If you have a job, receive government benefits or want to pay your bills easily you’ll need a bank account. You may even need more than one. To join the 20 million customers who hold Australian bank accounts, take some time to find one that best suits your needs. - ስራሕ እንተሃልይኩም፡ መንግስታዊ ኣበላት (ሓገዛት) ትቕበሉ ወይ ሕሳባትኩም ብቐሊሉ ክትከፍሉ እንተደሊኹም ናይ ባንክ ሕሳብ (ባንክ ኣካውንት) ከድልየኩም'ዩ። ምናልባት'ውን ካብ ሓደ ንላዕሊ ከድልየኩም ይኽእል'ዩ። ምስ'ቶም ናይ ባንክ ሕሳባት ዘለዎም ልዕሊ 20 ሚልዮን ኣውስትራልያውያን ክትጽንበሩ ነቶም ትደልይዎም ነገራት ብዝበለጸ ከተማልኡ ዝሕግዘኩም ሕሳብ ባንክ ክትረ...
Nov 12, 2024•12 min
ናይ ሰሉስ 12 ሕዳር 2024 ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ * ውድብ ሜቲዮሮሎጂ ዓለም፡ ዓመተ 2024 ኣብ መዝገብ ዝሞቐት ዓመት ክትከውን ኣብ መስመር ኣላ ክብል ገሊጹ፣ * ዋዕላ ለውጢ ክሊማ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት 2024 ኣብ ኣዘርባይጃን ይካየዱ'ለዉ፣ ኣውስትራልያ ብሚኒስተር ለውጢ ክሊማ ክሪስ ቦወን ዝምራሕ ልኡኽ ትሳተፍ፡ * ሓይልታት እስራኤል ናብ መዓስከር ስደተኛታት ኑሰይራት ታንክታት ተኹሲ እናኸፈታ ኣብ ዝኣተውሉ ኣብ ማእከላይ ቓዛ ብዉሑዱ 30 ሰባት ቀቲሎም፣ * ዳኛ ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ደይቪድ ኩት ንሊቨርፑልን ናይ ቀደም ኣሰልጣኒኦም የርገን ክሎፕን እናተጻረፈ ዘርኢ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ ካብ ዳንነት ተኣጊዱ፣
Nov 12, 2024•6 min
ኣብ ከተማ መልበርን ኣውስትራልያ ፡ብ ኣልዋን ምስ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ብምትሕብባር ፡ ጉጅለ ባህሊ ኣልዋን ዘዳለዎ ፍሉይ ካርኒቫል ዕለት 11 ሕዳር 2024 ፍሉይ ባህላዊ ምሸት ተገይሩ። ኣብዚ ካርኒቫል እዚ ፡ ብያታታትን ብስነ-ጥበብን ብጽሑፋትን ንእተፈላለየ መዳያት ባህሊ ኤርትራ ዝውክል ኣብ ማሕበረሰቦም ኣበርክቶ ዝገበሩ ናይ ኣፍልጦ ሽልማት ተዓዲሉ። ነዚ ኣመልኪትና ምስ ኣወሃሃድቲ እቲ መደብ ቅድሚ እቲ ካርኒቫል ምጅማሩ ብዛዕባቲ መደብ ገሊጾሙልና ኣለዉ፡ ከነቕርቦ ኢና። ከም ስነጥበበኛታት ሚካኤል ኣዶናይ ስዒድ ዓብደላን ወልደየሱስ ማንጁስን ካልኦት ዓበይቲ ስነጥበበኛታት ኣብቲ እዋን ተሸሊሞም። ዝተፈላዩ ድምጻውያን ዝተሳተፍዎ ባህላዊ ምሸት ተዳልዩ ተዓደምቲ፡ ዝተዳለወ ናይ ስእሊ ኤግዚቪሽን ክምልከቱ፡ ባህላዊ ምግብታት ክካፈሉን ብናይ ዝተፈላለዩ ብሄራት ኤርትራ ዜማታት ክለሃዩን ክ...
