In Australia, 90 per cent of women who have sought support for domestic violence have experienced financial abuse, and experts say migrant women are more at risk. - ኣብ ኣውስትራልያ፡ ብሰንኪ ዘቤታዊ ዓመጽ ሓገዝ ካብ ዝሓተታ ደቀንስዮ 90% ዝኾና ፋይናንሳዊ ዓመጽ ኣጋጢምወን፡ ክኢላታት ድማ ሓደስቲ መጻእቲ ደቀንስትዮ እተን ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ዝርከባ'የን ይብሉ።
Apr 08, 2025•10 min
ኣውስትራሊያዊያን ኣብ 3 ግንቦት 2025 ወአከአልቶም ንፈደራል መንግስቲ ክመርጹ እዮም። ኣባላት ማሕበረሰብና እቶም ቀንዲ ዘአገድስዎም ጉዳያትን ካብ ሕጹያት ዝጽበዮም ፖሊሲታት እንታይ ምዃኖም ኣቶ ልኡል ፍስሃ ኣብሪሁ ኣሎ።
Apr 08, 2025•16 min
ንሎሚ 8 ሚያዝያ 2025 ዝተዳልዉ ሓጸርቲ ዜናታት፡ ኣርእስታት ዜና፡ ** ሚኒስተር ጥዕና ማርክ በትለር ፡ ነቲ መንግስቱ ብዛዕባ ኣብ ናይ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዝገብሮ ናይ 1 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ፡ ብዙሕ ወጻኢታት ዝምልከት ንዝቐርብ ዘሎ ሕቶታት ይጣበቐሉ ኣሎ... ** ሓድሽ ናይ ሕማም ሽኮርያ መድሃኒት ምስ ሕማም ረሲዕን ካልእ ናይ ኣልዛይመር ሕማምን ዝተሓሓዝ ምዃኑ ሓድሽ ዉጽኢት ምርምር ኣረጋጊጹ ... ** ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኑ ንክልተ ዓመት ዘገልገለ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካብ ስልጣኑ ከምዝተሰናበተ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ገሊጹ።
Apr 08, 2025•7 min
ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ለበር ን ኣድመጽቲ ንምስሓብ ወነንቲ ቤት ፡ ዝሓሰረ ጸዓት ንኽረኽቡ ፡ ን ባተሪታት ዝኸውን ናይ 4,000 ዶላር ምወላ ተመባጺዑ ኣሎ ። ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝሓለፈ ሰሙን [2 ሚያዝያ] ሓድሽ ታሪፍ ፡ ዒላማ ዝተገብረለን ልዕሊ 50 ሃገራት ድርድር ክገብራ ከምዝቐረባ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ገሊጾም ። ኣብ ጃማይካ ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ኣትለቲክስ (ኪንግስተን ግራንድ ስላም ትራክ) ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ዲሪበ ወልተጂ ሻምፒዮን ኮይና፡
Apr 07, 2025•10 min
ን ሎሚ 07 መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ : መምህር ጸጋይ ተስፋይ፡ ኣብ 1996 ናብ ኣወስትራሊያ ተሰዲዱ ስድራ ቤቱ ብምእላይን ነቲ ማሕበረሰብ ኣብ ምግልጋልን ኣሕሊፍዎ። ሞት ዘይተርፍ ዕዳ ወዲሰብ ብምዃኑ ከኣ፡ ብ27 መጋቢት 2025 ካብዛ ዓለም ተፈልዩ፡ መላእ ነበርቲ ማሕበረሰብ ከተማ ብርስቤንን ከባቢኣን ካብ ወጻኢ ድማ ብማንዛን ብዓቢ ስነስርዓት ብ 6 ሚያዝያ 2025 ስነ ስርዓት ቀብሩ ተፈጺሙ። ናይ ቀረባ መቓልስቱን ንነዊሕ ዓመታት መናብርቱን ዝኾነ ኣቶ ሚካኤል (ወዲ ቐሺ) ብዛዕባ ህይወት መምህር ጸጋይ ኣካፊሉና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ሽልማት ሕሩያት መማህራን ተጀሚሩ። ኣባላት ቐዋሚ ኮሚቴ ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ምስ ኣምሳደር ኣሜሪካ ተዛትዮም። ፈጻሚ ጉዳያት ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጲያን ሕብረት ኣፍሪቃን ፡ ምስ ወከልቲ ሰበ-ስልጣን ናይቲ ሕብ...
