ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (05/05/2025) * ኢትዮጵያዊት ሻምፒዮን ውሽጢ ኣዳራሽ ዓለም ፍረወይኒ ሃይሉ ምስ ስፖርታዊ ኩባንያ ‘ኦን’ ንግዳዊ ውዕል ድሕሪ ምፍራማ ንፈለማ ግዜ ኣብ ማያሚ ኣብ ክልተ ውድድራት ተዓዊታ፡ * ዝለዓሉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ቢንያም ግርማይን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ዝተሳተፍዎ ቅድድም ብሽግለታ ግራንድ ፕሪ ዱ ሞርቢሃን ኣብ ፈረንሳ ተኻይዱ፣ * ኢንተርሚላንን ፓሪስ ሳን ዠርመይንን ናብ ፍጻመ ግጥም ሻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ በጺሐን፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ተጻወቲ ኣርሰናል ንሻምፒዮን ሊቨርፑል ቅድሚ ግጥሞም ናይ ዓወት ክብሪ ድሕሪ ምሃቦም ድሕሪ ግጥሞ ማዕረ 2-2 ተፈላልዮም፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድን ንቸልሲ ስዒሮም ናብ ሳልሳይ ተርታ ደይቦም፣
May 12, 2025•11 min
ኣርእስታት ዜና፥ ምምሕዳር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ቻይና ንግዳዊ ስምምዕ ከም ዝበጽሐ ኣፍሊጡ ኣሎ ። ኣብ መንጎ ህንድን ፓኪስታንን ፡ ብውሑዱ 60 ሰባት ተቐቲሎም ፡ ኣሽሓት ድማ ካብ ኣባይቶም ድሕሪ ምህዳሞም ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተኣፋፊ ተኹሲ ደው ምባል ስምምዕ ተገይሩ ። ሊቨርፑልን ኣርሰናልን ኣብ ኣንፊልድ ኣብ እተገብረ ግጥም ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ 2ብ2 ዝኾነ ነጥቢ ብማዕረ ጸወታአን ዛዚመን ።
May 12, 2025•11 min
ን ሎሚ 12 ግንቦት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ካንሰር ፕሮስቴት እቲ ዝልዓለ ልሙድ ናይ ካንሰር ሕማም እዩ ፡ ኣቐዲምካ እንተተመርሚርካ ግን ብተዛማዲ ንምፍዋሱ ቀሊል እዩ ። ካብ ባህሊን ቋንቋን እተፈልየ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ሰባት ግን ካብ ካልኦት ኣውስትራሊያዊያን ንላዕሊ ብፕሮስቴት ካንሰር ክሓሙ ዝተቓልዑ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ። ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፀገማት ብሰላማዊን ፖለቲካዊን መገዲ ጥራሕ ክፍታሕ ኣለዎ ክብል ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊጹ። ኢትዮጵያ ዝበዝሐ ካብ ትግራይ ምዃኑ ብዝተነግረሉ ወርቂ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ብሸርፊ ወፃኢ ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ። ፈስቲቫል ኮለጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ ተዛዚሙ። ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ንሕቶኦም ምላሽ ...
