“እዚ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ግልያ ኮይኑ ክነብር ዝዓዘሞ ነገር ኣይርድ ኣካን’ዩ።” ገረዝግሄር ተወልደ
ካል ኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 05 ክሳብ 08 ነሓሰ 2024 ዝተኻየደ ጉባኤ ዉድባት ኤርትራ ፡ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ዝብል ናይ ሰለስተ ዉድባት ስምምዕ ተገይሩ።

ካል ኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 05 ክሳብ 08 ነሓሰ 2024 ዝተኻየደ ጉባኤ ዉድባት ኤርትራ ፡ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ዝብል ናይ ሰለስተ ዉድባት ስምምዕ ተገይሩ።
ንሎሚ ሓሙስ 15 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣምባሳደር ኣውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ጁልያ ነብሌት ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዑደት ኣካይደን። ምክትል ኣቦ ወንበር ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወጥሪ 'ፖለቲካዊ ድርድር' ክፍታሕ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘሎ ምምሕዳር ብምፍራስ ሓዱሽ ናይ ምትካእ ስራሕ ከም ዝቕጽል ተገሊጹ። ንመንግስትን ፋኖን ከቀራርብ ዝቘመ ቤትምኽሪ ሰላም ፈተናታት ከም ዝገጠሞ ሓቢሩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ኣርእስታት ጸብጻብ፡ እዩ ። ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 05 ክሳብ 08 ነሓሰ 2024 ዝተኻየደ ጉባኤ ዉድባት ኤርትራ ፡ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብዝብል ናይ ሰለስተ ዉድባት ስምምዕ ተገይሩ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ነቲ ናይቲ ጽላል መሰጋገሪ ክመርሕ ዝተመርጸ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ብዛዕባ’ቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ...
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝዝርጋሕ ዘሎ ለበዳ ሕማም ሞንኪፖክስ ንኻልኣይ ግዜ ዓለምለኸ ለበዳ ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣዊጁ ። ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ታይላንድ ንቀዳማይ ሚኒስተር ስረታ ታቪሲን ካብ ስልጣኑ ኣባሪርዎ ። ኣምባሳደር ኣውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ጁልያ ነብሌት ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዑደት ኣካይዳ።
እቲ ብክንሳተፍ ኢና ዝብሉን ኣብ ዝተጨውየ ጉባኤ ኣይንርከብን ዝብሉ ምፍልላያት ዘኸተለ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ኣብ መቐለ ይካየድ ኣሎ። እቲ ጉባኤ ካብ ኮሚሽን መረጻ ኢትዮጵያውን ተቓዉሞ ገጢምዎ ኣሎ። እዚ ጉባኤ በቲ ሃደ ወገን ኣብ ዉሽጢ እቲ ዉድብ ተፈጢሩ ዘሎ ምግምማዕ በቲ ኻልእ ድማ መጻኢ ዝምድና ምስ ፈደራል ዝመጽእ ኩነታት ብህዝቢ ኣብ ሳቕሎት ኣእትይዎ ይርከብ።
