ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 መስከረም 2024) - podcast episode cover

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 መስከረም 2024)

Sep 12, 202454 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ንሎሚ ሓሙስ 12 መስከረም 2024/ ወይ 2 መስከረም 2017 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን "ኣብ ትግራይ ነባሪ ሰላም ንክሰፍን ስምምዕ ፕሪቶርያ ክድንፍዕን ብህጹጽ መሊኡ ክትግበርን ተሰማሚዖም ፖለቲከኛታት ትግራይ ኣፈላላዮም ብሰላማዊ መገዲ ክውድኡ ዋና ዳይሪክቶር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶከተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ጸዊዑ። ኣቦ መንበር ህወሓት፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልኣብ መንጐ ሰበስልጣን ትግራይን መንግስቲ ኤርትራን ዝነበረ ርክባት ኣመልኪቱ ንፈለማ ግዜ ተዛሪቡ። ህቡብ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ሰንበት 8 መስከረም ኣብ መበል 76 ዓመቱ ኣብ ሽወደን ከምዝዓረፈ ክግለጽ ቀንዩ ብዙሓት ድማ ኣድናቖቶምን ሓዘኖምን ይገልጹ ኣለዉ። ንገለ ካብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተፈነወን ኣብዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ድምጻውያን ኣሕመድ ዓብደልርሒም ስዒድ ዓብደላ ከምኡውን ደራሲ መጽሓፍ ኢብራሂም ሓጅ ብዛዕባ ስነ ጥበባዊ ዑስማን ዓብደልርሒም ስምዒቶም ኣካፊሎሙና ኣለዉ። ስነ ኮኾብ ደቀባት ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ መልበርን ኣብ ጥቃ ኤክስፖ ምክልኻልን ኣጽዋርን ብዝተኻየደ ሓያል ተቓውሞ ብውሑዱ 39 ሰባት ተኣሲሮም ኣለው ። ኣብ Blue Mountains ዝርከብ ቤት ክልተ ኣወዳት ፡ ብሰሉስ ኣቦኦም ተቐቲሎም ድሕሪ ምርካቦም ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣብ ሓዘን ይርከብ ። በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ምጅማር ሓድሽ ዓመት 2017 ኣብ ትግራይን ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያን ብድሙቕ ጽምብል ተኸቢሩ።
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android