ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ግንቦት 2025) - podcast episode cover

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ግንቦት 2025)

May 05, 202548 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ን ሎሚ 05 መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብ ናይ 2025 ፌደራላዊ ምርጫ ሰልፊ ለበር ብዓብላሊ መናብር ተዓዊቱ ፣ ብኻልእ ወገን ሰልፊ ጥምረት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ኣንጻር እቲ ሰልፊ ወናብር ተሓዲጉ ። ዝበዝሐ ዜናዊ መሰናድ ኦናን ሓደ ትንታነ ዜናናን ብዛዕባ ዉጽ ኢት ፈደራል ምርጫ ኣውስትራሊያ 2025 ዘንጸባርቕ ክኸውን እዩ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ህወሓት ከም ብሓዱሽ ምዝገባ ኮኒኑ ፤ ሕጋዊ ሰብነቱን ክምለስ ጸዊዑ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሮም 14 ኤምባሲታት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ገደብ ሓሳብካ ምግላጽ ስክፍታኦም ገሊጾም። ኤርትራ፡ ብወገና ብናጽነት ፕረስ ዓመተ 2025፡ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ኣላ። ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ኣብ ምብራቕ ሱዳን መጥቃዕቲ ኣካይዶም። ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን፡ ሉኡላዊ ግዛኣት ኢትዮጵያ ምጥሓሶም ተገሊጹ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ 75 ካብ ሚእቲ ድምጺ ተቖጺርሉ ኣብዘሎ ውጽኢት ምርጫ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዛጊት ሰልፊ ለበር ነቲ 86 መናብር ከም ዝረኸበን ሰልፊ ጥምረት 39 ረኺቡ 15 መናብር ገና ኣይተፈልጠን ኣሎ ። ኣብዚ ዓመታዊ ወርሒ ግንቦት ዝዝከር ሰሙን ጥዕና ልቢ' ህዝቢ ልቦም ክምርመሩ The Heart Foundation ተማሕጺኑ። ቸልሲ ኣብ ልዕሊ ሊቨርፑል ናይ 3ብ1 ዓወት ድሕሪ ምምዝጋባ ንዓወታ ትጽምብሎ ኣላ።
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android