ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ግንቦት 2025) - podcast episode cover

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ግንቦት 2025)

May 01, 202551 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ንሎሚ ሓሙስ 1 ግንቦት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ጎስጓስ ምርጫ ኣውስትራሊያ ጉዳይ ስድተኛታት ሓደ ካብ ዛዕባታት ኮይኑ ብሰልፍታት ፖለቲካ ቀሪቡ ኣሎ። ብዛዕባ'ዚ ዝምልከት ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስን ፕሮፌስር ፈትሒ ማንሱሪ "4 key myths that manufacture an immigration ‘crisis’" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝጸሓፍዎ ዓንቀጽ እቲ ብዛዕባ ስደተኛታት ዝወሃብ ብሂላት ብ ኣኣርባዕተ ጉዳይ ከፊሎም ኣቕሪቦም እቲ ዝበሃል ድማ ጌጋ ምዃኑ ብመጽናዕቲ ኣደጊፎም ኣቕሪቦሞ ኣለዉ። ብዛዕባ'ዚ ጽሑፍ ምስ ምርጫ ፈደራል መንግስቲ 2025 ኣተሓሒዝና ካብ ጽሓፍቲ ናይቲ ዓንቀጽ ዝኾነ ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ ዝርርብ ኣካይድና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ገለ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣጠንቂቑ። ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 250 ኤርትራውያን ስደተኛታት ሰጒጓ ፕረዚደንት ትግራይ ነበር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ እቲ ኣጣይሹዎ ዝተብሃለ ሓዱሽ ውዳበ መብርሂ ሂቡ። ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ገለ ጥሕሰታት ስምምዕ ፕሪቶርያ ናብ ግጭት ከየምርሑ ስግኣቱ ገሊጹ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ናብ ሰራዊት ሱዳን ክሰጋገር ዝተዳለወ ሓሙሽተ ሚልዮን ተተኳሲ ከምዝሓዘት ኣፍሊጣ። መንግስቲ ሶማልያ ፓስፖርት ታይዋን ዝሓዙ ወጻእተኛታት ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ከምዝኸልከለ ተገሊጹ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ሰልፊ ግሪንስ “ናብ ከዋኽብቲ ንብጻሕ” ብዝብል ቴማ ወግዓዊ ጎስጓሱ ከፊቱ። ** ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣኼባ ካቢነኡ ን ኣኼባ ጸዊዑ ። ** ጋንታ ሶኮሩ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝግበር ዉድድራት ዋንጫ ዓለም ፊፋ ከምትሳተፍ እምነት ከም ዘለዎ ኣሰልጣኒኣ ቶኒ ፖፖቪች ገሊጹ። Enfasis
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android