትን ብሓፈሻ ብዛዕባ ስርሓን ኣዕሊላትና ኣላ።

Nov 26, 202432 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ሕዳር 2024)

ንሎሚ ሰኑይ 25 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ፡ ካብ ሊባኖስ ብኣማእታት ዝቝጸር ሚሳይላት ፡ ሮኬታትን ድሮንን ተወንጪፉ ። ድሕሪ ጽዑቕ ዘተ ፡ ኣብ ኣዘርባጃን እተገብረ ኣኼባ ክሊማ ኮፕ-29 ፡ ኣብ መወዳእታ ፡ኣኼበኛታት ብዛዕባ ክሊማዊ ፋይናንስ ተሰማሚዖም ። ኣጥቃዒት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣውስትራሊያ ማቲልዳስ ዝኾነት ሜሪ ፎውለር ካብ ኵሉ እቲ ዝመጽእ ኣህጉራዊ ዉድድራት ንኸይትሳተፍ ወሲና ።

Nov 25, 20249 min

ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ቅልውላው ኣትያ፣ ሊቨርፑል ፍልልያታ ተግፍሕ፣ ጋንታታት ስፖርት ካብ X (ትዊተር ነበር) ይሃድማ፣

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (25/11/2024) * መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ሞሮኮ 2025 ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ድሕሪ ምጥንቓቖም ኣብ'ቲ ውራይ ዝሳተፋ ኩለን ሃገራት ተፈሊጠን፣ * ኢትዮጵያ ኣንጻር ኮንጎ ኣብ ዘካየደቶ ናይ መወዳእታ መጻረዪ ግጥም 2-1 ተዓዊታ፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲ ደጊማ ተሳዒራ ነጥቢ ክትከስርን ኣብ ቅልውላው ክትእቱን'ንከላ ሊቨርፑል ፍልልያ ናብ 8 ብምስፋሕ መሪሕነታ ኣደልዲላ፣ * ለስተር ሲቲ ከኣ ኣሰልጣኒኣ ኣባሪራ፣ * ወናኒ ትዊተር ወይ ኤክስ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ኮይኑ ክዕወት ድሕሪ ምሕጋዙን ኣብ ካቢነኡ ድሕሪ ምምራጹን ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ካብ'ቲ መድረኽ ክሃድማ ጀሚረን,

Nov 24, 202410 min

ኣብ ትግራይ ኣብ 4 ወርሒ ልዕሊ 28 ኩንታል ወርቂ ከምዝወፀን መንግስቲ ከም ዘይተረብሐሉን ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ገሊጹ። (ጸብጻብ)

ብካልእ ሓበሬታ DDR ብምፍጻም ዝፍጠር ስግኣት ከምዘየለ እቲ ፕረዚደንት ተዛሪቡ። ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ምስ መሻርኽቲ ብምትሕብባር፡ ሃገራዊ ወፍሪ ቅነ ንቕሓት ኣብ ተጻዋርነት ንመድሃኒታት ጸረ-ታህዋስያን ብወግዒ ኣብ ኣስመራ ተኸፊቱ። ቤት ምኽሪ ሚንስተራት ኢትዮጵያ ተወሳኺ 582 ቢልዮን ብር በጀት ኣጽዲቑ።

Nov 24, 20246 min

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (21 ሕዳር 2024)

ንሎሚ ሓሙስ 21 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተሰዲዶም ኣብ ፈቐዶ መዓስከር ስደተኛታት ንዘለዉ ኣውስትራሊያ ትህቦ ቪዛ እናወሓደን ነቲ ቪዛ ንምርካብ ንውሓት ግዜ ኣዚዩ ነዊሕ ዓመታት ዝወስድ ዘሎ ክስተት እዩ። እዚ ንምንታይ እዩ ኮይኑ፧ ግደ ኣብዚ ዘሎ ማሕበረሰብከ እንታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ፧ ዝብሉን ምስዚ ዝተሓሓዝ ሕቶን ዶ/ ብርሃን ኣሕመድ መሊሱልና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣርእስታት ፡ ኣብ ውሽጢ 10 ኣዋርሕ ልዕሊ 20 ሽሕ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉ ተገሊጹ።ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ውሕስነት ክወሃቦም ጸዊዑ።ሃገራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኢትዮጵያ፡ ተጋደልቲ ነበር ናብ ሕብረተሰብ ምፍናውን፣ ምጥያስን ስርሑ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ትግራይ ብዕሊ ከምዝጅምር ...

