ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ መራሕቲ ፖለቲካ ተፈጢሩ ብዘሎ ናይ መሪሕነት ቅልውላው ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሻቕሎት ተሸሚሙ ይርከብ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፍሕፍሕ መበገሲኡን ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ክፈጥሮ ብዛዕባ ዝኽእል ጸገማትን መጻኢ ኣንፈቱን ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ሰናይ ገብረመድህንን ተጋዳላይ ሃይለ እንግዳን ዝተገብረ ዝርርብ። (ቀዳማይ ክፋል)
Sep 18, 2024•25 min
ንሎሚ 18 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ሊባኖስን ገለ ክፋላት ሶርያን ብኣማእታት ዝቝጸሩ ብኢድ ዝትሓዙ ተተኮስቲ ተፈንጂሩ ፡ ብዙሓት ሞይቶምን ኣሻሓት ቆሲሎምን ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራሊያ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብዛዕባ ኣብታ ግዝኣት 10 ደቀባት ምጥፋኦም ኣፍልጦ ንምርካብ ሰልፊ ኣካይዶም ። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓደጋ ከይተወርድ ዓቢ ስግኣት ፈጢራ ዝጸንሐት መርከብ ነዳዲ ናብ ውሑስ ቦታ ከምዝገዓዘት ተፈሊጡ።
Sep 18, 2024•5 min
ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ሓባር ምክራይ መንበሪ ገዛ እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሰባት ንናይ ገዛ ክራይ ዝግበር ወጻኢታት ንምቑጣብ ምስ ኻልኦት ኮይኖም ብሓባር ገዛ ንምኽፋል እዩ ። ነዚ ውሳነ እዚ ክትገብር ከለኻ ፡ እንታይ ቀንዲ ረቛሒታት ኢኻ ኣብ ግምት ከተእቱ ዘሎካ ? ከመይ ጌርካኸ ኢኻ ካብ ምጥፍፋእ ወይ ስካም ክትድሕን እትኽእል ? ኣብዚ ናይ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና ብዛዕባ ምስ ብሓባር መንበሪ ገዛ ምክራይ ዝተሓሓዙ ጉዳያት ክንድህስስ ኢና ።
Sep 17, 2024•9 min
ኤርትራዊት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ክልተ ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ኣብ ዝለዓሉ 10 ተርታታት ዝወዳኣቶምን ናይ ክልተ ሰዓትን 20 ደቒቕን 29 ካልኢት ወሲኽካ ብሉጽ ግዜ ዘመዝገበትሉ ሃገራዊ ክብረ ወሰን ዝተመዝገበላን ወሲኽካ፡ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ ማራቶን ሓንቲ ካብተን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ዝጸንሐት እያ።
Sep 17, 2024•3 min
ን ሎሚ 17 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ምስግጋር ሰባት ዝግበር ንጥፈት ን ምምካት ኣብ ስግረ ዶባት ዝግበር ምትሕብባር ሓድሽ ምዕራፍ ከም ዝህሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ፡ ኣፍሊጡ። ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ ሰባት ሸሞንተ ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ ፈረንሳ ሓቢሩ። ኣብ ሱዳን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ናዕቢ ብፍላይ ኣብታ ርእሲ ከተማ ሰሜን ዳርፉር ዝኾነት ኤል-ፋሸር ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ከምዝኾነ ዋና ጸሓፊ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
Sep 17, 2024•6 min
ንሎሚ ሰኑይ 16 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ፈለማ ን ዒድ መውሊድ ኣል-ነቢ ፡ ተኽብሩ ዘለኹም ኣመንቲ እንቋዕ ኣብጽሓኩም ክብል እፈቱ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ከተማ ሽረ ዝተጀመረ መድረኽ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ብሰንኪ ረብሻ ተቛሪጹ። ብዛዕባ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝምልከት ድማ ወተሃደራት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወጹ ጸዊዑ እቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ክትግበር ሓቲቱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር በድር ዓብዱልዓጢ ንዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ሪፓብሊክ ግብጺ፡ ኣብ ኣስመራ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና ክቐርብ እዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ንዩክረይን ...
