SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ - podcast cover

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Last refreshed:
Follow this podcast in the Metacast mobile app to refresh it and see new episodes.
Download Metacast podcast app
Podcasts are better in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episodes

ሊቨርፑል ሻምፒዮን ኮይና፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ምምዝጋብ ይቕጽል፣ ትዕግስት ኣሰፋ ንማራቶን ለንደን ተዓዊታቶ

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (28/04/2025) * ኢትዮጵያዊት ትዕግስት ኣሰፋ ኣብ ማራቶን ለንደን ሓድሽ ክብረወሰን ብምምዝጋብ ተዓዊታ፡ * ኤርትራዊ መንእሰይ ሳይመን ተስፋጊዮርጊስ ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ 10ኪሜ ቤንጋሉሩ ዝድነቕ ካልኣይ ወጺኡ፣ * ኣብ ውድድራት ኣልማዛዊ ሊግ ዋንዳ ኢትዮጵያዊ ሳሙኤል ተፈራ ሓድሽ ክብረወሰን ናይ'ቲ ርክባት ብምምዝጋብ ኣብ ውድድር 3000ሜ መሰናኽል ተዓዊቱ፡ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሊቨርፑል መበል 20 ጽዋዕ ብወግዒ ክትዓትር'ንከላ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ኣመዝጊቡ ኒውካስትል ዩናይትድ ናብ ሳልሳይ ተርታ ክትድይብ ሓጊዙ፣

Apr 27, 202512 min

ወጥሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰላማዊ መፍትሒ ክሃድእ ኣቦወንበር ህወሓት ጸዊዑ። (ጸብጻብ ልኡኽና)

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ወጥሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰላማዊ መፍትሒ ክሃድእ ኣቦወንበር ህወሓት ጸዊዑ። ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ህወሓት “ናብ ፓርቲነት" ዘሰጋግሩዎ መስርሓት ይዛዝም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ምስ ፕረዝደንት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ከምዝተዛተየ ሓቢሩ ። ኣብ እስራኤል፡ ብቕትለት ክልተ ሰባት ዝጥርጠሩ ክልተ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዶብ ተታሒዞም'። ሚንስተር ገንዘብ ኢትዮጵያ ኣህመድ ሺዴ ምስ ምክትል ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ ተዛቲዩ። ግብጽን ጅቡቲን፡ ብጉዳያት ምሕደራን ጸጥታን ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ተሰማሚዐን'።

Apr 27, 202510 min

ዓብዱልፋታሕ ኣሕመድ ብፖሊስ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ኣፍሪቃውያን ነበርቲ መልበርን ቁጥዓኦም ንምግላጽ ሰልፊ ገይሮም።

ብሓሙስ ምሸት ኣብ ምዕራብ መልበርን ኣብ ፉትስክረይ ሓደ ሰብ ብፖሊስ ተተኲስሉ ድሕሪ ምቕታሉ ፡ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ኣንጻር እቲ ቅትለት ሰላማዊ ሰልፊ ወጺኦም። ኣስታት 200 ዝዀኑ ሰባት ፡ ኣብ ኒከልሰን ስትሪት ኣብ ማእከል ፉትስክረይ ናይቲ ዝተቐትለ ዓብደልፋታሕ ኣሕመድ ስእሊ ሒዞም "ህይወት ጸሊም ይከበር" "Black Lives Matter"ዝብል ጭርሖታት ሒዞም ፡ ዝያዳ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ደገፍ ክግበር ጸዊዖም ። ኣብቲ ኣጋጣሚ መደረ ካብ ዘስምዑ ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድ እቲ ከባቢ ኣብ ክንዲ ብፖሊስ ናይ ኣእምሮ ናይ ጥዕና ሓገዝ ከም ዘድልዮ ገሊጹ ። ነቲ ዘጋጠመ ኩነታትን ኣፍሪቃውያን ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገምን ኣብሪሁልና ኣሎ።

