ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሚያዝያ 2025) - podcast episode cover

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሚያዝያ 2025)

Apr 17, 202548 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ንሎሚ ሓሙስ 17 ሚያዝያ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ትካላት ረድኤት ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየን ዝቐልጠፈን ናይ ምምዝባል ቅልውላው ኢለንኦ ኣለዋ ። ኣብ ሱዳን ውግእ ሓድሕድ ናብ ሳልሳይ ዓመት [ካብ ሚያዝያ 2023] ኣብ ዝኣተወሉ ዘሎ ፡ ዳርጋ 13 ሚልዮን ካብ መነባብሮኦም ተመዛቢሎም እዮም ። ኣብታ ሃገር እውን ጥሜት እናበዝሐ ይኸይድ ስለ ዘሎ ፡ ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ፡ ማለት 24.6 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ስእነት መግቢ ወዲቖም ኣለዉ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ጸብጻባዊ ዜና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሓዱሽ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሄራዊ ዕርቂ ክግበር መደብ ከም ዘሎ ገሊጹ። ደጋፍን ተቓዋምን ኮይኑ ኣብ ክልተ ተኸፋፊሉ ዘሎ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ትግራይ ናብ ሓደ ብሄራዊ ምርድዳእ ክመፅእ ክስራሕ ምዃኑ ሓባር ኣሎ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ናይ 17 ወርሒ ውዝፍ መሃያ መምህራን ክኽፈል ወሲኑ። መንግስታዊ ሚድያን ርክብ ህዝብን ክልል ኣምሓራ ቶኽታኺ ሓበሬታ ካብ ምዝርጋሕ ክቑጠቡ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣተሓሳሲቡ ። ቀዋሚት ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ናህላ ቫልጂ ምስ ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈዎርቂ ርክብ ኣካይዳ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ንሓዋሩ ክዕጾ እማመ ቀሪቡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ልምዓት ኮሪደር' ብቕልጡፍ ደው ከብል ኣምነስቲ ኣተሓሳሲቡ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ “መስርሕ ሕውየት ድሕሪ ምዕልቕላቕን ማዕበልን፡” ዝብል ኣርእስቲ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ካልኣይ ናይ መራሕቲ ክትዕ ዛዕባ ፖሊሲ ኣባይቲን ሃገራዊ ድሕነትን ፡ ዓብሊልዎ ኣምስዩ ። ፈረንሳ ን12 ኣባላት ዲፕሎማስያውን ቈንስላውን ሰራሕተኛታት ካብ ኣልጀርያ ትስሕብ ። ኣብ መብዛሕት አን ዋና ከተማታትን ዓበይቲ ከተማታትን ዋጋታት ዋጋ መንበሪ ገዛ ኣብ ኣውስትራሊያ ብገምጋም ንናይ ሚሊዮን ዶላር መስመር ከምዝሓለፈ ተፈሊጡ።
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android