ኤርትራ ሃገራዊ ዓውደ መጽናዕቲ ውሕስነት መግቢ ከም ዘሳለጠት ተሓቢሩ። ውድብ ናፅነት ትግራይ ፖሊሲ-ባዶባዶ ዝተብሃለ ኣማራጺ ምድሓን ብሄረ ትግራይን ምትካል መንግስትን ኣቕሪቡ። ሎሚ ሰኑይ መኽፈቲ መደረ ዘስምዓ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ስቕታ ከም ዝመራጻ ገሊጸን። ኢትዮጵያ ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ብዝሒ እሱራት ዝርከቡላ ሃገር ተባሂላ ኣብ 3ይ ደረጃ ከምዝተሰርዐት ተሓቢሩ።
Oct 06, 2024•8 min
ሓደ ካብቶም ኣንጻር ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ዝቃወሙ ዘለዉ ዉድባት "ሰልፊ ሕዳሰ ኤርትራ" ዝበሃል ኮይኑ፡ ኣብ ትግራይ ዝተገብረ ኲናት ስዒቡ ኣብ ዉሽጢ ምሪሕነቱ ምክፍፋል ተራእዩ። እቲ ዝጸንሐ መሪሕነት ሰልፊ፡ "ናይ ፓራዳይም ለውጢ " ብምግባር ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክንሰርሕ ኢና" ዝብልን ንዕኡ ዝመሳሰል ዘረባታትን መትከላትን ሒዙ። ነዚ ዝቃወሙ ድማ እዚ ካብ መትከልና ወጻኢ እዩ ብምባል ጉባኤ ኣካይዶም 'ግዝያዊ መሪሕነት ሰልፊ ሕዳሴ ኤርትራ ድማ ኣቑሞም። ምስዚ ዝተኣሳሰር ዛዕባ ምስ ኣቦ ወምበር ናይቲ ሰልፊ ግዝያዊ መሪሕነት ኢንጂኔር እድሪስ ኑር ዝተገብረ ቃለ መጠይቕ።
Oct 06, 2024•28 min
ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ፡ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣንጻር ሰራዊት ሕዝቦላህ ዝቐንዐ ናይ ኣጋር ወራር ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን ፡ ሸሞንተ ወተሃደራታ ከም እተቐትሉ ገሊጻ ። ንምክትል ፕረዚደንትነት ዝተሓጽዩ ሪፓብሊካን J-D Vance ን ደሞክራቲክ ቲም ዋልዝን ኣብ ናይ C-B-S. ቴሌቭዥን ቀሪቦም ተኻቲዖም። ኤርትራ ግጭት ንምልዕዓል ዘጋድዱ ተስፋ ቆረጽ ምትላልታት ንዝበለቶም ኣካይዳታት ነቒፋ።
Oct 03, 2024•13 min
ንሎሚ ሓሙስ 03 ጥቅምቲ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ሙባረክ ኢማም ኣብ 2016 ናብ ኣውስትራሊያ ድሕሪ ምስዳዱ፡ ብትምህርትን ኣብ ማሕበረሰቡ ብዝገብሮ ንጥፈታት ስሙ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበረኸ ይኸይድ ኣሎ። ንሱ "Young Assets Foundation" ዝበሃል ትካል ብምምስራት ንልዕሊ 150 መንእሰያት ኣብ ምሕጋዝ ዝርከብ መንእሰይ እዩ። በቲ ንማሕበረሰቡ ዝገብሮ ደገፍ ናይ ከተማ ያራ ናይ 2023 ዜጋ ከተማ ያራ ናይቲ ዓመት "citizen of the City of Yara" ተባሂሉ ተሰይሙ እዩ። ኣብዚ እዋን ንሲቲ ካውንስላት ኣብ ዝግበር ዉድድር ን ኖርዝ ሪችመንድን ንያራ ሲቲ ክውክል ይወዳደር ኣሎ። ቅድሚቲ መዓልቲ ምድማጽ ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ጸገማትን ክፍትሕሎም ዝኽእሉ መገድታት፡ ዘለዎ ራእያትን ኣካፊሉና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስ...