Apr 25, 202521 min

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ብኢ ኤስ ትግርኛ (24 ሚያዝያ 2025)

ንሎሚ ሓሙስ 24 ሚያዝያ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኢትዮጵያ ዝምልከት ሓድሽ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ UN-OCHA ተመያይጡ። ፕረዝደንት ትግራይ ዝተጣየሸ ካብኔ ሓቛፋይን ኣሳታፍን ኣይኮነን ተባሂሉ። ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ኣምባሳደር ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ውን ተዛትዩ ኣሎ። ኣይ ኤም ኤፍ ንልምዓትን ዕቤትን ኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ። ፕረዚደንት ኣሳይያስ ኣፈወርቂ ብሞት ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ። ኣቡነ ፍራንቺስኮ ኣብ ትግራይ ንዝነበረ ኵናት ደው ንኽብል ደጋጊሞም ይሰርሑ ከምዝነበሩ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሃገረ ስብከት ዓዲግራት ገሊፃ።...

Apr 24, 202552 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ሚያዝያ 2025)

ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ጥምረት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ንዘሎ ናይ ስድራን ዘቤታዊ ጐንጺን ንምምካት ተወሳኺ 90 ሚሊዮን ዶላር ከምዝምድብ ገሊጹ ። ንቱርኪየ 6.2 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢምዎ እዩ ። ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ናሆም ዘርኣይ ኣብ ኢጣልያ፣ ቢንያም ግርማይ ኣብ በልጅም ተወዳዲሮም ዘዕግብ ውጽኢት ኣመዝጊቦም፡

Apr 24, 202513 min

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኢትዮጵያ ዝምልከት ሓድሽ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ። (ጸብጻብ)

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ UN-OCHA ተመያይጡ። ፕረዝደንት ትግራይ ዝተጣየሸ ካብኔ ሓቛፋይን ኣሳታፍን ኣይኮነን ተባሂሉ። ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ኣምባሳደር ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ውን ተዛትዩ ኣሎ። ኣይ ኤም ኤፍ ንልምዓትን ዕቤትን ኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ። ፕረዚደንት ኣሳይያስ ኣፈወርቂ ብሞት ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ። ኣቡነ ፍራንቺስኮ ኣብ ትግራይ ንዝነበረ ኵናት ደው ንኽብል ደጋጊሞም ይሰርሑ ከምዝነበሩ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሃገረ ስብከት ዓዲግራት ገሊፃ። ፕረዚደንት ግብጺ፡ ኣብ ጂቡቲ ምብጻሕ ኣካይዱ።

Apr 23, 202510 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ሚያዝያ 2025)

ንሎሚ 23 ሚያዝያ 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ** ሰልፊ ተቓዋሚ ኣብ ፈደራል ምርጫ እንተተዓዊቱ ወጻኢታት ምክልኻል ከምዘዛይዶ ተመባጺዑ... ** ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ንቕትለት በጻሕቲ ሃገር ኣብ ክሽሚር ኮኒኑ... ** ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ኣል ጎረ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንክሊማዊ ለውጢ ዝግበር ጻዕሪ ብምግታእን ንዲሞክራሲ ኣመሪካ ኣብ ሓደጋ ብምእታውን ህዝቢ ኣመሪካ ክቃወሞ ጸዊዑ ።

Apr 23, 20255 min

What is Closing the Gap?  - ምዕጻው ጋግ (Closing the Gap) እንታይ እዩ፧

Australia has one of the highest life expectancies in the world. On average, Australians live to see their 83rd birthday. But for Aboriginal and Torres Strait Islander peoples, life expectancy is about eight years less. Closing the Gap is a national agreement designed to change that. By improving the health and wellbeing of First Nations, they can enjoy the same quality of life and opportunities as non-Indigenous Australians. - ኣውስትራልያ ብመንጽር ትጽቢት ዕድመ ህይወት ወይ ተኽእሎ ምጽናሕ ነዊሕ ዕድመ (ላይፍ ኤክስፐክታንሲ) ኣብ ዓ...