May 12, 2025•53 min
ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ካንሰር ፕሮስቴት እቲ ዝልዓለ ልሙድ ናይ ካንሰር ሕማም እዩ ፡ ኣቐዲምካ እንተተመርሚርካ ግን ብተዛማዲ ንምፍዋሱ ቀሊል እዩ ። ካብ ባህሊን ቋንቋን እተፈልየ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ሰባት ግን ካብ ካልኦት ኣውስትራሊያዊያን ንላዕሊ ብፕሮስቴት ካንሰር ክሓሙ ዝተቓልዑ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ። ብመሰረት እቲ ናይ ቪክቶርያ ሞናሽ ሩራል ሄልዝ ዝገበሮ ሓድሽ ምርምር እቶም ኣብ ካልእ ሃገር እተወልዱ ሰባት ፡ ኣብቲ ኣብ መባእታ ናይቲ ሕማም ኣገዳሲ ናይ ምርኣይ ኣጋጣሚኦም ክሓልፎም ይኽእሉ እዮም ።
May 11, 2025•6 min
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፀገማት ብሰላማዊን ፖለቲካዊን መገዲ ጥራሕ ክፍታሕ ኣለዎ ክብል ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊጹ። ኢትዮጵያ ዝበዝሐ ካብ ትግራይ ምዃኑ ብዝተነግረሉ ወርቂ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ብሸርፊ ወፃኢ ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ። ፈስቲቫል ኮለጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ ተዛዚሙ። ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ንሕቶኦም ምላሽ እንተዘይረኺቡ ክሳዕ ምቍራጽ ስራሕ ዝበጽሕ ኣድማ ክገብሩ ምዃኖም ገሊጾም። ርእሰ ከተማ ሶማልያ ሞቓድሾ ብዘጋጠመ ውሕጅ ብውሕዱ 7 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ኣፍሊጦም። ኣብ ሱዳን ሃገራዊ ሰራዊት ኣብ ዝቆጻጸሮ ቤት ማእሰርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ 19 ሰባት ተቐቲሎም። ጀርመን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ኤውሮጳ ዝሰገሩ 19 ሓተቲ ዑቕባ ዝርከብዎም ሓያሎ ስደተኛታት ንድሕሪት መሊሳቶም።
May 11, 2025•6 min
* ጸብጻብ ዜናታት ካብ ልኡኽና: ኣይተ ብርሃነ ገ/ገርግስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ፡ ናይ ኤርትራ ዞባ ማእከል፡ንኡስ ዞባ በሪኽ፡ ካብ ምኽንሻብ ደቀኣንስትዮ ነጻ ምኳና ኣዊጃ፡ ዝበዝሐ ኣካል ክልል ኣምሓራ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ከምዘሎ ሚኒስትር ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ለገሰ ቱሉ ገሊፁ፡ ኢማራት ዓረብ ሱዳን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ንምቁራጽ ዝወሰደቶ ውሳነ ኣፍልጦ ከምዘይትህብ ገሊጻ፡ * ካብ ጠንቅታት ሞት ኣብ ቀዳማይ ተርታ ዝስራዕዩ። ብገምጋም ኣብ ነፍሲወከፍ 12 ደቒቕ ምስ ሕማም ልቢ ብዝተሓሓዝ ሕማም ይመውት፡ ብድኻም ልቢ ድማ ኣብ ሰዓት ሓደ ኣውስትራሊዊ ይመውት። እዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ቅነ ሕማም ልቢ ብምዃኑ እቲ ሕማም እንተለኩምን እንታይ ትገብሩን ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ምስኡ ኣተሓሒዝና ድማ በዚ ምኽንያት ብዛዕባ’ቲ ሕማም፡ ንጠንቅታትን ክንክናቱን ዝምል...
