ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 መስከረም 2024) - podcast episode cover

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 መስከረም 2024)

Sep 30, 202451 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ንሎሚ ሰኑይ 30 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ድሕሪ ዜና፡ ኣብዚ እስራኤል ካብ ቓዛ ሓሊፉ ናብ ሊባኖስ ሊሒሙ ዘለወሉ እዋን መራሒ ሕዝቦላህ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ተቀቲሉ ይርከብ፡ ነዚ ኣመልኪትና ሓሳን ናስራላህ መንዩ፧ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ብዛዕባኡ ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ቀዳማይ ገጽ ፕሮጀክት ‘ምምሕያሽ ቀረብ ኤለክትሪሲቲ፡ ተዛዚሙ። ፕረዚደንት ጌታቸው መሪሕነት ህወሓት ምስ መሪሕነት ኤርትራ ጀማሩዎ ዝነበረ ዝርርብ ኣመልኪቱ ተወሳኺ መብርሂ ሂቡ። ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ኢትዮጵያን ንዝወሃብ ልቃሕ ዝምልከት ኣብ ስምምዕ በጺሖም። ሰብ መዚ ኢትዮጵያን ሶማልን ንዘለዎም ምስሕሓብ ኣብ መድረኽ ሕ/ሃ ኣቕሪቦም ኢትዮጵያ፣ ብወደብ በርበራ ነዳዲ ንምእታው ወጢና ከምዘላ ኣፍሊጣ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ዜናታት ሊኡኽልና ኣሎ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ስጕምቲ ውሑስን ሕጋዊን ምንጻል ጥንሲ ክርከብ ዝጽውዕ ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዝተሳተፍዎ ኣብ ከተማታት ዓለም ናብ ጐደናታት ወጺኦም ዊዒሎም ። ሰራዊት እስራኤል ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሕዝቦላህ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ካልእ ዝለዓለ በዓል ስልጣን ሕዝቦላህ ከም ዝቐተለ ገሊጹ። እስራኤል ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሑቲ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ብምክያድ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ሓድሽ ግንባር ተኸፊቱ ከምዘሎ ተፈሊጡ ።
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android