ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ጥቅምቲ 2024) - podcast episode cover

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ጥቅምቲ 2024)

Oct 21, 202453 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ንሎሚ ሰኑይ 21 ጥቅምቲ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ትካላውነት ብዘይምህናጹ ሚድያታት ብነጻነት ክሰርሓ ኣይክኣላን ተባሂሉ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎጃም “ሓይልታት መንግስቲ" ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ። ዝብሉን ካልእን ሒዙ ቀሪቡ ኣሎ። ኣባል ኮሚቴ ምምኻርን ኣድኣላዊ ሲምፖዚየምን ኤሪሳት ኣቶ ዮሴፍ ኣልኣዛር ብዛዕባ ኣብ 2 ሕዳር 2024 ዝግበር ሲምፖስየምን ስልማት ተባዕ ጋዜጠኛ ምልክያስ ዝምልከት ዝተገብረ ቃለ መሕትት። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት፡ ካልእ ትሕዝቶን’ውን ክቐርብ’ዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ባንግላደሽ ፡ 1.1 ሚልዮን ቶን ዝግመት ሩዝ ብውሕጅ ከምዝተጸርገ ሚኒስትሪ ሕርሻ እታ ሀገር ገሊጹ። ንጉስ ቻርለስን ንግስቲ ካሚላን ኣብ ኣውስትራሊያ ዝገብርዎ ዘለዉ ንጉሳዊ ዑደት ይቕጽሉ ኣለዉ። ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ጨንፈር ሽረ እንዳስላሰ ልዕሊ 13.4 ኩንታል ወርቂ ዕድጊት ከምዝፈፀመ ኣፍሊጡ
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android