Sex ed in schools is controversial, but experts say it's vital for young people to learn about their bodies, identities, and healthy relationships. Why are some parents concerned? - ኣብ ኣውስትራልያ ጾታዊ ትምህርቲ ጠቓሚ'ዩ፡ ግን ነንሓድሕዱ ዘይሳነን/ዘይቃዶን ኣካታዒን'ዩ። ስለ'ዚ ጾታዊ ትምህርቲ ንኩሉ ዝወሃብ ክኸውን ኣለዎ ድዩ፧ ገለ ወለዲ ኸ ስግኣት ዝሓድሮም ንምንታይ`ዩ፧ እዚ ትሕዝቶ SBS Examines ንጾታዊ ትምህርቲ ኣብ ኣውስትራልያ ክምልከት`ዩ።
ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 05 ክሳብ 08 ነሓሰ 2024 ዝተኻየደ ጉባኤ ዉድባት ኤርትራ ፡ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብዝብል ናይ ሰለስተ ዉድባት ስምምዕ ተገይሩ። ኣብዚ ጽላል፡ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ)፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ደሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ከምዝተሳተፉ ተገሊጹ፡፡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ነቲ ናይቲ ጽላል መሰጋገሪ ክመርሕ ዝተመርጸ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ብዛዕባ’ቲ ዝተበጽሐ ስምምዕን መደባቶምን ክገልጸልና ሓቲትናዮ ዝሃበና መልሲ ኣብዚ ቐሪቡ ኣሎ።
ንሎሚ 14 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት ኣብ ኲንስላንድ ሓንቲ ጓል 10 ዓመት ኣብ ጎልድ ኮስት ኣብ ዝርከብ መንበሪ ቤት ጐረሮኣ ተሓሪዳ ሞይታ ድሕሪ ምርካባ ሓንቲ 46 ዓመት ዝዕድሚኣ ሰበይቲ ተኸሲሳ ። ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ቱርኪ ዝተኻየደ ዝርርብ' ብዘይፍረ ከምዝተዛዘመ ተፈሊጡ። ኣብ ኣውስትራልያ ፡ ወለንታዊ ብሓገዝ ሰብ ምቕታል [V-A-D] ሕጋዊ ካብ ዝኸውን ፡ ዘይምሕር ሕማም ዘለዎም ልዕሊ 2,460 ሰባት ነዚ ኣማራጺ እዚ መሪጾም ከምዝሞቱ ተፈሊጡ ። መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ኣብ ከተማ መቐለ ብወግዒ ተኸፊቱ፡ እዚ ጉባኤ ዝካየድ ዘሎ እቲ ዉድብ ኣብ ክልተ ተመቒሉሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ።
SBS Learn English will help you speak, understand and connect in Australia - view all episodes. This lesson is suitable for intermediate-level learners. After listening, test your knowledge with our quiz.
ህዝብታት ኣቦርጅንን ተቐማጦ ደሴት ቶረስ ኣይላንደራትን ፡ ብዛዕባ ሃገሮም ዓሚቝ ፍልጠትን ሓለዋን ስለ ስለዝገበሩ ፡ ንኣሽሓት ዓመታት ክጸንሑ ኪኢሎም እዮም ። እዚ ነቲ ኣካልውን መንፈሳውን መዳይ ኣብ ቀዳሞት ህዝብታት ዝጥቀምሉ ልምዲ ምፍዋስ ዘጠቓልል እዩ ። ኣብዚ ጸብጻብ እዚ ብዛዕባ ናይ ደቀባት ባህላዊ ፍወሳ ምርዳእን ነቲ ሎሚ ዘሎ ኣሰራርሓ ክንክን ጥዕና ኣድማዒ ውጽኢታውን ክኸውን ጠቓሚ ፍልጠት ከም ዝህብ ርኢና ኢና ።
ንሎሚ 13 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት፥ ቦርድ መርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ሰሉስ ክጅመር ተመዲቡ ዘሎ ጉባኤ ህወሓት ኣፍልጦ ከምዘይህብ ኣፍሊጡ። መራሕቲ ኣመሪካ ፈረንሳ ፡ ጀርመን ፡ ኢጣልያን እንግሊዝን ፡ ኢራን ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ከይትፍኑ ተማሕጺኖም ። ካልኣይ ዙርያ ዝርርብ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ኣንካራ ቱርኪ ክካየድ ምዃኑ ተገሊጹ።