Apr 23, 20257 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ሚያዝያ 2025)

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (22/04/2025) * ጠንቂ ሞት ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ወቕዒን ክምለስ ዘይክእል ሕማም ልቢን ከምዝኾነ ቫቲካን ዘውጽኦ ምስክር ወረቐት ሞቶም ኣረጋጊጹ፣ * መራሕቲ ሃገራት ካብ መላእ ዓለም ብሞት ጳጳስ ፍራንሲስ ዝተሰመዖም ሓዘን ይገልጹ`ለዉ፣ * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዚ ንክብሪ`ቶም ጳጳስ ባንዴራታት ኣብ ፍርቂ ክስቀላ`የን ኢሉ፣ * ኣውስትራልያውያን ኣብ ናይ`ዚ ዓመት ፈደራላዊ ምርጫ ከድምጹ ኣብ ዝጀመርሉ እዋን ተወዳደርቲ ሕጹያት ፖለቲከኛታት ቀንዲ ፖሊሲታቶም ንምግላጽን ንምሻጥን ግዜ ይውድኦም ኣሎ፣ * ኣትሌታት ኬንያ ንማራቶን ቦስቶን ዓብሊሎሞ።

Apr 22, 20258 min

Who's Right? Who's Left? The ideological gender gap in Australia - #SBSExamines: መን'ዩ የማን፧ መን'ዩ ጸጋም፧ ኣብ መንጎ ጾታታት ዘሎ ስነሓሳባዊ ፍልልይ ኣብ ኣውስትራልያ

Elections overseas last year showed a growing political divide between young men and women. Will the same happen here? - ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየዱ ምርጫታት ኣብ ካልኦት ሃገራት እናዓበየ ዝኸደ ፖለቲካዊ ፍልልይ (ጋግ) ኣብ መንጎ መንእሰያትን ደቀንስትዮን ኣርእዮም። ኣብ ኣውስትራልያ ኸ ከምኡ ከጋጥም ድዩ፧

Apr 21, 202511 min

ዝርርብ ብዛዕባ'ቲ ብዙሕ ሰብ ዘይዛረበሉ ሕማም ምስ ክኢላ ጥዕና ኣእምሮ ዮርዳኖስ ተስፋይ።

ብዙሕ ሰብ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ዘጋጥሞ'ኳ እንተኾነ ሰኣን ግቡእ ሕክምና ምርካብ ክሳብ ሞት ዝበጽሑ ኣለዉ። ሰባት ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ከምዘለዎም ብምንታይ ይፈልጡ፧ መቕርቦም ጸገም ከምዘለዎም ብኸመይ ክፈልጡ ይኽእሉ፧ ብዙሓት ጸገም ከምዘለዎም እናፈለጡ ንምንታይ ናብ ሓኪሞም ከይዶም ሕክምና ክወስዱ ዘይደልዩ፧ ነዚን ካልእ ምስ ጥዕና ኣእምሮ ዝተሓሓዝ ሕቶታት ኪኢላ ጥዕና ኣእምሮ ዮርዳኖስ ተስፋይ መሊሳትልና ኣላ።

Apr 21, 202521 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ሚያዝያ 2025)

ኣርእስታት ዜና፥ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣውስትራልያዊያን ኣድመጽቲ ኣቐዲምካ ድምጺ ምሃብ ካብ 22 ሚያዝያ ኣብ ዝጅምርሉ : መራሕቲ ቅድሚ እቲ ድምጺ ምሃብ ምጅማሩ ፖለቲካዊ መብጽዓታቶም ይቕጽሉ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ፍራንሲስ ኣብ ናይ በዓል ትንሳኤ መልእኽቶም ፡ ኣብ ጋዛን ዩክረይንን ካልእ ክፍለ ዓለምን ሰላም ክሰፍን ተማሕጺኖም። ኣብ ተኒስ ፡ ዴንማርካዊ ሆልገር ሮይ-ኒ ኣብ ዓለም ካልኣይ ተርታ ዝስራዕ ካርሎስ ኣልካርታዝ ስዒሩ ፡ ናይ ፈለማ ሻምፕዮን ዓወቱ ጨቢጡ ።

