ኣብ ማሕበረሰብኩም ፍሉይ ጽልዋ ዝገብር ሰብ ትፈልጡዶ? ካብ ዝተፈላለየ መበቈል ወይ ዓውዲ ጸብለል ዝበለ ስራሕ ዝሰርሀ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክኸውን ይኽእል እዩ ። ንሽልማት Order of Australia. ክሽለሙ ስሞም ብምርቋሕ ዓወቶም ክትጽምብልዎ ትኽእሉ ኢኹም ። ተራ ኣባላት ማሕበረሰብና ንዝረኸብዎ ዘደንቕ ስራሓት ምጽምባል ኣገዳሲ እዩ ።
May 28, 2025•10 min
ንሎሚ 28 ግንቦት 2025 ዝትዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ** ኣብ ሲድኒ መንብሪ ገዛ ነዲዱ፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ። ** ሩስያን ኢትዮጵያን ንወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዝዓለመ ዝርርብ ኣካይደን።.. ** ዋንጫ ፕሪምየርሊግ ዝዓተረት ክለብ ሊቨርፑል ትማሊ ሰኑይ ዓወታ ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ኣብትጽምብለሉ ብሓደጋ መኪና 27 ቆሲሎም።
May 28, 2025•5 min
ካብ ኢትዮጵያ ናብ መልበን፡ ኣውስትራልያ ዝመጹ ክልተ ወናማት ድምጻውያንን ኣበበ ኣርኣያን ሹሞንዲ ገብረማርያምን ኣብዚ ኣብ ስቱድዮና ዓዲምና ኣዘራሪብናዮም ኔርና። SBS ካብ ዝጅምር ምበል 50 ዓመቱ ኣብ አኽብረሉ ዘሎ እዋን ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ምስዞም ድምጻውያን ዝገበርናዮ ዕላል ተመሊስናዮ ኣለና።
May 27, 2025•33 min
** ቅነ ዕርቂ ኣውስትራሊያ ጀሚሩ... ** መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቓዛ ሓድሽ እማመ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ኣቕሪቡ ... ** ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኤርትራ ኣቶ ወልደሚካኤል ኣብርሃ ኣብ መበል 87 ዓመቱ ብሕማም ዓሪፉ።
May 27, 2025•4 min
ን ሎሚ 26 ግንቦት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብ ዉሽጢን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 34 ዓመተ ነጻነት ኤርትራ የብዕል ኣሎ። ነዚ በዓል ምኽንያት ብምግባር ምስ ስነ ጥበባዊ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ (ሊንጎ) ሓጺር ዕላል። ካብ ብባህልን ቋንቋን ዝተፈልዩ ድሕረባይታታት ዝመጻ ደቀንስትዮ ብሰንኪ ፍርሒን ባህላዊ ነውርታትን (ጸለመታት) ኣድለይቲ ክትትላት ጥዕና ካብ ምግባር ይእለያ፣ ይሃድማ ወይ የወግዳ። ነዚ ንምቕያር እንታይ ክግበር ይከኣል፧ ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ ሰሜን መልበርን ዝርከብ ሓደ ዓቢ ማእከል ዕዳጋ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ካራሩ ብዝሓዙ ኣብ መንጎ 10 ሰባት ባእሲ ምስ ተላዕለ እቲ ማእከል ዕዳጋ ክዕጾ ኣገዲዱ። ... ** መበል 34 መዓልቲ ናጽነ...