ዕለታዊ ዜና (12082024) * ፓሪስ ሓላፍነት ምእንጋድ ኦሎምፒክስ ንሎስ ኣንጀለስ ኣረኪባታ፣ * እስራኤል ዳግማይ ምግዓዝ ፍልስጤማውያን ካብ ኻን ዩኒስ ኣዚዛ፣ * ኣብ ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር ንግዚኡ ከም ዝተኸልከለ ተገሊጹ፣ እዙይ ውሳኔ ዝተወስደ ብኣቦወንበር ህወሓት ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ጽባሕ ሰሉስ ጉባኤ ህወሓት ኣብ ዝፀውዐሉ ወቕቲ እዩ፣
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (12/08/2024) * ታምራት ቶላ ተዓዋቲ ውድድር ማራቶን ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ብምዃን ቀዳመይቲ ወርቂ መዳልያ ንኢትዮጵያ ዓቲሩ፣ * ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣፍቀርቲ ስፖርትን ደገፍትን ሃገራዊት ጋንትኦም ኣብ`ዚ ዓመት ኣብ ግጥማት ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ዘርኣየቶ ብቕዓትን ዘመዝገበቶም ቁጽሪ መዳልያታትን ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ይገልጹ፣ * መዳልያ ክዓትር ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ ለመቻ ግርማ ኣብ መወዳእታ ዙር ብኸቢድ ድሕሪ ምውዳቑ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ፣ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኣሎ ተባሂሉ፣ * ኣብ ኦሎምፒክስ መዳልያታት ዘመዝግቡ ኣትሌታት ሃገራቶም ምስጋንአን ንምግላጽ ስልማታት ይዕድለኦም`የን፣ ዝለዓለ ገንዘብን ስልማትን ዝዕድላ በዓል መን`የን፣
ጸብጻባት ልኡኽና * ኣብ ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር ንግዚኡ ከም ዝተኸልከለ ተገሊጹ፣ እዙይ ውሳኔ ዝተወስደ ብኣቦወንበር ህወሓት ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ጽባሕ ሰሉስ ጉባኤ ህወሓት ኣብ ዝፀውዐሉ ወቕቲ እዩ፣ * ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነቱ፡ ብሓድሽ ንኽምዝገብ ዝተውሃበ ውሳነ ከምዘይቕበሉዎ ኣቦወንበሩን ምክትሉን ኣፍሊጦም፣ * ኣብ ትግራይ ብብልሽውና ሓለፍቲ ተኣሲሮም ተባሂሉ፣ * ፈስቲቫል ኤርትራ 2024 - ዝኽሪ 50 ዓመት ፈስቲቫል ቦሎኛ፡ ብወግዒ ከም ዝተኸፍተ ተገሊጹ፣ * ዝተፈላለዩ ዉድባት ኤርትራ፡ ንስርዓት ኤርትራ ንምቅላስ ኣብ ጀርመን ሓባራዊ ልፍንቲ ከም ዝመስረቱ ኣፍሊጦም፣ * ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 5500 ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኰይነን፣
'Genocide' is a powerful term — it's been called the "crime of crimes". When does large-scale violence become genocide, and why is it so difficult to prove and punish? - ምጽናት ዓሌት (`ጀኖሳይድ``Genocide`) ከቢድ ዝኾነ ቃል'ዩ - "ናይ ገበናት ገበን" ተባሂሉ ተጸዊዑ'ዩ። መዓስ'ዩ ሓደ ገዚፍ-መጠን ዘለዎ ዓመጽ ወይ ጎነጽ፡ ጃምላዊ ቅትለት ዝኸውን፡ ንምንታ'ዩ ኸ እዚ ከተረጋግጾን መቕጻዕቲ ክትብይነሉን ኣዝዩ ኣሸጋሪ ወይ ከቢድ ዝኸውን፧
