ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ሓምለ 2024)
ንሎሚ ሰኑይ 29 ሓምለ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ድሕሪ ዜና፡ ምስ ጋዜጠኛን ገጣምን ሃይሉ ሳህለ ዝገበርናዮ ዕላል ቀዳማይ ክፋል ምስ ግጥምታቱ ኣሰኒና ከነቕርበልኩም ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ሸርፊ ብር ብዕዳጋ ክውሰን ዝብል ውሳነ ከትተግብር ተቐቢላ። ፕረዚደንት ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል'ቡርሃን ፕረዚደንት ኤርትራ ዝርከቦም ሰለስተ መራሕቲ ዓዲሙ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብቲ እስራኤል ተቖጻጺራቶ ትርከብ ግዝ ኣት ሶርያ ኣኽራን ጐላን ኣብ ዝርከብ ሚዳ ኲዕሶ እግሪ መጥቃዕቲ ኣየር ተፈጺሙ ብውሕዱ 12 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም፡ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ ፈንያ። ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ፡ ...