May 26, 2025•49 min
ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ ሰሜን መልበርን ዝርከብ ሓደ ዓቢ ማእከል ዕዳጋ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ካራሩ ብዝሓዙ ኣብ መንጎ 10 ሰባት ባእሲ ምስ ተላዕለ እቲ ማእከል ዕዳጋ ክዕጾ ኣገዲዱ። ... ** መበል 34 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዉሽጥን ኣብ ወጻእን ክጽምበል ድሕሪ ምቕናዩ ብቐዳም 24 ግንቦት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ብወተሃደራውን ስነጥበባውን ምርኢታት ተሰንዩ ተጸምቢሉ። ** ኣውስትራልያዊ ኣስልጣኒ ቶተንሃም ሆትስፐር ኣንጅ ፖስትኮግሉ ኣብ ናይ ፍጻመ ግጥም ዩሮፓ ሊግ ጋንትኡ ንማንቸስተር ዩናይትድ 1-0 ስዒራ ተዓዋቲት ክትከውን ሓጊዙ፣
May 26, 2025•13 min
ኣብ ኣውስትራሊያ ንልዕሊ 28 ዓመት ዝተቐመጠት ወይዘሮ ናዲያ ኣብ ማእከል መልበርን፣ ኣብ ፉትስክረይ ኣብ ዝበሃል ዓቢ ናይ ንግዲ ስቶር ኣለዋ። እዚ ኣብ 1996 ዝጀመረቶ ስራሕ ሰለስተ ሰራሕተኛታትን ኣባላት ስድራኣን ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ዕወት ዝረኸበትሉ ስራሕ እዩ። ኣጀማምራን ኣተዓባብያን እዚ ቢዝነስ ዘጋጥም ጸገማትን፣ ንሎሚ ወይዘሮ ናዲያ ሃሰን ካብተመኩሮኣ ኣካፊላትና ኣላ። እንሆ፡
May 26, 2025•11 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (26/05/2025) * ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ’ዚ ዓመት ንፈለማ ግዚኣ ኣብ ውድድር 1500 ሜ ኣብ ዝተሳተፈትሉ ኣብ ዛግረብ ክብረወሰን ናይ’ቲ ውራይ ብምምዝጋብ ተዓዊታ፡ * ኤርትራዊ መንእሰይ ተቐዳዳማይ ናሆም ዘርኣይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ጃፓን መድረኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ፣ * ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብምኽንያት መበል 34 በዓል ነጻነት ኣንጻር ኒጀርን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ኣስመራ ምሕዝነታዊ ግጥማት ሰሪዑ ከካይድ’ዩ፣ * ኣውስትራልያዊ ኣስልጣኒ ቶተንሃም ሆትስፐር ኣንጅ ፖስትኮግሉ ኣብ ናይ ፍጻመ ግጥም ዩሮፓ ሊግ ጋንትኡ ንማንቸስተር ዩናይትድ 1-0 ስዒራ ተዓዋቲት ክትከውን ሓጊዙ፣ * ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ብዓወት ሊቨርፑል ወቕቱ ብወግዒ ዛዚሙ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ኒውካስትል ዩናይትድን ኣብ መወዳእታ መዓልቲ እንተተሳዕሩ’ኳ ንዓመታ ሻምፒዮን...
May 25, 2025•13 min
ኣብ ዉሽጢን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 34 ዓመተ ነጻነት ኤርትራ የብዕል ኣሎ። ነዚ በዓል ምኽንያት ብምግባር ምስ ጸሓፍን በዓል ሞያ ሕግን ኣቶ ክፍለዮንስ ተወልደብርሃ (ጎርደን) ዝተገብረ ሓጺር ዕላል።
May 25, 2025•18 min
ኣብ ዉሽጢን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 34 ዓመተ ነጻነት ኤርትራ የብዕል ኣሎ። ነዚ በዓል ምኽንያት ብምግባር ምስ ስነ ጥበባዊ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ (ሊንጎ) ሓጺር ዕላል።
May 23, 2025•15 min
ንሎሚ ሓሙስ 22 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ብምኽንያት በዓል ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ቀንዲ ጐደናታት ኣስመራ ባህላዊ ካርኒቫል ቀሪቡ። ፕረዝደንት ታደሰ ወረደን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋን ተፈፃሚነት ውዕል ፕሪቶሪያ ተመያዪጦም። ዳያኑ ኣብያተ ፍርዲ ከተማ መቐለ፡ ዳይነታዊ ኣገልግሎት ኣቋሪፆም። ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ ገበን ይቕጽል ኣሎ ኣ ክብል - ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ ነቒፉ። ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዝጅምር መበል 50 ዓመቱ ኣብዘኽብረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ፈለማታት ምጅማር ብቛንቋ ትግርኛ ኣብ ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዝቐረቡ ሓሓሊፍና ንድሕሪት ተመሊስና ከነቕርቦም ኢና፡ ንሎሚ፡ ታቦቱ ኣብ መልበርን ዓብያ ካብ ዩኒቨርሲቲ ቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ወዲኣ እያ ናብ ርሑቕ ...