Oct 03, 2024•53 min
ርክብ ትግራይን ዓፋርን ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ ገሊጹ።ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፋኖን ምስኦም ርክብ ኣለዎም ዝተባህሉ ኣካላትን ሓያል ስጉምቲ ምውሳዱ መንግስቲ ኣፍሊጡ። ኣብ ጅቡቲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል፡ ብውሑዱ 45 ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት ብዙሓት ከም ዝጠፍኡን ተገሊጹ።
Oct 02, 2024•7 min
For first-time borrowers, the home loan application process can feel overwhelming. Learn the basics around interest rates, the application process and government support you may be eligible for in Australia. - ገዛ ምዕዳግ ፡ ኣብ ናይ ሓደ ሰብ ህይወት ካብቲ ዝዓበየ ነገር እዩ ። ነዚ ዓቢ ዓቐን ዘለዎ ፋይናንሲያዊ ውሳነ ንምግባርን ምድላውን ፡ ልዕሊ ዓቕምኻ ኰይኑ ኽስምዓካ ይኽእል እዩ ። ኰይኑ ግና ፡ ዘሎ ኣማራጺታት ምፍላጥን ናይ ገዛ ልቓሕ ዕዳጋ ብኸመይ ከም ዝዓዪን ምርዳእ ፡ ባጀት ንምስላዕ ናይ ኣእምሮ ሰላም ይህብን እዩ ።
Oct 02, 2024•11 min
ንሎሚ 2 ጥቅምቲ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኢራን ናብ እስራኤል ዝተኮሶቶ ልዕሊ 200 ሚሳይላት ብ ኣመሪካን እስራኤል ከምዝበርዓነ ተፈሊጡ። ኣብ ዶባ ሶማልያን ኢትዮጵያን ወጥሪ ከምዘሎ ኣብ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኣመሪካ ጀነራል ሚካኤል ናንግሊ ገሊጹ። መራሕቲ ካቶሊክ ኣብ ቫቲካን ኣብቲ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ዋዕላኦም ኣብ ለውጢ መሰረተ እምነት (ዶክሪን) ድምጺ ክህቡ እዮም።
Oct 02, 2024•5 min
ሙባረክ ኢማም ኣብ 2016 ናብ ኣውስትራሊያ ድሕሪ ምስዳዱ፡ ብትምህርትን ኣብ ማሕበረሰቡ ብዝገብሮ ንጥፈታት ስሙ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበረኸ ይኸይድ ኣሎ። ንሱ "Young Assets Foundation" ዝበሃል ትካል ብምምስራት ንልዕሊ 150 መንእሰያት ኣብ ምሕጋዝ ዝርከብ መንእሰይ እዩ። በቲ ንማሕበረሰቡ ዝገብሮ ደገፍ ናይ ከተማ ያራ ናይ 2023 ዜጋ ከተማ ያራ ናይቲ ዓመት "citizen of the City of Yara" ተባሂሉ ተሰይሙ እዩ። ኣብዚ እዋን ንሲቲ ካውንስላት ኣብ ዝግበር ዉድድር ን ኖርዝ ሪችመንድን ንያራ ሲቲ ክውክል ይወዳደር ኣሎ። ቅድሚቲ መዓልቲ ምድማጽ ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ጸገማትን ክፍትሕሎም ዝኽእሉ መገድታት፡ ዘለዎ ራእያትን ኣካፊሉና ኣሎ።
Oct 01, 2024•12 min
ንሎሚ 1 ጥቅምቲ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ግዚያዊ ኣዛዚ ህዝቦላህ ናዒም ቃስም ፡ ሕዝቦላህ ኣንጻር እስራኤል ዝገብሮ ውግእ ከም ዝቕጽሎ ቃል ኣትዩ ። ኣብ ኣውስትራልያ ዋጋ ኣባይቲ እናወሰኸ ይኸይድ እኳ እንተ ኰነ ፡ እቲ ፍጥነት ክብሪ ግን እናዘሓለ ይኸይድ ከምዘሎ ሓድሽ ጸብጻብ ሓቢሩ። ሰራዊት ሱዳን ሓይልታቱ ኣብ ካርቱም ን መንበሪ ኣምባሳደር ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ደብዲቦም ንዝብል ክሲ ነጺጉ።
Oct 01, 2024•5 min
ንሎሚ ሰኑይ 30 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ድሕሪ ዜና፡ ኣብዚ እስራኤል ካብ ቓዛ ሓሊፉ ናብ ሊባኖስ ሊሒሙ ዘለወሉ እዋን መራሒ ሕዝቦላህ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ተቀቲሉ ይርከብ፡ ነዚ ኣመልኪትና ሓሳን ናስራላህ መንዩ፧ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ብዛዕባኡ ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ቀዳማይ ገጽ ፕሮጀክት ‘ምምሕያሽ ቀረብ ኤለክትሪሲቲ፡ ተዛዚሙ። ፕረዚደንት ጌታቸው መሪሕነት ህወሓት ምስ መሪሕነት ኤርትራ ጀማሩዎ ዝነበረ ዝርርብ ኣመልኪቱ ተወሳኺ መብርሂ ሂቡ። ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ኢትዮጵያን ንዝወሃብ ልቃሕ ዝምልከት ኣብ ስምምዕ በጺሖም። ሰብ መዚ ኢትዮጵያን ሶማልን ንዘለዎም ምስሕሓብ ኣብ መድረኽ ሕ/ሃ ኣቕሪቦም ኢትዮጵያ፣ ብወደብ በርበራ ነዳዲ ንምእታው ወጢና ከምዘላ ኣፍሊጣ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ዜናታት ሊኡኽልና ኣሎ...