Apr 07, 2025•45 min
ንሎሚ ዝተዳለወ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ ካብ'ዚ ቀጺልና ከነቕርበልኩም ኢና፡ ፈለማ ግን ኣርእስታቱ፡ ኣብ ጃማይካ ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ኣትለቲክስ (ኪንግስተን ግራንድ ስላም ትራክ) ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ዲሪበ ወልተጂ ሻምፒዮን ኮይና፡ ኬንያውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ከተማ ኤልደሮት ኣንጻር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ክወዳደሩ ዕድል ክረኽቡ'ዮም፡ ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ሚከል ኣርቴታ ብተኸላኻላዩ በደል ተፈጺሙ ኢሉ ንኤቨርተን ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ዝሃበ ውሳነ ዳኛ ከምዘይሰማማዓሉ ኣፍሊጡ፡ ንምብጻሕ ናብ ሩዋንዳ ዘተባብዕ መወዓውዒ 'Visit Rwanda' ኣብ ማልየአን ዘለወን ጋንታታት ኤውሮጳ ብሰንኪ ምትእትታው ሩዋንዳ ኣብ ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ንግዳዊ ውዕለን ክስርዛ ካብ ደገፍቲ መጸዋዕታ ይቐርበለን ዝብሉ ንሎሚ ንምልከቶም ዜናታት'ዮም።
Apr 06, 2025•6 min
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ሽልማት ሕሩያት መማህራን ተጀሚሩ። ኣባላት ቐዋሚ ኮሚቴ ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ምስ ኣምሳደር ኣሜሪካ ተዛትዮም። ፈጻሚ ጉዳያት ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጲያን ሕብረት ኣፍሪቃን ፡ ምስ ወከልቲ ሰበ-ስልጣን ናይቲ ሕብረት ርክባት ኣካይዱ። ሕብረት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ 240 ሚልዮን ዩሮ ድጋፍ ሂቡ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ ንብርጣኒያ ተቓውሞ ኣስሚዑ።
Apr 06, 2025•5 min
መምህር ጸጋይ ተስፋይ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1949 ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ወረዳ ዓዲ ዃላ ኣብ እትርከብ፡ ዓዲ ባሕሮ ተወሊዱ። ዕድመኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ድማ ክሳብ 8ይ ከፍሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ማእከላይ ደረጃ ዓዲ ዃላ ተማሂሩ። ድሕሪኡ ናብ ኣስመራ ከይዱ ክሳብ መበል 12 ክፍሊ ቀጺሉ። ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ድማ ኣብኡ ብሞያ ምምህርና ክስልጥንን ከም መምህር ከስትምሃርን 5 ዓመታት ጸኒሑ። ካብኡ ከኣ ንዝያዳ ትምህርቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ኣትዩ። ከም ተጋዳላይ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ተጋድሎ ሓነት ኤርትራ ናብ ሱዳን ድሕቲ ምእታው ከኣ፡ ኣብ ከሰላ ኣባል ውድብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ፡ ሓላፊ ክፍሊ ገንዘብን መምህርን ኮይኑ ክሰርሕ ምስ ጸንሐ፡ ኣብ 1996 ናብ ኣወስትራሊያ ተሰዲዱ። ስድራ ቤቱ ብምእላይን ነቲ ማሕበረሰብ ኣብ ምግልጋልን ኣሕሊፍዎ። ሞት...