ኣርእስታት ዜና፥ ፡ ኣብ ከባቢ ዋክለይ ፡ ኣብ ኣፍደገ ቤተ ክርስትያ ክርስቶስ እቲ ሕያዋይ ጓሳ እተላዕለ ናዕቢ ፡ብዝተሓሓዝ ሰለስተ ሰባት ገበነኛታት ኰይኖም ተረኺቦም። ፖሊስ ብሪጣንያ ንዝግበር ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ናዕብታት ንምምካት ኣብ ምድላው ይርከብ ። ኣውስትራሊያ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጋንታ ብሽክሌታ ተዓዊታ ።
ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል; ኢትዮጵያ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምቕጻሉ ገሊጹ። ኣብ ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ይሓ ኣብ ሰብ ጉድኣት ዘየውረደ ዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ኣጋጢሙ ኣብ ሶማል ኣብ ምዕቃብ ሰላም ዝጸንሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሒዙዎም ዝጸንሐ ቦታታት ከረክብ ጀሚሩ።
ሓማስ ፡ ሓድሽ መራሒ እቲ ዉድብ ክኸውን ንያሕያ ሲንዋር ሸይምዎ ። ካማላ ሃሪስ ፡ ንቲም ዋልስ፡ ኣብ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንዶናልድ ትራምፕ እንተድኣ ስዒራ ምክትል ፕረዚደንት ክከውን መሪጻቶ። ኣብ ደቡባዊት ከተማ ኪስማዮ ሶማልያ ብኣማኢት ዝቑጸሩ እስላማዊ መሸፈኒ ገጽ ዝተኸደና ደቂ ኣንስትዮ ነበርቲ ኣብ ቀይዲ ኣትየን። ኣብ ሱዳን ብዝሃረመ ከቢድ ዝናብ ምኽንያት ትሸዓተ ሰባት ሞይቶም።
ውሑስን ንኹሉ ክፉት ዝኾነ ናይ ትምህርቲ ሃዋህው ምድላው ናይ ኩሉ ማሕበረ ሰብ ቤት ትምህርቲ ቀንዲ ተልእኾ እዩ ። ኰይኑ ግና ፡ ወለዲ ውሉዶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ኺድንደን ወይ ቡሊ ክኸውን ከሎ እንታይ ክገብሩ ኣለዎም ? እቲ ምንሻው ብ ኦንላይን እንተ ኣጋጢሙኸ እንታይ ስጕምትታት ክወስዱ ኣለዎም ? ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ ፡ ኣብ ትምህርቲ ፡ ስነ-ኣእምሮ ፡ ከምኡ "ውን ኣብ ኢንተርነት ዝርከቡ ክኢላታት ፡ እዋናዊ ምኽሪን ልቦናን ክህቡና ሓቲትና ዝረኸብናዮ መልሲ ሒዝና ቀሪብና ኣለና ።
ንሎሚ 6 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፈለማ ኣርእስታቶም፡ ኣብ ኣመሪካ ዘጋጠመ ምኽሳር ዕዳጋታት ስቶክ ዉድቀት ስዒቡ ቁጠባ ከየጋጥም ተሰጊኡ። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሸኽ ሓሲና ብሂሊኮፕተር ሃዲማ ድሕሪ ምውጻኣ ህዝቢ ባንግላደሽ ኣብ ጎደናታት ወጺኦም ሓጎሶም ይገልጹ ። ኣብ ዞባ ወላይታ፡ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት 11 ሰባት ምማቶም ተሓቢሩ።
ኣቶ መርእድ እያሱ ኣብ ኣውስትራሊያ ምንባር ካብ ዝጅምር 20 ዓመታት ዝገበረ ናይ ሕርሻ ምሁር እዩ። ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝሰርሓሉ ስራሕ ምትርጓምን ምስትርጓምን ኮይኑ፡ ብዛዕባ'ቲ ስራሕ ዘሎ ጥቕምታት ብፍላይ ድማ ጸገም ቋንቋ እንግልዝኛ ንዘለዎም ኣገልግሎት ምትርጓም ዘለዎ ረብሓ ተንቲኑ ኣሎ። ኣብቲ ስራሕ ዘጋጥምዎ ጸገማትን ዕግበትን'ውን ኣካፊሉ ኣሎ።
