ኣርእስታት ዜና፥ ብዝሒ እቶም ብ ትምህርቲ መሕረሲት ዝምረቑ ሰባት ፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ዝድለ ብዝሒ ዘየማል ኡ ምዃኖም ስክፍታ ከምዘሕድር ሓደ ዝወጸ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ሓይልታት እስራኤል ነቲ ዝተቐትለ መራሒ ሕዝቡላህ ክትክኦ ተሓሲቡ ዝነበረ ሓሽም ሰይፈዲን ከምዝተቐትለ ኣረጋጊጾም። ኢትዮጵያ ዝበዝሐ ብሕሱም ድኽነት ዘለዋ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዝዓበየ ዕዳ መንግስቲ ካብ ዘለወን 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ።
Oct 24, 2024•15 min
ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፐዘሽኪያን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተራኺቡ ዘትዩ። ኣብ ዓለም፣ 1.1 ቢልዮን ህዝቢ ኣብ ሕሱም ድኽነት ከምዝነብር ተገሊጹ ኢትዮጵያ ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከብ ዝበዝሐ ህዝቢ ካብ ዘለወን ሃገራት ክትከውን ከላ ኤርትራ ብወገና ዝዓበየ ዕዳ መንግስቲ ካብ ዘለወን 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ኣላ። ኣብ ትግራይ ንህንፀት ፕሮጀክት ኬሚካል ኢንዱስትሪ ደጀና ኮንትራት ዝሓዘ ኩባንያ ቻይና CEC ኣብ ቀረባ እዋን ስራሕ ክጅምር ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ተባሂሉ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ መጭወይቲ ዜጋታት ገዲዱ ከም ዝቐጸለ ኣፍሊጡ።
Oct 23, 2024•8 min
ንሎሚ 23 ጥቅምቲ ዝተዳለዉ ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዝርከቦም ኣብ ካዛን ሩስያ፡ መራሕቲ ደቡባዊ ደምበ ብኣቦ-መንበርነት ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዋዕላ ብሪክስ ይካየድ ኣሎ። ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ፡ ውግእ እስራኤል-ሓማስ ካብ ዝጅምር ን መበል 11 ግዜ ናብ እስራኤል ምብጻሕ ይገብር ኣሎ። ኣብዚ ዓመትካብ ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝፈተኑ ልዕሊ 500 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝሞቱ ዓለምለኻዊ ትካል ፍልሰት ሓቢሩ።
Oct 23, 2024•5 min
ኣብ ኣውስትራሊያ ገዛ ምስራሕ ናይ ብዙሓት ሰባት ሕልሚ ወይ ራእይ እዩ ፡ እዚ ሕልሚ ተግባራዊ ንምግባር ግን እንታይ ኣገደስቲ ስጕምትታት እዮም ዘድልዩ ። ዝጸንሐ ቤት ምዕዳግ ቀሊል ዝመስል እኳ እንተ ኰነ ፡ መሬት ንምዕዳግን ቤትካ ንምህናጽን ዝግበር መስርሕ ብጥንቃቐ መደብ ምውጻእን ኣብ ግምት ምእታውን ዝሓትት እዩ ። ኣብ ኣውስትራሊያ መንበሪ ገዛኻ ንምህናጽ ዝድለዩ ስጉምትታት ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባአ ኣብ ኣውስትራሊያ ተገሊጹ ኣሎ ።
Oct 23, 2024•7 min
ንሎሚ 22 ጥቅምቲ 2024 ዝተዳለዉ ዜናታት: ነጻ ኣባል ባይቶ ሊድያ ቶርፔ ነቶም ኣብ ካንቤራ መንግስታዊ ኣቀባብላ ዝግበረሎም ዝነበረ ንጉስ ቻርለስን ሰበይቱን “ንጉሰይ ኣይኮነን ኢላ ዝጨደረቶ ዓለምለኻዊ ኣርእስቲ ዜና ኮይኑ ዊዒሉ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ማርካቶ ኣዲስ ኣበባ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ፡ ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ሪፓብሊካን ዶናልድ ትራምፕ ፡ ዳግም ብምጽላም ስም ተኸሲሱ ።