May 23, 2025•51 min
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ብ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ተገሊሎም ኣለዉ ፣ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ ድሒኖም ኣለዉ ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ኵሉ ግዝኣት ጋዛ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እስራኤል ከም ዝኸውን ደጊሙ ቃል ኣትዩ ። ወዲ ኤኳዶር ሪቻርድ ካራፓዝ ኣብ መድረኽ 11 ዉድድር ብሽግለታ ጂሮ ዲ ኢታልያ ተዓዊቱ ፣
May 22, 2025•11 min
Many people from CALD communities, especially women, are avoiding or delaying preventative cancer care. - ካብ ብባህልን ቋንቋን ዝተፈልዩ ድሕረባይታታት ዝመጻ ደቀንስትዮ ብሰንኪ ፍርሒን ባህላዊ ነውርታትን (ጸለመታት) ኣድለይቲ ክትትላት ጥዕና ካብ ምግባር ይእለያ፣ ይሃድማ ወይ የወግዳ። ነዚ ንምቕያር እንታይ ክግበር ይከኣል፧ SBS Examines ክምልከቶ'ዩ። [መጠንቀቕታ፡ እዚ ፈነወ ዘጨንቕ ትሕዝቶ ኣለዎ።]
May 21, 2025•10 min
ፕረዝደንት ታደሰ ወረደን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋን ተፈፃሚነት ውዕል ፕሪቶሪያ ተመያዪጦም። ዳያኑ ኣብያተ ፍርዲ ከተማ መቐለ፡ ዳይነታዊ ኣገልግሎት ኣቋሪፆም። ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ ገበን ይቕጽል ኣሎ ኣ ክብል - ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ ነቒፉ።
May 21, 2025•9 min
ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ኣውስትራሊያ ምስ ደቀባት ኣቦርጂን ትሰርሕ ዘላ ታቦቱ ኣታኽልቲ ዝገበርናዮ ዕላል እዩ። ታቦቱ ኣብ መልበርን ዓብያ ካብ ዩኒቨርሲቲ ቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ወዲኣ እያ ናብ ርሑቕ ከባቢ ኣቦርጂናዊያን ከይዳ ኣብ ህዝቢ ደቀባት ለውጢ ንኽመጽእ እጃማ ትገብር ዘላ። ነዚ ውሳነ ክትወስድ እንታይ ደሪኽዋ? ህዝቢን ናብራን እቲ ከባቢ እንታይ ይመስልን ናይ ስራሕ ዕድል ኣብቲ ከባቢ እንተሎን ካልእን ሓቲትናያ መልሲታት ሂባትና።
May 21, 2025•10 min
** መንግስቲ እንግሊዝ ምስ እስራኢል ተመዲቡ ዝነበረ ሓድሽ ስምምዕ ነጻ ንግዲ ኣዲስኪልዎ። ** ኣብ ኒው ሳውዝ ወልስ ብዘሎ ምጥልቕላቕ ዉሕጅ ኣብ ሃንተርን ማእከላይ ሰሜን ግማግም ባሕርን ጽዒቑ ቀጺሉ። ** ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ነቲ 272 ቢልዮን ዶላር ዝዋጋኡ ወርቃዊ መከላኸሊ ሚሳይል ንድፊ ከም ዝመረጸ ኣፍሊጡ ኣሎ ።
May 21, 2025•4 min
