ንሎሚ 3 ታሕሳስ 2024 ኣርእስታት ዝተዳለዉ ዜናታት፥ መንግስቲ ፈረንሳ ፡ ድሕሪ እዚ ሰሙን ክፈርስ እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሉ ተፈሊጡ፡ ኣብ ትግራይ ብቅትለት ማህሌት ተኽላይ ተኸሲሶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ካብ ዝጸንሑ እቲ ሓደ ንሞት ተፈሪዱ። ኣብ ጊኒ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ድሕሪ ዘጋጠመ ግጭት ፡ ብውሕዱ 56 ሰባት ተቐቲሎም ።
Dec 03, 2024•5 min
ኣብ ሰብዓታት ብጊታሩ ኣሰንዩ ዝደርፎም ዝነበሩ ምኡዛት ዜማታት ክሳብ ሎሚ ሓይሎም ኣይደኸሙን። ዮሱፍ ከም ግመለይ ግመለይ፡ ንፋታሕ ንፋታሕ፡ ምሳኺን ካልኦትን ዝብላ ደርፊታቱ ንብዙሓት መን እሰያት ልቦም ንፍቕሪን ሃገራዊ ስምዒት ዘንድዳ ካብ ሓያሎ ቁንጣሮ ደርፊታቱ እየን። ስነጥበበኛ ዮሱፍ ብዘይካ ደርፍታቱ ሃለዋቱ’ውን ኣበይ ከምዘሎ ብዙሓት ከይፈለጥዎ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ እዚ ቃለ መሕት ካብቲ ኣቐዲሙ ምስ SBS ትግርኛ ዝገበሮ ደጊምና ናብ ሰማዕትና ነብሎ ዘለና። ስራሓት ዮሱፍ ዳግም ዝኽርኹም ንምሕዳስን፡ ንሱ ካበይ ናበይን ኣበይን ከምዘሎን ንምፍላጥን ነዚ ትሕዝቶ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ።
Dec 02, 2024•55 min
ንሎሚ ሰኑይ 2 ታሕሳስ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ካብ 2025 ንደሓር ዝስረሓሉ ውጥን መኸተ ከም ዘሎ ተዛሪቡ። ኢትዮጵያ ብሸመታ ኣጽዋር ኣብ 6ይ ደረጃ ከምትስራዕ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰፊሕ ግፋ ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ። ግራብ ኢብራሂም ኣብ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ካብ ዘቕርቦ ሓደ ኣርእስቲ እዩ፡ ቃለ መሕትት’ውን ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ኣብዚ መፋርቕ ሰሙን ምብራቓዊ ኣውስትራልያ ዝያዳ ምዕልቕላቕ ማይ ክህሉ ምዃኑ ኣጠንቂቑ: ሓይልታት ደባይ ተዋጋእቲ ሶርያ ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት መንግስቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽፋቶም ፡ ንመብዛሕትኡ ክፋል ከተማ ኣሌፖ ተቘጻጺ...