Oct 22, 2024•6 min
ሰዊት ዮሃንስ ብንእስነታ ምስ ወለዳ ካብ ኤርትራ ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ተሰዲዳ ዝለዓለ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ዛዚማ ብሞያ ጥብቅና ትሰርሕ ዘላ እያ። ኣቦን ወድን ኣብ ኣውስትራሊያ ዑደት ኣብ ዝገብርሉ ዘለዉ እዋን ብዛዕባ ዝምድና ወለድን ዉልድን፡ ጥዑይ ኣተዓባብያ ዉሉድን ዘጋጥሙ ጸገማትን ኣፈታትሓኡን ብሰፊሑ ኣዕሊሎምና ኣለዉ።
Oct 21, 2024•21 min
ንሎሚ ሰኑይ 21 ጥቅምቲ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ትካላውነት ብዘይምህናጹ ሚድያታት ብነጻነት ክሰርሓ ኣይክኣላን ተባሂሉ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎጃም “ሓይልታት መንግስቲ" ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ። ዝብሉን ካልእን ሒዙ ቀሪቡ ኣሎ። ኣባል ኮሚቴ ምምኻርን ኣድኣላዊ ሲምፖዚየምን ኤሪሳት ኣቶ ዮሴፍ ኣልኣዛር ብዛዕባ ኣብ 2 ሕዳር 2024 ዝግበር ሲምፖስየምን ስልማት ተባዕ ጋዜጠኛ ምልክያስ ዝምልከት ዝተገብረ ቃለ መሕትት። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት፡ ካልእ ትሕዝቶን’ውን ክቐርብ’ዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ባንግላደሽ ፡ 1.1 ሚልዮን ቶን ዝግመት ሩዝ ብው...
Oct 21, 2024•53 min
ኣብ ዝተኻየደ ዓብዪ ቴሌቶን ትግራይ ክልተ ሚኢትን ሓደን ሚሊዮን ብር ንምልጋስ ቃል ተኣትዩ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ጨንፈር ሽረ እንዳስላሰ ልዕሊ 13.4 ኩንታል ወርቂ ዕድጊት ከምዝፈፀመ ኣፍሊጡ ኣብ ትግራይ ትካላውነት ብዘይምህናፁ ሚድያታት ብነፃነት ክሰርሓ ኣይክኣላን ተባሂሉ። ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር ፍስሃጽዮን ጴጥሮስ ናይ ኣምባሳደርነት ወረቐት ንንጉስ ስዊድ ኣቕሪቡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎጃም “ሓይልታት መንግስቲ" ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
Oct 20, 2024•6 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (21/10/2024) * ማራቶን ኣምስተርዳም ብዓወት ኢትዮጵያውያን ብክልቲኡ ጾታታት ተዛዚሙ፣ * ሻምፒዮን ቅድድም ብሽግለታ ኢትዮጵያ ነጋሲ ሃይሉ ኣብርሃ ሓዳስ ጋንታ ይደሊ ከምዘሎን ሰባት ክተሓባበርዎን ኣብ መድረኽ ሓፋሽ ክፉት መጸዋዕታ ኣቕሪቡ፣ * ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ንብሉጽ ተቐዳዳማይ ዓመተ 2024 ካብ ዝተሓጽዩ 10 ተቐዳደምቲ ኮይኑ፣ * ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሻምናይ ዙርያ ግጥማቱ ኣካይዱ ኣብ መሪሕነት ዝርከባ ሊቨርፑልን ማንቸስተር ሲቲን ዓወታት ከመዝግባ`ንከለዋ ኣርሰናል ንፈለማ ግዜ ኣብ`ዚ ወቕቲ ስዕረት ኣጋጢምዋ፣ * ኢትዮጵያ ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2025 ደጊማ ብጊኒ ተሳዒራ፣ * ሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ከተካይድ ገይሻ ኣብ ሓደ መዓርፎ ነፈርቲ ሊብያ ንልዕሊ 16 ሰዓታት ቀንፈዘ...
