ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ነሓሰ 2024) - podcast episode cover

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ነሓሰ 2024)

Aug 15, 202452 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ንሎሚ ሓሙስ 15 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣምባሳደር ኣውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ጁልያ ነብሌት ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዑደት ኣካይደን። ምክትል ኣቦ ወንበር ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወጥሪ 'ፖለቲካዊ ድርድር' ክፍታሕ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘሎ ምምሕዳር ብምፍራስ ሓዱሽ ናይ ምትካእ ስራሕ ከም ዝቕጽል ተገሊጹ። ንመንግስትን ፋኖን ከቀራርብ ዝቘመ ቤትምኽሪ ሰላም ፈተናታት ከም ዝገጠሞ ሓቢሩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ኣርእስታት ጸብጻብ፡ እዩ ። ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 05 ክሳብ 08 ነሓሰ 2024 ዝተኻየደ ጉባኤ ዉድባት ኤርትራ ፡ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብዝብል ናይ ሰለስተ ዉድባት ስምምዕ ተገይሩ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ነቲ ናይቲ ጽላል መሰጋገሪ ክመርሕ ዝተመርጸ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ብዛዕባ’ቲ ዝተበጽሐ ስምምዕን መደባቶምን ክገልጸልና ሓቲትናዮ ዝሃበና መልሲ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብ ቐሪቡ ኣሎ። ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ምፍላጥን ምርዳእን ባህላዊ ሕክምና ዝብል ትሕዝቶ ኣለዎ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝዝርጋሕ ዘሎ ለበዳ ሕማም ሞንኪፖክስ ንኻልኣይ ግዜ ዓለምለኸ ለበዳ ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣዊጁ ። ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ታይላንድ ንቀዳማይ ሚኒስተር ስረታ ታቪሲን ካብ ስልጣኑ ኣባሪርዎ ። ኣምባሳደር ኣውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ጁልያ ነብሌት ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዑደት ኣካይዳ።
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android