ቀጥታ ምሉእ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ (8 ግንቦት 2025) - podcast episode cover

ቀጥታ ምሉእ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ (8 ግንቦት 2025)

May 09, 202548 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

* ጸብጻብ ዜናታት ካብ ልኡኽና: ኣይተ ብርሃነ ገ/ገርግስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ፡ ናይ ኤርትራ ዞባ ማእከል፡ንኡስ ዞባ በሪኽ፡ ካብ ምኽንሻብ ደቀኣንስትዮ ነጻ ምኳና ኣዊጃ፡ ዝበዝሐ ኣካል ክልል ኣምሓራ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ከምዘሎ ሚኒስትር ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ለገሰ ቱሉ ገሊፁ፡ ኢማራት ዓረብ ሱዳን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ንምቁራጽ ዝወሰደቶ ውሳነ ኣፍልጦ ከምዘይትህብ ገሊጻ፡ * ካብ ጠንቅታት ሞት ኣብ ቀዳማይ ተርታ ዝስራዕዩ። ብገምጋም ኣብ ነፍሲወከፍ 12 ደቒቕ ምስ ሕማም ልቢ ብዝተሓሓዝ ሕማም ይመውት፡ ብድኻም ልቢ ድማ ኣብ ሰዓት ሓደ ኣውስትራሊዊ ይመውት። እዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ቅነ ሕማም ልቢ ብምዃኑ እቲ ሕማም እንተለኩምን እንታይ ትገብሩን ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ምስኡ ኣተሓሒዝና ድማ በዚ ምኽንያት ብዛዕባ’ቲ ሕማም፡ ንጠንቅታትን ክንክናቱን ዝምልከት ካብ ሱፐር ክሊኒክ ሆፐርስክሮሲንግ ዶ/ር ሕሉፍ ኣበራ ሕክምናዊ ሓበሬታን ምኽሪን ሂቡና’ሎ፣ ኣብ’ቲ ናይ ቃለመሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። * ምልኩዕን ብዙሕ ዝዓይነቱን ኣቀማምጣ መሬት ኣውስትራልያ፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ክሳብ ርሑቕ ማእከል ዝርከቡ ከባቢታትን ኩሉ ኣብ መንጎ ዝርከብን፡ መዕቆቢ ኣገረምቲ ናይ ዝኾኑ ተኽልታትን ኣራዊትን'ዩ። ኣብ'ዚ ትሕዝቶ ኣብ'ዞም ጫካታት ኣውስትራልያ ንምንፋስ ወይ ንምንቅስቓስ ወይ ንምፍታሽ ከተቕንዑ ኣብ ትምድብሉ ምጥንቃቕን ምኽባርን ተፈጥሮኣውን ባህላውን ክብርታት ናይ'ቶም ከባቢታት ንምንታይ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣዕሚቕና ክንምልከት ኢና። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ክህልወና’ዩ።
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android