ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ብኢ ኤስ ትግርኛ (24 ሚያዝያ 2025) - podcast episode cover

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ብኢ ኤስ ትግርኛ (24 ሚያዝያ 2025)

Apr 24, 202552 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ንሎሚ ሓሙስ 24 ሚያዝያ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኢትዮጵያ ዝምልከት ሓድሽ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ UN-OCHA ተመያይጡ። ፕረዝደንት ትግራይ ዝተጣየሸ ካብኔ ሓቛፋይን ኣሳታፍን ኣይኮነን ተባሂሉ። ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ኣምባሳደር ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ውን ተዛትዩ ኣሎ። ኣይ ኤም ኤፍ ንልምዓትን ዕቤትን ኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ። ፕረዚደንት ኣሳይያስ ኣፈወርቂ ብሞት ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ። ኣቡነ ፍራንቺስኮ ኣብ ትግራይ ንዝነበረ ኵናት ደው ንኽብል ደጋጊሞም ይሰርሑ ከምዝነበሩ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሃገረ ስብከት ዓዲግራት ገሊፃ። ፕረዚደንት ግብጺ፡ ኣብ ጂቡቲ ምብጻሕ ኣካይዱ። ምስ ጥዕና ኣእምሮ ዝተሓሓዝ ሕቶታት ኪኢላ ጥዕና ኣእምሮ ዮርዳኖስ ተስፋይ መሊሳትልና ኣላ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት ። ብዛዕባ፡ ምዕጻው ጋግ (Closing the Gap) እንታይ እዩ፧ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ጥምረት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ንዘሎ ናይ ስድራን ዘቤታዊ ጐንጺን ንምምካት ተወሳኺ 90 ሚሊዮን ዶላር ከምዝምድብ ገሊጹ ። ንቱርኪየ 6.2 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢምዎ እዩ ። ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ናሆም ዘርኣይ ኣብ ኢጣልያ፣ ቢንያም ግርማይ ኣብ በልጅም ተወዳዲሮም ዘዕግብ ውጽኢት ኣመዝጊቦም፡
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android