ኣውስትራሊያ ብዙሓት ገና ዝመሃርዎ ዘለዉ ጸሊም ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ኣለዋ ። ድሕሪ ናይ ኣውሮፓዊያን ሰፈራ ኣብ ኣውስትራሊያ ፡ህጻናት ኣቦርጂናዊያንን ቶረስ ስትሪት ኣይላንደራትን ካብ ስድራኦም ብስርዓት ተመንጢሎም ፡ ናብ ደቀባት ዘይኮኑ ሕብረተሰባት ክኣትዉ ተገዲዶም ። እቲ ዘጋጠሞምወጽዓን ማህሰይትን ከቢድ በሰላ ሓዲጉሎም እዩ ። ሎሚ እዞም ሰባት ከም ዝደሓኑ ዝተሰርቁ ውለዶ ወይ Stolen Generations ተባሂሎም ይፍለጡ ኣለዎም።
May 21, 2025•12 min
ኣርእስታት ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 20 ግንቦት 2025፡ ** ሰልፊ ናሽናልስን ሰልፊ ሊበራልን ኣውስትራሊያ ናይ ጥምረት ስምምዕ ክገብሩ ብዘይምኽኣሎም ኣብ መንጎ ክልቲኦም ስልፍታት ዝጸንሐ ሽርክነት ከምዘብቅዐ ተፈሊጡ.. ** መንግስቲ እስራኤል ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጥቃዕቲ ከምዝፍጽም ኣብዘጠንቅቐሉ ዘሎ ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸር ህዝቢ ካብ ዓዱ ይሃድም ኣሎ ። ** ሓደ ተቐዳዳማይ ፡ ንኣውስትራልያ ብእግሩ ብምስንጣቕ ኣብ ዓለም ዝቐልጠፈ ተቐዳዳማይ ብምዃን ክብረ ወሰን ሒዙ ።
May 20, 2025•6 min
ን ሎሚ 19 ግንቦት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። 69 ዝዕድመኦም ጳጳስ ሮበርት ፕረቮስ መበል 267 ቅቡእ ዝፋን ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም፡ ሊዮ መበል 14 ተባሂሎም ነታ ልዕሊ 1.4 ብልዮን ኣመንቲ ዘልውዉዋ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክመርሑ ተመሪጾም ኣለዉ። ሓድጊ ሊቀጳጳስ ፍራንሲስ፡ ምምራጽ ሊዮ መበል 14 ካቶሊካዊያን ክመይ ከምዝተቐበልዎ ኣብ ኣውስስትራሊያ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝመጹ ካቶሊካውያን ዘገልግሉ ዘለዉ ምስ ኣባ ስምኦን ምሕረተኣብ ዝገበርናዮ ዕላል ካል ኣይ ክፋልን ናይ መወዳእታን ሎሚ ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ንክስታት አቶ ጌታቸው ረዳ ነፂጉ። ሎምቅነ ካብ ኤርትራ ናብ ትግራይ ካብ ዝኣተዉ ተጋሩ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ዝደልዩ ከም ዘለዉዎም ተገሊጹ። ኤምባሲ ኤርትራ፡ ብሰኔት...