Sep 16, 2024•15 min
ኣርእስታት ዜና፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ንዩክረይን ዝወሃብ ብዙሕ ሓገዝ ንምግባር ተዳልያ ከም ዘላ ገሊጻ ። ኣብ ማራቶን ሲድኒ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ብኬንያዊ ብሪሚን ሚሶይ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብ ኢትዮጵያዊት ወርቅነሽ እዴሳ ሓድሽ መዝገብ ክብረ ወሰን ተመዝጊቡ ። ኣባል ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ሓያል ጸቕጢ ክግበርን ንተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ሓገዝ ክግበረሎምን ጸዊዑ። ዒድ መውሊድ ኣል-ነቢ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክብ ዝበለ ስነስርዓት ተከቢሩ።
Sep 16, 2024•15 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (16/09/2024) * ወርቅነሽ እዴሳ ኣብ ማራቶን ሲድኒ በሪሁ ኣረጋዊ ከኣ ኣብ ውድድር 5ሽሕ ሜ ኣብ ብራስልስ ተዓዊቶም፡ * ንፕረዚደንት ዶክተር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ ወሲኽካ መራሕቲ ኮሚተ ኦሎምፒክስ ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ፈጺሞም ተባሂሎም ተኸሲሶም፡ * ወናኒት ክብረወሰን ማራቶን ኤርትራ ናዝሬት ወልዱ ተደጋጋሚ መርመርመራታት ዶፒንግ ከይገበረት ብምትራፋ ን20 ኣዋርሕ ተኣጊዳ፡ * ኣብ ዞባዊ መጻረዪ ግጥማት ንኣፍኮን ት20 መንእሰያት ኢትዮጵያ ኣንጻር ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ክትገጥም በጺሕዋ፣ * አርሊንግ ሃላንድ ሽቶ ምምዝብ ኣብ ዝቐጸለሉ ማንቸስተር ሲቲ 100% ዓወታ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ትዕቅብ፣ ድሕሪ ዓወት ኣርሰናል ኣብ ልዕሊ ቶተንሃም ሰሜን ለንደን ቀይሕ ሕብሪ ኮይኑ፣
Sep 15, 2024•15 min
ኣብ ከተማ ሽረ ዝተጀመረ መድረኽ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ብሰንኪ ረብሻ ተቛሪጹ። ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ርክብ ሰበ-ስልጣን ትግራይን ኤርትራን ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዳግም ናብ ኲናት ዘይኣትዋሉ ክኸውን ከም ዘለዎ ተዛሪቡ። ብዛዕባ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝምልከት ድማ ወተሃደራት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወጹ ጸዊዑ እቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ክትግበር ሓቲቱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር በድር ዓብዱልዓጢ ንዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ሪፓብሊክ ግብጺ፡ ኣብ ኣስመራ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ። ኣባል ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ሓያል ጸቕጢ ክግበርን ንተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ሓገዝ ክግበረሎምን ጸዊዑ
Sep 15, 2024•10 min
There are calls to crack down on the sharing of misinformation online. But would this be an attack on free speech? - ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ወይ ኦንላይን ምዝርጋሕን ምክፋልን ክኽልከል መጸዋዕታታት ይቐርቡ'ለዉ። እዚ ግን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ነጻነት ምዝራብ ይኸውን ዶ፧
Sep 12, 2024•9 min
ንሎሚ ሓሙስ 12 መስከረም 2024/ ወይ 2 መስከረም 2017 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን "ኣብ ትግራይ ነባሪ ሰላም ንክሰፍን ስምምዕ ፕሪቶርያ ክድንፍዕን ብህጹጽ መሊኡ ክትግበርን ተሰማሚዖም ፖለቲከኛታት ትግራይ ኣፈላላዮም ብሰላማዊ መገዲ ክውድኡ ዋና ዳይሪክቶር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶከተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ጸዊዑ። ኣቦ መንበር ህወሓት፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልኣብ መንጐ ሰበስልጣን ትግራይን መንግስቲ ኤርትራን ዝነበረ ርክባት ኣመልኪቱ ንፈለማ ግዜ ተዛሪቡ። ህቡብ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ሰንበት 8 መስከረም ኣብ መበል 76 ዓመቱ ኣብ ሽወደን ከምዝዓረፈ ክግለጽ ቀንዩ ብዙሓት ድማ ኣድናቖቶምን ሓዘኖምን ይገልጹ ኣለዉ። ንገለ ካብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተፈነወን ኣብዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝ...