Sep 30, 2024•51 min
ኣብ 1992 መሪሕነት ህዝቦላሕ ተረኪቡ ክሳብ ሕጂ ክመርሕ ዝጸንሐ ሓሰን ናስረላህ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ዋና ከተማ ሊባኖት ተቐቲሉ ኣሎ። ናስራላህ ኣብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ምስ እስራኤል እተገብረ ውግእ ፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከም ዝቕየር ብምግባርን ሓደ ካብቶም ኣብ ወለዶታት ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮም ዓረባዊ ጕጅለ ከም ዝኸውን ብምግባርን እዩ ንወተሃደራዊ ጉጅለ ሕዝቡላህ መሪሑዎ ። ሰራዊት እስራኤል ፡ ኣብ በይሩት ርእሲ ከተማ ሊባኖስ ኣብ እተኻየደ መጥቃዕቲ ኣየር ከም እተቐትለ ገሊጻ ኣላ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ መንጎ ሕዝቦላን እስራኤልን ዘሎ ውጥረትን ግጭትን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ደይብሉ ኣብ ዘሎ እዩ ።
Sep 30, 2024•7 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (30/09/2024) * ፍርቂ ዘመኑ ኣብ ዘኽበረ ማራቶን በርሊን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ጾታታት ብዓብላሊ ተዓዊቶሞ፣ * ጽገ ድጉማ ኸኣ ኣብ ውድድር 800 ሜ ኣብ ኣሜሪካ ተዓዊታ፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኋንግሻን፣ ቻይና፣ ኤርትራዊ ዮኤል ሃብተኣብ ሳልሳይ ወጺኡ፣ * ታደይ ፖጋቻር ሻምፒዮን ዓለም ቅድድም ብሽግለታ ኣብ ዝኾነሉ ኣብ ዙሪክ፣ ስዊዘርላንድ፣ ከኣ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዝለዓለ ውጽኢት ንኤርትራ ኣመዝጊቡ፣ * ኬንያ፣ ኡጋንዳን ታንዛንያን ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ቻን 2025 ብሓባር ከአንግዳ ተሰይመን፣ * ብሪዝበን ላዮንስ ሻምፒዮን ፉቲ ኣውስትራልያ ኮይና፣ * ሊቨርፑል መሪሕነት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ደጊማ ኣብ ዝተረከበትሉ ሰሙን ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ሜድኣ ብቶተንሃም ዘሕፍር ስዕረት ኣጋጢምዋ፣
Sep 29, 2024•14 min
ተሳትፎ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ኣኼባ መሓዙት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት። ፕረዚደንት ጌታቸው መሪሕነት ህወሓት ምስ መሪሕነት ኤርትራ ጀማሩዎ ዝነበረ ዝርርብ ኣመልኪቱ ተወሳኺ መብርሂ ሂቡ። እቲ ፕረዚደንት ተመዛበልቲ ናብ ቦትኦም ኣብ ሓፂር እዋን ክምለሱ እዮም፣ እዚ ድማ ብላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ይውዳእ ኣሎ -ክብል ውን ተዛሪቡ። ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ኢትዮጵያን ንዝወሃብ ልቃሕ ዝምልከት ኣብ ስምምዕ በጺሖም። ሰብ መዚ ኢትዮጵያን ሶማልን ንዘለዎም ምስሕሓብ ኣብ መድረኽ ሕ/ሃ ኣቕሪቦም ኢትዮጵያ፣ ብወደብ በርበራ ነዳዲ ንምእታው ወጢና ከምዘላ ኣፍሊጣ።
Sep 29, 2024•8 min
Home Affairs Minister Clare O’Neil has labelled democracy our most precious national asset. But some people say it’s at risk. - ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣውስትራሊያ ክለይር ኦ'ኒይል ንዲሞክራሲ እቲ ኣዝዩ ዝኸበረ ሃገራዊ ጥሪትና ኢላ ሰይማቶ። ገለ ሰባት ግን ኣብ ሓደጋ'ዩ ዘሎ ይብሉ።
Sep 28, 2024•8 min
