ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 መስከረም 2024) - podcast episode cover

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 መስከረም 2024)

Sep 16, 202415 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ንሎሚ ሰኑይ 16 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ፈለማ ን ዒድ መውሊድ ኣል-ነቢ ፡ ተኽብሩ ዘለኹም ኣመንቲ እንቋዕ ኣብጽሓኩም ክብል እፈቱ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ከተማ ሽረ ዝተጀመረ መድረኽ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ብሰንኪ ረብሻ ተቛሪጹ። ብዛዕባ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝምልከት ድማ ወተሃደራት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወጹ ጸዊዑ እቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ክትግበር ሓቲቱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር በድር ዓብዱልዓጢ ንዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ሪፓብሊክ ግብጺ፡ ኣብ ኣስመራ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና ክቐርብ እዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ንዩክረይን ዝወሃብ ብዙሕ ሓገዝ ንምግባር ተዳልያ ከም ዘላ ገሊጻ ። ኣብ ማራቶን ሲድኒ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ብኬንያዊ ብሪሚን ሚሶይ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብ ኢትዮጵያዊት ወርቅነሽ እዴሳ ሓድሽ መዝገብ ክብረ ወሰን ተመዝጊቡ ። ኣባል ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ሓያል ጸቕጢ ክግበርን ንተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ሓገዝ ክግበረሎምን ጸዊዑ። ዒድ መውሊድ ኣል-ነቢ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክብ ዝበለ ስነስርዓት ተከቢሩ።
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android