Dec 02, 2024•55 min
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ካብ 2025 ንደሓር ዝስረሓሉ ውጥን መኸተ ከም ዘሎ ተዛሪቡ። ኢትዮጵያ ብሸመታ ኣጽዋር ኣብ 6ይ ደረጃ ከምትስራዕ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰፊሕ ግፋ ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ። ኮምሽን መፅናዕቲ ጄኖሳይድ ትግራይ ኣብ ህዝቢ ። ቀፃሊ ጨፍጫፍን መግዛእትን ከም ዘየቋረጸ ገሊጹ።ሰሙናዊ መደብ ስፖርት፡ ካልእ ትሕዝቶን’ውን ክቐርብ’ዩ።
Dec 01, 2024•10 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (02/12/2024) * ኢትዮጵያዊት መገርቱ ኣለሙ ኣብ ቫለንስያ ኤርትራዊ ሳምሶን ኣማረ ኣብ ሻንግሃይ ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ማራቶን ተዓዊቶም፣ * ኣብ ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ትዕግስት ኣሰፋን ሲፋን ሓሰንን እናተደፋፋኣ ዝተላዕለት ስእሊ ብልጽቲ ናይ’ዚ ዓመት ተባሂላ ተሰሊማ፣ * ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ ወርሒ ዝካየድ ግጥማት ሴካፋ ት17 መንእሰያት መጋጥምታ ፈሊጣ፣ * ሊቨርፑል ንማንቸስተር ሲቲ 2-0 ድሕሪ ምስዓራ መሪሕነታ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ናብ 9 ደይቡ፣ ማንቸስተር ሲቲ ምንቁልቋላ ቀጺሉ ንራብዓይ ተኸታታትሊ ግዜ ተሳዒራ፣ * ሱዳን ብዂናትን ኣዕናዊ ሳዕቤናቱን ትሕመሰሉ ኣብ ዘላ እዋን ሃገራዊት ጋንትኣ ናብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ሞሮኮ 2025 ብምሕላፍ መጸናንዒት ህዝባ ኮይና፣
Dec 01, 2024•11 min
New research has highlighted the high rates of workplace sexual harassment and assault experienced by migrant women. Experts say there are many reasons why this type of abuse often goes unreported. - ልዑላት መጠናት ጾታዊ ዓመጻትን በደላትን ንሓደስቲ መጻእቲ ደቀንስትዮ የጋጥመን ክብል ሓደ ሓድሽ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ክኢላታት ከኣ እዚኦም ዓይነታት በደላት ከይተነግሩ ወይ ከይተጠርዑ ዝተርፉሉ ብዙሓት ምኽንያታት ኣለዉ ይብሉ።
Nov 29, 2024•9 min
ንሎሚ ሓሙስ 28 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ዶ/ር ሳዕድያ ሓሰኒን ካብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም በዓልቲ ሞያ ኣንትሮፖሎጂ ኮይና፡ ብዛዕባ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ኣብ ስዊድንን ኣውስትራሊያን መጽናዕቲ ተካይድ ምህርቲ እያ። ኣብዚ እዋን ሕማም ለበዳ ኮቪድ ኣብ ስዊድን ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ከምኡ'ውን ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን መጽናዕታ ተካይድ ኣላ። ብዛዕባ ትገብሮም መጽናዕትታትን ብሓፈሻ ብዛዕባ ስርሓን ኣዕሊላትና ኣላ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣቦመንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ተመያዪጦም።ኢትዮጵያን ክኢላታት ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ኣብ ካልኣይ ዳግመ ግምት ናይቲ ዝተናውሐ ውዕሊ ልቓሕ ተሰማሚዖም። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ይር...
Nov 28, 2024•54 min
ኣቦመንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ተመያዪጦም። ሚኒስተር ወጻኢ ሱዳን ብወገኑ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘተ ኣካይዱ "ዕልዋ መንግስቲ ይገብር ኣሎ" ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ። "ግዝያዊ ምምሕዳር መንእሰያት ኣሰልጢኑ ህወሓት ንምፍራስ ይሰርሕ ኣሎ።" ጉባኤ ዘካየደ ህወሓት ኢትዮጵያን ክኢላታት ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ኣብ ካልኣይ ዳግመ ግምት ናይቲ ዝተናውሐ ውዕሊ ልቓሕ ተሰማሚዖም።
Nov 27, 2024•9 min
ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ፋርማሲታት ሓኪም ዝኣዘዝዎም መድሃኒታትን ናይ ጥዕና ክንክን ምኽሪ የበርክቱ ፤ ንሕብረተሰብ ድማ ብዛዕባ ውሑስ ኣጠቓቕማ መድሃኒትን ምክልኻል ሕማምን ይምህሩ ። እንተሓሚምካን ሓኪምኻ መድሃኒት እንተኣዚዙልካን ፡ ዝቕጽል ስጉምቲ ሓኪም ዝ ኣዘዘልካ መድሃኒት ንምርካብ፡ ናብ ኣብ ከባቢኻ ናብዘሎ ቤት-መድሓኒት ምኻድ እዩ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ኣሰራርሓ ፋርማሲ ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ ከምዝሰርሕ ብምርኣይ፡ ናብ ፋርማሲ ክትከይድ ከለኻ እንታይ ክትጽበ ከምትኽእል ክግለጽ እዩ ።