Apr 06, 2025•17 min
With an election date set for May 3rd, campaigning has officially begun. But political advertisements have already been circulating for months. Can you trust what they say? - ምርጫ ዝካየደሉ መዓልቲ ግንቦት 3 ክኸውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ጎስጓሳት ብወግዒ ተጀሚሮም ኣለዉ። እንተኾነ ግን ፖለቲካውያን መወዓውዒታት ቅድሚኡ ንኣዋርሕ ክዝርግሑ ወይ ክዘሩ ጸኒሖም'ዮም። እቲ ዝብሉዎ ወይ ዘውጽእዎ ክትኣምኑዎ ትኽእሉ ዶ፧
Apr 05, 2025•10 min
ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ጥምረት እንተድኣ ተመሪጹ ናይ ሕርሻን ዕደናን ጽርግያታት ንምምሕያሽ 600 ሚልዮን ዶላር ከውጽእ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንተኒ ኣልበኔዝ ፡ ኣብዚ ኣመሪካ ግብሪ ክትውስኽ ምዃና ገሊጻትሉ ዘላ እዋን ብጽንዓት ደው ከምዝብል ኣረጋጊጹ። ፕሬዝዳንት ዩናይትድ ስቴትስ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቁጠባ ዓለም ሰፊሕ ጽልዋ ክህልዎ ትጽቢት ዝግበረሉ ንመብዛሕትኡ ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ኣቑሑት ቀረጽ/ግብሪ ከምዝግበር ኣፍሊጡ ።
Apr 03, 2025•14 min
ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ መልእኽቲ መራሒ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ማያርዳት ኣብጺሑ። ብኲናት ንዝተሃሰየ ዓውዲ ጥዕና ትግራይ ብመፅናዕቲ ዝተደገፈ መፍትሕታት ንምንዳይ ዝዓለመ 10ይ ዓለም ለኸ ዓውደ መፅናዕቲ ተጀሚሩ። ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ዘጓነየ ምጥያሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ይሳለጥ ምህላዉ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ጠቒሱ። ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም 'ኣማራጺ' ከም ዘይወስድ ገሊጹ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልላት ዝጣየሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ንኽልተ ግዜ በብኽልተ ዓመት ክናዋሕ ዘኽእል ኣዋጅ ኣጽዲቑ።
Apr 02, 2025•8 min
On election day the Australian Electoral Commission anticipates one million voters to pass through their voting centres every hour. Voting is compulsory for everyone on the electoral roll, so all Australians should familiarise themselves with the voting process before election day. - 18 ሚልዮን ኣውስትራልያውያን ኣብ'ዚ ዝመጽእ ዘሎ ፈደራል ምርጫ ከድምጹ ተመዝጊቦም ኣለዉ። ኣብ መዓልቲ ምርጫ፡ ኮሚሽን ምርጫ ኣውስትራልያ the Australian Electoral Commission ወይ AEC ብመድመጺ ማእከላቱ ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰዓት ሓደ ሚልዮን ኣድመጽቲ ክሓልፉ ትጽቢት ይገብር። ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ መዝገብ ኣድመጽቲ እቱ...
Apr 02, 2025•11 min
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (2 ሚያዝያ 2025) * ፍርሒ ዝዓበየ ኲናት ንግዲ ኣብ ዝተፈጥረሉ ዶናልድ ትራምፕ ሓደስቲ ታሪፋት ክእውጅ’ዩ፣ * ሰልፊ ለይበር ኣውስትራልያ ንሰለስተ ሚልዮን ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ሓቀኛ ወሰኽ ደሞዝ ክግበረሎም ድፍኢት ክገብር’የ ይብል፣ * መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ፒተር ዳተን ፖሊሲታቱ ካብ ዶናልድ ትራምፕን ኢሎን ማስክን ይቐድሖም ኣሎ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ፣ * ክልተ ኣትሌታት ካብ ኢትዮጵያን ኬንያን ብምኽንያት ጥሕሰታት ሕጊ ብቕዓት ዘደንፍዑ ንጥረነገራትን መርመራታትን ብኣትለቲክስ ዓለም እገዳ ተነቢርሎም፣
Apr 01, 2025•7 min