Nov 21, 202451 min

ኣብ ኣልኮላዊ መስተ እናኣተወ ንመንእሰያት ዝስምም ዘሎ መታኖል፡ ንኽልተ መንእሰያት ኣዋልድ ኣብ ናይ ሞትን ሕየትን ኣውዲቕወን።

ክልተ ደቂ መልበርን መንእሰያት ፡ ኣብ ላኦስ ስሚ ዝኣተዎ መስተ ኮክተይል ሰትየን ኣብ እተፈላለየ ሆስፒታላት ታይላንድ ፡ ኣብ ናይ ህይወትን ሞትን ኩነታት ይርከባ። ወለዲ እተን ብመርዚ ሜታኖል ከምዝተሰመማ እተጠርጠራ 19 ዓመት ዝዕድሚአን ኣዋልድ ፡ ኣብ ከቢድ ኩነታት ሕማም ይርከባ ምህላወን ገሊጾም ኣለዉ። እዚ ኣብ መስተ ኣእትዮም መንእሰያት ከምዝስመሙ ዝገብር መታኖል ግን እንታይ እዩ ፈውሲ’ኸ ኣለዎዶ፧

Nov 20, 20246 min

ኣብ ውሽጢ 10 ኣዋርሕ ልዕሊ 20 ሽሕ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉ ተገሊጹ።

ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ውሕስነት ክወሃቦም ጸዊዑ።ነበርቲ ብሄረሰብ ኢሮብ ኲናት ደው ካብ ዝብል ንደሓር ኣብ ዘለው ክልተ ዓመታት ዝዀነ ምምሕያሽ ድሕነትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ከም ዘየለ ነበርቲ ገሊጾም።ነባር ጽርግያ ኢሮብ ብወተሃደራት ኤርትራ ብምዕጻዉ ካብቲ ነባር 10 ዕጽፊ ክፍሊት ዝወሰኸ ዘይውሑስ መገዲ ጉዕዞ ክገብሩ ከም ዝተገዱ ውን ሓቢሮምሃገራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኢትዮጵያ፡ ተጋደልቲ ነበር ናብ ሕብረተሰብ ምፍናውን፣ ምጥያስን ስርሑ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ትግራይ ብዕሊ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።

Nov 20, 20249 min

ጸገም ድቃስ ምስኣን፡

ሰባት ብስደት መጺኦም ኣብ ሓዳሽ መንበሪ ዓዶም ምንባር ክጅምሩ ከለዉ ናይ ድቃስ ምምዝባል ክህሉ ልሙድ እዩ ። ክኢላታት ከምዝብልዎ ፡ን ሓጺር እዋን ናይ ድቃስ ልምድኻ ክጎድል ትጽቢት ዝግበረሉን ንቡርን እዩ ። እንተኾነ እዚ ተርእዮ ናብ ሕዱር ጕዳይ ጥዕና ኮይኑ ሕክምና ናብ ዘድልዮ ኮይኑ እንተ ተቐየረኸ ? መዓስ ኢና ስጕምቲ እንወስድ ? ንገዛእ ርእስኹም ወይ ን ሰብኩም ንምሕጋዝ እንታይ ኣማራጺታት ኣሎ ?

Nov 20, 202410 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ሕዳር 2024)

ንሎሚ 20 ሕዳር 2024; ዩክሬን ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይል ምስ ኣወንጨፈት፡ ፕረዚደንት ፑቲን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ምጥቃም ንምውሳን ተኽእሎ ኣዛይድዎ ። ኣብ ሲድኒ ሰፊሕ ሰላማዊ ተቓዉሞ ኣገልግሎታት መጓዚ ስለዝግበር ናይ ሲድኒ ሳብበርብ መስመር ባቡር ፡ ንልዕሊ ክልተ መዓልቲ ክዕጾ ከም ተፈሊጡ። ኣብ ሶማሊላንድ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ ተዓዊቱ።

Nov 20, 20246 min

ዕለትዊ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ሕዳር 2024)