Sep 12, 2024•54 min
Learn how to describe cooking at a barbecue. - Learn how to describe cooking at a barbecue.
Sep 12, 2024•11 min
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ መልበርን ኣብ ጥቃ ኤክስፖ ምክልኻልን ኣጽዋርን ብዝተኻየደ ሓያል ተቓውሞ ብውሑዱ 39 ሰባት ተኣሲሮም ኣለው ። ኣብ Blue Mountains ዝርከብ ቤት ክልተ ኣወዳት ፡ ብሰሉስ ኣቦኦም ተቐቲሎም ድሕሪ ምርካቦም ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣብ ሓዘን ይርከብ ። በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ምጅማር ሓድሽ ዓመት 2017 ኣብ ትግራይን ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያን ብድሙቕ ጽምብል ተኸቢሩ።
Sep 12, 2024•16 min
በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ምጅማር ሓድሽ ዓመት 2017 ኣብ ትግራይን ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያን ብድሙቕ ጽምብል ተኸቢሩ። " ከባቢታት ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ከምኡ ድማ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝርከብ ህዝብና ሓራ ብምውፃእ ዕማም ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ክኸውን እዩ።" ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን "ኣብ ትግራይ ነባሪ ሰላም ንክሰፍን ስምምዕ ፕሪቶርያ ክድንፍዕን ብህጹጽ መሊኡ ክትግበርን ተሰማሚዖም ፖለቲከኛታት ትግራይ ኣፈላላዮም ብሰላማዊ መገዲ ክውድኡ ዋና ዳይሪክቶር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶከተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ጸዊዑ። ኣቦ መንበር ህወሓት፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልኣብ መንጐ ሰበስልጣን ትግራይን መንግስቲ ኤርትራን ዝነበረ ርክባት ኣመልኪቱ ንፈለማ ግዜ ተዛሪቡ።
Sep 11, 2024•7 min
ኣብ ትሕቲ ዘብለጭልጩ ከዋኽብቲ ፡ ከምኡ "ውን ኣብ ዘይቁጸረሉ ዑደታት ወርሒ ፡ ባህልን ህላወን ቀዳሞት ኣህዛብ ኣውስትራልያ ፡ ኣሽሓት ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ ። ብዛዕባ ፍልጠት ስነ ኰዀብ ንህይወትን ሕግን ቀዳሞት ሰባት ጸልይዎ እዩ ። ካብቲ ዘደንቕ ጋላክሲ ክሳዕ መትዮራይት ጋላክሲ: ከምኡውን ካብ እተፈላለየ መድረኻት ዓውደ ወርሒ ብዛዕባ ናይ ደቀባት ስነ-ኰዀብን ብዛዕባ ኰዀብን ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና ።
Sep 11, 2024•11 min
ኣቦ ወምበር ዉድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝኽዕነ ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ፕረሲደንት ግ/ምም/ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ክዘራረብ ከምዝጸንሐ ኣቃሊዑ። ኣብ መልበርን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ 14 ዓመት እታ ከተማ ዘይረኣየቶ ዝዓበየ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይግበር ኣሎ ። ኢራን ንሩስያ ኣብ ዩክረይን ክትጥቀመላ እትኽእል ባለስቲክ ሚሳይላት ትልእኽ ኣላ ብምባል ፡ እንግሊዝ ፡ ፈረንሳን ጀርመንን ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ ማዕቀብ ኣጽኒዐን ።