Apr 21, 20259 min

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ሚያዝያ 2025)

ን ሎሚ 21 ሚያዝያ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ በዚ ኣጋጣሚ ንኹላትኩም ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ተኽብሩ እንቋዕ ጾመ ልጓም ፈትሓልኩምን ርሑስ በዓል ክኾነልኩም እናተመነኹ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከ ሎሚ ብ ኣመንቲ ክርስትና በዓል ትንሳኤ ይኽበር ኣሎ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንኣመጻጽኣን ኣከባብራን እቲ በዓል ፓስቶር ብርሃነ መርሶ ካብ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ስላሴ ብርስቤን መብርሂ ሂቦሙና ኣለዉ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ሓዱሽ ፕረዚደንት ትግራይ ነበር ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ናብ ትግራይ ክምለስ ጸዊዑ። ኣብ ትግራይ ተቛሪፁ ዝነበረ መርሃ ግብሪ ዳግማይ እግሪ ምትካል ነበር ተጋደልቲ መሊሱ ጀሚሩ። ብርጌድ ንሓመዱ ብዝብል ዝፍለጥ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ማእኸል ከም ዝኸፍት ኣፍሊጡ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብ...

Apr 21, 202550 min

ሓዱሽ ፕረዚደንት ትግራይ ነበር ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ናብ ትግራይ ክምለስ ጸዊዑ።

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ሓዱሽ ፕረዚደንት ትግራይ ነበር ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ናብ ትግራይ ክምለስ ጸዊዑ። ኣብ ትግራይ ተቛሪፁ ዝነበረ መርሃ ግብሪ ዳግማይ እግሪ ምትካል ነበር ተጋደልቲ መሊሱ ጀሚሩ። ብርጌድ ንሓመዱ ብዝብል ዝፍለጥ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ማእኸል ከም ዝኸፍት ኣፍሊጡ።

Apr 21, 20257 min

ሊቨርፑል ጽዋዕ ፕሪምየር ሊግ ክትዓትር 3 ነጥቢ ጥራይ ተሪፍዋ፣ ኤርትራዊ ዳዊት ሰዓረን ኢትዮጵያዊት ገላ ሃምበሰን ኣብ ቦስቶን ተዓዊቶም፣

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (21/04/2025) * ኤርትራዊ ዳዊት ሰዓረን ኢትዮጵያዊት ገላ ሃምበሰን ኣብ ውድድር 5ሽሕ ሜትሮ ቦስቶን ተዓወትቲ ኮይኖም፣ * ናይ ማራቶን ቦስቶን ሻምፒዮንኦም ዝከላኸሉ ኢትዮጵያዊ ሲሳይ ለማን ኬንያዊት ሄለን ኦቢሪን ኣብ'ቲ ሎሚ ሶኑይ ዝካየድ ውድድር ካብ'ቶም ተሳተፍቲ ምኳኖም ተፈሊጡ፡ * ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ናሆም ዘርኣይ ኣብ ኢጣልያ፣ ቢንያም ግርማይ ኣብ በልጅም ተወዳዲሮም ዘዕግብ ውጽኢት ኣመዝጊቦም፡ * ኣብ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሊቨርፑል ንሌስተር ሲቲ ድሕሪ ምስዓራ ሻምፒዮን ክትከውን ሰለስተ ነጥቢ ጥራይ ተሪፍዋ፣ ድኻም ዝተሰመዖም ዝመስል ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድን ኣብ ኢድ ኣስቶንቪላ ከቢድ ስዕረት ኣጋጢምዎም ናይ ሳልሳይ ተርታ ቦትኦም ኣብ ሓደጋ ይኣቱ፣

Apr 20, 202510 min

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሚያዝያ 2025)

