ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ SBS ትግርኛ (2 ታሕሳስ 2024) - podcast episode cover

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ SBS ትግርኛ (2 ታሕሳስ 2024)

Dec 02, 202455 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ንሎሚ ሰኑይ 2 ታሕሳስ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ካብ 2025 ንደሓር ዝስረሓሉ ውጥን መኸተ ከም ዘሎ ተዛሪቡ። ኢትዮጵያ ብሸመታ ኣጽዋር ኣብ 6ይ ደረጃ ከምትስራዕ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰፊሕ ግፋ ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ። ግራብ ኢብራሂም ኣብ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ካብ ዘቕርቦ ሓደ ኣርእስቲ እዩ፡ ቃለ መሕትት’ውን ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ኣብዚ መፋርቕ ሰሙን ምብራቓዊ ኣውስትራልያ ዝያዳ ምዕልቕላቕ ማይ ክህሉ ምዃኑ ኣጠንቂቑ: ሓይልታት ደባይ ተዋጋእቲ ሶርያ ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት መንግስቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽፋቶም ፡ ንመብዛሕትኡ ክፋል ከተማ ኣሌፖ ተቘጻጺሮምዎ ። ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ ደቂ ኣንስትዮ ኣውስትራሊያ ማቲልዳ ኣብ ጎልድ ኮስት ኣብ እተገብረ ካልኣይ ኣህጉራዊ ምሕዝነተን ፡ ብብራዚል 2 ብ ሓደ ተሳዒራ።
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android