Nov 27, 2024•12 min
ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ተገይሩ። ኣቦመንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ኣስመራ ኣትዩ፡ ምስ ፕ/ት ኢሳይያስ ተዘራሪቡ። ቪክቶርያውያን ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ ጽባሕ ዝጸንሕ ብርቱዕ ዝናም ዘለዎ ለይቲ ፡ ክርእዩ እዮም ።
Nov 26, 2024•5 min
ንሎሚ 26 ሕዳር 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ: ** እስራኤልን ሊባኖስትን ስምምዕ ተዂሲ ንኽገብራ ቀሪበን ... ** ሓደ ኣኽባር ሕጊ ኣመሪካ ንክልተ ክስታት ዶናልድ ትራምፕ ኣልዒልዎ ... ** ኣብ ሰሜን ግሪኽ ኣብ እትርከብ ደሴት ሳሞስ: ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ፡ ሽዱሽተ ቘልዑ ዝርከብዎም ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም ።
Nov 26, 2024•5 min
ዶ/ር ሳዕድያ ሓሰኒን ካብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም በዓልቲ ሞያ ኣንትሮፖሎጂ ኮይና፡ ብዛዕባ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ኣብ ስዊድንን ኣውስትራሊያን መጽናዕቲ ተካይድ ምህርቲ እያ። ኣብዚ እዋን ሕማም ለበዳ ኮቪድ ኣብ ስዊድን ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ከምኡ'ውን ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን መጽናዕታ ተካይድ ኣላ። ብዛዕባ ትገብሮም መጽናዕትታትን ብሓፈሻ ብዛዕባ ስርሓን ኣዕሊላትና ኣላ።
Nov 26, 2024•32 min
ንሎሚ ሰኑይ 25 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ፡ ካብ ሊባኖስ ብኣማእታት ዝቝጸር ሚሳይላት ፡ ሮኬታትን ድሮንን ተወንጪፉ ። ድሕሪ ጽዑቕ ዘተ ፡ ኣብ ኣዘርባጃን እተገብረ ኣኼባ ክሊማ ኮፕ-29 ፡ ኣብ መወዳእታ ፡ኣኼበኛታት ብዛዕባ ክሊማዊ ፋይናንስ ተሰማሚዖም ። ኣጥቃዒት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣውስትራሊያ ማቲልዳስ ዝኾነት ሜሪ ፎውለር ካብ ኵሉ እቲ ዝመጽእ ኣህጉራዊ ዉድድራት ንኸይትሳተፍ ወሲና ።
Nov 25, 2024•9 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (25/11/2024) * መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ሞሮኮ 2025 ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ድሕሪ ምጥንቓቖም ኣብ'ቲ ውራይ ዝሳተፋ ኩለን ሃገራት ተፈሊጠን፣ * ኢትዮጵያ ኣንጻር ኮንጎ ኣብ ዘካየደቶ ናይ መወዳእታ መጻረዪ ግጥም 2-1 ተዓዊታ፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲ ደጊማ ተሳዒራ ነጥቢ ክትከስርን ኣብ ቅልውላው ክትእቱን'ንከላ ሊቨርፑል ፍልልያ ናብ 8 ብምስፋሕ መሪሕነታ ኣደልዲላ፣ * ለስተር ሲቲ ከኣ ኣሰልጣኒኣ ኣባሪራ፣ * ወናኒ ትዊተር ወይ ኤክስ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ኮይኑ ክዕወት ድሕሪ ምሕጋዙን ኣብ ካቢነኡ ድሕሪ ምምራጹን ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ካብ'ቲ መድረኽ ክሃድማ ጀሚረን,
Nov 24, 2024•10 min
ብካልእ ሓበሬታ DDR ብምፍጻም ዝፍጠር ስግኣት ከምዘየለ እቲ ፕረዚደንት ተዛሪቡ። ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ምስ መሻርኽቲ ብምትሕብባር፡ ሃገራዊ ወፍሪ ቅነ ንቕሓት ኣብ ተጻዋርነት ንመድሃኒታት ጸረ-ታህዋስያን ብወግዒ ኣብ ኣስመራ ተኸፊቱ። ቤት ምኽሪ ሚንስተራት ኢትዮጵያ ተወሳኺ 582 ቢልዮን ብር በጀት ኣጽዲቑ።
Nov 24, 2024•6 min
ንሎሚ ሓሙስ 21 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተሰዲዶም ኣብ ፈቐዶ መዓስከር ስደተኛታት ንዘለዉ ኣውስትራሊያ ትህቦ ቪዛ እናወሓደን ነቲ ቪዛ ንምርካብ ንውሓት ግዜ ኣዚዩ ነዊሕ ዓመታት ዝወስድ ዘሎ ክስተት እዩ። እዚ ንምንታይ እዩ ኮይኑ፧ ግደ ኣብዚ ዘሎ ማሕበረሰብከ እንታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ፧ ዝብሉን ምስዚ ዝተሓሓዝ ሕቶን ዶ/ ብርሃን ኣሕመድ መሊሱልና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣርእስታት ፡ ኣብ ውሽጢ 10 ኣዋርሕ ልዕሊ 20 ሽሕ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉ ተገሊጹ።ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ውሕስነት ክወሃቦም ጸዊዑ።ሃገራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኢትዮጵያ፡ ተጋደልቲ ነበር ናብ ሕብረተሰብ ምፍናውን፣ ምጥያስን ስርሑ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ትግራይ ብዕሊ ከምዝጅምር ...