ንሎሚ ሓሙስ 17 ሚያዝያ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ትካላት ረድኤት ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየን ዝቐልጠፈን ናይ ምምዝባል ቅልውላው ኢለንኦ ኣለዋ ። ኣብ ሱዳን ውግእ ሓድሕድ ናብ ሳልሳይ ዓመት [ካብ ሚያዝያ 2023] ኣብ ዝኣተወሉ ዘሎ ፡ ዳርጋ 13 ሚልዮን ካብ መነባብሮኦም ተመዛቢሎም እዮም ። ኣብታ ሃገር እውን ጥሜት እናበዝሐ ይኸይድ ስለ ዘሎ ፡ ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ፡ ማለት 24.6 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ስእነት መግቢ ወዲቖም ኣለዉ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ጸብጻባዊ ዜና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሓዱሽ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሄራዊ ዕርቂ ክግበር መደብ ከም ዘሎ ገሊጹ። ደጋፍን ተቓዋምን ኮይኑ ኣብ ክልተ ተኸፋፊሉ ዘሎ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ት...

Apr 17, 202548 min

ኩነታት ሱዳን ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝገደደ ሰብኣዊ ቅልውላው፡

ትካላት ረድኤት ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየን ዝቐልጠፈን ናይ ምምዝባል ቅልውላው ኢለንኦ ኣለዋ ። ኣብ ሱዳን ውግእ ሓድሕድ ናብ ሳልሳይ ዓመት [ካብ ሚያዝያ 2023] ኣብ ዝኣተወሉ ዘሎ ፡ ዳርጋ 13 ሚልዮን ካብ መነባብሮኦም ተመዛቢሎም እዮም ። ኣብታ ሃገር እውን ጥሜት እናበዝሐ ይኸይድ ስለ ዘሎ ፡ ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ፡ ማለት 24.6 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ስእነት መግቢ ወዲቖም ኣለዉ ።

Apr 16, 20258 min

ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ንሓዋሩ ክዕጾ እማመ ቀሪቡ። (ጸብጻብ)

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሓዱሽ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሄራዊ ዕርቂ ክግበር መደብ ከም ዘሎ ገሊጹ። ደጋፍን ተቓዋምን ኮይኑ ኣብ ክልተ ተኸፋፊሉ ዘሎ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ትግራይ ናብ ሓደ ብሄራዊ ምርድዳእ ክመፅእ ክስራሕ ምዃኑ ሓባር ኣሎ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ናይ 17 ወርሒ ውዝፍ መሃያ መምህራን ክኽፈል ወሲኑ። መንግስታዊ ሚድያን ርክብ ህዝብን ክልል ኣምሓራ ቶኽታኺ ሓበሬታ ካብ ምዝርጋሕ ክቑጠቡ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣተሓሳሲቡ ። ቀዋሚት ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ናህላ ቫልጂ ምስ ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈዎርቂ ርክብ ኣካይዳ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ንሓዋሩ ክዕጾ እማመ ቀሪቡ።

Apr 16, 20258 min

መስርሕ ሕውየት ድሕሪ ምዕልቕላቕን ማዕበልን፡

ኣውስትራልያ ፡ ብተደጋጋሚ ብርቱዕ ህቦብላን ምዕልቕላቕ ማይን የጋጥማ ኣሎ ፣ ድሕሪ ነፍሲወከፍ ዘጋጥም ባህርያዊ ሓደጋታት ማሕበረሰባት ከኣ ናብ ንቡር ንምምላስ ነዊሕ ጉዕዞ ይጽበዮም ። እቲ ዝናብ ድው ምስበለ ግና ፡ ከመይ ጌርካ ናብ ቤትካ ብሰላም ትምለስን ተጽርዮን ደገፍ ትረክብን ? ድሕሪ ሓደጋ እንታይ ኣገዳሲ ስጕምትታት ክንወስድ ከም ዘሎና ምስ ክኢላታት ተዘራሪብና ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና ።

Apr 16, 202510 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 መጋቢት 2025)