May 09, 2025•48 min
* ኣብ መንጎ ህንድን ፓኪስታንን ዘሎ ኩነታት ኣብ ዝንህረሉ መራሕቲ ዓለም ተጻብኦታት ደው ክብል ይጽውዑ፡ * ኣብ ኣውስትራልያ ምቑጻር ድምጽታት ምርጫ ኣብ ዝቐጸለሉ መራሒ ሰልፊ ግሪንስ ኣዳም ባንዲት ተሳዒሩ፡ * ሓድሽ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ህጻናትን ደቀንስትዮን ዝበዝሕዎም 61 ሰባት ቀቲሉ፡ * ፒኤስጂ ንኣርሰናል 2-1 ስዒራ ናብ ፍጻመ ግጥም ቻምፒዮንስ ሊግ ሓሊፋ፡
May 08, 2025•11 min
Australia’s beautiful landscape is home to a stunning array of native plants and wildlife, and if you’re heading out to explore, it’s important to be a careful and respectful visitor. - ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሎ ውቁብ ኣቀማምጣ መሬት ዝተፈላለዩ መበቆላውያን ኣትክልትን እንስሳ ዘገዳምን ዝርከቦ እዩ ፡ ክትድህስስ እንተ ድኣ ወጺእካ ድማ ጥንቁቕን ኣኽባርን በጻሒ ምዃን ኣገዳሲ እዩ ።
May 08, 2025•12 min
ጸብጻብ ልኡኽና (08/05/2025) * ኣይተ ብርሃነ ገብረገርግስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ፣ * ኣብ ዞባ ማእከል ኤርትራ ትርከብ ንኡስ ዞባ በሪኽ ካብ ምኽንሻብ ደቀኣንስትዮ ነጻ ምኳና ኣዊጃ፣ * ዝበዝሐ ኣካል ክልል ኣምሓራ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ከምዘሎ ሚኒስትር ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ለገሰ ቱሉ ገሊፁ፣ * ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሱዳን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ንምቁራጽ ዝወሰደቶ ውሳነ ኣፍልጦ ከምዘይትህብ ገሊጻ፣
May 08, 2025•7 min
ብምኽንያት ቅነ ሕማም ልብቢ፡ ብዛዕባ ሕማም ልቢ፡ ጠንቅታት ሕማም ልቢን ክንክን ልቢን ዝምልከት ካብ ሱፐር ክሊኒክ ሆፐርስክሮሲንግ ዶ/ር ሕሉፍ ኣበራ ሕክምናዊ ሓበሬታን ምኽሪን።
May 07, 2025•6 min
Australia has spent $13 billion on offshore processing in over a decade. Human rights experts believe there's a less costly, more compassionate way. - ኣውስትራሊያ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ዕቑድ ዝኸውን ግዜ $13 ቢልዮን ዶላር ኣብ ስግር ባሕሪ ምምስራሕ ጉዳያት'ቶም ተምጽኦም ስደተኛታት ኣውዒላቶ። ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ግን ዝተሓተ ክሳራ ዘለዎን ዝያዳ ተደናጋጽን ዝኾነ ካልእ ዝተፈልየ ኣገባብ ኣሎ ዝብል እምነት ኣለዎም።
May 07, 2025•10 min
ንሎሚ ግንቦት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት። ** ህንዲ ኣብ ልዕሊ ፓኪስታን ሚሳይል ወንጪፋ ... ** ሰራዊት እስራኤል ንሑቲ ናይ የመን ዒላማ ዝገበረ ካልኣይ መጥቃዕቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ኣካይዱ ... ** ተመሃራይ ኣትለት Gout Gout ዝኣብ ዝገብሮ ዉድር ንዓቕሙ ደረት ከም ዘይገብረሉ ን ክሳብ’ቲ ኡሰይን ቦልት ዝበጽሖ ደረጃ ክበጽሕ ምዃኑን ገሊጹ ።
May 07, 2025•5 min
ካብ ጠንቅታት ሞት ኣብ ቀዳማይ ተርታ ዝስራዕዩ። ሕማም ልቢ። ብገምጋም ኣብ ነፍሲወከፍ 12 ደቒቕ ብሰንኪ ምስ ሕማም ልቢ ዝተሓሓዝ ሕማም ይመውት፡ ብድኻም ልቢ ድማ ኣብ ሰዓት ሓደ ኣውስትራሊታዊ ይመውት።እዚ ሕማም ከምዘለኩምን ክትፈልጡን ሕማም ልቢ እንተለኩምን እንታይ ክትገብሩ ከምዘለኩምን እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ክነግረኩም እዩ።
May 06, 2025•7 min
ንሎሚ 6 ግንቦት 2025 ዝተዳለዉ ሕጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ አቕርበልኩም ... ** ኣንተኒ ኣልባኒዝ ንኻልኣይ እብረ መሪሕነቱ ብድልዱል ደገፍን ብዙሕ ድምጺ ብምርካብ ስርሑ ጅሚሩ... ** እስራኤል ንቓዛ ምሉእ ብምሉእ ንምቁጽጻርን ወተሃደራዊ ህላውነታ ንዘይተገደበ ግዜ ኣብቲ ዞባ ንምጽናሕ ዘኽእል መደብ ኣጽዲቓ... መንግስቲ ሱዳን ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ብዘካየዶ ጃምላዊ ህልቂት ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብሕጊ ተሓታቲት ንምግባር ዝገበሮ ፈተነ ፈሺሉ...