Sep 11, 2024•6 min
ህቡብ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ሰንበት 8 መስከረም ኣብ መበል 76 ዓመቱ ኣብ ሽወደን ከምዝዓረፈ ክግለጽ ቀንዩ ብዙሓት ድማ ኣድናቖቶምን ሓዘኖምን ይገልጹ ኣለዉ። ንገለ ካብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተፈነወን ኣብዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ድምጻውያን ኣሕመድ ዓብደልርሒም ስዒድ ዓብደላ ከምኡውን ደራሲ መጽሓፍ ኢብራሂም ሓጅ ብዛዕባ ስነ ጥበባዊ ዑስማን ዓብደልርሒም ስምዒቶም ኣካፊሎሙና ኣለዉ።
Sep 10, 2024•17 min
ኣውስትራሊያ ትሕቲ 14 ዓመት ንዝኾኑ ቆልዑ ማሕበራዊ መረኣኸቢ ንኸይጥቀሙ ዝእግድ ሕጊ ተተኣታቱ ኣላ ። ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝገብሮ ዘሎ ምሻምን ምስንባትን ሰበስልጣን ደው ከብል ፡ ሓላፊ ጸጥታ ክልል ትግራይ ጀ/ታደሰ ወረደ ሓቲቱ ። እቲ ፍሉጥ ድምጺ ዝነበሮ ተዋሳኣይ James Earl Jones, ኣብ መበል 93. ዓመቱ ዓሪፉ።
Sep 10, 2024•5 min
ንሎሚ ሰኑይ 09 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ን ድሮ ሓድሽ ዓመት 2017 ብሰላም ኣብጽሓኩም ንብል፡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ጳጉመን እንታይ ማለትዩ? ሆየ ሆየ ንምንታይ ይበሃል? ወርሒ መስከረም ሓዲሽ ዓመት ክኸውን ንምንታይ ተመሪጹ? እዚ ሓዲሽ ዓመት ምስቲ ናይ ኣውሮጳዊያን እንታይ ብልጫን ፍሉይነትን ኣለዎ? ነዚን ካልእን ሊቃውንቲ ዝሃብዎ ትንታነታት ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ሶማልያ ዘራጊ ንጥፈታት ትፍጽም ኣላ ክብል ከሲሱ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ሕልኽላኽ ንምፍታሕ ተፈላልዮም ዘለዉ ኣካላት ፖለቲካ ንምዝርራብ ይስራሕ ከም ዘሎ ጀነራል ታደሰ ወረደ ተዛሪቡ። ኣመሪካ ብኲናት ትግራይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘንበረቶ እገዳ ተናዊሑ ኣማኢት ኤርትራውያን ብሓይሊ ካብ ቱርኪ ናብ ሃገሮም ናይ ምጥራዝ ሓደጋ...
Sep 09, 2024•48 min
ኣርእስታት ዜና፥ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ንቆልዑ ሓዊሱ እንተወሓደ 33 ፍልስጤማውያን ቀቲሉ ክብሉ ሰበስልጣን ጥዕና ቓዛ ሓቢሮም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ፡ ብሰንበት ናብቲ ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዝርከብ ጫካታት ፓፕዋ ኒው ጊኒ ብምኻድ ፡ ስርዓተ ቅዳሰ ኣካይዶም። ኣድነቕቲን ፈተውትን ስሙይ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም ሓዘኖም እናገለጹ እዮም።
Sep 09, 2024•12 min
ማእከላይ ባንክ ንገሊኦም ወነንቲ ቤት ብሰንኪ ቝጠባዊ ኵነታት ገዛውቶም ክሸጡ ክግደዱ ከምዝኾኑ ኣጠንቂቑ ። ኣመሓዳሪት ማእከላይ ባንክ ፡ ነቲ መጠን ወለድ ኸይጎደለ ክቕጽል እተገብረ ውሳነ ምኽንያት ክትገልጽከላ፡ ንናህሪ ዋጋ ንምቁጽጻር ዝተገብረ ፈተነ ምዃኑ ገሊጻ። እንተ ኣድልዩ'ውን መጠን ወለድ ክውስኽ እቲ ማዕጾ ክፉት ምዃኑ ገሊጻ ።