ንሎሚ 16 መጋቢት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ** ብዛዕባ ፖሊሲታት መንበሪ ኣባይቲ ዝምልከት ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ዓበይቲ ሰልፍታት ፖሎቲካ ኣውስትራሊያ ነቐፌታ ይቐርብ ኣሎ ... ** ማእከላይ ባንክ ኣውስትራሊያ ኣብ ወርሒ ግንቦት ተወሳኺ ምጉዳል መጠን ወለድ ክገብር ክፉት እዩ ኢሉ... ** መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 58 ከተማታት ዝካይዶ 'ልምዓት ኮሪደር' ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎ ጽልዋ ክግምግም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቲቱ።

Apr 16, 20256 min

Who's Right? Who's Left? Where do you fall on the political spectrum? - SBS Examines: መን`ዩ የማን፧ መን`ዩ ጸጋም፧ ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታትኩም ኣየናይ ሸነኽ`ዩ ዝውክለኩም፧ (1ይ ክፋል)

For years, the labels 'left' and 'right' have been used to describe where political parties sit. But are they still useful? - ንነብስኹም ኣብ ጸጋማዊ ዲኹም የማናዊ ኣተሓሳስባ ወይ ኣረኣእያ ተቐምጥዋ፧ ንዓመታት እዚኦም ኣስማት ፖለቲካዊያን ሰልፍታት ኣብ ዝበዝሑ መርገጺታቶም ኣበየናይ ይዝንብላ ንዝብል ንምግላጽ ወይ ንምዕቃን ከገልግሉ ጸኒሖም። እቶም ናብ ጸጋም ዝዘዝዉ ኣብ ዝያዳ ገስጋሳዊ ክብርታት ዝኣምኑ`ዮም፣ እቶም ኣብ የማናዊ ወገን ናይ`ቲ መዐየሪ ዘለዉ ድማ ኣብ ዝያዳ ዓቃባውያን ክብርታት ይኣምኑ። እዞም ኣስማት ግን ክሳብ ሕጂ ጠቐምቲ ድዮም፧ መርገጺ ፖለቲካውያን ሰልፍታትናን ፖለቲከኛታትናን ንምርዳእ ብሓቂ ይሕግዙና ድዮም፧

Apr 15, 20259 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 መጋቢት 2025)

ንሎሚ 15 መጋቢት 2025 ዝተዳለዉ ሃጽርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት ... ** ፕረሲደንት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መሳለጥያታት ኑክሌስ ኢራን ከጥቅዕ ምዃኑ ይፋራርሕ... ** ዓበይቲ ሰልፍታት ኣውስትራሊያ ብዛዕባ ኣባይቲ ዝምልከት መደባቶም ዝመጾም ዘሎ ወቐሳ ይከላኸልሉ... ** ኮኾብ ተጻዋታይ ሪልማድሪድ ሓደ ካብ ወነንቲ ክለብ ስዋንስተን ሲቲ ኮይኑ።

Apr 15, 20255 min

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 መጋቢት 2025)

ን ሎሚ 14 መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣውስትራሊያዊያን ኣብ 3 ግንቦት 2025 ወከአልቶም ንፈደራል መንግስቲ ክመርጹ እዮም። ኣባላት ማሕበረሰብና እቶም ቀንዲ ዘአገድስዎም ጉዳያትን ካብ ሕጹያት ዝጽበዮም ፖሊሲታት እንታይ ምዃኖም ኣቶ ልኡል ፍስሃ ዝሃቦ መግለጺ ቀሪቡ ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሓዱሽ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ 18 ዓበይቲ ዝተብሃሉ ሕቶታት ብፅሑፍ ተቐቢሉ። ህወሓት ንፕረዚደንነት ሌ ጀነራል ታደሰ ወረደ ከምዝድግፍ ኣረጋጊፁ። ብመንግስቲ ኤርትራ ዕድመ ዝተገብረሉ ጉጅለ ልኡኽ ኤዉረጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣካይዱ። ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኤርትራ ንዝሃበቶ ደገፍ ኣመስጊኑ። ኣብ ኣውስትራልያ፡ ብሰንኪ ዘቤታዊ ዓመጽ ሓገዝ ካብ...