May 06, 2025•5 min
ን ሎሚ 05 መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብ ናይ 2025 ፌደራላዊ ምርጫ ሰልፊ ለበር ብዓብላሊ መናብር ተዓዊቱ ፣ ብኻልእ ወገን ሰልፊ ጥምረት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ኣንጻር እቲ ሰልፊ ወናብር ተሓዲጉ ። ዝበዝሐ ዜናዊ መሰናድ ኦናን ሓደ ትንታነ ዜናናን ብዛዕባ ዉጽ ኢት ፈደራል ምርጫ ኣውስትራሊያ 2025 ዘንጸባርቕ ክኸውን እዩ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ህወሓት ከም ብሓዱሽ ምዝገባ ኮኒኑ ፤ ሕጋዊ ሰብነቱን ክምለስ ጸዊዑ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሮም 14 ኤምባሲታት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ገደብ ሓሳብካ ምግላጽ ስክፍታኦም ገሊጾም። ኤርትራ፡ ብወገና ብናጽነት ፕረስ ዓመተ 2025፡ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ኣላ። ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ኣብ ምብራቕ ሱዳን መጥቃዕቲ ኣካይዶም። ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን፡ ሉኡላዊ ግዛኣት ኢትዮጵያ ምጥሓሶም ተገሊጹ። ሰ...
May 05, 2025•48 min
ኣርእስታት ዜና፥ 75 ካብ ሚእቲ ድምጺ ተቖጺርሉ ኣብዘሎ ውጽኢት ምርጫ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዛጊት ሰልፊ ለበር ነቲ 86 መናብር ከም ዝረኸበን ሰልፊ ጥምረት 39 ረኺቡ 15 መናብር ገና ኣይተፈልጠን ኣሎ ። ኣብዚ ዓመታዊ ወርሒ ግንቦት ዝዝከር ሰሙን ጥዕና ልቢ' ህዝቢ ልቦም ክምርመሩ The Heart Foundation ተማሕጺኑ። ቸልሲ ኣብ ልዕሊ ሊቨርፑል ናይ 3ብ1 ዓወት ድሕሪ ምምዝጋባ ንዓወታ ትጽምብሎ ኣላ።
May 05, 2025•8 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (05/05/2025) * ኢትዮጵያዊ ጥላሁን ንጉሰ ሓድሽ ክብረወሰን ናይ’ቲ ውራይ ብምምዝጋብ ተዓዋቲ ማራቶን ቤልፋስት ኮይኑ፡ * ጽገ ዱጉማን በሪሁ ኣረጋውን ኣብ ውድድራት ኣልማዛዊ ሊግ ሻንግሃይ 2025 ዝድነቕ ዓወታት ኣመዝጊቦም፣ * ሓያሎ ኤርትራዊያን ተቐዳደምቲ ዝተሳተፍዎ ቅድድም ብሽግለታ ቱርኪየ ሰንበት ተዛዚሙ፣ * ኣማኑኤል ገ/ሄር ድማ ናይ ዙር ሮማንዲ ተሳትፎኡ ኣጠናቒቑ፡ * ኣርሰናል ኣብ ቀዳማይ እግሪ ግጥም ቻምፒዮንስ ሊግ ኣብ ሜድኦም ስዕረት ድሕሪ ምስካሞም ወሳኒ ካልኣይ እግሪ ግጥም ኣብ ፓሪስ ይጽበዮም፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሊቨርፑል ሻምፒዮን ምዃና ካብ ተረጋግጽ ንደሓር ናይ ፈለማያ ስዕረት ኣብ ኢድ ቸልሲ ተሰኪማ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ኣመዝጊቡ ኒውካስትል ዩናይትድ ናይ ራብዓይ ተርታ ቦትኣ ከተደልድል ሓጊዙ፣