Nov 11, 2024•18 min
ንሎሚ ሰኑይ 11 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ከተማ መልበርን ኣውስትራልያ ፡ብ ኣልዋን ምስ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ብምትሕብባር ፡ ጉጅለ ባህሊ ኣልዋን ዘዳለዎ ፍሉይ ካርኒቫል ዕለት 11 ሕዳር 2024 ፍሉይ ባህላዊ ምሸት ተገይሩ። ኣብዚ ካርኒቫል እዚ ፡ ብያታታትን ብስነ-ጥበብን ብጽሑፋትን ንእተፈላለየ መዳያት ባህሊ ኤርትራ ዝውክል ኣብ ማሕበረሰቦም ኣበርክቶ ዝገበሩ ናይ ኣፍልጦ ሽልማት ተዓዲሉ። ነዚ ኣመልኪትና ምስ ኣወሃሃድቲ እቲ መደብ ቅድሚ እቲ ካርኒቫል ምጅማሩ ብዛዕባቲ መደብ ገሊጾሙልና ኣለዉ፡ ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምስ ወተሃደራውያን መራሕቲ ምብራቅ ሱዳን ተዛትዩ ተባሂሉ። ብካልእ ሓበሬታ ሽማግለ ኣደ ዝርከብኦም 23 ኣመንቲ መሰኻኽር ጅሆቫ፡ ኣብ ማይ ስርዋ ይሳቐዩ ኣለዉ ተባሂሉ። ግዝ...
Nov 11, 2024•52 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (11/11/2024) * ጸሃይ ገመቹ ጥሕሰት ድንፋዐ ደምን ብቕዓትን ፈጺማ ተባሂላ ን4 ዓመታት ድሕሪ ምእጋዳ ካልእ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት እብሲት ጥላሁን ኣስረስ'ውን ኣብ'ዚ ሰሙን እገዳ ተነቢሩላ፣ * ሻምፒዮን ውድድር ማራቶን ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ኢትዮጵያዊ ታምራት ቶላን ነዘርላንዳዊት ሲፋን ሓሰንን ንብሉጽ ኣትሌት ናይ'ዚ ዓመት ተሓጽዮም ኣብ ፍጻመ በጺሖም፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲን ኣርሰናልን ሰንከልከል ኣብ ዝብላሉ ዘለዋ እዋን ሊቨርፑል ፍልልያ ብምግፋሕ መሪሕነታ ኣደልዲላ, * ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ኣመዝጊቡ ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድ ክትዕወት ሓጊዙ፣
Nov 10, 2024•10 min
ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምስ ወተሃደራውያን መራሕቲ ምብራቅ ሱዳን ተዛትዩ ተባሂሉ። ብካልእ ሓበሬታ ሽማግለ ኣደ ዝርከብኦም 23 ኣመንቲ መሰኻኽር ጅሆቫ፡ ኣብ ማይ ስርዋ ይሳቐዩ ኣለዉ ተባሂሉ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዕላዊ ዝኾነ ዕልዋ መንግስቲ ንምግባርን ስርዓት ኣልቦነት ንምስፍሕፋሕ ሸርሕታት ይእለም ኣሎ ክብል ከሲሱ። ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያን ካልኦት ወሰንቲ ጉዳያት ትግራይን ዝከታተል ንኹሉ ዘሳተፈ ካውንስል ንክጣየሽ ሸውዓተ ሲቪክን ቢዝነስን ማሕበራት ፀዊዐን። ሶማልያ ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ሓድሽ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዘይካተት ኣፍሊጣ ኣላሰሙናዊ መደብ ስፖርት፡ ካልእ ትሕዝቶን’ውን ክቐርብ’ዩ።
Nov 10, 2024•14 min
ኣልዋን/ ሕብሪ ዓመታዊ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዘዳልዎ ምሽላም ኤርትራዊያን ስነጥበበኛታት ዕለት 10 ሕዳር ኣብ መልበርን/ ኣውስትራሊያ ንዓበይቲ ስነ ጥበበኛታት ኣፍልጦን ስልማትን ክህብ እዩ። ነዚ ኣመልኪትና ካብ ኣዳለውቲ እቲ መደብ መሓመድ ሻግራይን በክሪ ሑመድን ብዛዕባ እቲ ተዳልዩ ዘሎ መደብ ገሊጾሙልና ኣለዉ።
Nov 07, 2024•15 min
ንሎሚ ሓሙስ 7 ሕዳር 2024/ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንሓዱሽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ናይ እንቋዕ ኣሐጎሰካ መልእኽቲ ሰዲዶም። "ልዕሊ 970 ሽሕ ተመዛበልቲ ትግራይ ናብ መረበቶም ኣይተመለሱን" ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ስራሕቲ ጽገና ሓወልቲ ኣኽሱም ናብ ተግባር ንምእታው ስምምዕት ተፈሪሙ። መንገዲ ኣየር ፈረንሳ፣ ንኤርትራ፣ ሱዳንን የመንን ኣብ ዘዋስን ክሊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዘካይዶ በረራ ኣቋሪጹ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ሉኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣለና። ኣገዳስነት ባህላዊ ቅድታት ኣብ ከተማታት ኣውስትራሊያ፡ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ብዙሓት ኤርትራዊያን ንኡጋንዳ ከም ካልኣይትቲ ዓዶም ሓሲቦም ኣብታ ሃገር ከውፍሩ ደቆም ከምህሩን ኣብ ዝተፈላለዩ ...