Nov 21, 2024•51 min
ክልተ ደቂ መልበርን መንእሰያት ፡ ኣብ ላኦስ ስሚ ዝኣተዎ መስተ ኮክተይል ሰትየን ኣብ እተፈላለየ ሆስፒታላት ታይላንድ ፡ ኣብ ናይ ህይወትን ሞትን ኩነታት ይርከባ። ወለዲ እተን ብመርዚ ሜታኖል ከምዝተሰመማ እተጠርጠራ 19 ዓመት ዝዕድሚአን ኣዋልድ ፡ ኣብ ከቢድ ኩነታት ሕማም ይርከባ ምህላወን ገሊጾም ኣለዉ። እዚ ኣብ መስተ ኣእትዮም መንእሰያት ከምዝስመሙ ዝገብር መታኖል ግን እንታይ እዩ ፈውሲ’ኸ ኣለዎዶ፧
Nov 20, 2024•6 min
ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ውሕስነት ክወሃቦም ጸዊዑ።ነበርቲ ብሄረሰብ ኢሮብ ኲናት ደው ካብ ዝብል ንደሓር ኣብ ዘለው ክልተ ዓመታት ዝዀነ ምምሕያሽ ድሕነትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ከም ዘየለ ነበርቲ ገሊጾም።ነባር ጽርግያ ኢሮብ ብወተሃደራት ኤርትራ ብምዕጻዉ ካብቲ ነባር 10 ዕጽፊ ክፍሊት ዝወሰኸ ዘይውሑስ መገዲ ጉዕዞ ክገብሩ ከም ዝተገዱ ውን ሓቢሮምሃገራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኢትዮጵያ፡ ተጋደልቲ ነበር ናብ ሕብረተሰብ ምፍናውን፣ ምጥያስን ስርሑ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ትግራይ ብዕሊ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።
Nov 20, 2024•9 min
ሰባት ብስደት መጺኦም ኣብ ሓዳሽ መንበሪ ዓዶም ምንባር ክጅምሩ ከለዉ ናይ ድቃስ ምምዝባል ክህሉ ልሙድ እዩ ። ክኢላታት ከምዝብልዎ ፡ን ሓጺር እዋን ናይ ድቃስ ልምድኻ ክጎድል ትጽቢት ዝግበረሉን ንቡርን እዩ ። እንተኾነ እዚ ተርእዮ ናብ ሕዱር ጕዳይ ጥዕና ኮይኑ ሕክምና ናብ ዘድልዮ ኮይኑ እንተ ተቐየረኸ ? መዓስ ኢና ስጕምቲ እንወስድ ? ንገዛእ ርእስኹም ወይ ን ሰብኩም ንምሕጋዝ እንታይ ኣማራጺታት ኣሎ ?
