ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ታሕሳስ 2024) - podcast episode cover

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ታሕሳስ 2024)

Dec 23, 202457 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

* ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ ኣሜሪካ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንት ኮይኑ ኣብ ዝምረቐሉ ክትወጽእ ትሓስብ፣ ጳጳስ ፍራንሲስ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ኮኒኖም፣ * ጸብጻባት ልኡኽና፣ ኣውስትራልያ ኤምባሲኣ ኣብ ዩክረይን ደጊማ ክትከፍቶ ምዃና ኣፍሊጣ፣ ሩስያ ንሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣብ ሞስኮ ዝቐተለት ቦምብ ከምዘንቶጋ ዝኣመነ ወዲ ኡዝበኪስታን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወት ገሊጻ፣ መንገዲ ኣየር ኳንታስ፣ ብዘይሕጊ ካብ ስራሕ ንዝሰጎጎም ሰራሕተኛታት 120 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ድሕሪ ምስምምዑ ካብ ተሓታትነት ከምልጥ ከምዘይክእል ተነጊሩ፣ * ቃለመሕትት (2ይ ክፋል) ምስ ብርሃን እስማዒል ጃብር፣ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት መንግስቲ ግዝኣት ቪክቶርያ ነቶም ብዙሓት ካብ ኣባላት ማሕበረሰብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ካልኦትን ዝነብሩሎም ኣብ 1960ታት ዝተሃንጹ ህዝባውያን ወይ መንግስታውያን ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት ከፍርሶም መደብ ሒዙ ክሰርሓሉ ጸነሑ'ዩ። ናይ`ቶም ህንጻታት ነበርቲን ተጣበቕትን ግን ንከይፈርሱ ይከላኸሉን ይማጎቱን ኣለዉ። ሓደ ካብ መራሕቲ ማሕበረሰብን ጋዜጠኛን ዝኾነ ኣቶ ብርሃን እስማዒል ጃብር ነዚ ጉዳይ ካብ ፈለምኡ ተኸታቲልዎ። * ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android