Nov 07, 2024•52 min
መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንሓዱሽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ናይ እንቋዕ ኣሐጎሰካ መልእኽቲ ሰዲዶም። "ልዕሊ 970 ሽሕ ተመዛበልቲ ትግራይ ናብ መረበቶም ኣይተመለሱን" ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ስራሕቲ ፅገና ሓወልቲ ኣኽሱም ናብ ተግባር ንምእታው ስምምዕነት ተፈሪሙ መንገዲ ኣየር ፈረንሳ፣ ንኤርትራ፣ ሱዳንን የመንን ኣብ ዘዋስን ክሊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዘካይዶ በረራ ኣቋሪጹ
Nov 06, 2024•7 min
ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ነፍሲ ወከፍ ቦታታት ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዓመታት ዝጸንሐ ሃገር ፡ ባህሊ ፡ ቋንቋ ዝሓቘፈ ታሪኽ ዝሓዘ እዩ ። ኣብ ህንጻ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ለውጢ ቅድን ነዚ ኣብ ከባቢና ዘሎ ፍልጠት ኣብ መነባብርና ከምዝርአ ንምግባር ዝዓለመ እዩ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብ ካብ ደቀባት ዝኾኑን ዘይኮኑን ክኢላታት ካብ ናይ ኣቦርጂንን ምዕራብን ፍልጠት ዘለዎም ቦታታት ወይ ህንጻታት ንምፍጣር ይጽዕሩ ከምዘለዉ ርእይቶም ክህቡ እዮም ።
Nov 06, 2024•8 min
Learn how to talk about things that annoy you. - Learn how to talk about things that annoy you.
Nov 06, 2024•11 min
ኣርእስታት ንሎሚ 6 ሕዳር 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ፡ ** ኣብ መዓልቲ ምርጫ፡ ዓሰርተታት ሚልዮናት ኣመሪካዊያን ድምጾም ሂቦም... ** ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ሳሕቲ ጥራይ ዝግበር ሕክምናዊ ምውጻእ፡ ልዕሊ 100 ብከቢድ ሕሙም ዝሓመሙ ካብ ጋዛ ኣውጺኡ ... ** ኣመሪካ ብኹነታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ስእነት ጸጥታ ስክፍታ ከም ዘለዋ ሚ/ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብንሊከን ገሊጹ።
Nov 05, 2024•5 min
Australia is facing a skills shortage. So why are migrants struggling to find work in line with their education and experience? - ኣውስትራልያ ሕጽረት ክኢላታት ኣጋጢምዋ’ሎ። እንተኾነ ግን ሓደ ሓድሽ ጸብጻብ እቶም ዘድልይዋ ሞያታትን ክእለታትን ዝሓዙ ልዕሊ 600,000 ሰባት ኣብ’ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ኣለዉ ክብል ይገልጽ። ስለ’ዚ መጻእቲ ናብ’ዚ ሃገር ዝኾኑ ሰባት በቲ ብቑዓት ዝኾንዎ ሞያ ስራሕ ክረኽቡ ዝሽገሩ ዘለዉ ደኣ እንታይ ኮይኖም’ዮም፧
Nov 05, 2024•8 min
ኣብ ኣመሪካ ዝግበር ዘሎ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ሕጹያት ካመላ ሃሪስን ዶናልድ ትራምፕን ብተቐራራቢ ድምጺ ናብ ናይ መወዳእታ ደረጃ በጺሖም ኣለዉ። ነዚ ኣብ ኣመሪካ ዝግበር ዘሎ ምርጫን ብዛዕባ ሕጹያት ንህዝቢ ሒዞሞ ቐሪቦም ዘለዉን ብሓፈሻ ህዝቢ ነዞም ሕጹያት ብኸመይ ይግምግሞም ከምዘሎ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብፍላይ ኣብዚ ቕሩብ እዋን "ዕላል መዛኑ" ብዝብል ትንተና ዘካይዱ ኣቶ ሳሙኤል ቢዘንን ኣቶ ክብረኣብ ይመስገንን ገሊጾሙልና ኣለዉ። (ብተክኒካዊ ጸገም ዘይንጹር ድምጺ ኣቐዲምና ይረታ ንሓትት።)