Apr 14, 202550 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 መጋቢት 2025)

ኣርእስታት ዜና፥ ንገለ ኤለክትሮኒካዊ ፍርያት ዝንሓፍ ቀረጽ ከም ዘየለ ፕረሲደንት ትራምፕ ገሊጹ ። ኣብ ሓንቲ ከተማን ናይ ሱዳን ዞባ ዳርፉር ኣብ ዝርከብ ክልተ ማእከል ተመዛበልቲን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ተቐቲሎም ። ሰልፍታት ፖለቲካ ኣውስትራሊያ ጎስጓስ ምርጫ ቐጺሉ፡ ሰልፊ ለበር ንፈለማ ዓደግቲ ገዛ ክሕግዝ ክመባጻዕ’ከሎ፡ ሰልፊ ተቓዋሚ ድማ ንሓደ ዓመት ምጉዳል ግብሪ ክግበር እዩ። ኣውስትራልያዊ ኦስካር ፡ ኣብ ናይ ባሕሬን ግራንድ ፕሪክስ ተዓዊቱ ።

Apr 14, 202512 min

ብመንግስቲ ኤርትራ ዕድመ ዝተገብረሉ ጉጅለ ልኡኽ ኤዉረጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣካይዱ።(ጸብጻብ)

ሓዱሽ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ 18 ዓበይቲ ዝተብሃሉ ሕቶታት ብፅሑፍ ተቐቢሉ። ህወሓት ንፕረዚደንነት ሌ ጀነራል ታደሰ ወረደ ከምዝድግፍ ኣረጋጊፁ። ብመንግስቲ ኤርትራ ዕድመ ዝተገብረሉ ጉጅለ ልኡኽ ኤዉረጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣካይዱ። ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኤርትራ ንዝሃበቶ ደገፍ ኣመስጊኑ።

Apr 13, 20256 min

ቅድድም ብሽግለታ ፓሪስ-ሩበይ ማቲው ፋን ደር ፓውል ተዓዊትዎ፣ ቢንያም ግርማይ መበል 15 ኣትዩ፣ በዳቱ ሂርፓ ኣብ ማራቶን ፓሪስ ተዓዊታ፣

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (14/04/2025) * ታደይ ፖጋቻር ወዲቑ ማቲው ፋን ደር ፖወል ኣብ ዝተዓወተሉ ብዙሕ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ቅድድም ብሽግለታ ፓሪስ-ሩበይ ቢንያም ግርማይ ዘዕግብ መበል 15 ኣትዩ፡ * ኢትዮጵያዊት በዳቱ ሂርፓ ካልኣይ ዓወታ ኣብ`ዚ ዓመት ዘመዝገበትሉ ኣብ ማራቶን ፓሪስ ተዓዊታ፡ * ቀዳማይ እግሪ ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮንስ ሊግ ጋንታታት ኤውሮጳ ተኻይዶም ኣርሰናል ንሪያል ማድሪድ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ብገፊሕ ክትስዕራ'ንከላ ባርሴሎናን ፒኤስጂን ድማ ብገፊሕ ተዓዊተን ናይ ምሕላፍ ዕድለን ዝለዓለ ኮይኑ፡ * መሓመድ ሳላሕ ሓድሽ ውዕል ኣብ ዝፈረመሉ ሊቨርፑል ሓደ ስጉምቲ ናብ ምዕታር ጽዋዕ ፕሪምየር ሊግ ትምርሽ፣ * ንምብጻሕ ናብ ሩዋንዳ ዘተባብዕ መወዓውዒ 'ቪዚት ሩዋንዳ' ኣብ ማልየአን ዘለወን ጋንታታት ኤውሮጳ ብሰንኪ ምትእትታው ሩዋንዳ ኣብ ደሞ...