Oct 20, 2024•15 min
ኣባላ ኮሚቴ ምምኻርን ኣድኣላዊ ሲምፖዚየምን ኤሪሳት ኣቶ ዮሴፍ ኣልኣዛር ብዛዕባ ኣብ 2 ሕዳር 2024 ዝግበር ሲምፖስየምን ስልማት ተባዕ ጋዜጠኛ ምልክያስ ይዛረብ።
Oct 20, 2024•16 min
ኣርእስታት ዜና፥ ፓርላማ ደቡብ ኣውስትራሊያ ድሕሪ 27 ሰሙናውን ሽድሽተ መዓልታትን ጥንሲ ምውራድ ሕጋዊ ዝገብር ሕጊ ብጸቢብ ድምጺ ዉዱቕ ገይርዎ። ፕረዚደንት ዩክሬን ቭሎዶሚር ዘለነስኪ፡ መሻርክቲ ዩክሬን ሃገሩ ናብ ኔቶ ክትጽንበር ዕድመ ከቕርባ ሓቲቱ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ብዝኸፍአ መልክዑ ዝቕጽል ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣመልኪቱ ጸብጻቡ ንባይቶ ጸጥታ ውድብ ሑቡራት ሃገራት ኸቕርብ ተሓቲቱ።
Oct 17, 2024•14 min
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽል ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ኣመልኪቱ ፀብፃቡ ንባይቶ ፀጥታ ውድብ ሑቡራት ሃገራት ኸቕርብ ተሓቲቱ። ኢትዮቴሌኮም ካብ ጠቕላላ 100 ቢልዮን ብር ኣክስዮን ናይ 100 ሚልዮን ብር ኣክስዮን ንመሸጣ ከም ዘቕረበ ኣፍሊጡ። ስምምዕ ኣጠቃቅማ ማይ ሃገራት ተፋሰስ ፈለግ ኣባይ ካብዚ ሰሙን ጀሚሩ ናብ ተፈፃምነት ምብጽሑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊጹ።
Oct 16, 2024•8 min
ዓሰርተ ሓደ ሃገራት ኣብ ዞና ሴካፋ ንመጻረዪ ግጥማት ሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ቻን 2025 ኣብ ዝሳተፋሉ ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ግጥማት ኣንጻር ኢትዮጵያ ክትገጥም በጺሕዋ፣ * ኢትዮጵያ መጻረዪ ግጥማ ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2025 ኣብ ከተማ ኣቢጃን፣ ኣይቮሪኮስት፣ ኣካይዳ ኣብ ጀርመን ዝጻወት ሰርሑ ጊራሲ ሰለስተ ሽቶታት ኣመዝጊቡ 4-1 ተሳዒራ,
Oct 16, 2024•4 min
ንሎሚ 16 ጥቅምቲ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ : ኣርእስታት ዜና፥ ግዚያዊ መራሒ ሕዝቦላህ ፡ ምስ እስራኤል ተዅሲ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ፡ሰራዊ እስራኤል መጥቃዕቲን ወረራን ኣብ ሊባኖስ ቐጺሉ። ሰባት ኣብ ናይ ዘይሃሰብዎ ኮንትራት ወይ ሳብስክሪፕሽን ዘእቱ መጻወድያታትን ፡ ነቲ ውዕላት ንምስራዝ ኣጸጋሚን ኣደናጋርን ዝኸውን ዘሎን ተግባራት ኣብዚ ቅሩብ እዋን ክእገድ ከምዝኽእል ተፈሊጡ። ዝተኸፋፈሉ ፖለቲከኛታት ህወሓት ንምዕራቕ ዝተገብረ ጻዕሪ ከምዝፈሸለ ተፈሊጡ።
Oct 16, 2024•7 min
Did you know that one in five children is at risk of dying from a disease that is now preventable through vaccination? Australia’s vaccination program helps to prevent severe outcomes from many childhood infections. To access family support payments—and in some states, childcare services—your child must be fully immunised according to the national schedule. - ደቅኹም ክታበት ከምዝወሰዱ ምርግጋጽ ንዕኦም ይከላኸለሎምን ንኩሉ ኣብ ከባቢኦም ወይ ኣብ ዙርይኦም ዘሎ ይጠቅምን ክብሉ ክኢላታት ይመኽሩ። እቶም ክማልኡ ዘለዎም ወይ ጠለባት ክታበት ንህጻናት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ...