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ሊባኖስ ዝነብሩ ኣውስትራሊያዊያን ብቕልጡፍ ካብታ ሃገር ክወጹ ተደጋጋሚ መጸዋዕታታት ይቐርብ ኣሎ። ኣንጻር ኢሚግሬሽንን ንዕ ኡ ዝቃወምን ናይ ተቓውሞታት ሰልፍታትን ኣብ መላእ ዩናይትድ ኪንግደም ን ሓደ ሰሙን ቀጺሉ። ኣህጉራዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፡ ብኣህጉራዊ ማሕበር መኸተ ጕስጢ (ኢባ) ኣብ ልዕሊ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝተገብረ ፡ ጾታዊ መርመራ ተቐባልነት ከም ዘይብሉን ተኣማኒ ከም ዘይኰነን ገሊጹ ።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (05/08/2024) * ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ብዓወት በልጅማዊ ረምኮ ኢቨነፖል ተዛዚሙ፣ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ታሪኻዊ ተሳትፎኡ መበል 49 ብምእታው ኣጠናቒቑ፣ * ውድድራት ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ኣብ ዝቐጸልሉ ኢትዮጵያ ፈለማያ ዝኾነ ብሩር መዳልያ ብበሪሁ ኣረጋዊ ኣብ ውድድራት ጉያ እግሪ 10ሽሕ ሜትሮ ረኺባ፣ * ኣብ መጻረዪ ውድድራት 5000 ሜ ደቀንስትዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ጉዳፍ ጸጋይ፣ እጅጋየሁ ታየን መዲና አይሳን፣ ኣብ ውድድር 800 ሜ ኸኣ ጽገ ድጉማን ወርቅነሽ መሰለን ናብ ፍጻመ ሓሊፈን፣ * ኣብ ውድድራት ኦሎምፒክስ ህቡባት ኣትሌታት ምሕንባስ ኣብ ነብሶም ዝረአዩ ከበብቲ ዝቕርጾም ወይ ዓንኬላት በሰላ ናይ ብዙሓት መዘራረቢ ኮይኖም፣
ምምላስ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ካብቶም ኣብ ካልኦት ከባቢታት ብዝሓሸ ኣፈፃፅማ ንምትግባር ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ። 75 ሽሕ ሰራዊት ትግራይ ነበር ናብ ህዝቢ ንምጽምባር ዘኽእል ቅድመ ምድላው ይውገን ከም ዘሎ ተገሊጹ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዝሓርፈፈ ርክብ ከም ዘይብሉ ገሊጹ። ኤርትራ ንዝተወጽዐ ህዝቢ ፍልስጤም ንምድጋፍ ሒዛቶ ዘላ መርገጺ ብኢራን ተናኢዳ። ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ንዘረባ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ውዱቕ ብምግባር ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ መንግስቲ ዝርርብ ከም ዘየለ ገሊጹ።
ንሎሚ ሓሙስ 01 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ዕላል ምስ ጋዜጠኛን ገጣምን ሃይሉ ሳህለ ኣብዚ ክፋል ብዛዕባ ኣብ መጽሓፉ ዝርከባ ግጥምታት ኣዕሊሉ ኣሎ። ሎሚ ካል ኣይ ክፋሉ ከነቕቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ኣብ ኲናት ዝተዋግኡን ዝተሰውኡን ተዋጋእቲ ብናጻ መንበሪ ገዛን ናይ ስራሕ ቦታን ዘወንን ሕጊ ኣጽዲቑ በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ክሲ ‘ጸለመ’ዩ’ ዝብል ምላሽ ተዋሂቡዎ። ሸርፊ ወጻኢ ብዕዳጋ ክውሰን ንዝኣወጀት ኢትዮጵያ ንኣርባዕተ ዓመታት 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ክትረክብ ተመዲቡ። ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ኣጋር መዓልታዊ ነቲ ብእግሪ ናይ ምጉዓዝ ሕጊ ብዘይምፍላጥ ሕጊ የፍርሱ ። እዚ መቕጻዕቲ ከስዕብ ይኽእልን ሓሓሊፉ'ውን ሓደጋ የስዕብን፡ ነዚ ዝምል...
