ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 መጋቢት 2025)
Mar 24, 2025•12 min
Episode description
ኣርእስታት ዜና፥ ትረዠረር ጂም ቻለምስ ፡ መንግስቲ ኣብ ጽባሕ [ሰሉስ] ባጀቱ ኣብ ዘቕርበሉ እዋን ፡ ብዝሒ ኣብ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝኣትዉ ስደተኛታትን ናብ ወጻኢ ዝስደዱን መጠናዊ ለውጢ ከም ዝህሉ ገሊጹ ። እስራኤል ኣብ ጋዛ ደብዳብ ኣብ ዘካየደትሉ እዋን ፡ዕለዋይ መራሒ ፖለቲካ ሓማስ ሳላሕ ኣል-ባርዳዊል ምስ ሰበይቱ ኣብ ጥቓ ክሃን ዮኒስ ተቐቲሎም ። ሓደ ቤት ፍርዲ ቱርኪ ፡ ብክሲ ብልሽውና ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ዘሎ ከንቲባ ኢስታንቡል ኢክረም ኢማሞግሉ ውጽኢት ፍርዲ ክሳብ ዝርከብ ክእሰር ኣዚዙ ኣሎ ።
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android