ኣብ ሊብያ ካብ ኤርትራውያን ኢትዮጵያ ሱዳንን ካልእ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ናይ ሞትን ህላወን ኩነታት ይርከቡ። ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ንህዝቢ ሊብያ ነቶም ስደተኛታት ድላዮም ክግብርዎ መገዲ ስለዝኽፈተ ናይ ሞት ስጉምቲ ከይወስደሎም ኣብ ከቢድ ስግኣት ይርከቡ ኣለዉ። ፈቐ ኡ ተዘርዮም ድማ ርድኡና ክብሉ ይጣረዑ ኣለዉ። ኣብ ሊብያ ካብ ዝርክቡ ንኽልት ረኺብና ኣዛሪብናዮም ኣለና።
Apr 01, 2025•15 min
ንሎሚ 1 ሚያዝያ 2025 ዝትዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስስታት : ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ 3 ግንቦት ንዝግብር ምርጫ ጎስጓስ ምረጹና ጽዒቑ ቀጺሉ፡ ኣብ ሚያንማርን ታይላንድን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቁጽሪ ምዉታት ይውስኽ፡ ኣብ ሚያንማር ጥራይ ዛጊት ኣስታት 2000 ሰባት ሞይቶም። መራሒት ሰልፊ ሕሉፍ የማናይ ፈረንሳ ማሪን ለ ፐን ፡ ብምጥፍፋእ ገንዘብ ሕብረት ኣውሮጳ ገበነኛ ምዃና ንሓሙሽተ ዓመት ንስልጣን ከይትወዳደር ቤት ፍርዲ ውሲኑ።
Apr 01, 2025•6 min
ኣርእስታት ዜና፥ ወርሒ ረመዳን ተወዲኡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣመንቲ ምስልምና: ዒድ ኣል-ፈጥር ንምኽባር ኣብ ቀጽሪ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ መስጊድ ኣል-ኣቓሳ ጸሎት ገይሮም ። ፕሬዝዳንት ዩናይትድ ስቴትስ ዶናልድ ትራምፕ ንረቡዕ ሓድሽ ቀረጽ ከምዝገብር ኣብዘፍልጠሉ እቲ ጉዳይ ንናይ ኣውስትራሊያ ፈደራል ምርጫ ጎስጓስ ከየንጸላልዎ ተሰጊኡ ። ኤርትራዊ ኮኾብ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅደድም ብሽግለታ ኸንት ዊቨለኸም ተሳቲፉ ሻብዓይ ወጺኡ፡
Mar 31, 2025•12 min
ንኹሎም ኣመንቲ እንቋዕ ንመበል 1446 ዓመተ ሂጅርያ በዓል ዒድ ኣልፍጥር ኣብጽሓኩም ዒድ ሙባረክ እናበልና ን ሎሚ 31 መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣባላት ማሕበረሰብ ብዛዕባ ዒድ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ መበል 1446 ዓመተ ሂጅርያ በዓል ዒድ ኣልፍጥር ብተከተልቲ እምነት እስልምና ኣብ ትግራይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብድሙቕ መልክዑ ተኸቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ፈላማይ ዝርርብ ኣካይዱ። ኣብ ትግራይ ልዕሊ 915 ሰብ ሞያ ሕክምና ካብ ስርሖም ለቒቖም ተባሂሉ። ኣብ ኤርትራ ዞባ • ደቡብ - ነቚጣታት መከፋፈሊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ይስራሕ ኣሎ፡ ሶማሊላንድ ነቲ ሶማልያ ንኣሜሪካ ክትህቦ ዝወጠነቶ ወደብ ተቓዊማ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣ...
Mar 31, 2025•48 min
ኣብዚ መበል 1446 ዓመተ ሂጅርያ በዓል ዒድ ኣልፍጥር ብተከተልቲ እምነት እስልምና ዝበዓለለሉ ዘሎ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዘለዉ ኣመንቲ'ውን ብኽብ ዝበለ ስነ ስርዓት ምስ ስድራቤቶ የብዕልዎ ኣለዉ። በዚ ምኽንያት ዒድ መልእኽቶም ዘመሓላለፉ ኣቦ ወምበር ማሕበረሰ ኤርትራውያን ኣብ ቪክቶሪያ ዓብዱልቓድር ኬኪያን ጋዜጠኛ ብርሃን ጃብር እስማዒልን እዮም።
Mar 31, 2025•5 min
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ፈላማይ ዝርርብ ኣካይዱ። ኣብ ትግራይ ልዕሊ 915 ሰብ ሞያ ሕክምና ካብ ስርሖም ለቒቖም ተባሂሉ። ኣብ ኤርትራ ዞባ • ደቡብ - ነቚጣታት መከፋፈሊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ይስራሕ ኣሎ፡ ሶማሊላንድ ነቲ ሶማልያ ንኣሜሪካ ክትህቦ ዝወጠነቶ ወደብ ተቓዊማ።
Mar 30, 2025•7 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (31/03/2025) * ኤርትራዊ ኮኾብ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅደድም ብሽግለታ ኸንት ዊቨለኸም ተሳቲፉ ሻብዓይ ወጺኡ፡ * ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ኢትዮጵያ ንጂቡቲ ብገፊሕ 6-1 ብምስዓር ቀዳማይ ዓወታ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ግጥማት ኣመዝጊባ፣ * ዓሰርተታት ኣሽሓት ደገፍቲ ኒውካስትል ዩናይትድ በዓል ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ደቂጋንትኡን ዘመዝገብዎ ኣብ ዝሓለፉ 70 ዓመታት ቀዳማይ ጽዋዕ ናይ'ታ ጋንታ ንምብዓል ኣብ ጎደናታት ከተማ ኒውካስትል ተኣኪቦም፣ * ዝሓለፈ ቀዳመሰንበት ድሕሪ ዝተኻየዱ ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ዋንጫ ኤፍኤ ካፕ ኖቲንግሃም ፎረስት ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ፡ ክሪስታል ፓላስ ድማ ኣንጻር ኣስቶንቪላ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ክራኸባ ምዃነን ተፈሊጡ፣