Nov 05, 2024•41 min
ኣርእስታት፡ ንሎሚ 5 ሕዳር 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ፡ ኣብዚ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ምርጫ ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ካማላ ሃሪስን ኣብተን ወሰንቲ ቦታታት ምርጫ ናይ መወዳእታ ጎስጓሶም የካይዱ ኣለዉ። እቲ ንህዝቢ ኣውስትራሊያ ደው ንኽብል ዝገብር ተባሂሉ ዝፍለጥ በብዓመቱ ዘካየድ ውድድር ኣፍራስ መልበርን ካፕ ፡ ሎሚ [5 ሕዳር] ኣስታት 90 ሽሕ ሰባት ክዕዘብዎ ትጽቢት ይግበር ። ብሪጣንያ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዘለዉ ግጭታት ደው ክብሉ ጸዊዓ።
Nov 04, 2024•5 min
ንሎሚ ሰኑይ 04 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ሎሚ ብዙሓት ኤርትራዊያን ንኡጋንዳ ከም ካልኣይትቲ ዓዶም ሓሲቦም ኣብታ ሃገር ከውፍሩ ደቆም ከምህሩን ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክሳተፉን ትካላት ሃይማኖት ከዐንብቡን ይረኣዩ ኣለዉ። ኣኽሊሉ ሃብተሚካኤል'ውን ኣብ ኡጋንዳ ንልዕሊ 13 ዓመታት ኣብዝነብረሉ ዘሎ ነቶም ኣብቲ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራዊያን ዝተፈላልዩ ሞያታት ክሕዙን ብማሕበራዊ መድያ ዘንቅሑን ዘለዉ እዩ። እቲ ንሱ ኣብታ ሃገር ዝገብሮ ንጥፈታት፡ ኣብ ኡጋንዳ ዘሎ ዕድላትን ግድላትን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡና ኣለዉ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ስምምዓት ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ መሊኦም ክትግበሩ ከምዝግባእ ሕብረት ኣውሮፓ ሓቲቱ። መበል ካልኣይ ዓመት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣመልኪቱ መግለጺ ዝሃበ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብወገኑ ዘይተመለሰ ተመዛባልን ግዝኣትን ክ...
Nov 04, 2024•54 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (04/11/2024) * ለባሲ ቀጠልያ ማልያን ሰለስተ ግዜ ተዓዋቲ መድረኽ ዝኾነን ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ክቡር ዕዱም ኮይኑ ኣብ ዝተረኽበሉ ዙር ፈረንሳ 2025 ዝኽተሎም መንገድታት ብወግዒ ኣፍሊጡ፡ * ሃዊ ፈይሳ ኣብ ማራቶን ፍራንክፈርት ድሕሪ ምዕዋታ ኢትዮጵያውያን ዝርዝር ኣስማት ብሉጽ ግዜ ማራቶን ናይ ኩሉ ግዜ ዘመዝገባ ኣትሌታት ዓለም ምዕብላለን ይቕጽላ፣ * ኣብ ማራቶን ቶክዮ ካልኣይቲ ዝወጸት ጸሃይ ገመቹ ምስ ምድንፋዕ ደም ብዝተኣሳአር ጥሕሰት ተጠርጢራ ንኣርባዕተ ዓመት ተኣጊዳ፣ * ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ምንቁልቋል ኣርሰናል ዘጋደደት ሽቶ ብምምዝጋብ ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድ ክትዕወት ክሕግዝ'ንከሎ ሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲ ንፈለማ ግዜ ኣብ'ዚ ወቕቲ ስዕረት ኣጋጢምዋ፣