Oct 15, 2024•13 min
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ ( ሰሉስ 15 ጥቅምቲ 2024) * ከባቢ ፍርቂ ዝኾኑ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ስድራቤታት ኣብ ኣውስትራልያ ውሕስነት ቀረብ መግቢ ዘይብሉ መነባብሮ የሕልፉ ከምዘለዉ ተገሊጹ፣ * ኣውስትራልያ ዜጋታታ ናብ እስራኤል ከይጓዓዙን ኣብኡ ዘለዉ ኸኣ ብዝተቐላጠፈ ክወጹን ተጠንቅቕ፣ * ሰራዊት እስራኤል ኣርባዕተ ወተሃደራት ዝቐተለን ልዕሊ 60 ሰባት ዘቑሰለን መጥቃዕቲ ድሮን ሒዝቡላህ መርመራ ከካይደሉ ምዃኑ ገሊጹ፡ * ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝካየድ ቃልሲ ኣንጻር ግብረሽበራ ዝህቦ ደገፍ ክቕጽሎ ምዃኑ ቃል ከምዝኣተወላ ኢትዮጵያ ገሊጻ፣
Oct 15, 2024•7 min
ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ንባህልን ልምድን ማሕበረሰብ ግሪኽ ብምዕቃባ ንቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ግሪኽ ንኢዱ ። ኣብ ማእከላይ እስራኤል ከተማ ቢንያሚና ብመጥቃዕቲ ድሮን 20 ሰባት ከም ዝቘሰሉ ኣገልግሎት ምድሓን እስራኤል ገሊጹ። ኢትዮጵያ ብጉዳይ ግብጽን ጎረባብታን ከም ዘይትሻቐል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊጹ።
Oct 14, 2024•11 min
ንሎሚ ሰኑይ 14 ጥቅምቲ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መሮን ሰመዳር፡ ኣብ ሳሕል ዓብዩ፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ኣመሪካ ካብ ዝኣቱ 12 ዓመታት እኳ እንተገበረ ክልተ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ጥራይ ዘይኮነ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ኦክላንድ ኣባል ባይቶ ከተማ ንምዃን ዝወዳደር ዘሎ እዩ። ብዛዕባ ናብዚ ዝበጽሓሉ ጉዕዞ ህይወቱን ብዛዕባ ፖለቲካ ኣመሪካን ኣዕሊሉና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ግብጽን ጎረባብታን ከም ዘይትሻቐል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊጹ። ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንካልኣይ ግዜ ኣጋጢሙ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ መሰል ሃይማኖት ዝገብሮ ግህሰት ብምቕጻል፡ 24 ኣመንቲ ጂሆቫ ኣሲሩ ተባሂሉ። ውድብ ሳልሳይ ወያነ " ህዝባዊ ዋዕላ ብሄራዊ ድሕነትን ስምረትን " ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ መ...
Oct 14, 2024•51 min
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ግብጽን ጎረባብታን ከም ዘይትሻቐል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊጹ። ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንካልኣይ ግዜ ኣጋጢሙ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ መሰል ሃይማኖት ዝገብሮ ግህሰት ብምቕጻል፡ 24 ኣመንቲ ጂሆቫ ኣሲሩ ተባሂሉ። ውድብ ሳልሳይ ወያነ " ህዝባዊ ዋዕላ ብሄራዊ ድሕነትን ስምረትን " ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ መቐለ መድረኽ ኣሳሊጡ።
Oct 13, 2024•7 min
Learn how to describe social team sports and choose one that is right for you. - ብዛዕባ ማሕበራዊ ጋንታ ስፖርትን እታ ዝበለጸት ምምራጽ ዝምልከት ብቛንቋ እንግሊዝኛ ንመሃር። Learn how to describe social team sports and choose one that is right for you.