Sep 09, 2024•6 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (09/09/2024) * ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ፓራሊምፒክስ ኢትዮጵያዊት ያየሽ ጌጤ ኣብ ውድድር 1500 ሜ ደቀንስትዮ ዓይነስውራን ተዓዊታ ካልኣይ ወርቂ ንኢትዮጵያ ኣምጺኣ፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽግለታ ሳልሳይ ክወጽእ እንከሎ ነጋሲ ሃይሉ ኣብርሃ ኸኣ ኣብ ኢጣልያ ዘዕግብ ምንቅስቓስ ኣርእዩ፣ * ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ሞሮኮ 2025 ኢትዮጵያ ኣንጻር ታንዛንያ ገጢማ ብዘይሽቶ ማዕረ ክትፈላለ እንከላ ኣንጻር ዲ ኣር ኮንጎ ሎሚ ምሸት ወሳኒ ግጥም ይጽበያ፣ * ኡጋንዳዊት ኣትሌት ኬንያዊ መጻምድታ ነዳዲ ከስኪሱ ብሓዊ ኣቃጺልዋ ኣብ ዝተባህለሉ መጥቃዕቲ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ'ዚ ዓለም ብሞት ተፈልያ፣
Sep 08, 2024•10 min
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ሶማልያ ዘራጊ ንጥፈታት ትፍጽም ኣላ ክብል ከሲሱ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ሕልኽላኽ ንምፍታሕ ተፈላልዮም ዘለዉ ኣካላት ፖለቲካ ንምዝርራብ ይስራሕ ከም ዘሎ ጀነራል ታደሰ ወረደ ተዛሪቡ። ኣመሪካ ብኲናት ትግራይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘንበረቶ እገዳ ተናዊሑ ኣማኢት ኤርትራውያን ብሓይሊ ካብ ቱርኪ ናብ ሃገሮም ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ተገሊጹ።
Sep 08, 2024•9 min
ንሎሚ ሓሙስ 5 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልወኒ ኣለዎ ብዝብል ምስ ሶማሌላንድ ዝፈረመቶ መሰማምዒ ዉዕል ስዒቡ፡ ምስ ሶማል ኣብ ምስሕሓብ ኣትያ ኣላ፡ ግብጺውን ምስ ምግዳብ ኒል ተተሓሒዙ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ምስሕሓብ ዳግም ኣትያ ኣላ፡ እዚ ኩነታት ነቲ ዞባ ከመይ ክጸልዎ እዩ። ምስቲ ኣብ ቓዛ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ሖቲ ኣንጻር ምዕራባዊያን መራኽብ ንግዲ ዝገብሮ ዘሎ ግጭት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብሓፈሻ ኣብ ባሕሪታት ኤርትራ እንታይ ጽልዋ እዩ ፈጢሩ ዘሎ፧ ጅቡቲ ኢትዮጵያ ባዕላ ከተመሓድሮ ትኽእል ወደብ ክትህባ ሓሳብ ኣቕሪባ ኣላ። እዚ ቦታ ኣብ መንጎ ማያት ኤርትራን ጂቡቲን ዝርከብዩ ዝበሃል፡ ብዛዕባዚ ኩነታት ዝምዕብል ዘሎ፡ ብሓፈሻ ቀይሕ ባሕሪን ከባቢኡን ካብ ቀደም ብዝተፈልየ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታትን ምስዚ ዝተሓሓዝን ዝምልከት...
Sep 05, 2024•58 min
ኣርእስታት ዜና፥ ካብ ቓዛ ንዝሃደሙ ፍልስጤማውያን ንምዕጋት ዝውሰድ ዘሎ ብዝተሓሓዝ ናይ ኣውስትራሊያ ናይ ቪዛ መስርሕ ተነቒፉ ። ኣብ ጋዛ ተኹሲ ደው ንምባል ብዘይዕረፍቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ገሊጹ ። ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን መራሕቲ ዝሳተፉሉ ዋዕላ ቻይና ኣፍሪቃ ጀሚሩ።
Sep 05, 2024•14 min