Nov 20, 2024•10 min
ንሎሚ 20 ሕዳር 2024; ዩክሬን ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይል ምስ ኣወንጨፈት፡ ፕረዚደንት ፑቲን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ምጥቃም ንምውሳን ተኽእሎ ኣዛይድዎ ። ኣብ ሲድኒ ሰፊሕ ሰላማዊ ተቓዉሞ ኣገልግሎታት መጓዚ ስለዝግበር ናይ ሲድኒ ሳብበርብ መስመር ባቡር ፡ ንልዕሊ ክልተ መዓልቲ ክዕጾ ከም ተፈሊጡ። ኣብ ሶማሊላንድ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ ተዓዊቱ።
Nov 20, 2024•6 min
ሩስያን ኣመሪካን ነቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ግጭት ከም ዘጋደዳኦ ነንሕድሕደን ይካሰሳ ኣለዋ ። ሓደ ትካል ዕደና ኣውስትራሊያ ን መንግስቲ ማሊ 160 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ተሰማሚዑ። ውድድር ቁንጅና ዓለም ሜክሲኮ ንደንማርክ ዝወከለት ቆንጆ ዩኒቨርስ ኮይና ቀዳመይቲ ወጺኣ።
Nov 19, 2024•5 min
ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ካል ኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተሰዲዶም ኣብ ፈቐዶ መዓስከር ስደተኛታት ንዘለዉ ኣውስትራሊያ ትህቦ ቪዛ እናወሓደን ነቲ ቪዛ ንምርካብ ንውሓት ግዜ ኣዚዩ ነዊሕ ዓመታት ዝወስድ ዘሎ ክስተት እዩ። እዚ ንምንታይ እዩ ኮይኑ፧ ግደ ኣብዚ ዘሎ ማሕበረሰብከ እንታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ፧ ዝብሉን ምስዚ ዝተሓሓዝ ሕቶን ዶ/ ብርሃን ኣሕመድ መሊሱልና ኣሎ።
Nov 18, 2024•15 min
ኣብ ቦትስዋና ኣብ ዝተገብረ ምርጫ እቲ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን (58 )ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሰልፊ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ቦትስዋና (Botswana Democratic Party (BDP)) ብምርጫ ብሰልፊ ተቓዋሚ ጽላል ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (The Umbrella for Democratic Change) ተሳዒሩ እቲ ኣገዳሲ ዝገብሮ ግና እቲ ዝጸንሐ መራሒ ነቲ ዝሰዓረ መራሒ ተቓዋሚ ቅድሚ ምቑጻር ምውዳኡ “እንቋዕ ኣሐጎሰካ፡ ኣነ ተሳዒረ ኣለኹ” ክብል ደዊልሉ። ቦትስዋና ግን ንምንታይ እያ ሰላማዊት ሃገር ኮይና፡ ታሪኽ ፖለቲካን ቁጠባን እታ ሃገር እንታይ ይመስል፧ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ካብታ ሀገር እንታይ ክመሃራ ይኽእላ፧ ነዚን ምስኡ ዝተሓሓዝ ሕቶታት ኣብታ ሃገር ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ዝተቐመጠ ኣርክቴክት ዮሃንስ በራኺ መሊሱልና ኣሎ ካልኣይ ክፋል መወዳእታን ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
Nov 18, 2024•21 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (17/11/2024) * መበል 24 ዓለም ለኸ ዓቢይ ጉያ ኢትዮጵያ ሰንበት ተኻይዱ ኣሳየች ኣይቸው ብደቀንስትዮ ክትዕወት'ንከላ ቢንያም መሓሪ ብደቀተባዕትዮ ተዓዊቱ፣ * ኣትለቲክስ ዓለም ንስልማት መጻኢት ኮኾብ ኣትሌት 2024 ኣብ ፍጻመ ዝበጽሓ ሰለስተ ኣትሌታት ስመን ዘርጊሑ፣ ኢትዮጵያዊት መንእሰይ ኣትሌት ሰምቦ ኣለማየሁ ሓንቲ ካብአን ኮይና፣ * መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣፍኮን 2025 ኣብ ዝቐጸልሉ ኢትዮጵያ ኣንጻር ታንዛንያ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም 2-0 ተሳዒራ፣ ናይ ምሕላፍ ዕድላ ኣኽቲሙ፣
Nov 17, 2024•8 min
ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ሰላም ንምስፋን ዝግበር ጻዕርታት ከም ዝቕጽል ኣፍሊጡ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ምስ ሓለፍቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ዓሚቕ ዘተ ዓካይዱ ተባሂሉ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ንኤርትራውያን ዘነጻጸረ ጽዑቕ ግፋ ይቕጽል ምህላዉ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ሶማልያ ክተወጽእ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ወቕቲ ንኣልሸባብ ምውጋእ ከምትቕጽል ኣፍሊጣ።