ንሎሚ ሓሙስ 26 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው መሪሕነትን ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ክፈጥሮ ብዛዕባ ዝኽእል ጸገማትን መጻኢ ኣንፈቱን ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ሰናይ ገብረመድህንን ተጋዳላይ ሃይለ እንግዳን ዝተገብረ ካልኣይ ክፋልን ናይ መወዳእታን ዘተ ክቐርብ እዩ። ሉኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ኤርትራውያን ነጠፍቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ትግራይ ን620 ዝተጸገሙ መራሕቲ ስድራ ነበርቲ ከተማ ኮረም ሓገዝ ከም ዝገበሩ ተገሊጹ። ኣብ ከባቢ ዘላምበሳ ናይ ወተሃደራት ኤርትራ ሓድሽ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ዝናፈሱ ዘለው ዜናታት ካብ ክውንነትን ሓቅን ዝረሓቐ ምዃኑ ምምሕዳር ከተማ ዓድግራት ኣፍሊጡ። ካልእ ኣርእስታት ዝሓዘን ጸብጻብ ድሕሪ ዜና ክቐርብ እዩ። ኣብ ዝባን ናሕሲ ገዛኹም ሶላር ንምትካል ክትፈልጥዎ ዘለኩም ነገራት፡ዝብል ሰሙ...
Sep 26, 2024•54 min
ኣርእስታት ዜና፥ መጥቃዕትታት እስራኤል እተፈላለየ ክፋላት ሊባኖስ ፡ ቀጺሉ። ኣብታ ሃገር ሓሙሽተ ሚልዮንን ፈረቓን ዝዀኑ ሰባት ተመዛቢሎም ኣለዉ ክብል ሚኒስተር ጥዕና ሊባኖስ ኣፍሊጡ። ፕረ/ ጆ ባይደን ፡ እቲ ሩስያ ኣብ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ውግእ ከም ዝፈሸለን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሕዝቦላህን ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ግጭት ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ክርከብ ይኽእል’ዩ ኢሉ። ታይላንድ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ቀዳመይቲ ሃገር ማዕርነት መውስቦ ብወግዒ ዝተቐበለት ሃገር ኮይና።
Sep 26, 2024•14 min
ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኤርትራውያን ነጠፍቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ትግራይ ን620 ዝተጸገሙ መራሕቲ ስድራ ነበርቲ ከተማ ኮረም ሓገዝ ከም ዝገበሩ ተገሊጹ። ኣብ ከባቢ ዘላምበሳ ናይ ወተሃደራት ኤርትራ ሓድሽ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ዝናፈሱ ዘለው ዜናታት ካብ ክውንነትን ሓቅን ዝረሓቐ ምዃኑ ምምሕዳር ከተማ ዓድግራት ኣፍሊጡ። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ንዘስምዖ ነቔፈታ ግብረ-መልሲ ሂቡሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ይነብሩ ዝነበሩ 780 ሱዳናውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ።
Sep 25, 2024•6 min
እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዘካየደቶ ናይ ክልተ መዓልታት መጥቃዕቲ ብ ኣየር፡ ሓደ ላዕለዋይ መራሒ ሕዝቦላህ ዝርከቦም 600 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ። ካብቲ ብ2006 እተገብረ ውግእ ንደሓር ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሕዝቦላን ዝኸፍአ ውግእ ተባሂሉ ዘሎ ንገለ ክፋል ርእሰ ከተማ ሊባኖስ በይሩት ኣዕንዩ ኣሎ ። ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዘሎ ግጭት ኣብ ጋዛ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ንኽልቲኦም ወገናት እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ናብ ዞባዊ ውግእ ከየምርሕ ንድሕሪት ክምለሱ ይጽውዑ ኣለዉ ።
Sep 25, 2024•6 min
ንሎሚ 25 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ሊባኖስ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ፡ ባይቶ ጸጥታ ዉዱብ ሕ ቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቲ ኩነታት ይእከብ። ህንዲ ሓድሽ ዓይነት ሕማም በዲዶ ህበይ ከምዘጋጠማ ተፈሊጡ። ኣብቲ ሎሚ ዝወጽእ ቁጠባዊ ኣሃዛት መጠን ዝቕባበ ከምዝወርድ ትጽቢት ይግበር።
Sep 25, 2024•5 min
Learn how to communicate about suspicious messages and scams. - ብዛዕባ ተጠርጣሪ መልእኽትን ምጥፍፋኣትን ብኸመይ ከም ትዘራረብ ተመሃር። Learn how to communicate about suspicious messages and scams.