ኣርእስታት ዜና፥ ሚኒስተር ምክልኻል ኣውስትራሊያ ፡ ድሕሪ ቅትለት ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ኵነታት ናብ ዘይተደልየ ኩነታት ከይዓርግ መጠንቀቕታ ሂቡ ። ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቺካጎ ምስ ምሕበር ጋዜጠኛታት ጸለምቲ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ፡ ናይ ካማላ ሃሪስ ዉርሻዊ ዘርኣ ኣብ ሕቶ ምስ ኣእተዎ ኩነታት ናብ ተጻባኢ ኲነት ተቐይሩ። ኣል-ጀዚራ ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ኣብ እስራኤል ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ክልተ ካብ ጋዜጠኛታቱ ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ኣብ ኲናት ዝተዋግኡን ዝተሰውኡን ተዋጋእቲ ብናጻ መንበሪ ገዛን ናይ ስራሕ ቦታን ዘወንን ሕጊ ኣጽዲቑ ሸርፊ ወጻኢ ብዕዳጋ ክውሰን ንዝኣወጀት ኢትዮጵያ ንኣርባዕተ ዓመታት 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ክትረክብ ተመዲቡ። ማዕረ ውክልና ኩሎም ኣተሓሳስባታት ዘካተተ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ክጣየሽ ሰለስተ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ፀዊዐን። እዚ ጻውዒት፡ ህወሓት ኣብ ሓያል ምክፍፋልን ምጥቕቓዕን ላዕለዎት መሪሕነት ከም ዘሎ ኣብ ዝዝረበሉ ዘሎ ወቕቲ እዩ።
ካልኣይ ክፋል ዕላል ምስ ጋዜጠኛን ገጣምን ሃይሉ ሳህለ። ኣብዚ ክፋል ብዛዕባ ኣብ መጽሓፉ ዝርከባ ግጥምታት ኣዕሊሉ ኣሎ።
ንሎሚ 31 ሓምለ 2024 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ; ኣርእስታት ዜና፥ ሰራዊት እስራኤል ፡ ኣብ ርእሲ ከተማ ሊባኖስ ፡ በይሩት ፡ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ ካብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ናይ 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ተፈቒድዋ። ኣውስትራሊያዊት ካይሌ ማክከውን ኣብ ናይ ፓሪስ ኦሎምፒክ ኣብ ናይ 100 ሜትሮ ብናይ ምሕምባስ backstroke ናይ ወርቂ መዳልያ ተዓዊታ።
ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ኣጋር መዓልታዊ ነቲ ብእግሪ ናይ ምጉዓዝ ሕጊ ብዘይምፍላጥ የፍርሱ ። እዚ መቕጻዕቲ ከስዕብ ይኽእልን ሓሓሊፉ'ውን ሓደጋ የስዕብን ። ኣብዚ ኵነታት እዚ ከመይ ጌርና ካብ ዘይተሓስበ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ከም እንገላገልን ብኸመይ ካብ ሓደጋ ከም እንድሕንን ከምኡውን ንገለ ካብቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ልሙድ ሕግታት ኣጋር ምፍላጥ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።
ንሎሚ 30 ሓምለ 2024 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፥ ብ እስራኤል ክግበር ዝኽእል መጥቃዕቲ ብምስጋእ ኣውስትራሊያውያን ናብ ሊባኖስ ከይጉዓዙን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ "ቀልጢፎም ክወጹ" መንግስቲ ኣውስትራሊያ ጸዊዑ ። ምርጫ ፐንዙወላ ሲዒቡ ፓናማ ንዲፕሎማሰኛታታ ካብ ቨነዝዌላ ስሒባ ። ፕረዚደንታት ጂቡቲን ፈረንሳን ምሕዳስ ወትሃደራዊ ውዕል ክልቲኤን ሃገራት ፈሪሞም።