Mar 30, 2025•9 min
Disability advocates and experts say cultural stigma and migration laws leave migrants living with disability further excluded and marginalised. - ተጣበቕቲ ኣካለ ስንኩላንን ክኢላታትን፡ ምስ ስንክልና ዝነብሩ ሓደስቲ መጻእቲ ናብ'ዚ ሃገር፡ ድሑር ባህላዊ ኣረኣእያታትን ሕግታት መጻእቲን (ማይግሬሽንን) ኣዝዮም ንጹላትን ግሉላትን ይገብርዎም ይብሉ።
Mar 27, 2025•11 min
ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ መንግስቱ ፡ ብዝሒ ብስደት ዝ ኣቱ ሰብ ኣመና ኺዛይድ ከም ዝፈቐደ ንዚቐርበሉ ዘሎ ክሲ ነጺግዎ ። ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ዝነብሩ ፍልስጤማውያን ፡ ነቲ ምስ እስራኤል ዝግበር ውግእ ደው ከብሎ ብምጥላብ ፡ ንሓማስ ተቓዊሞኦም ኣስሚዖም። ሰራዊት ሱዳን ንኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ካብ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ (RSF) እንደገና ከምዝተቖጻጸረ ወተሃደራዊ ምንጭታት ሓቢሮም ።
Mar 27, 2025•13 min
ንሎሚ ሓሙስ 27 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ህወሓት ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንግዝያዊ ፕረዚደነት ትግራይ ዝኸውን ሰብ ንምርቋሕ ንዘቕረቦ ፃውዒት ተቓዊሙ። ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ንጠለብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪ ነጺግዎ መንግስቲ ኤርትራ ምስ መንግስታት ግብጽን ዖማንን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ኣካይዱ። ብርጌድ ንሓመዱ ብኣኽበርቲ ሕጊ ጀርመን 'ውሽጣዊ ግብረሽበራዊ ውድብ' ተባሂሉ ብዛዕባ፡ ካብ ስርቂ ምሕላው፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ስርቅን ምጥፍፋእን ምርዳእ። ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ቃለ መሕትት’ውን ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ መንግስቱ ፡ ብዝሒ ብስደት ዝ ኣቱ ሰብ ኣመና ኺዛይድ ከም ...
Mar 27, 2025•50 min
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ህወሓት ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንግዝያዊ ፕረዚደነት ትግራይ ዝኸውን ሰብ ንምርቋሕ ንዘቕረቦ ፃውዒት ተቓዊሙ። ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ንጠለብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪ ነጺግዎ መንግስቲ ኤርትራ ምስ መንግስታት ግብጽን ዖማንን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ኣካይዱ። ብርጌድ ንሓመዱ ብኣኽበርቲ ሕጊ ጀርመን 'ውሽጣዊ ግብረሽበራዊ ውድብ' ተባሂሉ።
Mar 26, 2025•7 min
ቤትካ ወይ ትሰርሓሉ ቦታ ስራሕካ እንተ ዘይተሰይሩ ፡ ዕድለኛ ክትከውን ኣልካ ። ንሰረቕቲ ምርሓቕ ዝብል መልእኽቲ ካብ ሰራሕቲ መፋትሕን ክኢላታት ጸጥታን ካብ ነበርቲ ኣውስትራልያን ብተደጋጋሚ እትሰምዖ መልእኽቲ እዩ ። እንተዀነ ግን: ስርቂ ብሕጋዊ ዓይኒ ክርአ ከሎ እንታይ ማለት እዩ ? ንገዛእ ርእስኻ ብኸመይ ኢኻ ኽትከላኸለላ እትኽእል ? እቲ ዝኸፍአ እንተ ኣጋጢሙኸ ፡ እንታይ ደገፍ እዩ ዘሎ ? ድሕንነትን ውሕስነትን ምእንቲ ክህልወካ ፡ ነአዚ ኣገዳሲ ሕቶታት እዚ ክንምልሶ ኢና ።
Mar 26, 2025•11 min
ንሎሚ 26 መጋቢት 2025 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፡ ኣርእስታት ** ፈደራል መንግስቲ ሃንደበታዊ ምጉዳል ግብሪ ኣብ ባጀቱ ኣንጸባሪቑ፡ እንተኾነ ተቓዋሚ ሰልፊ ከምዘይግፎ ኣፍሊጡ ... ** ሓደ ቤት ፍርዲ ጃፓን ፡ ኣብታ ሃገር እትርከብ ኣካራኻሪት ቤተ ክርስትያን ሓድነት (Unification Church) ክትዕጾ ኣዚዙ። ** ጋንታ ሶኮሩ ንሃገራዊት ኩዕሶ እግሪ ቻይና 2- ብባዶ ብምስዓር ናብ ዋንጫ ዓለም ምረሻኣ ትቕጽል..