Apr 13, 202516 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 መጋቢት 2025)

ኣርእስታት ዜና፥ ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣንቢርዎ ዘሎ ንናይ ብዙሓት ሃገራት ልዑል ቀረጽ ን90 መዓልታት ደው ከምዘበሎ ኣፍሊጡ - ኣብ ልዕሊ ቻይና ተወሳኺ ናይ ታሪፍ ወይ ቀረጽ ናብ 125 ሚኢታዊ ክብ ኣቢልዎ ኣሎ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሲ መንግስቲ ንምምስራት ዋላ እውን ደገፍ ናይ ንእሽቶ ሰልፊ እንተ ኣድለዮ: ምስ ሰልፊ ግሪንስ ከም ዘይደራደር ገሊጹ ። ኣብ ቴኒስ ኣውስትራልያዊ ኣሌክስ ደ ሚኑር ፡ ኣንጻር ቶማስ ማሃ-ች 3-6, 6-0, 6-3 ብምዕዋት ፡ ካብ ሞንተ ካርሎ ማስተርስ ናይ መወዳእታ 16 በጺሑ ኣሎ ።

Apr 10, 20259 min

ኢትዮጵያ፡ ' ንሕቶ መሰል ኣፍደገ ባሕሪ ተካይዶ ጻዕሪ ብዘለዎ ረስኒ' ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጣ።(ጸብጻብ)

ውዕሊ ፕሪቶርያ ንምትግባር መላእ ዓቕሚ ህዝቢ ክንጥቀም ኢና ክብል ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀ/ ታደሰ ወረደ ገሊጹ። ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ድማ ፣ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ናይ ፖለቲካ ኣፈላላያት ብሰላማዊ መንገዲ ክፍትሑ ውሕስ ሰላም ክህሉን ብሄራዊ ዕርቂ ክፍጠርን ሓቲቱ። ኢትዮጵያ፡ ' ንሕቶ መሰል ኣፍደገ ባሕሪ ተካይዶ ጻዕሪ ብዘለዎ ረስኒ' ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጣ። 24 ግንቦት - መበል 34 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ፡ “መስመርና ድርዕና” ብዝብል ቴማ ከም ዝኽበር ተገሊጹ።

Apr 09, 20257 min

ክንዮ መጻሕፍቲ፡ ኣብያተ መጻሕፍቲ ንኹሉ ብማዕረ ዝህባኦ ብዙሕ ኣገልግሎታት (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

ህዝባዊ ብያተ ንባብ ኣውስትራሊያ ፍሉያት ቦታታት እዮም ። እወ ፡ ብናጻ መጻሕፍቲ ኽትልቃሕ ይግብሩ እኳ እንተ ኰኑ ፡ ብዙሕ ብናጻ ንዅሎም ሰባት ካልእ መደባትን ኣገልግሎታትን እውን ይህቡ እዮም ፣ ካብ ንኣሽቱ ቘልዑ ኽሳዕ ዓበይቲ ዜጋታት እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ኢሎም ዝቕበሉ እዮም ። ሎሚ ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ህዝባዊ ቤተ-መፃሕፍቲ ዝህቡ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ክንርኢ ኢና ።

Apr 09, 20256 min

ሓጽርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ሚያዝያ 2025)

ንሎሚ 9 ሚያዝያ 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኣርእስታት፡ ** ቀዳማይ ሚኒስተር ን መራሒ ሰልፊ ተቓዋምን ናይ ፈለማ ናይ ምርጫ ክትዕ ኣካይዶም ... ** ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቻይና ናይ 104 ሚእታዊ ቀረጽ ወይ ታሪፍ ኣንቢራ ... ** ኣብ ግጥማት ርብዒ-ፍጻመ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳ ኣርሰናል ን ርያል ማሪድ ብገፊሕ 3 ብባዶ ሲዒራታ።.

Apr 09, 20256 min
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android