Oct 13, 2024•13 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (14/10/2024) * ኬንያዊት ሩት ቸፕንገትች ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ብምምዝጋብ ኣብ ማራቶን ቺካጎ ተዓዊታ፣ * ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ 2024 ኣብ ኤልደሮት፣ ኬንያ፣ ተኻይዱ ብዓብላልነት ኤርትራን ተቐዳደምታን ኣብ ዝተዛዘመሉ ሄኖክ ምሉእብርሃን ንሳልሳይ ግዚኡ ኣከታቲሉ ሻምፒዮን ኣፍሪቃ ኮይኑ፣ * ዓሰርተ ሓደ ሃገራት ኣብ ዞና ሴካፋ ንመጻረዪ ግጥማት ሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ቻን 2025 ኣብ ዝሳተፋሉ ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ግጥማት ኣንጻር ኢትዮጵያ ክትገጥም በጺሕዋ፣ * ኢትዮጵያ መጻረዪ ግጥማ ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2025 ኣብ ከተማ ኣቢጃን፣ ኣይቮሪኮስት፣ ኣካይዳ ኣብ ጀርመን ዝጻወት ሰርሑ ጊራሲ ሰለስተ ሽቶታት ኣመዝጊቡ 4-1 ተሳዒራ,
Oct 13, 2024•10 min
መሮን ሰመዳር፡ ኣብ ሳሕል ዓብዩ፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ኣመሪካ ካብ ዝኣቱ 12 ዓመታት እኳ እንተገበረ ክልተ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ጥራይ ዘይኮነ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ኦክላንድ ኣባል ባይቶ ከተማ ንምዃን ዝወዳደር ዘሎ እዩ። ብዛዕባ ናብዚ ዝበጽሓሉ ጉዕዞ ህይወቱን ብዛዕባ ፖለቲካ ኣመሪካን ኣዕሊሉና ኣሎ።
Oct 13, 2024•35 min
ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣብ ላኦስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና ሊ ኪያንግ ኣብ ላኦስ ተራኺቡ ብዛዕባ ቻይና ኣብ ሰደድ ኣውስትራሊያ ዝገበረቶ እገዳ ክዝቲ እዩ። ኣብ ፍሎሪዳ ህቦብላ ሚልተን እናበርትዐ ኣብዝኸደሉ ብ ኣማኢት ኣሻሓት ተፈናቒሎም። ሰነተር ፋጢማ ፓይማን ካብ ሰልፊ ለበር ድሕሪ ምውጻኣ ኣርባዕተ ወርሒ ጸኒሓ ድምጺ ኣውስትራሊያ ወይ Australia's Voice ዝብል ሓድሽ ፖለቲካዊ ሰልፊ መስሪታ። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣፈላላይ ውድብ ህወሓት ብዘተ ዝፍተሐሉ መንገዲ ዕፁው ከምዘይኮነ ገሊጹ። ኣብ ጎንደር መዓስከር ኣለምዋጭ ብመጥቃዕቲ ሰለስተ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ቆሲሎም። ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣስመራ ኣትዩ። ዝብሉን ካልእ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ኣለና።
Oct 10, 2024•14 min
ንሎሚ ሓሙስ 10 ጥቅምቲ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ምስ ኣቦ ወምበር 'ግዝያዊ መሪሕነት ሰልፊ ሕዳሴ ኤርትራ ኢንጂኔር እድሪስ ኑር ዝተገብረ ቃለ መጠይቕ። ካል ኣይን ናይ መወዳእታን ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣፈላላይ ውድብ ህወሓት ብዘተ ዝፍተሐሉ መንገዲ ዕፁው ከምዘይኮነ ገሊጹ። ኣብ ጎንደር መዓስከር ኣለምዋጭ ብመጥቃዕቲ ሰለስተ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ቆሲሎም። ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣስመራ ኣትዩ። ዝብሉን ካልእ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ኣለና። ብደቀባት ተመሪሑ ዝካየድ ቱሪዝም ዘይሃስስ ተዘክሮ ታሪኽ፣ ስነጥበብ፣ ምዝንጋዕ፣ ጥዕናን መቐረትን ዘለዎ እዩ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ሰሙናዊ መደብ ንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካልእን ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማ...