ምጥቃም ተንቀሳቓሲ ስልክን ወይ ሞባይልን ሓንጎልን ከምኡ "ውን መንሽሮ ርእስን ምትእስሳር ከምዘየለ - ውድብ ጥዕና ዓለም ዝመዘዞ መጽናዕቲ ተመራመርቲ ኣረጋጊጹ ። እቶም ተመራመርቲ ከም ዝገልጽዎ ፡ እቲ መጽናዕቲ ፡ እቲ ካብ ገመድ ኣልቦ ቴክኖሎጂ ዝመጽእ ማዕበላት ሬድዮ ንደቂ ሰብ ኣይጐድኦምን እዩ ፣ ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ስዒቡ ይቐርብ ።
Sep 05, 2024•4 min
ፕረዚደንታት ኤርትራን ሶማልን፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኣንጸላልዩ ዘሎ ወጥሪ ተመያይጦም። ፍሉይ ልኡኽ ሑቡራት ኣሜሪካ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምርሕ ምዃኑ ተገሊጹ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብክሊ ኣየር ኤርትራ ከይበርር ከም ዘይተኸልከለ ገሊጹ። ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ክኣትዉ ዝፈተኑ ቆልዑ ዝርከቡዎም 12 ስደተኛታት ብዘጋጠሞም ሓደጋ ጃልባ ከምዝሞቱ ሰብመዚ ፈረንሳ ገሊጾም።
Sep 04, 2024•7 min
ኣብ ኣውስትራሊያ ክንክን ጥዕና ስኒ ከመይ ከምዝሰርሕ ምርዳእ ጥዕናኻን ድሕንነትካን ንምሕላው ኣገዳሲ እዩ ። ኣብዚ ትሕዝቶ'ዚ ፡ መሰረታዊ ናይ ዓበይትን ህጻናትን ሕክምና ስኒ ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ ከምዝኾነ ክንርእ ኢና ፡ንዓኹምን ንስድራቤትኩምን ፍሽኽታኹም መታን ክኹላዕ እዚ ኣገልግሎታት ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል ፡ ወጻኢታቱ ፡ ከምኡ "ውን ገለ ኣገደስቲ ምኽርታት ናይ ስኒ ጥዕና ክንድህስስ ኢና።
Sep 04, 2024•10 min
ንሎሚ 4 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ አቕርበልኩም፡ ኣርእስታት ዜና፡ "ብዘይፈለጥናዮ መገዲ፡ ኣብ ኣስመራ ዘለና ገንዘብ ከነውጽእን ክንጥቀመሉን ተኸልኪልና፡ በዚ ድማ ናብ ኣስመራ በረራ ደው ከነብሎ ተገዲድና ” ክብል መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ገሊጹ። ኣብ ዩክረይን ከተማ ፖሊታቫ ፡ ብሚሳይል ሩስያ እንተ ወሓደ 51 ሰባት ሞይቶም ፡ ልዕሊ 200 ካልኦት ድማ ቝሲሎም ። ቀንዲ መራሒ ተቓዋሚ ኡጋንዳ ቦቢ ዋይን ኣብ ከተማ ካምፓላ ብኣባላት ጸጥታ ብዝተተኮሰሉ ጥይት እግሩ ተወጊኡ።
Sep 04, 2024•7 min
ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልወኒ ኣለዎ ብዝብል ምስ ሶማሌላንድ ዝፈረመቶ መሰማምዒ ዉዕል ስዒቡ፡ ምስ ሶማል ኣብ ምስሕሓብ ኣትያ ኣላ፡ ግብጺውን ምስ ምግዳብ ኒል ተተሓሒዙ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ምስሕሓብ ዳግም ኣትያ ኣላ፡ እዚ ኩነታት ነቲ ዞባ ከመይ ክጸልዎ እዩ። ምስቲ ኣብ ቓዛ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ሖቲ ኣንጻር ምዕራባዊያን መራኽብ ንግዲ ዝገብሮ ዘሎ ግጭት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብሓፈሻ ኣብ ባሕሪታት ኤርትራ እንታይ ጽልዋ እዩ ፈጢሩ ዘሎ፧ ጅቡቲ ኢትዮጵያ ባዕላ ከተመሓድሮ ትኽእል ወደብ ክትህባ ሓሳብ ኣቕሪባ ኣላ። እዚ ቦታ ኣብ መንጎ ማያት ኤርትራን ጂቡቲን ዝርከብዩ ዝበሃል፡ ብዛዕባዚ ኩነታት ዝምዕብል ዘሎ፡ ብሓፈሻ ቀይሕ ባሕሪን ከባቢኡን ካብ ቀደም ብዝተፈልየ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታትን ምስዚ ዝተሓሓዝን ዝምልከት ካብ ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ቺፍ ፓውሎ ኣንቶኒዮ ተንቲኑልና ኣሎ።
Sep 03, 2024•22 min