ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (12 ታሕሳስ 2024) - podcast episode cover

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (12 ታሕሳስ 2024)

Dec 12, 202452 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ንሎሚ ሓሙስ 12 ታሕሳስ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣውስትራሊያ ዝሓለፈ ወርሒ ዓሌታዊ ኣድልዋ ንምጥፋእ ዝዓለመ፡ ሃገራዊ መርሓ ጸረ ዓሌትነት ኣውጺኡ ነይሩ። እዚ ብኹሉ መዳይ ንዓሌታዊ ኣድልዋ ንምጥፋእ ኣብ ኩሉ ጽላት ሕብረተሰብን ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት መንግስቲ ኣድልዎ ብዓሌት ንምጥፋእ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ስጉምቲ ንምጥፋእ ዓሌታዊ ኣድልዎ ከምዝኾነ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ነዚ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣድልዎ ብዓሌት ኣብ ኣውስትራሊያ ከንጥፍኦ ንኽእልዶ? በቲ ወጺኡ ዘሎ ናይ ፈለማ ሃገራዊ መደብ ይከኣል እዩ። ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ተመራመርቲ ዝኾኑ ፕሮፌሰር Fethi Mansouri ከምኡውን ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ ኣብ ዘ ኮንቨርዘሽን ብ 28 ሕዳር 2024 ጽሒፎም ኣለዉ። ነዚ ጽሑፍ መሰረት ጌርና ብዛዕባ እዚ መደብ ካብቶም ነዚ ጽሑፍ ዘዳለዉ ን ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ መብርሂ ሂቡና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ምዃኑ ዝተነግረሉ ፋብሪካ ቴራናይት ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ተተኺሉ ፍርያት ምሃብ ምጅማሩ ተገሊጹ። ክልተ ናይ ስነ-ቀመም ኤርትራዉያን ኢንጅነራት፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ቶታል ኤነርጂ ዘካየዶ ናይ ምህዞን ሰንዓን ዉድድር ዕዉታት ኮይነን፡ መራሕቲ ሶማልን ኢትዮጵያን ብመገዲ ቱርኪ ስሉሳዊ ዘተ ንምክያድ ናብ ከተማ ኣንካራ ኣምሪሖም። ኣብ መንጎ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድን ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ሶማልን ግጭት ኣጋጢሙ። ኣብ ጣሻ ብምዝዋር ዝርከብ ሓይሊ ተፈጥሮ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ን ስርዓት ኣሳድ ዝዓለዉ ዕጡቓት ሶርያ ፡ ኣብ ስቓይን ቅትለትን ዜጋታት ተዋፊሮም ዝነበሩ ክሃድኖም ምዃኑ መብጽዓ ኣትዮም ። ማሕበረሰብ ሙስሊም ኣውስትራሊያ ኣብ ምብራቕ ሲድኒ ኣንጻር እስራኤል ዝቐንዐ ናይ ምዕናው ተግባር ኮኒኖም ። ስዑዲ ዓረብ ንዉድድራት ዋንጫ ዓለም 2034 ከተአንግድ ፊፋ ወሲኑ ።
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android