ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 መጋቢት 2025) - podcast episode cover

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 መጋቢት 2025)

Mar 31, 202548 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ንኹሎም ኣመንቲ እንቋዕ ንመበል 1446 ዓመተ ሂጅርያ በዓል ዒድ ኣልፍጥር ኣብጽሓኩም ዒድ ሙባረክ እናበልና ን ሎሚ 31 መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣባላት ማሕበረሰብ ብዛዕባ ዒድ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ መበል 1446 ዓመተ ሂጅርያ በዓል ዒድ ኣልፍጥር ብተከተልቲ እምነት እስልምና ኣብ ትግራይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብድሙቕ መልክዑ ተኸቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ፈላማይ ዝርርብ ኣካይዱ። ኣብ ትግራይ ልዕሊ 915 ሰብ ሞያ ሕክምና ካብ ስርሖም ለቒቖም ተባሂሉ። ኣብ ኤርትራ ዞባ • ደቡብ - ነቚጣታት መከፋፈሊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ይስራሕ ኣሎ፡ ሶማሊላንድ ነቲ ሶማልያ ንኣሜሪካ ክትህቦ ዝወጠነቶ ወደብ ተቓዊማ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ወርሒ ረመዳን ተወዲኡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣመንቲ ምስልምና: ዒድ ኣል-ፈጥር ንምኽባር ኣብ ቀጽሪ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ መስጊድ ኣል-ኣቓሳ ጸሎት ገይሮም ። ፕሬዝዳንት ዩናይትድ ስቴትስ ዶናልድ ትራምፕ ንረቡዕ ሓድሽ ቀረጽ ከምዝገብር ኣብዘፍልጠሉ እቲ ጉዳይ ንናይ ኣውስትራሊያ ፈደራል ምርጫ ጎስጓስ ከየንጸላልዎ ተሰጊኡ ። ኤርትራዊ ኮኾብ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅደድም ብሽግለታ ኸንት ዊቨለኸም ተሳቲፉ ሻብዓይ ወጺኡ፡
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android