Nov 03, 2024•14 min
ስምምዓት ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ መሊኦም ክትግበሩ ከምዝግባእ ሕብረት ኣውሮፓ ሓቲቱ። መበል ካልኣይ ዓመት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣመልኪቱ መግለጺ ዝሃበ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብወገኑ ዘይተመለሰ ተመዛባልን ግዝኣትን ክምለስ ጸዊዑ ኣሎ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ልኡኽ ከባቢ ናጻ ንግዲ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝርርብ ኣካይዱ።።ዝብሉን ካልእን ሒዙ ቀሪቡ ኣሎ።
Nov 03, 2024•6 min
ሎሚ ብዙሓት ኤርትራዊያን ንኡጋንዳ ከም ካልኣይትቲ ዓዶም ሓሲቦም ኣብታ ሃገር ከውፍሩ ደቆም ከምህሩን ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክሳተፉን ትካላት ሃይማኖት ከዐንብቡን ይረኣዩ ኣለዉ። ኣኽሊሉ ሃብተሚካኤል'ውን ኣብ ኡጋንዳ ንልዕሊ 13 ዓመታት ኣብዝነብረሉ ዘሎ ነቶም ኣብቲ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራዊያን ዝተፈላልዩ ሞያታት ክሕዙን ብማሕበራዊ መድያ ዘንቅሑን ዘለዉ እዩ። እቲ ንሱ ኣብታ ሃገር ዝገብሮ ንጥፈታት፡ ኣብ ኡጋንዳ ዘሎ ዕድላትን ግድላትን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡና ኣለዉ።
Nov 03, 2024•34 min
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኣውስትራልያ በቲ ተዓሊሙ ክስርሓሉ ዝጸንሐ መጠን ዝቕባበ ካብ 2 ኽሳእ 3 ሚእታዊ ነክዩ እንተሎኳ መጠን ወለድ ግን ክሳብ ዝመጽእ ዓመት ከምዘይጎድል ተፈሊጡ። ሓድሽ መራሒ ሕዝቦላህ ፡ ናዒም ቃስም ፡ዘተኣማምን ውዕል እንተልዩ ምስ እስራኤል ተዅሲ ደው ንምባል ከምዝሰማምዕ ገሊጹ ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምርጫ ትሕቲ ሓደ ሰሙን ጥራይ ተሪፉ ኣብ ዘሎ እዋን ፡ እቶም ፕረዚደንታዊ ሕጹያት ኣብቲ ወሳኒ ቦታታት ዝገብርዎ ወፈራ ኣሐዪሎም ቀጺሎም ኣለዉ ።
Oct 31, 2024•14 min
ንሎሚ ሓሙስ 31 ጥቅምቲ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብብዝሒ ኤርትራዊያን፡ ኢትዮጵያዊያንን ሶማሊያውያንን ብሓፈሻ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመጹ ዝነብርዎ ነዋሕቲ ርሻናት መንበሪ ኣባይቲ መንግስቲ፡ እቲ ህንጻታት ፈሪሱ ከም ብሓድሽ ክስራሕ መደብ ስለ ዝወጸ ካብቲ መንበሪ ወጺኦም ኣብ ካልእ ክሰፍሩ ዝተገብረ መደብ በቶም ነበርቲ ተቓዉሞ በጺሕዎ እቲ ጉዳይ ቤት ፍርዲ ሒዝዎ ይርከብ። ብዕለት 28 ን 29 ጥቅምቲ 2024 ዝወዓለ ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ዉሳነ ከይሃበ ንሓደ ወርሒ ኣናዊሕዎ ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ከብርሃልና ንጋዜጠኛ 3 ሲ ኣር ዝኾነ ብርሃን ጃብር እስማዒል ሓቲትናዮ ዝሃበና መልሲ ክቐርብ እዩ። ኣብ ፈለማ ዘቤታዊ ዓመጽ ብኸመይ ደው ተብሎ? ነዚ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ካልእ ትሕዝቶታትውን ኣለና። ኣርእ...