ሩስያን ኣመሪካን ነቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ግጭት ከም ዘጋደዳኦ ነንሕድሕደን ይካሰሳ ኣለዋ ። ሓደ ትካል ዕደና ኣውስትራሊያ ን መንግስቲ ማሊ 160 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ተሰማሚዑ። ውድድር ቁንጅና ዓለም ሜክሲኮ ንደንማርክ ዝወከለት ቆንጆ ዩኒቨርስ ኮይና ቀዳመይቲ ወጺኣ።

Nov 19, 20245 min

ኣውስትራሊያ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ትቕበሎም ዘላ ስደተኛታት ብዝሖምን ዝወስዶ ንውሓት ግዜ ንምንታይን ብኸመይን፧ ምስ ዶ/ ብርሃን ኣሕመድ

ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ካል ኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተሰዲዶም ኣብ ፈቐዶ መዓስከር ስደተኛታት ንዘለዉ ኣውስትራሊያ ትህቦ ቪዛ እናወሓደን ነቲ ቪዛ ንምርካብ ንውሓት ግዜ ኣዚዩ ነዊሕ ዓመታት ዝወስድ ዘሎ ክስተት እዩ። እዚ ንምንታይ እዩ ኮይኑ፧ ግደ ኣብዚ ዘሎ ማሕበረሰብከ እንታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ፧ ዝብሉን ምስዚ ዝተሓሓዝ ሕቶን ዶ/ ብርሃን ኣሕመድ መሊሱልና ኣሎ።

Nov 18, 202415 min

"ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ናብ ምዕራባዊ ሃገራት ናብ ቦትስዋና እንተዝጥምታ ምሓሸን።" ዮሃንስ በራኺ

ኣብ ቦትስዋና ኣብ ዝተገብረ ምርጫ እቲ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን (58 )ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሰልፊ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ቦትስዋና (Botswana Democratic Party (BDP)) ብምርጫ ብሰልፊ ተቓዋሚ ጽላል ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (The Umbrella for Democratic Change) ተሳዒሩ እቲ ኣገዳሲ ዝገብሮ ግና እቲ ዝጸንሐ መራሒ ነቲ ዝሰዓረ መራሒ ተቓዋሚ ቅድሚ ምቑጻር ምውዳኡ “እንቋዕ ኣሐጎሰካ፡ ኣነ ተሳዒረ ኣለኹ” ክብል ደዊልሉ። ቦትስዋና ግን ንምንታይ እያ ሰላማዊት ሃገር ኮይና፡ ታሪኽ ፖለቲካን ቁጠባን እታ ሃገር እንታይ ይመስል፧ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ካብታ ሀገር እንታይ ክመሃራ ይኽእላ፧ ነዚን ምስኡ ዝተሓሓዝ ሕቶታት ኣብታ ሃገር ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ዝተቐመጠ ኣርክቴክት ዮሃንስ በራኺ መሊሱልና ኣሎ ካልኣይ ክፋል መወዳእታን ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።

Nov 18, 202421 min

ዓቢይ ጉያ ኢትዮጵያ ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ንሽወደን ሽቶ ኣመዝጊቡ፣

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (17/11/2024) * መበል 24 ዓለም ለኸ ዓቢይ ጉያ ኢትዮጵያ ሰንበት ተኻይዱ ኣሳየች ኣይቸው ብደቀንስትዮ ክትዕወት'ንከላ ቢንያም መሓሪ ብደቀተባዕትዮ ተዓዊቱ፣ * ኣትለቲክስ ዓለም ንስልማት መጻኢት ኮኾብ ኣትሌት 2024 ኣብ ፍጻመ ዝበጽሓ ሰለስተ ኣትሌታት ስመን ዘርጊሑ፣ ኢትዮጵያዊት መንእሰይ ኣትሌት ሰምቦ ኣለማየሁ ሓንቲ ካብአን ኮይና፣ * መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣፍኮን 2025 ኣብ ዝቐጸልሉ ኢትዮጵያ ኣንጻር ታንዛንያ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም 2-0 ተሳዒራ፣ ናይ ምሕላፍ ዕድላ ኣኽቲሙ፣

Nov 17, 20248 min

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ዝነብሩ ብዙሓት ኤርትራውያን ጽዑቕ ግፋ የጋጥሞም ምህላዉ ተገሊጹ።

ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ሰላም ንምስፋን ዝግበር ጻዕርታት ከም ዝቕጽል ኣፍሊጡ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ምስ ሓለፍቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ዓሚቕ ዘተ ዓካይዱ ተባሂሉ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ንኤርትራውያን ዘነጻጸረ ጽዑቕ ግፋ ይቕጽል ምህላዉ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ሶማልያ ክተወጽእ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ወቕቲ ንኣልሸባብ ምውጋእ ከምትቕጽል ኣፍሊጣ።

Nov 17, 20247 min

“ቦትስዋና ንፖለቲካ ከም ኩዕሶ እግሪ’ዮም ዝርእይዎ፡ ኣብ ንሕድሕዶም ጽልኢ ዝበሃል የብሎምን።” ዮሃንስ በራኺ

ኣብ እዋን’ቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ዝተገብረ ምርጫ፡ ኣብ ከም በዓል ሞዛምቢክ፡ ሞሪሺየሽን ቦትስዋናን ምርጫ ተገይሩ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ቦትስዋና ኣብ ዝተገብረ ምርጫ እቲ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን (58 )ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሰልፊ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ቦትስዋና (Botswana Democratic Party (BDP)) ብምርጫ ብሰልፊ ተቓዋሚ ጽላል ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (The Umbrella for Democratic Change) ተሳዒሩ እቲ ኣገዳሲ ዝገብሮ ግና እቲ ዝጸንሐ መራሒ ነቲ ዝሰዓረ መራሒ ተቓዋሚ ቅድሚ ምቑጻር ምውዳኡ “እንቋዕ ኣሐጎሰካ፡ ኣነ ተሳዒረ ኣለኹ” ክብል ደዊልሉ። ቦትስዋና ግን ንምንታይ እያ ሰላማዊት ሃገር ኮይና፡ ታሪኽ ፖለቲካን ቁጠባን እታ ሃገር እንታይ ይመስል፧ ካል ኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ካብታ ሀገር እንታይ ክመሃራ ይኽእላ፧ ነዚን ምስ ኡ ዝተሓሓዝ ሕቶ...

Nov 14, 202424 min

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (14 ሕዳር 2024)

ንሎሚ ሓሙስ 14 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈዎርቂ፡ ንልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኣዘራሪቡ፡ናይ ኤርትራ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ 6ይ ፓትሪያርክ ክሸይም ከምዝመደበ ኣፍሊጡ።ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ምስ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘትዮም።ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት፡ ኢትዮጵያ መሰል ፕረስ ከተኽብር ጸዊዑ ንዓኹም ብዝበለጸ ዘርብሕ ናይ ባንክ ሒሳብ (ኣካውንት) ብኸመይ ትረኽቡ፧ ነዚ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ መራሒ ግዚያዊ መንግስቲ ባንግላደሽ ፡ እተን ኣብ ምውሳኽ ዓለማዊ ዋዒ እጃመን ዘበርክታ ሃገራት ፡ ንክሊማዊ ቅልውላው ንምብዳህ ገንዘብ ክህባ ኣተሓሳ...

Nov 14, 202456 min

ናይ ኤርትራ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ 6ይ ፓትሪያርክ ክሸይም ከምዝመደበ ኣፍሊጡ።

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈዎርቂ፡ ንልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኣዘራሪቡ። ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ምስ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘትዮም።ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት፡ ኢትዮጵያ መሰል ፕረስ ከተኽብር ጸዊዑ።

Nov 13, 20246 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ሕዳር 2024)

ን ሎሚ 13 ሕዳር 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝምለሰሉ ኣብ ናይ መጀመርታ መዓልታት ስልጣኑ ብ ብዝሒ ስደተኛታት ክጥርዝን ፡ ፖሊሲታት ትምህርቲ ምምሕዳር ባይደን ከምዝቕይርን ተፈሊጡ ። ንልዕሊ 23 ዓመታት ብዘይፍርዲ ተኣሲሩ ዝርከብ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ፡ ሽልማት “ኤደልስታም” ተሸሊሙ። ኣብ መላእ ህዝባዊ ሆስፒታላት ኒው ሳውዝ ወልስ ዝርከቡ ልዕሊ 50,000 ነርሳትን መሕረስቲን 15 ሚኢታዊ ወሰኽ ደሞዝ ብምሕታት ካብ ስርሖም ብምውጻእ ናይ 24 ሰዓታት ኣድማ ገይሮም ።

Nov 12, 20246 min
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android