Mar 25, 2025•5 min
ኣብ ሊብያ ኣስታት 8000 ምዝጉባት ከምኡ ድማ 2000 ዝኾኑ ዘይምዝጉባት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘለዉ ኮይኖም፡ ኣብዚ እዋን ምስ ካልኦት ካብ ኢትዮጵያ ሱዳንን ካልእ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ናይ ሞትን ህላወን ኩነታት ይርከቡ። ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ንህዝቢ ሊብያ ነቶም ስደተኛታት ድላዮም ክግብርዎ መገዲ ስለዝኽፈተ ረመዳን ምስተወደአ እቲ "እምነትናን ባህልናን የበላሽዉ ኣለዉ" ኢሉ ንዝኸሶም ዘሎ ስደተኛታት ናይ ሞት ስጉምቲ ከይወስደሎም ኣብ ከቢድ ስግኣት ይርከቡ ኣለዉ። ነዚ ኣመልኪትና ብቐረባ ምስ ዝከታተሎም ዘሎ ኣብርሃም ተስፋይ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ነቲ ኩነታት ኣብሪሁልና ኣሎ።
Mar 25, 2025•15 min
ንሎሚ 25 መጋቢት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኣርእስታት: ** ካብ ቨንዙወላ ነዳዲ ዝዕድጋ ሃገራት ተወሳኺ ግብሪ ክኸፍላ ከምዝግደዳ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጡ። ** ሎሚ ምሸት ፌደራል ባጀት ኣብዝግለጸሉ መንግስቲ ዕዳ ከምዘለዎ ዝግለጽ እኳ እኾነ እንትነ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ግና ዕዳኡ ንምኽፋል ንዘለዎ ታሪኽ ይከላከለሉ ኣሎ ... ** ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዖማን ናብ ኤርትራ በጺሑ።....
Mar 24, 2025•6 min
ን ሎሚ 24 መጋቢት መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኤርትራ “ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሕጂስ ሓላፍነቱ ክስከም ግቡእ እዩ” ዝብል ጻውዒት ኣቕሪባ። ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ ኣብጺሑ። ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብ መሬት ዘየለ ክሲ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይን ዕጡቓት ፋኖን ነጺጎምዎ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ትረዠረር ጂም ቻለምስ ፡ መንግስቲ ኣብ ጽባሕ [ሰሉስ] ባጀቱ ኣብ ዘቕርበሉ እዋን ፡ ብዝሒ ኣብ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝኣትዉ ስደተኛታትን ናብ ወጻኢ ዝስደዱን መጠናዊ ለውጢ ከም ዝህሉ ገሊጹ ። እስራኤል ኣብ ጋዛ ደብዳብ ኣብ ዘካየደትሉ እዋን ፡ዕለዋይ መራሒ ፖለቲካ ሓማስ ሳላሕ ኣል-ባርዳዊል ምስ ሰ...
Mar 24, 2025•45 min
ኣርእስታት ዜና፥ ትረዠረር ጂም ቻለምስ ፡ መንግስቲ ኣብ ጽባሕ [ሰሉስ] ባጀቱ ኣብ ዘቕርበሉ እዋን ፡ ብዝሒ ኣብ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝኣትዉ ስደተኛታትን ናብ ወጻኢ ዝስደዱን መጠናዊ ለውጢ ከም ዝህሉ ገሊጹ ። እስራኤል ኣብ ጋዛ ደብዳብ ኣብ ዘካየደትሉ እዋን ፡ዕለዋይ መራሒ ፖለቲካ ሓማስ ሳላሕ ኣል-ባርዳዊል ምስ ሰበይቱ ኣብ ጥቓ ክሃን ዮኒስ ተቐቲሎም ። ሓደ ቤት ፍርዲ ቱርኪ ፡ ብክሲ ብልሽውና ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ዘሎ ከንቲባ ኢስታንቡል ኢክረም ኢማሞግሉ ውጽኢት ፍርዲ ክሳብ ዝርከብ ክእሰር ኣዚዙ ኣሎ ።
Mar 24, 2025•12 min