Oct 31, 2024•52 min
ኣብዚ ፍሉይ ትሕዝቶ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ፡ ንውሉዳትን ከነዕብዮም ከለና ፡ ኣኽብሮት ዘለዎም መጻምድቲ ምእንቲ ክዀኑ ብኸመይ ክንሕግዞም ከም እንኽእል ኽንርእይ ኢና ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ናይ ብሕቶም ተመኩሮን ዓሚቝን ኣረኣእያ ዘለዎም ሰለስተ ኣጋይሽ ክትረክብ ኢኻ ። ወላዲ ኩን ኣባል ስድራ ቤት ፡ ምስ መንእሰያት ብዛዕባ ኣኽብሮት እንታይ ከም እትደልን ብኸመይን ስለምንታይን ከም እትዘራረብን ካብዚ ምምሃር ይከኣል እዩ ።
Oct 30, 2024•14 min
ንሎሚ 30 ጥቅምቲ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ *** ኣውስትራሊያ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ፡ ንኣጽዋር ኲናት ፡ መከላኸሊ ሚሳይል ፡ ምስኡ ዝተሓሓዝ መሳርሕን ልዕሊ 70 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ገይራ ። *** ኣብ ማእከላይ ሱዳን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ብዘካየድዎ ሓድሽ ጃምላዊ ቅትለት ልዕሊ 120 ሰባት ተቐቲሎም ። *** ሓድሽ መራሒ ሕዝቡላህ ተሸይሙ ።
Oct 30, 2024•6 min
Australia's Governor-General is hopeful about Australia's future, despite conflict and difficulty dominating headlines. - ባሕቲ ሓምለ 2024 ክብርቲ ሳም ሞስቲን ኣመሓዳሪት ኣውስትራልያ ወይ Governor-General (ጋቨርነር ጀነራል) ኮይና ብወግዒ ቃለመሓላ ፈጺማ። ንሳ ናይ'ዛ ሃገር መበል 28 ኣመሓዳሪትን ነዚ መዝነት ዝሓዘት ካልኣይቲ ጓለንስተይቲን እያ። SBS Examines ኣብ ከተማ ብሪዝበን ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ቤት ምኽሪ ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ (Ethinic Communities Council of Australia) ተረኺቡ ብዛዕባ ማሕበራዊ ስምረት፡ ንጉስ ቻርለስ ናብ ዙፋን ድሕሪ ምድያቡ ዘካየዶ ቦኽሪ ንጉሳዊ ዑደትን ናይ መጻኢ ራኢይኣ ብዛዕባ ኣውስትራልያን ኣዘራሪቡዋ።
Oct 30, 2024•9 min
ብብዝሒ ኤርትራዊያን፡ ኢትዮጵያዊያንን ሶማሊያውያንን ብሓፈሻ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመጹ ዝነብርዎ ነዋሕቲ ርሻናት መንበሪ ኣባይቲ መንግስቲ፡ እቲ ህንጻታት ፈሪሱ ከም ብሓድሽ ክስራሕ መደብ ስለ ዝወጸ ካብቲ መንበሪ ወጺኦም ኣብ ካልእ ክሰፍሩ ዝተገብረ መደብ በቶም ነበርቲ ተቓዉሞ በጺሕዎ እቲ ጉዳይ ቤት ፍርዲ ሒዝዎ ይርከብ። ብዕለት 28 ን 29 ጥቅምቲ 2024 ዝወዓለ ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ዉሳነ ከይሃበ ንሓደ ወርሒ ኣናዊሕዎ ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ከብርሃልና ንጋዜጠኛ 3 ሲ ኣር ዝኾነ ብርሃን ጃብር እስማዒል ሓቲትናዮ ዝሃበና መልሲ ኣብዚ ትሕዝቶ ኣሎ።
Oct 29, 2024•14 min
ንሎሚ 29 ጥቅምቲ 2024 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት ዜና፡ ነታ ብኲናት ትሕመስ ዘላ ሱዳን ዝያዳ ኣህጉራዊ ቘላሕታ ክግብር መጸዋዕታ ቐሪቡ። ኣብ ኣውስትራሊያ ናህሪ ዋጋ ገዛ እናዘሓለ ይኸይድ ከምዘሎ ተገሊጹ ። ክለብ ኩዕሶ እግሪ ማንቸስተር ዩናይትድ ን ኣሰልጣኒ ኤሪክ ተን ሃግ ኣሰናቢታቶ።
Oct 29, 2024•5 min
