ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 መጋቢት 2025) - podcast episode cover

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 መጋቢት 2025)

Apr 14, 202550 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ን ሎሚ 14 መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣውስትራሊያዊያን ኣብ 3 ግንቦት 2025 ወከአልቶም ንፈደራል መንግስቲ ክመርጹ እዮም። ኣባላት ማሕበረሰብና እቶም ቀንዲ ዘአገድስዎም ጉዳያትን ካብ ሕጹያት ዝጽበዮም ፖሊሲታት እንታይ ምዃኖም ኣቶ ልኡል ፍስሃ ዝሃቦ መግለጺ ቀሪቡ ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሓዱሽ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ 18 ዓበይቲ ዝተብሃሉ ሕቶታት ብፅሑፍ ተቐቢሉ። ህወሓት ንፕረዚደንነት ሌ ጀነራል ታደሰ ወረደ ከምዝድግፍ ኣረጋጊፁ። ብመንግስቲ ኤርትራ ዕድመ ዝተገብረሉ ጉጅለ ልኡኽ ኤዉረጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣካይዱ። ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኤርትራ ንዝሃበቶ ደገፍ ኣመስጊኑ። ኣብ ኣውስትራልያ፡ ብሰንኪ ዘቤታዊ ዓመጽ ሓገዝ ካብ ዝሓተታ ደቀንስዮ 90% ዝኾና ፋይናንሳዊ ዓመጽ ኣጋጢምወን፡ ክኢላታት ድማ ሓደስቲ መጻእቲ ደቀንስትዮ እተን ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ዝርከባ'የን ይብሉ። ነዚ ዝምልከት ዝቐረበ ትሕዝቶ ኣሎ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ንገለ ኤለክትሮኒካዊ ፍርያት ዝንሓፍ ቀረጽ ከም ዘየለ ፕረሲደንት ትራምፕ ገሊጹ ። ሰልፍታት ፖለቲካ ኣውስትራሊያ ጎስጓስ ምርጫ ቐጺሉ፡ ሰልፊ ለበር ንፈለማ ዓደግቲ ገዛ ክሕግዝ ክመባጻዕ’ከሎ፡ ሰልፊ ተቓዋሚ ድማ ንሓደ ዓመት ምጉዳል ግብሪ ክግበር እዩ። ኣውስትራልያዊ ኦስካር ፡ ኣብ ናይ ባሕሬን ግራንድ ፕሪክስ ተዓዊቱ ።
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android