May 04, 2025•12 min
ኣብ ናይ 2025 ፌደራላዊ ምርጫ ሰልፊ ለበር ብዓብላሊ መናብር ተዓዊቱ ፣ ብኻልእ ወገን ሰልፊ ጥምረት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ኣንጻር እቲ ሰልፊ ወናብር ተሓዲጉ ። ኣብቲ ሓያል ተወዳዳርነት ከርኢ ትጽቢት ተገይርሉሉ ዝነበረ ውድድር ምርጫ ፡ ኣንቶኒ ኣልባነሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ክቕጽል ጥራይ ዘይኰነስ ፡ ናይ ኣብዝሓ መንግስቲ ክምስርት ዘኽእሎ ዓወት እዩ ረኺቡ ።
May 04, 2025•5 min
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ህወሓት ከም ብሓዱሽ ምዝገባ ኮኒኑ ፤ ሕጋዊ ሰብነቱን ክምለስ ጸዊዑ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሮም 14 ኤምባሲታት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ገደብ ሓሳብካ ምግላጽ ስክፍታኦም ገሊጾም። ኤርትራ፡ ብወገና ብናጽነት ፕረስ ዓመተ 2025፡ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ኣላ። ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ኣብ ምብራቕ ሱዳን መጥቃዕቲ ኣካይዶም። ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን፡ ሉኡላዊ ግዛኣት ኢትዮጵያ ምጥሓሶም ተገሊጹ።
May 04, 2025•9 min
Experts say a lack of transparency leaves Australians unaware of "undue influences" at play across all levels of government. - ንነበር ኣውስትራልያውያን ፖለቲከኛታት ልሙድ ዝኾነ ዝኽተልዎ መንገዲ ኮይኑ'ሎ። ኣባላት ባይቶ ነበር ካብ ኩሎም ቀጸለታት መንግስቲ፡ ከም ሎቢዪስትስ (ንረብሕኦም ወይ ረብሓ ዝኸፍሎም ትካል ዘኽብር ፖሊሲታት ከሕልፉ ወይ ክድግፉ ንኣባላት ባይቶ ምሕጽንታን ልመናን ዘቕርቡ ወልቀሰባት ወይ ትካላት) ኮይኖም ክሰርሑ፡ ሓደስቲ ስራሓት/መዝነታት/ሓላፍነታት ይረኽቡን ይቕበሉን ኣለዉ። እዚ፡ ምስ እናወሰኸ ዝኸደ ጽልዋ ገንዘብ ኣብ ፖለቲካ ተደሚሩ፡ ንገለ ክኢላታት ሻቕሎት ፈጢርሎም ኣሎ፡ ብክልቲኦም ዓበይቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝተደገፉ ለውጥታት-ሕጊ ክግበሩ'ውን ኣነቓቒሖም ኣለዉ። ኣብ'ዚ ትሕዝቶ #SB...