Sep 24, 2024•13 min
ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ምዉቕ ክሊማ ፡ ኣብ ምሉእ ዓመት ማእለያ ዘይብሉ ቀረብ ጸሓያዊ ጸዓት ስለ ዝህብ ፡ ኣብ ቀረብ ኤለክትሪክ እታ ሃገር ዝለዓለ ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ ። ኣብ 2021-22 እዋን ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ጸሓያውን ንፋሳውን ጸዓት ፡ ንፈለማ ግዜ ካብ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዝበልጽ ከምዝኾነ፡ ቤት ፅሕፈት ስታቲስቲክስ ኣውስትራልያ (ኤ.ቢ.ሲ) ጸብጺቡ ኣሎ ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኣድላይነት ተሓዳሲ ጸዓት ንምምላእ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ዘጕልሕ ኰይኑ ፡ ነቲ ናብ ቀጻሊ ንጥፈታት ጸዓት ዝግበር ሰፊሕ ስርሒት ዘንጸባርቕ እዩ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብ ኣብ ገዛኻ ከመይ ጌርና ጸሓያዊ ጸዓት ከምነተኣታቱ ክንርእይ ኢና ።
Sep 24, 2024•7 min
ንሎሚ 24 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት አቕርበልኩም ፈለማ ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ሊባኖስ ካብ 2006 ኣትሒዙ ዘይተፈጸመ ን ብዙሓት ህዝቢ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ሶማልያ ካብ ግብጺ ዝተፈላለዩ ከበድቲ ኣጽዋር ተቐቢላ። ሓድሽ ናይ ህዝቢ ድምጺ መዐቀኒ ከምዝገለጾ ኣውስትራሊያውያን ን ሰልፊ ለበር ይጥንጥኑ ኣለው።
Sep 24, 2024•5 min
ንሎሚ ሰኑይ 23 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ጉዕዞ ስደት ብዙሕ ግዜ ዘየተኣማምንን ኣብ ዘይተጸበኻዮን ተርእዮታት ዘጋጥም እዩ ። ሞት እተፍቅሮ ሰብ ወይ ፈታዊኻ ምስዘጋጥም እንታይ ክግበር ከም ዝግባእ ክሕርብተካ ይኽእል ። ኣብ ኣውስትራሊያ ስርዓተ ቀብሪ ብኸመይ ከምዝካየድ ምፍላጥ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ብዛዕባዚ ሓደ ትሕዝቶ ከነቕርብ ኢና ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኤርትራን ቅድስት ሉቺያ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ምምስራት ከም ዝጀመራ ገሊጸን ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ: ካብ መንግስቲ ወጻእ ዝግበር ሓደሽቲ ምደባታት ሓላፍነት መንግስቲ ፈተነ ከይግበር ኣተሓሳሲቡ ዜጋታት ግብፂ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ንከይገይሹ ኤምባሲ ግብፂ ኣብ ሶማል ኣጠንቂቁ:: ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ...
Sep 23, 2024•51 min
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኢራን ኣብ ሓደ ናይ ከሰል ዕደና ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 51 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ፣ ሓያሎ ካልኦት ከኣ ቆሲሎምን ጠፊኦምን ። ሪፐብሊካዊ ተወዳዳሪ ንፕረሲደንት፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሕዳር 5 ዝካየድ ምርጫ እንተዘይተዓዊቱ ንራብዓይ ተኸታታሊ ግዜ ኣብ ናይ ኣመሪካ ዉድድር መሪሕነት ከም ዘይሳተፍ ገሊጹ። ኣኼባ ኣካያዲት ኮሚተ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ወይ ካፍ ብምኽንያት ሕማም በዲዶ ህበይ ካብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሓላሊፉ፣
Sep 23, 2024•12 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (23/09/2024) * ኣኼባ ኣካያዲት ኮሚተ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ወይ ካፍ ብምኽንያት ሕማም በዲዶ ህበይ ካብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሓላሊፉ፣ * ኢትዮጵያዊት ሎዛ ኣበራ ኣብ ፕሮፈሽናል ኩዕሶ እግሪ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክትጻወት ውዕል ዝፈረመት ቀዳመይቲ ጓለንስተይቲ ሃገራ ኮይና፣ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ምስ ስጳኛዊት ፕሮ-ኮንቲነንታል ቲም ጋንታ በርጎስ-ቢኤች ናይ ክልተ ዓመት ውዕል ተፈራሪሙ፣ * ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ተጀሚሩ፣ ኣብ’ቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰንበት ዝካየድ ቅድድም መንገዲ ኤርትራ ዝለዓለ ቁጽሪ ኤሊት ተቐዳደምቲ ከተሰልፍ’ያ፣ * ሓምሻይ ዙርያ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ተኻይዶም ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድን ንፈለማ ግዜ ኣብ’ዚ ወ...