May 19, 2025•51 min
ኣርእስታት ዜና፥ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሰሜናውን ደቡባውን ጋዛ ሰፊሕ ሓድሽ ናይ መሬት ወተሃደራዊ ስርሒታት ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ] ኣብ እዋን ጽምብል መመረቕታኦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ፡ ንትምህርትታት ካቶሊኻዊት ቤተ ክርስትያን ንምሕላው ቃል ኣትዮም ። ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ፣ ኣብ ጀርመን፣ ተሳቲፉ ኣብ’ዚ ሰሙን ንኻልኣይ ግዚኡ ብሉጽ ውጽኢት ብምምዝጋብ ካልኣይ ወጺኡ፡
May 19, 2025•11 min
ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ንክስታት አቶ ጌታቸው ረዳ ነፂጉ። ሎምቅነ ካብ ኤርትራ ናብ ትግራይ ካብ ዝኣተዉ ተጋሩ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ዝደልዩ ከም ዘለዉዎም ተገሊጹ። ኤምባሲ ኤርትራ፡ ብሰኔት ኣመሪካ ንዝቐረበ ክሲ ነጺጉ። ሰብ ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ ካብ ሎሚ ሶኑይ ጀሚሮም ብደረጃ ሃገር ኣድማ ከካይዱ ምዃኖም ኣፍሊጦም።
May 19, 2025•11 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (19/05/2025) * ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ፣ ኣብ ጀርመን፣ ተሳቲፉ ኣብ’ዚ ሰሙን ንኻልኣይ ግዚኡ ብሉጽ ውጽኢት ብምምዝጋብ ካልኣይ ወጺኡ፡ * ኣውስትራልያዊ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ካሌብ ኤዋን ብቕጽበት ካብ ስፖርት ዓለም ክሰናበት ምዃኑ ገሊጹ፣ * ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት መዲና አይሳን ሰሎሞን ባሬጋን ኣብ ማንቸስተር ተዓዊቶም፣ * ክሪስታል ፓላስ ኣብ ልዕሊ ዓርሞሸሽ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ዓወት ድሕሪ ምምዝጋባ ንፈለማ ግዜ ኣብ ታሪኻ ዋንጫ ኤፍኤ ካፕ ዓቲራ፣ * መበል 37 ዙርያ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻይድሉ ኤቨርተን ናይ ቀደም ሜድኣ ናይ መወዳእታ ግጥማ ብምክያድ ክትፋነዎ’ንከላ ለስተር ሲቲ ድማ ገዲም ተጻዋታያ ኣፋንያ፣
May 18, 2025•11 min
ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ኣብ መላእ ጋዛ ፡ እንተላይ ኣብ ጃባልያን ክሃን ዮኒስን ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ብውሕዱ 80 ሰባት ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣብ ኢንዶነዥያ ንሰለስተ መዓልቲ ምብጻሕ ክገብር ናብ ጃካርታ ገይሹ ፣ ዴንማርካዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ማድስ ፐደርሰን ፡ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ጂሮ ኢታልያ ተዓዊቱ ፣
May 15, 2025•11 min
ንሎሚ ሓሙስ 15 ግንቦት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ዝተንጠልጠለ ኮይኑ ከምዘሎ፡ ክኢላ ፖሊሲ ኣመሪካ፡ ገሊጾም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጓሃሃር ዘሎ ኩነታት” ውን ዘሻቕል ምዃኑ ሓቢሩ። ህወሓት ካብ መዝገብ ፖለቲካዊ ውድባት ኢትዮጵያ ተሰሪዙ ። ገደብ ጉዕዞ ቱሪስት ናብ ትግራይ ብቅልጡፍ ፍታሕ ክግበረሉ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ጸዊዑ። ኣብ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ማሕበር ሰብ ሞያ ጥዕና ሓዊስካ ብዙሓት ሓካይም ተኣሲሮም ። ኣቡነ ሊዮ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ጋዜጠኛታት ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ጸዊዖም ። 69 ዝዕድመኦም ጳጳስ ሮበርት ፕረቮስ መበል 267 ቅቡእ ዝፋን ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም፡ ሊዮ መበል 14 ተባሂሎም ነታ ልዕሊ 1.4 ብልዮን ኣመንቲ ዘልውዉዋ ካቶሊካ...
May 15, 2025•53 min
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ዝተንጠልጠለ ኮይኑ ከምዘሎ፡ ክኢላ ፖሊሲ ኣመሪካ፡ ገሊጾም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጓሃሃር ዘሎ ኩነታት” ውን ዘሻቕል ምዃኑ ሓቢሩ። ህወሓት ካብ መዝገብ ፖለቲካዊ ውድባት ኢትዮጵያ ተሰሪዙ ። ገደብ ጉዕዞ ቱሪስት ናብ ትግራይ ብቅልጡፍ ፍታሕ ክግበረሉ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ጸዊዑ። ኣብ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ማሕበር ሰብ ሞያ ጥዕና ሓዊስካ ብዙሓት ሓካይም ተኣሲሮም ። ኣቡነ ሊዮ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ጋዜጠኛታት ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ጸዊዖም ።
May 14, 2025•10 min
The migration system is complex and confusing. Experts say a lack of accessible support and credible information is leading to visa abuse. - The migration system is complex and confusing. Experts say a lack of accessible support and credible information is leading to visa abuse.
