ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ሓምለ 2024) - podcast episode cover

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ሓምለ 2024)

Jul 29, 202455 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ንሎሚ ሰኑይ 29 ሓምለ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ድሕሪ ዜና፡ ምስ ጋዜጠኛን ገጣምን ሃይሉ ሳህለ ዝገበርናዮ ዕላል ቀዳማይ ክፋል ምስ ግጥምታቱ ኣሰኒና ከነቕርበልኩም ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ሸርፊ ብር ብዕዳጋ ክውሰን ዝብል ውሳነ ከትተግብር ተቐቢላ። ፕረዚደንት ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል'ቡርሃን ፕረዚደንት ኤርትራ ዝርከቦም ሰለስተ መራሕቲ ዓዲሙ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብቲ እስራኤል ተቖጻጺራቶ ትርከብ ግዝ ኣት ሶርያ ኣኽራን ጐላን ኣብ ዝርከብ ሚዳ ኲዕሶ እግሪ መጥቃዕቲ ኣየር ተፈጺሙ ብውሕዱ 12 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም፡ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ ፈንያ። ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ፡ ኣመሪካ ኣብ ጀርመን ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላት እንተ ኣዋፊራ ፡ ሩስያ ኣብ ውሽጢ ምዕራባውያን ሃገራት ከጥቅዕ ዝኽእል ርሕቀት ኣብዘለዎ ከባቢ ተመሳሳሊ ሚሳይላት ከተዋፍር ምዃና ገሊጹ ኣሎ ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሪቻርድ ማርለስ ፡ ሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ንምሃብ ካብ ሰልፊ ለበር ናይ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝቐረበ ጻውኢት ፡ ምላሽ ሂቡ ኣሎ ። ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ጋንትኡ ኢንተርማርሸ ዎንቲ ክሳብ 2028 ምስኣ ክጸንሕ ውዕሉ ኣናዊሓትሉ፣
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android