Sep 22, 2024•12 min
ኤርትራን ቅድስት ሉቺያ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ምምስራት ከም ዝጀመራ ገሊጸን። ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ: ካብ መንግስቲ ወጻእ ዝግበር ሓደሽቲ ምደባታት ሓላፍነት መንግስቲ ፈተነ ከይግበር ኣተሓሳሲቡ። ዜጋታት ግብፂ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ንከይገይሹ ኤምባሲ ግብፂ ኣብ ሶማል ኣጠንቂቁ:።
Sep 22, 2024•5 min
ካል ኣይ ክፋል ዘተ ብዛዕባ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ። ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ መራሕቲ ፖለቲካ ተፈጢሩ ብዘሎ ናይ መሪሕነት ቅልውላው ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሻቕሎት ተሸሚሙ ይርከብ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፍሕፍሕ መበገሲኡን ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ክፈጥሮ ብዛዕባ ዝኽእል ጸገማትን መጻኢ ኣንፈቱን ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ሰናይ ገብረመድህንን ተጋዳላይ ሃይለ እንግዳን ዝተገብረ ዝርርብ።
Sep 22, 2024•23 min
ኣብ ዜጋታት ዘነፃፀረ ጭውያ ተጋዲዱ ይቕፅል ኣሎ ክብሉ ስድራ ግዳያት ነበርቲ ወረዳ ጉሎመኸዳ ገሊጾም። ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ተጋሩን ካልኦትን ብሰንኪ ውግእ ሕድሕድ ኣዝዩ ተኣፋፍን ውሑስ ብዘይኮነ መንገድን ናብ መረበቶም ክምለሱ ይግደዱ ከምዘለዉ ተሓቢሩ። ቱርኪየ ንሳልሳይ ዙር ሽምግልና ኢትዮጵያ-ሶማል ብማዕዶ ከተካይድ’ያ ተባሂሉ። ኣፍሪካ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ወንበር ክህልዋ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪካ ሓቲቱ።
Sep 19, 2024•7 min
ንሎሚ ሓሙስ 19 መስከረም 2024/ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ መራሕቲ ፖለቲካ ተፈጢሩ ብዘሎ ናይ መሪሕነት ቅልውላው ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሻቕሎት ተሸሚሙ ይርከብ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፍሕፍሕ መበገሲኡን ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ክፈጥሮ ብዛዕባ ዝኽእል ጸገማትን መጻኢ ኣንፈቱን ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ሰናይ ገብረመድህንን ተጋዳላይ ሃይለ እንግዳን ዝተገብረ ዝርርብ ቀዳማይ ክፋል ክቐርብ እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ሓባር ምክራይ መንበሪ ገዛ እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሰባት ንናይ ገዛ ክራይ ዝግበር ወጻኢታት ንምቑጣብ ምስ ኻልኦት ኮይኖም ብሓባር ገዛ ንምኽፋል እዩ ነዚ ዝምልከት ምርዳእ ብሓባር መንበሪ ገዛ ምክራይ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ...
Sep 19, 2024•52 min
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ በይሩትን ኣብ ካልእ ክፋል ሊባኖስን ፡ መስራሕታት መዛረቢታት ዎኪቶኪን መሳርሒ ጸሓያዊ ጸዓት ተባሪዖም ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም ። ገዛውቲ ንዝዕድጉ ሓገዝ ንኽረኽቡ ብሰልፊ ለበር ዝወጸ ሕጊ ኣብ መንጎ እቲ ሰልፍን ሰልፊ ግሪንስ ን ኣዋርሕ ዘተ ክግበር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ደውታ በጺሑ። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ኣብ ኤርትራ ጋዜጣታት ብሕቲ ዝተኣገዳሉ መበል 23 ዓመት ይዝክሩ ኣለዉ።
Sep 19, 2024•15 min