Oct 10, 2024•55 min
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣፈላላይ ውድብ ህወሓት ብዘተ ዝፍተሐሉ መንገዲ ዕፁው ከምዘይኮነ ገሊጹ። ትካላት መንግስቲ ዝወከለ ልኡኽ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣካይዱ ኣብ ጎንደር መዓስከር ኣለምዋጭ ብመጥቃዕቲ ሰለስተ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ቆሲሎም። ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣስመራ ኣትዩ። ሶማል፣ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያ ሰራዊት ከተዋፍር ምዃና ኣፍሊጣ።
Oct 09, 2024•8 min
ንሎሚ 9 ጥቅምቲ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ : ኣርእስታት ዜና፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ክልል ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ህዝቢ ምርባሽ ፈጢሩ ከምዘሎን ሰላም ክዝረግ ስቕ ኢሎም ከምዘይርእዩን ኣፍሊጦም፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዋይት ሃውስ ኮይኑ ንህቦብላ ሚልተን ንምክትታል ናብ ጀርመንን ኣንጎላን ንምኻድ ወጢንዎ ዝነበረ መገሻ ኣናዊሕዎ ። ናይ 2024 ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽልማት ብስነ ፍልጠት መን ምዃኑ ተፈሊጡ።
Oct 08, 2024•7 min
Are you seeking a truly impactful Australian travel experience? Whether you’re seeking wilderness, food, art or luxury, there are plenty of First Nations tourism adventure that you can explore, led by someone with 65,000 years of connection to this land. Not only will you deepen your experience, but you’ll help drive cultural and economic opportunities for First Nations communities. - ናይ ብሓቂ ጽልዋ ዘለዎ ወይ ዘይርሳዕ ተሞክሮ ጉዕዞ ኣውስትራልያ ትደልዩ ኣለኹም ዲኹም፧ እቲ ትደልይዎ በረኻን ጫካታትን፣ መግቢ፣ ስነ ጥበብ ወይ ምዝንጋዕ ይኹን ብዘየገድስ፣ ብሓ...
Oct 08, 2024•12 min
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (08/10/2024) * ታየ ኣጽቀስላሰ ካብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ መዝነቱ ተኣልዩ ንፕረዚደንት ሳህለ-ወርቅ ዘውዴ ክትክእ ከምዝተሰምየ ተገሊጹ። * ዝዓበየ ስግኣት ጸጥታ ንኣውስትራልያ ኣጋጢምዋ ዘሎ ለውጢ ክሊማ ደኣምበር ቻይና ዝፈጠረቶ ወተሃደራዊ ስግኣት ኣይኮነን ክብሉ ክኢላታት ኣጠንቂቖም፣ * ፈደራል መንግስቲ ኣውስትራልያ ንስሪዓተ ምድጓን ስደተኛታት ኣብ ዝምልከት ሓድሽ ሕጋዊ መጎተ ኣጋጢምዎ፡ * ኣብ ቀዳመይቲ ካብ'ተን ኣውስትራልያ ዘወሃሃደተን በረራታት ካብ ሊባኖስ ዝምለሱ ዘለዉ ኣውስትራልያውያን ኣብ ከተማ ሲድኒ ኣትዮም፡
Oct 08, 2024•7 min
ኣርእስታት ዜና፥ ሎሚ እቲ ኣብ እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ እተፈጸመ መጥቃዕቲ በዂሪ ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት ዝተፈላለዩ ሰልፍታት ተገይሩ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ መተሃራ ፈንታሌ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊስካ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ተሰሚዑ። ደቡባዊ በይሩት ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ይድብደብ ኣሎ፡ ዛጊት ካብ ዝተገብረ ደብዳብ እቲ ዝኸበደ እዩ ተባሂሉ።
Oct 07, 2024•14 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (07/10/2024) * ቢንያም ግርማይ ኣብ በልጅምን ጀርመንን ዝተኻየዱ ናይ ሓደ መዓልቲ ቅድድማት ዝለዓሉ ውጽኢታት ኣመዝጊቡ፣ * ናትናኤል ተስፋጽዮን ምስ ዓባይ ጋንታ ሞቪስታር ክጽንበር ናይ ክልተ ዓመት ውዕል ተፈራሪሙ፣ * ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ ኣፍሪቃ ኣብ ኤልዶረት ኬንያ ኣብ`ዚ ሰሙን ክካየዱ`ዮም፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓያሎ ተቐዳደምተን ከሰልፋ`የን፣ * ኢትዮጵያ ዝመጽእ ጥቅምቲ 12ን 15ን ዘለውዋ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2025 ኣብ ከተማ ኣቢጃን፣ ኣይቮሪኮስት፣ ከተካይዶም`ያ፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሊቨርፑል፣ ማንቸስተር ሲቲን ኣርሰናልን ዓወታት ብምምዝጋብ ክምርሻ`ንከለዋ ማንቸስተር ዩናይትድ ማዕረ ድሕሪ ምውጻኣ ኣሰልጣኒኣ ክስጎግ ድምጽታት ይበዝሑ፣
Oct 06, 2024•12 min