Nov 17, 2024•7 min
The unemployment rate for the Dinka community in Australia is almost double the national average. - ኣብ ኣውስትራሊያ መጠን ሽቕለተ ኣልቦነት ኣብ ማሕበረሰብ ዲንካ ካብ'ቲ ማእከላይ ሃገራዊ መጠን ዳርጋ ዕጽፊ'ዩ።
Nov 14, 2024•7 min
ኣብ እዋን’ቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ዝተገብረ ምርጫ፡ ኣብ ከም በዓል ሞዛምቢክ፡ ሞሪሺየሽን ቦትስዋናን ምርጫ ተገይሩ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ቦትስዋና ኣብ ዝተገብረ ምርጫ እቲ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን (58 )ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሰልፊ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ቦትስዋና (Botswana Democratic Party (BDP)) ብምርጫ ብሰልፊ ተቓዋሚ ጽላል ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (The Umbrella for Democratic Change) ተሳዒሩ እቲ ኣገዳሲ ዝገብሮ ግና እቲ ዝጸንሐ መራሒ ነቲ ዝሰዓረ መራሒ ተቓዋሚ ቅድሚ ምቑጻር ምውዳኡ “እንቋዕ ኣሐጎሰካ፡ ኣነ ተሳዒረ ኣለኹ” ክብል ደዊልሉ። ቦትስዋና ግን ንምንታይ እያ ሰላማዊት ሃገር ኮይና፡ ታሪኽ ፖለቲካን ቁጠባን እታ ሃገር እንታይ ይመስል፧ ካል ኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ካብታ ሀገር እንታይ ክመሃራ ይኽእላ፧ ነዚን ምስ ኡ ዝተሓሓዝ ሕቶ...
Nov 14, 2024•24 min
ንሎሚ ሓሙስ 14 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈዎርቂ፡ ንልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኣዘራሪቡ፡ናይ ኤርትራ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ 6ይ ፓትሪያርክ ክሸይም ከምዝመደበ ኣፍሊጡ።ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ምስ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘትዮም።ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት፡ ኢትዮጵያ መሰል ፕረስ ከተኽብር ጸዊዑ ንዓኹም ብዝበለጸ ዘርብሕ ናይ ባንክ ሒሳብ (ኣካውንት) ብኸመይ ትረኽቡ፧ ነዚ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ መራሒ ግዚያዊ መንግስቲ ባንግላደሽ ፡ እተን ኣብ ምውሳኽ ዓለማዊ ዋዒ እጃመን ዘበርክታ ሃገራት ፡ ንክሊማዊ ቅልውላው ንምብዳህ ገንዘብ ክህባ ኣተሓሳ...
Nov 14, 2024•56 min
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈዎርቂ፡ ንልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኣዘራሪቡ። ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ምስ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘትዮም።ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት፡ ኢትዮጵያ መሰል ፕረስ ከተኽብር ጸዊዑ።
Nov 13, 2024•6 min
ን ሎሚ 13 ሕዳር 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝምለሰሉ ኣብ ናይ መጀመርታ መዓልታት ስልጣኑ ብ ብዝሒ ስደተኛታት ክጥርዝን ፡ ፖሊሲታት ትምህርቲ ምምሕዳር ባይደን ከምዝቕይርን ተፈሊጡ ። ንልዕሊ 23 ዓመታት ብዘይፍርዲ ተኣሲሩ ዝርከብ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ፡ ሽልማት “ኤደልስታም” ተሸሊሙ። ኣብ መላእ ህዝባዊ ሆስፒታላት ኒው ሳውዝ ወልስ ዝርከቡ ልዕሊ 50,000 ነርሳትን መሕረስቲን 15 ሚኢታዊ ወሰኽ ደሞዝ ብምሕታት ካብ ስርሖም ብምውጻእ ናይ 24 ሰዓታት ኣድማ ገይሮም ።
Nov 12, 2024•6 min