May 01, 2025•12 min
ንሎሚ ሓሙስ 1 ግንቦት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ጎስጓስ ምርጫ ኣውስትራሊያ ጉዳይ ስድተኛታት ሓደ ካብ ዛዕባታት ኮይኑ ብሰልፍታት ፖለቲካ ቀሪቡ ኣሎ። ብዛዕባ'ዚ ዝምልከት ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስን ፕሮፌስር ፈትሒ ማንሱሪ "4 key myths that manufacture an immigration ‘crisis’" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝጸሓፍዎ ዓንቀጽ እቲ ብዛዕባ ስደተኛታት ዝወሃብ ብሂላት ብ ኣኣርባዕተ ጉዳይ ከፊሎም ኣቕሪቦም እቲ ዝበሃል ድማ ጌጋ ምዃኑ ብመጽናዕቲ ኣደጊፎም ኣቕሪቦሞ ኣለዉ። ብዛዕባ'ዚ ጽሑፍ ምስ ምርጫ ፈደራል መንግስቲ 2025 ኣተሓሒዝና ካብ ጽሓፍቲ ናይቲ ዓንቀጽ ዝኾነ ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ ዝርርብ ኣካይድና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ...
May 01, 2025•51 min
ኣርእስታት ዜና፥ ** ሰልፊ ግሪንስ “ናብ ከዋኽብቲ ንብጻሕ” ብዝብል ቴማ ወግዓዊ ጎስጓሱ ከፊቱ። ** ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣኼባ ካቢነኡ ን ኣኼባ ጸዊዑ ። ** ጋንታ ሶኮሩ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝግበር ዉድድራት ዋንጫ ዓለም ፊፋ ከምትሳተፍ እምነት ከም ዘለዎ ኣሰልጣኒኣ ቶኒ ፖፖቪች ገሊጹ።
May 01, 2025•12 min
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ገለ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣጠንቂቑ። ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 250 ኤርትራውያን ስደተኛታት ሰጒጓ ፕረዚደንት ትግራይ ነበር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ እቲ ኣጣይሹዎ ዝተብሃለ ሓዱሽ ውዳበ መብርሂ ሂቡ። ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ገለ ጥሕሰታት ስምምዕ ፕሪቶርያ ናብ ግጭት ከየምርሑ ስግኣቱ ገሊጹ። ኮሚሽን ሃገራዊ ተሃድሶ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ሳልሳይ ማእኸል ስልጠና ዲዲኣር ኣበጊሱ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ መናእሰይ ብሃንደበት ብሓይልታት ፀጥታ ከይግፈፉ ብምስጋእ ንጉቦ ዝኸውን ገንዘብ ዝሕዙ ምዃኖም ተገሊጹ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ናብ ሰራዊት ሱዳን ክሰጋገር ዝተዳለወ ሓሙሽተ ሚልዮን ተተኳሲ ከምዝሓዘት ኣፍሊጣ። መንግስቲ ሶማልያ ፓስፖርት ታይዋን ዝሓዙ ወጻእተኛታት ናብታ ሃገር ከይኣት...
Apr 30, 2025•9 min
ካብ ጉዳያት ሰብኣዊ ቪዛ ፡ ብዕድመ ንዝደፍኡ ጥሮታ ምዕባይን ንመደባት መንእሰያት ዝኸውን ምወላ ምውሳኽን ዝ ኣመሰሉ ጉዳያት ዝምልከት - SBS ብዛዕባ እቲ ኣብ እዋን ወፍሪ ምርጫ ብዙሕ ሸፈነ ዘይረኸበ ኣገዳሲ ጉዳይ ንሰማዕቲ ሓቲቱ ። ወሃብቲ ዝሃብዎ መልሲ ኣብዚ ጸብጻብ ቀሪቡ ኣሎ።
Apr 30, 2025•9 min
The differing and diverse religious beliefs Australians hold will influence their vote this election. - ኣውስትራልያውያን ዝኽተልዎም ዝተፈላለዩን ብዙሓትን ዝኾኑ ሃይማኖታዊ እምነታት ኣብ'ዚ ምርጫ ንመን የድምጹ ክጸልዉዎም'ዮም።