May 14, 2025•11 min
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣውስትራልያውያን ልዕሊ 3200 ብናይ ፍቕሪ ስካም ወይ ምትላል ከም ዘጋጠሞምን ብሰንኩ ድማ ልዕሊ 23 ሚልዮን ዶላር ኣብ ኢድ ኣታለልቲ ከም ዝወደቐን ጸብጻባት ይሕብሩ ። መታለልቲ ወይ ስካመራት ኣስራርሓኦም ኣብዝራቐቐሉ ዝለዉ ፍቕሪ ዝደሊ ዘበለ ኵሉ ድማ ኣብ ውዲቶም ብቐሊሉ ክወድቁ ይኽእል እዩ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ትሕዝቶና ብዛዕባ ስካመራት/መታለልቲ ከመይ ከምዝሰርሑ ፤ እቶም ክትጥንቀቐሎም ዝግባእ ቀይሕ መስመራትን ፤ ግዳይ ናይ ፍቕሪ ስካም እንተኾይንካ እንታይ ክግበር ከምዘሎካ ክግለጽ እዩ ።
May 14, 2025•11 min
ንሎሚ 14 ግንቦት 2025 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርስታት ** ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝበጽሓሉ ዘሎ እዋን ምስ ሱዕዲ ዓረብ ገዚፍ ናይ ኣጽዋር ስምምዕ መሸጣ ፈጺሙ። ** ቻንስለር ጀርመን ንሩስያ ሓድሽ ናይ ኤውሮጳ እገዳ ክግበረላ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ። ** ኣውስትራሊያዊ ተቐዳዳሚ ብሽግለታ ካደን ግሮቭስ ኣብ ራብዓይ መድረኽ ጂሮ ኢጣልያ ሓምሻይ ወጺኡ።
May 14, 2025•4 min
ንሎሚ 13 ግንቦት 2025 ዝተዳለኡ ሓጸርቲ ዜናታት ኤ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት፡ ሱሳን ሊ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ መራሒት ሰልፊ ሊበርል ኰይና ተመሪጻ ። ቀ/ሚን ካቢኔኡን ቃል ማሕላ ፈጺሞም። እቲ ብሃማስ ተታሒዙ ዝጸንሐ እስራኤላዊ ኣመሪካዊ ናጻ ድሕሪ ምውጻኡ ፡ ድሕንነት እቶም ኣብ ጋዛ ተኣሲሮም ዘለዉ ዝተረፉ እሱራት ስግ ኣት ፈጢሩ ። ድሕሪ መጥቃዕቲ RSF ሱዳን ንሰደድ ነዳዲ ደቡብ ሱዳን ደው ክብል ኣዚዛ።
May 13, 2025•5 min
69 ዝዕድመኦም ጳጳስ ሮበርት ፕረቮስ መበል 267 ቅቡእ ዝፋን ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም፡ ሊዮ መበል 14 ተባሂሎም ነታ ልዕሊ 1.4 ብልዮን ኣመንቲ ዘልውዉዋ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክመርሑ ተመሪጾም ኣለዉ። ሓድጊ ሊቀጳጳስ ፍራንሲስ፡ ምምራጽ ሊዮ መበል 14 ካቶሊካዊያን ክመይ ከምዝተቐበልዎ ኣብ ኣውስስትራሊያ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝመጹ ካቶሊካውያን ዘገልግሉ ዘለዉ ኣባ ስምኦን ምሕረተኣብ ካብ ብርስቤን ኣብሪሆሙልና ኣለዉ።
May 13, 2025•20 min