ንሎሚ ሰኑይ 28 ጥቅምቲ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ኣውስትራሊያን ኒውዚላንድን ዑደት ዝገብሩ ዘለዉ በዓልቲ ሞያ ሕጊ ሰዊት ዮሃንስን ወላዲኣ ኣርክቴክት ዮሃንስ በራኺን ብዛዕባ ኣብ ትምህርታ ዕውትቲ ኮይና ዝለዓለ ናይ ጥብቅና ሞያ ዝበጽሓትሉ ጉዕዞ፡ ኣብቲ ናታ ጉዕዞ ዓወት ተራ ወለዲን ማሕበረሰብን ዓላል ኣብዚ ካል ኣይ ክፋል ትሕዝቶ ቐሪቡ ኣሎ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት፡ ካልእ ትሕዝቶን’ውን ክቐርብ’ዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ዴቪድ ክራሲሊ ሎሚ [28 ጥቕምቲ] ኣብ ኲንስላንድ ሓድሽ ፕሪመር ኮይኑ ብወግዒ ምሒሉ ። ግብጺ ፡ ኣብ ቓዛ ንኽልተ መዓልቲ ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ናይ ምባል እማመ ስምምዕ ከም ዘቕረበት ገሊጻ ። ኣውስትራልያ ኣብ ዓውደ ሕርሻ ትግራይ ኢንቨስት ንምግባር ድሌት ከምዘለዋ ገሊጻ።
Oct 28, 2024•51 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (28/10/2024) * ዮሚፍ ቀጀልቻ ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ፍርቂ ማራቶን ኣመዝጊቡ፡ * ኢትዮጵያ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ኣፍኮን 2029 ከተአንግድ ድሌት ከምዘለዋ ገሊጻ፣ * ኤርትራ ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዘይትሳተፍ ድሕሪ ምፍላጣ ካፍ ነቲ ተመዲቡ ዝነበረ ግጥም ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዝሰረዞ ገሊጹ፣ * ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ሱፐርስፖርት ዩናይትድ ንኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣቡበከር ናስር ምስኣ ክጽንበር ናይ ሓደ ዓመት ውዕል ከምዘፈረመቶ ኣፍሊጣ፣ * ኣርሰናልን ሊቨርፑልን ማዕረ ዝተፈላለያሉ ግጥም ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ንማንቸስተር ሲቲ ዘርብሕ ኮይኑ፣
Oct 27, 2024•13 min
ኣብ ኣውስትራሊያን ኒውዚላንድን ዑደት ዝገብሩ ዘለዉ በዓልቲ ሞያ ሕጊ ሰዊት ዮሃንስን ወላዲኣ ኣርክቴክት ዮሃንስ በራኺን ብዛዕባ ኣብ ትምህርታ ዕውትቲ ኮይና ዝለዓለ ናይ ጥብቅና ሞያ ዝበጽሓትሉ ጉዕዞ፡ ኣብቲ ናታ ጉዕዞ ዓወት ተራ ወለዲን ማሕበረሰብን ዓላል ኣብዚ ካል ኣይ ክፋል ትሕዝቶ ቐሪቡ ኣሎ።
Oct 27, 2024•30 min
ንሎሚ ሓሙስ 24 ጥቅምቲ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ሰዊት ዮሃንስ ብንእስነታ ምስ ወለዳ ካብ ኤርትራ ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ተሰዲዳ ዝለዓለ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ዛዚማ ብሞያ ጥብቅና ትሰርሕ ዘላ እያ። ኣቦን ወድን ኣብ ኣውስትራሊያ ዑደት ኣብ ዝገብርሉ ዘለዉ እዋን ብዛዕባ ዝምድና ወለድን ዉልድን፡ ጥዑይ ኣተዓባብያ ዉሉድን ዘጋጥሙ ጸገማትን ኣፈታትሓኡን ብሰፊሑ ኣዕሊሎምና ኣለዉ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፐዘሽኪያን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተራኺቡ ዘትዩ።ኣብ ዓለም፣ 1.1 ቢልዮን ህዝቢ ኣብ ሕሱም ድኽነት ከምዝነብር ተገሊጹ።ኣብ ትግራይ ንህንፀት ፕሮጀክት ኬሚካል ኢንዱስትሪ ደጀና ኮንትራት ዝሓዘ ኩባንያ ቻይና CEC ኣብ ቀረባ እዋን ስራሕ ክጅምር ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ተባሂሉ።...
Oct 24, 2024•56 min