Apr 30, 2025•7 min
ንሎሚ 30 ሚያዝያ 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ አቕርበልኩም ፈለማ ኣርእስታቶ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ሩስያን ዩክረይንን ጭቡጥ ውጥናት ንዕርቂ እንተዘየፍርዮም ካብቲ ሽምግልና ክወጽእ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣብ መንጎ ህንድን ፓኪስታንን ግጭት ከይለዓል ንምድጋፍ ሉው ምዃኑ ተሓቢሩ ። ብነበር ፕርሲደንት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ሓድሽ ሰልፊ ከምዝመስረተ ተፈሊጡ።
Apr 30, 2025•6 min
ንሎሚ 29 ሚያዝያ 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኛ ኣርእስታት፡ ** ኣብ ዩክሬን ዝግበር ዘሎ ዉግእ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ተኹሲ ደው ክብል ፕረሲድንት ሩሲያ ቪላድሚር ፑቲን ኣዊጁ ... ** ኣብ የመን ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ ፡ ኣብ ኣውራጃ ሳዓዳ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝነበርዎ ኣብ ሓደ ቤት-ማእሰርቲ ብ መጥቃዕቲ ኣየር ኣመሪካ ፡ ብውሕዱ 68 ሰባት ከም ዝቐተሉ ተፈሊጡ ። **ኣብ ስፔንን ፖርቱጋልን ሓይሊ ኤለክትሪክ ድሕሪ ምቁራጹ ፡ ባቡራት ፡ ሞባይልን ኢንተርነትን ተቛሪጹ ።
Apr 29, 2025•6 min
ኣብ ጎስጓስ ምርጫ ኣውስትራሊያ ጉዳይ ስድተኛታት ሓደ ካብ ዛዕባታት ኮይኑ ብሰልፍታት ፖለቲካ ቀሪቡ ኣሎ። ብዛዕባ'ዚ ዝምልከት ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስን ፕሮፌስር ፈትሒ ማንሱሪ "4 key myths that manufacture an immigration ‘crisis’" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝጸሓፍዎ ዓንቀጽ እቲ ብዛዕባ ስደተኛታት ዝወሃብ ብሂላት ብ ኣኣርባዕተ ጉዳይ ከፊሎም ኣቕሪቦም እቲ ዝበሃል ድማ ጌጋ ምዃኑ ብመጽናዕቲ ኣደጊፎም ኣቕሪቦሞ ኣለዉ። ብዛዕባ'ዚ ጽሑፍ ምስ ምርጫ ፈደራል መንግስቲ 2025 ኣተሓሒዝና ካብ ጽሓፍቲ ናይቲ ዓንቀጽ ዝኾነ ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ ዝርርብ ኣካይድና ኣለና።
Apr 29, 2025•18 min
Migration policies are a hot topic this election, but it's not clear how our diverse communities will cast their vote. - ፖሊሲታት ብዛዕባ መጻእቲ ወይ ናብ'ዚ ሃገር ዝመጹ ሰባት ውዑያት ኣርእስታት ኣብ'ዚ ምርጫ'ዮም፣ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባትና ግን ኣብ'ዚ ምርጫ ከመይ ከድምጹ'ዮም ንጹር ኣይኮነን።
Apr 29, 2025•10 min
ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብዚ ትሕቲ ሰሙን ተሪፍዎ ዘሎ ምርጫ ፈደርኣል ኣውስትራሊያ፡ መራሕቲ ዓበይቲ ሰልፍታት ኣብ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ናይ ምርጫ ክትዕ ብዛዕባ ምጉዳል ክብሪ መነባብሮ ዝምልከት ፖሊሲታቶም ክሕተቱ ኣምስዮም ... ** ቫቲካን መቓብር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ነቶም ኣኽብሮት ክገልጹ ዝመጹ በጻሕቲ ክፉት ገይራቶ። ** ሊቨርፑል ናይዚ ዓመት ሻምፕዮን ፕሪሜር ሊግ ኮይና።
Apr 28, 2025•12 min